ብቕርሕንትን ሓርቆትን’ዶ ትድረኽ ትህሉ፧

ብክቱር ቕርሕንትን ሓርቆት(ናይ ውሽጢ ቁጥዓን) ዝድረኽ ህይወት ሰባት

እዞም ብክቱር ቕርሕንቲ – ማለት ሓደ ነገር ምስ ኣኾረየካ ንነዊሕ እዋን ምስሓዝካዮ ናብ ቕርሕንቲ ይቕየር።  ቕርሕንቲ ድማ ኣብ ኩነታትን ኣብ ሰባትን ንዘሎካ ኣረኣእያ ይቅልሶ፡ ማለት ነገራት ብኣወንታ ካብ ምርዳእ ናብ ኣሉታዊ ቱርጓሜታት ንክትወስዶ ይቀለልካ። ንዝኾነ ዓቢ ኮነ ንእሽተይ ርክባትን ዝምድናታትን እትርእየሉ መረጼንካ ይበላሾ። ንኣብነት ብቕንዕና ንዝተባህለካ፡ ብቀሊሉ ናብ ግጉይ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣተራጓጉማ ትህቦ። ብቐሊሉ ንሰባት ዘይኮኑዎ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዝኾነ ድምዳሜታት ብዛዕብኦም ክትህብ ይገብረካን፡ ብኸምኡ ድማ ህይወትካ ትመርሕ። ኣዝዮ ኣሸጋሪ ነገር ድማ እዩ። ኣብ ሕሉፍ ህይወት እዞም ሰባት፡ ብቀጻሊ ዝተፈጸመ መጉዳእቲ ኣሎ። ካብዚ ሽግር’ዚ ንምህዳም ዝጥቀምሉ እንኮ መምለጢ መንገዲ ድማ ብዛዕባ ካልኦትን ካልእ ነገራትን ናይ ገዛእ ርእሶም ርዲኢትን ኣተሓሳስባን ብምሃብ እዩ። እዚ ድማ ፈጺሙ ካብኦም ኣይርሕቕን እዩ።

 

ምሕረት ዘይምግባር፡ ማለት ነቲ ዝሓለፍዎ ወጥርታትን ሽግራትን ዘይምትዕራቑ እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባታት ኣብ ገዛእ ርእሶም ብምትእንጋድ፡ ነቶም ዝሓለፍዎም ነገራት ኣብ ኣእምሮኦም ብብዝሒ ብምስልሳል ውሽጣዊ መጉዳእትታት ይፈጥሩን የቛስሉን። ኣብ ማሕበራዊ ናብራን ኣብ ምትሕውዋስን (exposure) ድማ ኣዝዮም ድኹማት ይኾኑ። ኣብ ህይወት ዝገጥሙ ገለ ገለ ቕርሕንትታት፡ ንሰባት ዝሑላት፡ ፈዛዛት፡ ዘይተሓዋወሱ፡ ዝምድና ዘይፈጥሩን ሽግሮም ኣጉሊሖም ንክርእዩ ብምግባር ውሽጣዊ ሽግራቶም የበኣእሶ። ብኻ እዚ ኣብ ህይወተይ ተሪፉኒ ነይሩ፡ ብኻ እዚ ከይገበርክዎ ተሪፈ እንዳበለ ድማ ብብዙሕ ጣዕሳ ንህይወቶም ኣብ ማሕዩር የእቲዮም ይነብር።

መዓስ እዚ ጥራይ፡ ካልኦት ድማ ብቀሊሉ ከም ዝትኮሱ፡ ዝዃሽሑን፡ ከም ዝንድሩ ይገብሮም። ልኽዕ ከም ተፈንጃሪ ነገር ድማ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብጣዕሚ ይንድሩ። ብግዜ ዝትኾስ ቦምብ (time bomb) ልኽዕ ዝትኾሰሉ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ ብሓይሊ እዩ ዝትኽዕስ፡ ኣብ ብዙሕ ሰባትን ንብረት ድማ ዕንወት ይፈጥር። እዚ ተደጒሉ ዝጸንሐ ሓርቖት፡ ብምኽንያት እቲ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ጣዕሳ፡ ኣበሳ፡ ወቐሳን ውሽጣዊ ቕርሕንትን ዝስዕብ እዩ። እምበኣር ሰባት ፈትዮም ኣይኾኑን ዝንድሩን ዝዃሽሑን፡ እንታይ ደኣ እቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ግዚኡ ዝጽበን ዝሕሉን ውሽጣዊ ሽግራቶም እዩ። እዚ ግን እቲ ኣብ ውሽጦም ተደጒሉ ዘሎ ውጽኢት ናይ ቕርሕንቲ ጣዕሳን ዝኾነ ዕቑር ሓርቖትን እዩ። ይኹን እምበር፡ ክልቲኡ መልሰ ግብሪታት ማለት ቕርሕንትን ሓርቖትን ዘይጥዕናውን ዘይሓጋዝን ኮይኑ ፈውሲ ዘምጽእ ኣይኮነን። ኩሉ ዝምድናታትን ርክባትን ዕላላትን ኣብ ቤተክርስትያን ኮን ኣብ ማሕበራዊ ናብራና ጥዑይ ክመስል ይኽእል እዩ፡ ግን ሰብ ብውሽጡ ዝሓዞ እሞ ከኣ ኣብ ህይወቱ ዝሓልፎ ዘሎ ድምር ናይ ዝተፈላለየ እዋን ሓርቖቱን ቕርሕንቱን እዩ። ስለዚ፡ ስለምንታይ ኢኻ እቲ ምስ ሰባት ክትቐርብ እንከሎኻ እተርእዮ ባህሪያት ዘሎካ፧

