ስምዒታዊ ተዓጻጻፍነት

“ነኽናኺ” ወይስ “መኰማስዕዒ”፧

ስምዒታዊ ተዓጻጻፍነት ማለት ትኽኽል ዝዀነ ስምዒት ኣብ ትኽኽል ሰብን ኣብ ትኽኽል ኩነትን ብግቡእ ናይ ምትግባር ክእለት ምህላው እዩ። እዚ ኸኣ ኣብዚ ናይ ምድራዊ ጉዕዘና ኣገዳስነት ኣለዎ። ከምቲ ኣብ ጊዚኡ ዝተነግረ ግቡእ ቃል መዳርግቲ ዘይብሉ፡ ከምኡ’ውን ብግቡእ፡ ኣብ ትኽክል ጊዜ፡ ዝተመሓለፈ ስምዒት ውጽኢቱ ሰናይ’ዩ።  ብፍላይ ንዝተሓዋወሰን ናዕቢ ዝመልኦ ዝርርብን ዝምድናን ንምእላይ ስምዒታዊ ተዓጻጻፍነት ዓቢ ተራ ኣለዎ። ከምቲ ኣካላትና ግቡእን ቀጻልን ምንቅስቃስ ምስ ዝረክብ፡ ካብ ሃንደባታዊ ሓደጋ ንሙምሏቅ፡ ንዝገጥሞ ጎነጽ ንምምካት ተዓጻጻፍነትን ጽንዓትን ዝህልዎ፡ ስምዒትና ‘ውን ከምኡ’ዩ። ብዝግባእ ምስ እንኣልዮ፡ ኣብ ስምዒታና ዝፍጠሩ ኣሉታዊ ኰነ ኣውንታዊ ተርእዮታት ኣፍልጦ እናሃብና፡ ብግቡእ መስርሕ ከነሕልፎም ከለና፡ ስምዒታዊ ጭዋዳታትና እናተመልኩልና፡ ስምዒትና ብዝግባእ ክንኣልን ክንመልኽን ዓቅሚ ይህልወና።

ብዛዕባ መሰረታዊ ስምዒታትና፡ ዝተፈላለዮ በዓል ሞያታት ዝተፈላለየ ቁጽሪ ክህቡና ይኽእሉ እዮም። ብሓፈሻ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ ግና፡ 7 መሰራታዊ ስምዒታት ኣለውና። ንሳቶም ከኣ ሓጎስ፡ ሓርቆት፡ ሓዘን፡ ፍርሓት፡ ምግራም፡ ምጥዓስ፡ ምፍንፋን ይበሃሉ። እዚኦም ስምዒታት ንብዙሕ ዓመታት ኣባና ሰፊሮም፡ ብብዙሕ መገዲ ሓጊዞምና እዮም። እዚ ኸኣ ብፈጣሪ ንሰብ ዝተዋህበ ውህበት እዩ። ዓይነታቶም ከኣ “ምቹኣትን” “ዘይምቹኣትን” ብምባል፡ ኣብ ክልተ ዝርጋሔ ክንመቅሎም ንኽእል። እቶም ዝበዝሑ፡ ማለት 5 (ሓርቆት፡ ሓዘን፡ ፍርሓት፡ ምጥዓስ፡ ምፍንፋን) ፡ በቲ ምቾት-ኣልቦ ዝዀነ ጫፍ ዝርጋሔ ይርከቡ።

ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ፡ ዝበዝሑ ስምዒታትና ጸልማት ዝዀነ ናይ ሰብ ተመክሮ የንጸባርቁ ምኻኖም እንታይ የመልክተና፧ ሰብ ኣሉታዊ ዝዀነ ስምዒታት እናተጠቀመ እዚ ኹሉ ዘመናት እንተጸኒሑ፡ እቶም ዘይምቹኣት ንብሎም ስምዒታት ዕላማ ኣለዎም ማለት ደዩ፧ ዋላኳ ዘይምቹኣት እንተዀኑ፡ ከነወግዶም ከይፈተና፡ ብኣንጻሩ ጥቅሚ ዘለዎም ክፋል ህይወትና ጌርና ክንቅበሎም ዘለና ነዚ ድዩ፧ ዝብል ካልእን ሕቶታት ክንሓትት ንቡር’ዩ።

