ናይ ሓንጎል ማህሰይቲ (Brain Injury)

ኪና እናዘወረ ከሎ በዚ መጺኣ ዘይበላ ካልእ መኪና ሃሪማቶ። መኪናኡ ፈጺማ ካብ ስራሕ ወጺኢ ኰይና ተደርብያ። ካብቲ ዝገርም ግና በዘይካ ጎንጺ፡ ማህሰይቲ ኣብ የማነይቲ ኢዱ፡ ካልእ ዝርአ ማህረምቲ ኣብ ኣካሉ ስለ ዘይነበሮ፡ ካብ ከምኡ ዝበለ ሓደጋ ብህይወት ምውጻኡ ዳርጋ ኩሉ ገሪምዎ። ንፈጣሪ ከኣ ኣመስጊኑ።

ካብ ስምባደ ዲዩ ወይስ መዘወሪ መኪና ስለ ዝሃረሞ፡ ምኽንያቱ ብዘይፍለጥ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ (coma) ኣብ ሆስፒታል ደቂሱ እዩ። ናይ ሓንጎል መድመይቲ ገጢምዎ፡ ጸቕጢ ቀረንቀራዊ ናይ ሽክና ርእሲ (intracranial pressure) ጌርሉ ከይከውን፡ ሓካይም ተቐላጢፎም መርመራ ኣካይዶም። ወለሓደ ጸገም ግና ኣይረኸቡን። ናብ ቀልቡ ተመሊሱ ክሳዕ ዝትስእ ክጽበይዎ ግድን ኰኖም።

ፈጣሪ ፈቂድዎ ከኣ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ናብ ቀልቡ ተመሊሱ። የዒንቱ ተኸፊቱ፡ ልሳኑ ተፈቲሑ። ብሻቡ ዝዀነ ጸገም ዘይምርኣዮም ዝብልዎ ጠፊእዎም ኣዝዮም ተገሪሞም። ናብ ገዛ ዝኸደሉ ምስ በጽሐ ከኣ ምስ ብዙሕ ሓበሬታ ኣፋነውዎ።

ምስ ግዜ ግና ጠባዮ እናተቀየሮም ከይዱ። ርእዮምሉ ዘይፈልጡ ክርእዮን ክሰምዑን ብምጅማሮም ግር ክብሎም ጀመረ። በሊሕን ምቕሉልን ዝነበረ፡ ምስ ጠባዮን ባህርያቱን ዘይከድይ ክገብረን ክዛረብ ምርኣዮም ተሻቀሉ። ጠባዩ ኣዝዩ ረቂቕን ተለዋዋጥን ስለ ዝኰነ ክትርድኦ ኣሸጋሪ ኰኖም።

ኣዝዩ ምቅሉልን ዓቓልን ዝነበረ፡ ድሕሪ እቲ ዘጋጠሞ ከቢድ ሓደጋ ብቀሊሉን ዘይጠቕምን ነገራት ሓራቕን ነዳርን ክኸውን ጀሚሩ። ኣብ ገጹን ኣካውንኡ ክሳብ ዝርአ ኸኣ ይቁጣዕ። ተጻዋርነቱ ኣዝዩ ከም ዝጎደለ ብቀሊሉ ይልለ። ብነኣሽቱ ነገራት ይጭነቕን ዓቕሊ የጽብብን። ሽግር ኣብ ምፍታሕ ኣዝዩ በሊሕ ዝነበረ፡ ሕጂ ግና ብቀለልቲ ነገራት ይናወጽ። እዚ ለውጥታት ዘይተጸበይዎ ኰይንዎም ስድራኡ ኣዝዩ ኣጨነቆም። ምኽንያት ርዱእ ብዘይኰነ ከኣ ይሓዝን። ሓዚኑ ጸኒሑ ከኣ ብዘይ ምኽንያት ኣዝዩ ይሕጎስ። ስምዒታት ክቖጻጸር ይሽገር።

