ስምዒታዊ መሰናኽል ንውጽኢታዊ ምዝርራብ

“ምዝርራብ” ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወትና ይኣቱ። ብዘይ ውጽኢታዊ ዝርራብ፡ ዝጭብጭ ዝምድና፡ ሓዳር፡ ስራሕ፡ ዕርክነት፡ የልቦን። ዕውት ንግዲ ንምግባር፡ ጥቡቅ ምሕዝነት ምስ ቤተሰብ፡ መቅርብካ፡ መሓዝቱካ፡ ንምቅጻልን ንምዕቃብን፡ ውጽኢታዊ ዝርርብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ባእታ ምዃኑ ኩሉ ዝሰማማዓሉ ሓቂ’ዩ። “ውጽኢታዊ ምዝርራብ” ከኣ ሓሳብካ ብትብዓትን ብግቡእ ክትገልጽ ምኽኣል ጥራይ ዘይኰነ፡ ንቁሑን ንጥፉን ምስማዕ ዝሓቆፈ’ዩ። እዚ ድማ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት መዓልታዊ ህይወትና፡ ማለት ኣብ ቤትና፡ ስራሕና፡ ምስ የዕርኹትና፡ ኣገልግሎትና፡ ኣዝዩ ኣገዳዊ ክፋል ምድራዊ ጉዕዞና’ዩ።

እንተዀነ፡ ሓያል ማዕበል ኣሉታዊ ስምዒታት፡ ነዚ ንብሎ መዳይ ምዝርራብ ከይንለማመዶ፡ ግብራዊ ከይንገብሮ፡ ዓንቃጺ ይኸውን። ከምቲ መርከብ ኣብ ባሕሪ ብብርቱዕ ማዕበል ናብዝን ናብትን እናተደፍአት፡ ናብቲ ክትከዶ ወደብ ብሰላም ንኽይትበጽሕ ዘሸግራ፡ ከምኡ’ውን ብግቡእ ዘይተገርሐ ስምዒት፡ ንዝርርብ ከም ማይ ዘይብሉ ደበና ናብዝን ናብትን እናደፍአ ውጽኢታዊ ከይኸውን ይገብሮ ጥራይ ዘይኰነ፡ ስዲ ኽኸይድን ጎዳኢ ክኸውን ይገብሮ። ብግቡእ ዘይተኣልየ ስምዒት፡ ንሓድሕዳዊ ምዝርራብ ሃሳዪ፡ ሰባሪ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንዝነበረ ምትእስሳር ከም ዝብተኽ ይገብሮ።

ስምዒታዊ መሰናኽል” ክንብል ከለና ናይ ሰብ ናይ ምዝራብን ምስማዕን ዓቅሙ ዝሓልኩ፡ ዘሰናኽሉ፡ ብርጡብ መልእኽቱ ከየሕልፍን ከይርዳእን ዝገብሩ፡ ስምዒታዊ ረቋሒታት ማለትና’ዩ። ናይ ሰብ መሰረታዊ ስምዒታት፡ ፍቅሪ፡ ሓርቆት፡ ሓጎስ፡ ብስጭት፡ ሓዘን፡ ብግቡእ እንተዘይተታሒዞም፡ ንውጽኢታዊ ዝርርብ ብኣሉታ ክጸልዉ ይኽእሉ።
ስለዚ ምስ ካልኦት ኣብ ምዝርራብ ቅድሚ ምቁራና፡ ንውጽኢታዊ ምዝርራብ ዓገቲ ዝዀኑ ስምዒታት ክንፈልጥ ኣገዳሲ’ዩ። ብፍላይ ከም ሕብረተሰብ፡ ኣብ ውሽጥና ንነዊሕ ጊዜ ዝተኸዘነ፡ ብግቡእ መስርሕ ዘይሓለፈ፡ ንኣተሓሳስባናን ስምዒታዊ ግብረ መልስና ብኣሉታ ዝጸሉ፡ ተመኩሮታት ብዙሕ ኣለና።

1. ቁጥዓ

ምስ ብጻይካ ርሱን ክትዕ፡ ሕማቅ መዓልቲ ስለ እተውዕል፡ ክትሓርቅን ኽትንድርን መልሓስካ ከም ኩርማጅ ክትውርውርን ይገብረካ። “ኩራ ሰብኣይ ጽድቂ ኣይገብርን እዩ” ዝብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዘረባ ሓቂ’ዩ። ኣእምሮና ሓበሬታ ብግቡእ ከይምስርሕ (process)፡ ሕርቃን ዓቅሙ የግድሎ። ሓራቅ ሰብ ቀሊል ስነ-ሞጎታዊ ሓሳብ ክርዳእ ይሽገር። ትንታነ ዀነ መፍትሒ ክቅበል ዘለዎም ብቅዓት የጉድሎ።