መልሱ “እወ” እዩ። ካብቲ ዘገርም፡ መብዛሕትና እንኸዶ መገዲ ግና፡ ንስምዒትና ተቀቢልና ብኸመይ ምስኡ ክንነብር ከም ዘለና ዘርኢ ኣይኰነን። መብዛሕትና ንኣሉታዊ ስምዒታትና ገጽ ንገጽ ክንገጥሞም ብዘይምድላይና፡ ብደፈና ኣንፈቶም ብምልዋጥ፡ ብምጉልባብ፡ ብምሽፋን፡ ክንሃድእ ንፍትን። ጌሊኣቶም ነዞም ከምዚ ዝበለ ኣሉታዊ ስምዒታት ክስዕርዎም ይሽገሩ።  ገሊኣቶም ከኣ ምስ ኣሸገርቲ ስምዒታት ብስሊኽነት፡ ሕጫጨ፡ ብዕቱብ ከይረኣዪ፡ ከም ዘየገድሱ ብምሕሳብ፡ ክጎስይዎም ይፍትኑ። ገሊኣቶም ከኣ ንስምዒቶም ዕሽሽ ብምባል ዘሊሎምዎም ክሓልፉ ይፍትኑ።

ሰምዒትና ቀቲልና ገዛእ ርእስና ከነላቅቅ ክንፍትን ከለና፡ ግዳይ ዝኸውን ጥዕናና’ዩ። ነዚ ንብሎ ዘለና ብንጹር መታን ክርድኣና፡ ሰባት ንኣሉታዊ ስምዒታቶም ዝህብዎ ክልተ ዓይነት ኣቃልቦ ክንርኢ ኢና

  1. ነኽነኽቲ

እዚኦም ከምዚ ዝበሉ ሰባት፡ ንኣሉታዊ ስምዒታቶም ኣብ ውሽጦም ብምቅባር፡ ንቡር ናብርኦም ክገብሩ ይፍቱኑ። ዘየድልዩ ስምዒታት ዝብልዎም ከም ዘይምቹኣትን ኣቋልቦ ወሰድትን ብምርኣይ ንጉኒ ክደፍእዎም ይፍትኑ።

ስርሑ ዝጸልእ “ነኽናኺ” እንተኼንካ፡ “እንቋዕ ጥራይ ስራሕ ሃለወኒ” ኢልካ ብምምኽናይ፡ ንኣሉታዊ ስምዒታትካ ስቅ ከተብሎም ትፍትን። ኣብ ዘለካ ዝምድና ዘይሕጉስ እንተኼንካ፡ ኣብ ክስራሕ ዘልዎ ፕሮጀክት ገዛእ ርእስኻ ብምስባን፡ ስምዒትካ ክትርስዕ ትፍትን። ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ እንተተዋሒጥካ፡ “ናተይ ጊዜ’ውን ክመጽእ’ዩ” ብምባል፡ ሓዘንካ ወይውን ጭንቀትካ ንጎኒ ክትደፍእ ትፍትን። ብዛዕባ ባጀትን ምምዕርራይ ስራሕ ዝጭነቁ ሰራሕተኛታት እንተሃልዮምኻ፡ ኣሉታዊ ስምዒታት ከይገሃድ ብምፍራህ፡ ኣብቲ ጉዳይ ጎቦ ጎቦ ይብሉ።