ትምህርቲ በሊሕን ንፉዕ እዩ። ሕጂ ግና ኣተክሮ (concentration) ጎዲልዎ፡ ዕዮ ትምህርቱ ክውድእ ኣዝዩ እናተሸገ ይጭነቕ። ቀሊል ዕዮ ገዛ ክውድእ መዓልታት ይወስደሉ። ኰፍ ኢሉ ንሰዓታት ከጽንዕ ምንም ዘየእግሞ ዝነበረ፡ ሕጂ ግና ነዛ ፍርቒ ሰዓይ ኰፍ ኢሉ መጽሓፍ ክግንጽል ይሕርብቶ። ዘንበቦ ክዝክሮ ይሽገር። ነገራት እናተሓዋወሶ ይናወጽ። ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ዝፈልጦም ዝነበረ ቦታታት ይርስዕ። እዚ ከኣ ዓቕሊ ጽበት ይፈጥረሉ። በዚ መጺኡ ዘይተባህለ ከቢድ ሕማም ርእሲ ይሓምም። ሓደ ሓደ ግዜውን ብዘይ ምኽንያት ከምልሶ ከም ዝደለየ ንላዕሊ የብሎ።

ሕውሱን ሓሳቡ ብግቡእ ዝገልጽ ብዓል ጸጋ እዩ። ድሕሪ እዚ ሓደጋ ግና መሰረታዊ መዘረራቢ ስርዓት ዝጠፍኦ ክመስል፡ መትሓዚ ዘይብሉ ብዙሕ ዘረባ ክዛረብ ይውዕል። ሓደ ሓደ ግዜ ዝፈልጦም ዝነበረ ቃላት ይጠፍእዎ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝተጋነነ ርእይቶ ክህልዎ ስለ ዝጀመረ፡ ዝሰምዖ ዘበለ ይደናገር። ኣዝዩ ዓብይን ዕውትኑ ከም ዝዀነ፡ ጥቃኡ ክቀርብ ዝኽእል ወለሓደ ከም ዘየለ ይዛረብ። እዚ ዝተጋነነ ርእሰ-ፍልጠት (grandiosity) ከኣ ምስ የዕሩኽቱ ጸገም ክፈጥረሉ ጀሚሩ።

ንስድራኡ ኣዝዩ ዘሸገሮም ግና ካብ ሓቒ ዝረሓቐ፡ መሰረት ዘይብሉ ዘረባታት እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ዝዛረቦ ህልወሳ (hallucination) ዝበዝሖ ዘረባ ምርዳእ ስለ ዝኣብዮም፡ ከመይ ጌሮም ከም ዝምልስሉ ከኣ ስለ ዝሽገሩ፡ ንሓድሕዶም ዝተሓራረቕሉ ግዜ ሒደት ኣይኰነን። ምስቲ ሃለዋቱ ከጥፍእ ዝገበሮ ሓደጋ መኪና ግና ኣተሓሒዘሞ ኣይፈልጡን። ከመይ ጌሮም እሞ፡ ነቶም ኣብቲ ዓውዲ ሕክምና ዝሰርሑ ከማን ክርድእዮዎ ብዙሕ ግዜ’ዩ ዝወስደሎም።

ናይ ሓንጎል ማህሰይቲ (Traumatic Brain Injury (TBI) እንታይ እዩ፧

ይ ሓንጎል ማህሰይቲ (TBI); ብ”ደጋዊ ሓይሊ” ዝፍጠር፡ ምዝንባል ንቡር ስራሕ ሓንጎል (brain) እዩ።

እዚ “ደጋዊ ሓይሊ” ዝበዝሕ ጊዜ ጎነጽ/ረጽሚ/ጎጽታ ዝበዝሖ ስፖርት ወይከኣ ሓደጋ መኪና ክኸውን ይኽእል። ገለ ጊዜያት’ውን ሓንጎልና ዝኣክል ኦክስጅን ክሕረሞ ከሎ ዝወርድ መጉዳእቲ እዩ።

ሽክና-ርእሲ ብደጋዊ ሓይሊ ክህረም ከሎ፡ ንዓጽሚ ሽክና-ርእሲ በሲዑ ኣትዩ ንሓንጎልና ክትንክፎ ከሎ ዝግለጽ፡ ንግቡእ ስራሕ ኣእምሮ ዘዛብዕ ተርእዮ’ዩ።

ምልክታት ሓደጋ ሓንጎል ከኣ ብሻቡ ወይ ከኣ ደንጉዩ ክግለጽ ይኽእል። ኣብ ዓበይቲ ይኹን ነኣሽቱ ክወርድ ዝኽእል ኣዝዩ ከቢድ ማህሰይቲ እዩ። እዚ ከምዚ ማህሰይቲ ምስ ኣጋንንቲ ኰነ በባህላ ባህልና ምስ ሞግኖፍቲ ዘተሓሕዝ ምንም ነገር የብሉን።

