“ኣነ ተጋግየ” ወይስ “ኣነ ጌጋ እየ”

ዕድሜኣ ኣብ 40ታት እዩ። ካብ ክልተ ሰብኡት; 4ተ ደቂ ከም ዘለውዋ የዕሊላትኒ። ደቃ ከመይን ኣበይን ከም ዘለው ምስ ሓተትክዋ ግና ደመት ትርኢታ ተደዊኑ፡ ገጻ ሓኹምሽቲ መሰለ። ናይ ደሓን ምዃና ምስ ተወከስክዋ፡ ክትነብዕ ጀመረት። ምስቲ ቀዳማይ ሰብኣያ ስለ ዘይተሰማምዐት ከም ዝተፋትሐት፡ እቶም ካብኡ ዝወለደቶም ክልተ ቆልዑ ኸኣ ምስ ኣብኦም ክነብሩ ከም ዝመረጹ ነጊራትኒ። ካብቲ ካልኣይ ዘእተወቶ ሰብኣይ’ውን ክልተ ቆልዑ ከም ዝወለደት፡ ምስምማዕ ምስ ኣበዩ ኸኣ፡ ደቃ ከተዕቢ ብቅዕቲ ከም ዘይኰነት ንመጋባኣያ የእሚኑ፡ ናይ ክልተ ደቃ ሓላፍነት ከም ዝወሰደ እናነብዐት የዕሊላትኒ። ብድሕሪኡ ካብ ዝሓደራ ጓሂን ምረትን፡ ናብ ሕማቅ ኣመላት ከም ዘምርሐት፡ ‘ቲ ድሮ ተነኺኡ ዝነበረ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኣ ኸኣ ከም ዝበኣሰ ምስ ተረኸትለይ፡ ኣነ’ውን ከም ወላዲ ኣዝየ ሓዚነ።

ካልእ ብዙሕ ምስኡ ዝተሓሓዝ ከኣ የዕሊልና። እዚ ኹሉ ሓሊፍክስ፡ ብዛዕባ ርእስኺ እንታይ ይስምዓኪ፧ ክብል ድማ ሓቲተያ። ንሕቶይ ክትምልሶ ብዙሕ ጊዜ ኣይወሰደላን። ንልበይ ዝወግአ መልሲ ኸኣ ቅልጥፍ ኢላ መለሰትለይ። ከምዚ ድማ በለትኒ
“ኣነ ጌጋ፡ ውድቅቲ፡ ጠፋሽ ሰብ እየ”። (I am a failure)

እዛ ሰበይቲ ኣነ ጌጋ ገይረ። ስሒተ፡ ወዲቐ፡ እንተትብል ነይራ፡ ኣነ’ውን ምስ ሰመርክዎ። ብዛዕባ ርእሳ ዝተዛረበቶ፡ ንርእሳ እትርእየሉ መስኰት ኣስተብህሎ ግና ፍልይ ዝበለ፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣጠማምታ እዩ።

ገበነኛ፡ በደለኛ

“ገበን” ብዛዕባ ተግባብሮ ሰብ ይዛረብ። “ኣነ ሕማቕ ጌረ” “ኣነ ተጋግየ” ይብል። ስምዒት ጣዕሳ፡ ጸጸት፡ ከኣ ኣለዎ። በደለኛ፡ ስለቲ ዝገበሮ ጌጋ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ቅድሚ ፈራዲ ከም ምቅራብ’ዩ። ብዛዕባ ‘ቲ ዝገበርካዮ ጌጋ ተሓታቲ ኢኻ ድማ ይብሃል። ‘ቲ በደለኛ ኸኣ ስለቲ ዝገበሮ ጌጋ መቅጻዕቲ፡ ኣብ መጨረሽታ ኸኣ ይቅሬታ ይጽበ። ገበን፡ በደል፡ ንምድምሳስ፡ ብዛዕባ ዝገበርካዮ ጌጋ ምጉሃይ፡ ምእማን፡ ይቅሬታ ምሕታት ጥራይ ይሓትት። ዮሃ1:7-9

ምሳሌ 28:13 “ገበኑ ዚኽውሎ ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።”