ከምዚ ዝበሉ ሰባት፡ ክሳዕ ዝዝሕሉ ካብ ምዝርራብ ርእሶም ክግልሉ ኣለዎም። ሕርቃን ዝዝውሮም፡ ክገትእዎን ክኽልክልዎን ዝሽገሩ እንተኰይኖም ከኣ ሓገዝ ክደልዩ ናይ ግድን’ዩ። ስር መበገሲኡ ኣለልዮም፡ ፈውስን ፍታሕን ክረኽቡ ክጽዕቱ ኣለዎም። እንተዘይኰነ ብዝረሰነ ስምዒት ዝህብዎ ርእይቶ ኣብራሲ፡ ኣዕናዊ፡ ሃሳዩ ይኸውን።

2. ትዕቢት

ትዕቢት፡ ኩሉ ጊዜ ትኽኽል ክትከውን ምድላይ፡ ንኻልኦት የበሳጩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣፍደገ ውጽኢታዊ ዝርርብ ይዓጹ። ኣብ ናትካ ሓሳብ ጥራይ ብምቱኳር፡ ነቲ ሰብ ክትሰምዖ ከይፈተንካ ከተሸነፍዎ ምድላይ፡ ንምዝርራብ ገና ክይተሃንጸ ይቀትሎ። ኣብ ኩሉ መጎተ ክትዕወት ምድላይ፡ ናይ መጨረሽታ ዘረባ ናትካ ኽኸውን ምጽዓር፡ ንስምዒተ-ዘይምትእምማን ብጸብለልትነት ክትሽፍኖ ምፍታን፡ ካብ ትዕቢት ዝጭብጭብ፡ ንዝርብብ ፍረ-ዘለዎ ከይከውን ዝገብር መርዚ’ዩ።

ሰባት ክዘራረቡና ዝቐሎም፡ ፍጹም ዘይምዃና ርእስና ክንቅበላ ኸለና’ዩ። ተፈጥሮ ከም ዝምህረና፡ ሰብ ኩሉ ክኸውንን ክፈልጥን ኣይክእልን’ዩ። ብኹሉ ትኽክል ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን። ስለዚ ርእሱ ከትሕት፡ ምሉእ ዘይምኻኑ ርእሱ ክቅበል ምስ ዝጅምር፡ ናይ ምስማዕ ኣቅሙ ይዓቢ። ሓሳብ ካልኦት ክሰምዕ፡ ኣብ ሓሳቡን ልቡን ቦታ ክህቦም ዓቅሙ የስፍሕ።

3. ቅዛነት

ቅዛነት፡ ጊዚኣዊ ኰነ ክሊኒካል፡ ንሰብ ብምንጻል፡ ንሰባት ፈጺሞም ንዝርርብ ከም ዝነፍግዎን ዝርሕቅዎን ዝገብር ስምዒታዊ ቃልሲ’ዩ። ቅዛነት፡ ሰብ ንፈተውቱ ዝሑል ስምዒት ከም ዝህልዎ ይገብር። ትዕግስቱ ብምልሕላሕ ቀልጢፉ ከም ዝበሳጮ ስለ ዝገብሮ፡ ናይ ምስማዕ ኰነ ናይ ምዝራብ ዓቅሙ ኣዝዩ የግድሎ። ጊዝያዊ ሓዘንን ተስፋ-ኣልቦኖት ንሓሳቦም ስለ ዘጎልብብ፡ ንምዝርራብ ይርሕቅዎ፡ ተነጺሎም ኣብ ዕጹው በይኖም ክዀኑ ይደልዩ። በዚ ጸልማት ዝተጠቅዑ ሰባት፡ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ፈሊጥና ከነሳልዮም ብትዕግስቲ ስግምቶም ክንስጉም ኣለና።

4. ጭንቀት

ጭንቀት፡ ንምብልሓትን ክእለትን ምዝርራብ ዘመሓድር ክፍሊ ሓንጎልና ብኣሉታ ይጸልዎ። ብቀጻሊ ዝጭነቅ ሰብ፡ ኣትኩሩ ሓበሬታ ኣብ ምቅባልን ምሃብን ዘለዎ ክእለትን ዓቅምን ኣዝዩ የጉድሎ። ዘይህዱእን ብቀሊሉ ተነካኢ ስለ ዝኸውን፡ ካልኦት ካብኡ ክርሕቁ ይገብሮም። እዚ ድማ ነዊሕን ርጡብን ዝርርብ ካብ ምግባር ይዓግቶ።

ጭንቀት ካብ ህይወት ፈጺምና ከነወግዶ ኣይንኽእልን። መጠኑ ዝሓለወ ክኸውን ከሎ ንቁሓትን ትጉሃት ክንኸውን ስለ ዝገብረና፡ ምዛናዊ ዝዀነ ምርዳእ ክህልወና ኣለዎ። ዘይተዓግተ፡ ፍኑው ዝዀነ ጭንቐትና ግና ኣብ ጥዕናና ብሓፈሻ፡ ምስ ካልኦት ኣብ ዝህልወና ዝርርብ ዓቢ ከልካሊ ቀጽሪ’ዩ።