እዚ ምዝንባል ሓንጎል ከኣ ግዚያዊ ወይ’ውን ቀዋሚ ክኸውን ይኽእል። ጽገናን ምሉእ ሕውየትን ክርከብ ይከኣል እዩ። ኣብ ገሊኡ ግና ነባሪ ሃስያ ስለ ዝኸውን፡ ነዚ ሓድሽ ክውንነትን መዋጥርን ክቅበልዎን ክብድህዎን ድልዋት ክዀኑ ይግባእ።

ህሰይቲ/ምዝንባል ሓንጎል; ኣብ ሰለስተ ክፊልና ክንርእዮ ንኽእል።

 

  1. ፎኪስ፡ 2. ማእከላይ፡ 3. ጽኑዕ ኢልና ብመጠን ማህሰይቱ ንኸፋፍሎ።

ፎኪስ” ማህሰይቲ፡ ዝተጎድአ ሰብ ኣንፈቱ ይስሕት(disorient); ይናወጽ (confuse)። ኣብ ገለ ከኣ ንቁሩብ ካልኢታት ወይውን ደቃይቕ ሃለዋቱ የጥፍእ (unconscious)። ምርመራ ምስ ተገብሮ መጉዳእቲ ኣይርከቦን። ሓኻይም ግና ብዑቱብ፡ ብቀረባ ይከታተልዎ።

ማእኸላይ” ማህሰይቲ እንብሎ ከኣ ንገለ ሰዓታት ዝጸንሐ ሃለዋት ምጥፋእ፡ ንሰሙናት ዝኸይድ ምንዋጽ (confusion) ክርአ ከሎ እዩ። ኣብዚ ዓይነት መጉዳእቲ ንዋርሕ ዝጸንሕ ኣካላዊ፡ ልበታዊ (cognitive)፡ ናይ ጠባይ (behavioral) ምቕይያርን ጸገማትን ክርአ ይኽእል።

“ጽኑዕ” ማህሰይቲ ዝበሃል ከኣ; ኣብ ሓንጎልና ከቢድ ዝዀነ ጎነጽ ክወርድ ከሎ ዝርአ እዩ። እዚ ማህሰይቲ ንምንባር ኣስጋኢ ኰይኑ፡ እቲ ዝተጎድአ ሰብ ናብቲ ቅድሚ ሞጉዳእቲ ዝነበሮ ህይወት ክምለስ ዘፍቕድ ኣይኰነን። ኣካላዊ ምዝንባል ዋላ ‘ተዘይተራእየ፡ ርኡይ ዝዀነ ልበታውን ናይ ጠባይ ምልውዋጥ ግና የስዕብ።

እዚ ዝዓበይ ብድሆ ናይቶም ዝተጎዱ ሰባት ከኣ፡ ብዘይካ እቲ ዘይተጸበይዎ ኣብ ህይወቶም ዝመጸ ምልውዋጥ፡ ካብ ሕብረተሰብ ዝወርዶም መጣጊ (stigma) እዩ። እንነብሮ ሕብረተሰብ ብዛዕባ እዚ ኣእምሮኣዊ ሃስያ ኣፍልጦ ስለ ዘይብሉ፡ ነቶም ዝተጎድኡ ሰባት ዝተፈላለየ ስም ክጥቕዐሎም ከሎ ይርአ።

ብፍላይ ሕብረተሰብና ምስ ሃይማኖት ብዙሕ ምትእስሳር ስለ ዘለዎ፡ ምስ ኣጋንንታዊ ስራሕ ብምትእስሳር ነቲ ሰብ ናብ ዘየድሊ ብዙሕ ካልእ ማህሰይቲ የቃልዖ። ክንጸልን ንዘይተደልየ ጭንቐት ከኣ የቓልዖ።

ከምቲ ካልእ ናይ ኣካል መጉዳእቲ፡ ብሓደጋ ምኽንያት ናይ ሓንጎል መጉዳእ የጋጥም ምዃኑ፡ ካብዙ ዝተላዕለ ከኣ ኣካላዋ ስንክልናን፡ ልበታዊ ምዝንባልን ከስዕብ ይኽእል ምዃኑ ምርዳእ፡ ነቲ ዝተጎድአ ሰብ ዓቢ ዕረፍቲ እዩ። ንሕናውን ናብ ካልእ ጽውጽዋያት ሃለውለው ከይበልና፡ ነቲ ዝተጎድአ ሰብ ተረዲእና ጽንጋጸ ክንልግሰሉ ይቐለልና።