ናይ ከምዚ ዝበለ ስምዒታዊ ኣተኣላልያ ጸገም፡ ሽሕኳ ንስሚዒትና ሸለል ብምባል ክንሽፍኖ እንተፈተና፡ ‘ቲ ቀንዲ ጠንቂ ዝዀነ ሱር ነገር ክንትንክፍ ኣይገብረናን’ዩ። ከምዚ ዝበሉ ሰባት ከኣ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናብቲ ዝነበርዎ ከርፋሕ ስራሕ፡ ዝምድና፡ ኩነታት ተመሊሶም ንረኽቦም። ኣብ ዘይልወጥን ዘይዓብን ናይ ህይወት ዓንኬል ይቁለፉ። ኣብ ህይወቶም ዘሎ ኣሉታዊ ስምዒታት ሸለል ብምባል፡ ንቅድሚት ኣብ ምድፋእ ጥራሕ ሓሳቦም ብምቅናዕ፡ ምስ ስምዒታቶም ስለ ዘይራኸቡ፡ ሓቀኛ ዕቤትን ለውጥን ንኸምጽኡ ይኽልከሉ።

ኣብ ስምዒትካ ዘሎ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ መታን ክወጽእ፡ “ኣብ ኣውንታዊ ዝዀነ ስሞዒታት” ጥራይ ሓሳብካ ኣውድቅ ዝብል፡ ካልኣይ ገጽ ናይዞም “ነኽነኽቲ” ዝበሃሉ ሰባት’ዩ። ክንስሕቶ ዘይብልና ሓደ ሓቂ እንተሃልዩ፡ ሓደ ነገር ንዘይምግባር ዝግበር ፈተነ ዝሓቶ ኣእምሮኣዊ ጸዓት ዓቢ ምኻኑ’ዩ። መጽናዕቲ ከም ዝሕብርዎ፡ ንሓሳባት ኰነ ንስምዒታዊ ጸገማት ከተነኣእሶም ኰነ ሸለል ክትብሎም ምፍታን፡ ሓዲሮም ካብቲ ዝነበሮም ዓቀን ጎሊሖም ከም ዝግለጹ ብተመክሮ ዝተረጋገጸ ሓቂ’ዩ።

ስምዒትካ “ክትንኽንኽ” “ክትጸቅጥ” ምፍታን ብጽቡቅ ሃቀና ክገብርዎ ስለ ዝፍትኑ፡ ንግብራዊ ሰብ ፍረ ዘለዎም ይመስሎ። ንገዛ ርእሶም ብ”ኣውንታዊ ኣተሓሳስባ” “ንቅድሚት ትምናወ” ብዝብል ክልሰ ሓሳብ ከእምንዋ ይፍትኑ። ዘየድልዩ ኣሉታዊ ስምዒታትና ከኣ ባዕሎም ዝበኑ ይመስሉና። ብዕቱብ ክንግንዘቦ ዘለና ሓቂ እንተሃልዩ፡ ስለ ዝተዓቅሩ ጥራይ ዘገርም ሓይሊ ተዓጢቆም፡ ኣብ ዝምችኦም ጊዜ ንኽወጹ ኣብ ታሕቲ ይሕብኡ ደኣ እምበር፡ ናብ ዝኸድዎ የብሎምን።

እዮ32፡19 – “እንሆ ውሽጠይ ከም ሕቱም ወይኒ ብጎዕሽ ወይኒ ኪቕደደ ከም ዝቐረበ ሓርኒ እዩ”

“መዃማሳዕቲ”

እቶም ካልኣይ ዓይነት ሰባት ከኣ ንኣሉታዊ ስምዒታቶም ብ”ምኩምሳዕ” ክኣልይዎ ይፍትኑ። “ምኩምሳዕ” ቀረባ መሓዛ ናይ ጭንቀት’ዩ። ክልቲኣቶም ብብርቱዕ ርእሰ-ኣተኩሮ ዝተሰነዩ፡ ኣብ ሕጂ ዘይኰነ ህሞት ክነብሩ ይደልዩ። “ጭንቀት” ናይ ዝመጽእ (future) ክሓስብ ከሎ፡ “ምክሙሳዕ” ከኣ ኣብ ሕሉፍ (past) ይዓርድ። ኰረብታ ክንዲ ኣኽራን፡ ንኡስ ገበን ከኣ ኣዝዩ ዓቢ ብምግባር ሚዛናውነት የጥፍኡ። እዚ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ምስትንታን” ዝብሎ ተቃራኒ’ዩ። “ምስትንታን” ብተግባርን ሓሳብ ኣምላኽን ዝተሰነየ  ክኽውን ከሎ፡ “ምክሙዳዕ” ኣብ ሕሉፍ ማህሰይትን፡ ቃንዛን፡ በደልን ይሰፍር። እዚ ኸኣ ኣብ ህይወትና ብኽሉ ሸነኽ ዝፈጥሮ ሃስያ ምግማቱ ኣሸጋሪ’ዩ።