ሓይልና ኣብ ህድኣትን ምውካልን ምስ ዝኸውን፡ ኣብ እንኸዶ ይቀንዓና። ድሌትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጸሎትን ምስጋና ኣቅሪብና ክንሃድእ፡ ርእስና ክንኣልን እንተኺሊና፡ ውጽኢት ፍረኣዊ፡ ፍረ ዘለዎ ምዝርራብ ክንሃንጽ ንኽእል።

5. ፍርሒ

ካብታ ኣቦና ኣዳም ብሓጢኣት ዝወደቀላ ህሞት ኣትሒዙ፡ ፍርሒ ህይወት ሰብ ክዝውሮ ጀሚር። “ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰሚዐ ፈራህኩ፡ ጥራየይ እየ እሞ ተሓባእኩ” ኢሉ። ምስ ፈጣሪ ጥራይ ዘይኰነ፡ ምስ ከማና ዝበለ ሰብ ብግቡእ ከይንዛረብ ዓንቃጺ ስምዒታዊ ሰኸም’ዩ። ዝተመኩርናዮ እናተዘከረና፡ እንደገና ክንምከሮ ስለ ዘይንደልን፡ ፍርሒ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ከይንዛረቦ፡ ነጻ ኰይና ከይንሰምዕን ይኽልክለና።

ከይንንጸግ ምስ እንፈርህ፡ ናይ ሓቂ ድርኺትና፡ ውጥንና፡ ስምዒትና ንኸይንዛረብ ንኽልከል። ሰባት ከም ድኹማት ክይርእዩና፡ ብዝነገርናዮም ስምዒት ክየጥቅዑና፡ ምስ ተዛረብና ስምዒተ-ትሑት ክይስምዓና ስለ እንፈርሕ፡ ርእስና ናጻ ዘይንገድፍ ብዙሓት ኢና። ክንርጥረጥ ስለ ዘይንደሊ፡ ሰባት ቀረባና ከይንገብሮም ንፈርሕ። ናይዚ መበገሲ ከኣ ዝሓለፈ ዝተመኰርናዮ ኣሉታዊ ዘቀንዙ ተመክሮ ክኸውን ይኽእል። እዚ ኸኣ ብስምዒት ርሑቃት ክንከውን ይቀስበና።

ገሊኣትና ኸኣ “ከይፈርዱና” ስለ እንፈርህ፡ ገዛእ ርእስና ክንዛረብ ኣይንደልን። ምስ ሰባት ከየባእሰና ስለ እንፈርህ፡ ካብ ምዝራብ ንቁጠብ። ግርጭት፡ ምስሕሓብ፡ ከነወግዶ ዘይንኽእል ናይ ህይወት ባእታ ክነሱ፡ ንገሊኣትና ዝፈጥረልና ክርሁን፡ ፉንፉንን፡ ጽሉእን፡ ዝዀነ ዘይምቹእነት ኣሎ። ነገራት ዘይተጸበናዮ ክኸውን ከሎ፡ ብግሊ ዝተጠቃዕናን ዝተፈረድናን ይመስለና። ‘ቲ ሓቂ ግላዊ ዘይምኻኑን፡ ኣውንታዊ ውጺትን ለውጥን ከምጽእ ከም ዝኽእል እናተረዳኣና ክነሱ፡ ፍርሒ ኣብ ውሽጥና ዝሕውን ክብል ከሎ ይስምዓና። እዚ ኸኣ ናይ ምዝራብ ዓቅምና የሰንክሎ።

ስለዚ ነዚኦም ዝጠቀስናዮም ስምዒታዊ መሰናኽላት ፈሊጥና፡ ኣብ ንገብሮ ዝርርብ ብኸመይ ከም ዝዕንቁጽና ተረዲእና፡ ንምፍታሖም ክንጽዕት ኣለና። ካብ ስምዒታትና ክንሃድም፡ ክንሓብኦም እንተፈቲና፡ ህይወትና ብኹሉ መዳይ ዝተሓንቀ ይኸውን። ከምቲ ደቂ እስራኤል ኣብ በራኻ፡ ኣብ ሓደ ኸረን ኰለል ኢሎም ዝሞቱ፡ ንሕናውን ካብ ዘለና ሽግር ከየምለጥና፡ ቅልስ ዝዀነና ከይተፈትሐ፡ ኣብ ሓደ ኣሰልቻዊ ናይ ህይወት ዓንኬል ክንነብር ይገብረልና። ስለዚ ሃየ ንሽግርና ብምእማን ንጀምር።