ሕፍረት

“ሕፍረት” ግና ብኣንጻሩ፡ ብዛዕባ ተግባብሮ ዘይኰነ፡ ንመንነት ሰብ ዝጥቅንን ዝብክልን ስምዒታዊ ቃንዛ’ዩ። ሕፍረት ጌጋ ገይረ (I have failed) ዘይኰነ፡ “ኣነ ጌጋ እየ” (I am a failure) ክንብል ዝገብር ውሽጣዊ ገድሊ’ዩ። ንስኻ ሕማቅ ጌርካ (I have done bad) ዘይኰነ፡ “ንስኻ ሕማቅ ኢኻ” (I am bad) ብምባል ይኸስስ ። እዚ ኸኣ ካብ ተግባብሮ ዝሓለፈ፡ ኣዝዩ ኣዕሚቁ ዝኣተወ፡ ዝተበላሸወ ርእሰ-ኣረኣእያ’ዩ። ከም ኣብ ቅድሚ ሓደ ሰብ ከም ምቋም ዘይኰነ፡ ቅሉዕ ኰንካ፡ ኣብ ማእኸል ማሕበረተ-ሰብ ደው ምባል የስምዕ። ብቁዕ፡ ቅቡል፡ ዋጋ ዘለካ ኣይኰንካን፡ ዝብል መልእኽቲ ኣለዎ። ውርደተኛ፡ ዘይንጹህ፡ እንታ ዘለካ ሰብ ዝብል መቃልሕ ይህበካ። ሕፍረት ዝስምዖ ሰብ ከኣ ክንጸግ፡ ክጉሰ፡ ዝግብኦ ኰይኑ ይስምዖ። እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ዝገድፎ ቋንዛ ብዙሕ’ዩ።

እዚ ኸምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ኸኣ ይቅሬታ ብምሕታት ዝዕረን ዝሰዓርን ኣይኰነን። ነዚ ዝኸውን ጸረ-መርዚ ኸኣ ዓሚቅ ዝዀነ ውሽጣዊ፡ መንነታዊ፡ ለውጢ የድሊ። ካብ ስሩ ክንቀል፡ ብኻልእ ኣረዳድኣ ኸኣ ክትካእ ኣለዎ።

ሕፍረት” ቀጥታ ትርጉሙ “ምሕባእ፡ ምሽፋን” ማለት’ዩ። ካልእ ሰብ ከርእየልና፡ ከይፈልጦ፡ እሞ ከይክዕበና፡ ከይፈርደና፡ ከም ዘይንጠቅምን ዘይንረብሕን ከይቆጽረና፡ ንሓብኦ ዘበለ “ሕፈረት” ስለ ዝዀነና’ዩ። ሰብ ዝረኣዮን ዝፈለጦን ክመስለና ከሎ ኸኣ ዝስምዓና ቃንዛ ታእላው የብሉን። ንስኻ ብቁዕ ኣይኰንካን፡ ዋጋ የብልካን፡ ኣትጠቅምን ኢኻ፡ ኣብ ዓንኬል ማሕበረተ-ሰብ ክትህሉ ኣይግብኣካን፡ እንታ ዘለካ ሰብ ኢኻ፡ ዝብል መልእኽቲ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ብዘይ ኣፈላላይ፡ ኣብ ኩሉ ሰብ ዘሎ ስምዒታዊ ገድሊ’ዩ።