ኣብ ሽግር ምፍታሕ፡ እዞም “መኰማሳዕቲ” ንብሎም ን “ነኽነኽቲ” ብሓደ ነገር ይቅድምዎም። ንሱ ኸኣ “መኰማሳዕቲ” እንተወሓደ ብዛዕባ ስምዒታቶም ኣቃልቦ ኣለዎም። ነዞም “መኰማሳዕቲ” እንብሎም ዘንጸላልዎም ሓደጋ፡  ልሕኰት (leakage) ዘይኰነ፡ ብኣሉታዊ ስምዒት ምዕልቅላ’ዩ። እዚ ኸኣ ሓደኛ እዩ። ካብዚ ኸኣ’ዩ ቅዛነት፡ ምረት፡ ቅሬታ ዝፈልቅ። ኣብዞም “መኰማሳዕቲ” እንብሎም ኣሉታዊ ስምዒታት ሓይሊ ዝረኽቡ ስለ ዝተዓጽዉ ኣይኰነን። ከምቲ ህቦብላ ንፋስ ኣብ ዓንኬል ክዘውር ከሎ ሓይሊ እናወሰኸ ዝኸይድ፡ ኣብዞም “መኰማሳዕቲ” ዘሎ ስምዒት’ውን ከምኡ’ዩ። ተተመሊሶም ከከማስዕዎ፡ ኣብኡ ጠንቀላዕላ ክብሉ ከልው፡ ኣሉታዊ ስምዒታቶም ሓይሊ እናወሰኸ ይኸይድ።

እዞም ከምዚ ዝበሉ ሰባት ንኣሉታዊ ስምዒቶም ብምኩምሳዕ፡ ገዛእ ርእሶም ከጸናንዑ ይፍትኑ። ኣሉታዊ ስምዒታት ምኩምሳዕ ኣብ ውሽጦም ዝፈጥሮ ደበሳዊ ስምዒት ዝመስል ስለ ዘሎ፡ ከይተፈለጦም ኣብ ናይ ምኩምሳዕ ልምዲ (adiction) ይሽመሙ። ከየቋረጹ  ብምሕሳብን ብምኩምሳዕን፡ ንዘይምሕጓስን ንከቢድ ስምዒታዊ ቋንዛታትን ክኣልይዎም ይፍትኑ። ኣብ መጨረሽታ ከኣ ‘ቲ ቀንዲ ናይ ሽግሮም ሱር ከይርኣይዎ ይናገደደ ይኸይድ።

ስለዚ እንታይ ንግበር፧

በዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ክልተ ዓይነት ኣተኣላልያ ስምዒት ክንከይድ እንተፈቲና፡ ንጥዕናና ኰነ ንውሽጣዊ ሓጎስና ኣብ ሓደጋ ምእታው’ዩ። ናብቲ ሱር ነገር ክንከይድ እንተዘይኪእልና፡ ንስምዒታዊ ቃንዛና ምኽንያት ዝዀነ ነገር ሓንሳእ ንሓዋሩን ዝኸውን ፍታሕ ኣይንረክብን ኢና።