 

ኩሉ ግዜ ክቱር ቕርሕንቲ ኣብ ህይወት ጎዳእን ዘይጥዕናውን እዮ። ብዙሓት ናይ ጥዕና መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ፡ መብዛሕትኦም ውሽጣዊ ሕማማት ብጽልዋ ዝተፈላለዩ ስምዒታዊ ጸገማት ከምዝበኣኣሱ ይሕብሩ፡ ብፍላይ ከኣ ከም እኒ ቂም፡ ቕርሕንቲ፡ ሓርቖትን ነድርን ብ70% ንውሽጣዊ ሕማማት የጋድድዎም። ሰብ፡ እዚኣ ዝገበርኩላ መዓልቲስ እንዳ በልና፡ እህህ እንክብል ንሽግሩ ብዝያዳ የበኣእሶ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ካብቲ ተቀይምካሉ ዘለኻ ሰብ ብዝበዝሐ ንገዛእ ርእስኻ እንዳጎዳእካ ትነብር ማለት እዩ። ምናልባት እኳ፡ እቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ መጉዳእቲ ዘእተዉካ ሰባት፡ ነቲ ነገር ረሲዐሞ ይኾኑ። እቲ ተበዲለዮ እትብሎ ነገር ግን ንህይወትካ ኣሲሩ ሒዝዋ ኩሉ ግዜ ምሳኻ ይቕጽል ይህሉ ይኸውን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እትነብሮ ናብራ ድማ ምሳኻ እዞም ዝጎድኡካ ሰባት ኣለዉ፡ ክትድቕስ፡ ክትትንስእ፡ ክትበልዕ፡ ክትሰቲ ወዘተረፈ። ሓደ ጸሓፊ ከምዚ ኢሉ፡ “ሰባት ክንብሃል፡ ብዙሕ እዋን ምስ እንፈትዎም ሰባት ዘይኮንናስ፡ ምስ እንጸልኦም ሰባት ኢና ዝበዝሐ ግዜና እነሕልፍ” ኢሉ። ምስ’ዚ ክንዘራረበሉ ዝጸናሕና፡ እዚ ኣበሃህላ’ዚ ሓቂ ኣለዎ። ምኽንያቱ እንተደኣ ክንበልዕ ኮነ ክንሰቲ ምሳና ሃልዮም፡ ዝበዝሐ ግዜና ይወስዱ ኣለዉ ማለት እዩ። እቲ ሕሉፍ ህይወትና፡ ነዚ ሎሚ እትነብሮ ዘሎኻ ናብራ፡ ኩሉ ግዜ ኣሲሩና ይነብር ኣሎ ማለት እዩ። ኣብዚ ነስተውዕል፡ እቶም ሓንሳእ ንህይወትና ዝጎድኡዋ ሰባት፡ እንዳጎድኡና ክቕጽሉ ኣይክእሉን እዮም። ሓንትስ ብገዛእ ፍቓድና፡ ኣብ ቃንዛን ሕሉፍ መጉዳእትታት ህይወትናን፡ ብመንገዲ ቅሬታን (resentment) ምረትን እንተዘይኣፍቂድናሎም።

ሕሉፍካ ሕሉፍ እዩ! ዋላ ሓንቲ ነገር ዝቕየር የለን። ንገዛእ ርእስኻ ብሕሉፍ ምረት (bitterness) ኢኻ ትጎድኣ ዘሎኻ። ምረትካን ቅሬታካን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክፍውሶ ይኽእል እዩ። ምሕረት ብምግባር ድማ ይኺድ፡ ይሕለፍ ጥራይ ሕደጎ፡ ግን ካብኡ ተመሃር ንገዛእ ርእስኻ ድማ ክትጠቅማ ንክትፍወስ ሓይሊ ክትረክብን ኢኻ። ዝሓለፍናዮምን እንሓልፎን ዘሎና ሽግራትን መከራታትን መረርትን ከበድትን እዮም፡ እግዚኣብሄር ግን ህያው እዩ። ሎሚ’ውን ንምፍዋስ ቅሩብ እዩ፡ ሓንትን ንሕና ምሕረት ንምግባርን ምስ ገዛእ ርእስና ንምትዕራቕን ቅሩባት ንኹን። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ ንደንቈሮ ሰብ ኲራ ይቐትሎ፡ ንዓሻ ኸኣ ቅንኣት የጥፍኦ።እዮ 5፡2። ኣብ ካልእ ናይ እንግልዘይና ትርጉም ከምዚ ትብል፡ ብቐጥታ ክትርጎም እንከሎ፡ ክሳብ ሞት ምጭናቕ ምስ ቅሬታ (resentment) ዕሽነት ይኸውን፡ ትርጉም ዘይብሉ ነገር ድማ ይገብር” (Job 5:2, Today’s English Version)እዚ ማለት ሰብ ብቅሬታን ብጭንቀትን ተታሑዙ ክሳብ ሞት ክጭነቕ ይኽእል እዩ፡ ህይወት ትርጉም ስኢንሉ ድማ ብዘይ ዓላማ ንክነብር ይቕስቦ። እግዚኣብሄር ግና ብዓላማ ክሳብ ዝፈጠረና፡ ብዓላማ ክንነብር እዩ ዝደልየና እሞ፡ ተንሲእና ብሓድሽ ህይወት ንመላለስ።

እግዚኣብሄር ይደግፈና። ኣሜን።

ይቅጽል . . .

 

 

By Zerisenai Berhane