ኣእዳወይ መጽሓፍቲ ሒዙ ከሎ ምስ ዝዝርግሖ፡ ንሓደ ደቂቅ ምንም ከይኰንኩ ክስከሞ ይኽእል። ክልተ ወይ ሰለስተ ደቃይቅ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን 10 ደቃይቅ ምስ ዝሓልፍ፡ ኣእዳወይ ከንቀጥቅጥ ይጅምር ። ብዝተዘርግሐ ኣእዳው ነገራት ክንሽከሞ ክንፍትን ከለና፡ ምስ ጊዜ ኣዝዩ ኣድካሚ እናዀነ ይመጽእ። ከይፈተና’ውን ዝተሰከምናዮ ክወድቅ ንገድፎ። ስምዒትና “ብምንኽናኽ” ክንኣልዮ ክንፍትን ከለና’ውን ከምኡ’ዩ ዝኸውን።

ንመጻሕፍቲ ኣብ ኣካላተይ ኣጥቢቀ፡ ኣጽኒዐ ሓቒፈ ክሕዞም እንተፈቲነ፡ ጭዋዳታት ኣእዳወይ ከንቀጥቅጥ ይጅምር። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት፡ ኣእዳወይን ቅልጽመይ ስለ ዝጭበጥ፡ ካልእ ነገር ከገብር ክእለት የብለይን። ኣሉታዊ ስምዒታትና “ከነኰማስዕ” ከለና’ውን ከምኡ ይኸውን።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ክልተ ኣተሓሕዛ፡ ምስ ኣብ ከባቢና ዘላ ዓለም ብግቡእ ክንዋሳእ ኣይገብረናን። ንደቅና ክንሓቁፍ፡ ምስ ኣዕርኹትና ክንህሉ፡ ሓድሽ ምህዞ ክንፈጥር፥ ሽታ ሓድሽ ዝተዓጽደ ሳዕሪውን ክንሕጎሰሉ እንተዀይኑ፡ ስምዒትና ብዝግባእ ክንኣሊ ኣለና። ምስ ስምዒትና ክንሓድር፡ ክንቅኒ፡ ተተርኢስናዮ ክንድቅስ የብልናን። ከም ዘየለ ክንክሕዶ፡ ወይውን ክንጸቅጦ እንተፈቲና፡ ኣብ ዝሃለዎ ሃልዩ ክጭጭሕ’ዩ። ብዝገደደን ብዝኸፍአን ብዝተበኸለን መገዲ ኸኣ ነቲጉ ክወጽእ ከሎ ክንዕዘብ ኢና። ስለ ብዝግባእ ክንገልጾ፡ ብግቡእ መስርሕ ኣብ ግዚኡ ክንፈትሖ ክንጋደል ኣለና።

ልዕሊ ኩሉ ናይ መጀምርያ ስጉምትና ክኸውን ዘለዎ፡ ከም ሃና ነፍስና ዝተስከመቶ ሓልዮትን ጓህን ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ክንኩዑ ክንምብርከኽ ኣለና። 1ጴጥ 5:7 1 ሳሙ1 ድሌትና ዘበለ ብጸሎትን ልማኖን ምስ ናይ ምስጋናን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እናኣቅረብና፡ እቲ ኣብ ህላውነት ኣምላኽ ብምኻን ዝርከብ ናይ ሓጎስ ጽጋብ ክንምከሮ ምስ ኣምላኽ ዝቀረበ ርክብ ክንፈጥር ክንተግህ ኣለና። ሓሳብና ኸኣ በቲ ዝገጠመና ማህሰይትን ቃንዛን ዘይኰነ፡ በቲ ብሩህ ናይ ህይወት ገጽ፡ ብተስፋ ኣምላኽ፡ ክተሓዝን ከንስተንትንን ከነለማምዶ ክንጋደል ኣለና። ፊሊ4:6-9

ካብ ሱሳን ደቪድ ዝጸሓፈቶ “why you should embrace your darkness” ዝብል ሓጺር ጽሑፍ ከም ወከሲ ዝተውስደ፡

 

Author

Samson Mesghena