ካብታ ኣቦና ኣዳም ሓጢኣት ዝገበረላ ህሞት ኣትሒዙ፡ ኣብ ውሽጢ ሰብ ዝሓደ “ሕፍረት” ኣሎ። “ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰምዒ ፈራህኩ፡ ጥራየይ እየ እሞ ተሓባእኩ” (ዘፍ 3:10) ብምባል ብሓጢኣት ኣቢሉ ዝኣተወ ሕፍረት ከም ዘሎ የረድኣና። ሰብ’ውን ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ንብዙሕ ነገር ግዳይ ስለ ዝኸውን፡ ነቲ ብሓጢኣት ኣቢሉ ኣብ ሰብ ዝሓደ ሕፍረት የጋድዶ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ንምሳሌ ዝተዛረብኩላ ሰበይቲ፡ ተመኩሮና ክሳዕ ክንዳኡ ልቢ ዝዘብሕ ከይከውን ይኽእል’ዩ። ኣብ ገዛ ርእስና ዘለና ኣረኣእያ ዘበላሸወ፡ ኣነ ኣይጠቅምን እየ፡ ሕሱም፡ ሕማቅ፡ ሰብ’የ፡ ዘብለና ተመክሮ ግና ኣለና። ብዛዕባ ቅርጺ ኣካላቱ፡ መልክዑ፡ ቁመቱ፡ ቅርጺ ኣፍንጫኡ፡ ጮጉሩ፡ ቤተሰቡ፡ ድሕረ-ባይታኡ “ሕፍረት” ይስምዖ። ገሊኡ ኣብ ህይወት ዝገጠሞ ተመክሮ፡ ማለት ዓመጽ፡ ንጽገት፡ ርጥራጠ፡ ምሕዳግ፡ ዘፍትሓዊ ኣተሓሕዛ፡ ዘኪሩ ኣብ ዓዘቅቲ “ሕፍረት” ይሽመም። ሰብ ከይፈልጦ እሞ ብእኡ መዚኑ ስም ከይጥቅዓሉ ክሓብኦ ይጋደል።

እዚ እንተዘይተፈዊሱ ኸኣ ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ። ንገሊኡ ናብ ቅዛነት፡ ሕማቅ ልምድታት (addiction)፡ ብሕቱው፡ ምስጢራዊ ህይወት፡ ክነብር ይገብሮ። ንገሊኡ ኸኣ ብሕብረተ-ሰብ ቅቡል መታን ክኸውን፡ ዘይኰኖ ክኸውን፡ መሐጎሲ ሰብ ክኸውን ይደፍኦ። እዚ ኸኣ ከርፋሕ ናብራ ክነብር ይቀስቦ። ነዚ ብከመይ ንስዕሮ፧

1. ኣብ ጎደና ሕፍረት ንራኸቦ

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ክገልጾ ዝፈተንኩ “በደል”፡ ይቅሬታ ብምሕታት ይዕረን ይሰዓርን። ብዛዕባ ዝገበርካዮ ጌጋ መቅጻዕቲ ክትረክብ ዝከኣል’ዩ። ብድሕሪኡ ግና ይቅሬታ ንነገርካ ይውድኦ። “ሕፍረት” ግና ናይ ውሽጢ ለውጢ ይጠልብ። ናይ ማንነት ምቅያር ይሓትት። እዚ ኸኣ ነቲ ስሌና ዝሞተ የሱስ፡ ኣብ ጎደና ሕፍረት ክንራኽቦ ከለና፡ ኣብ ውሽጥና ዝከናወን ሰማያዊ ስራሕ’ዩ።

ግብ12:2 “ናብቲ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጎስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ ዝተቀመጠ፡ ጀማሪ እምነትና ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት”።

የሱስ ዝገበሮ ዘበለ ኩሉ ንዓና ገይርዎ። ኣብ መስቀል ሕፍረቱ ዝወጸ፡ ነቲ ብሰሪ ሓጢኣት ዝተቀልዐ ሕፍረትና፡ ነውርና፡ ንምሽፋን’ዩ። ነቲ ኣብ ልቢ ሰብ በሲዑ ዝኣተወ “ሕፍረት” እንስዕሮ፡ ንየሱስ ኣብ መስቀል ምስ እንራኸቦ’ዩ። ንሱ ሕፍረትና ወሲዱ፡ ናቱ ክብሪ ሂቡና። መቅጻዕትና ተቀቢሉ፡ ጻዕዳ ጽድቁ ኣልቢሱና። ኣብ ኣቦ ቅቡላት ጌርና። ኣባ ኣቦ ኢልና ንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ሂቡና። ዕዳና ኸፊሉ ኸኣ፡ ብቁዓት ጌርና። ብሓጢኣት ዝተበላሸወ መንነትና ኣውጺኡ፡ ብጽድቂ ዝተሰለመ መንነት ኣልቢሱና። ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ህይወትና ከፊቱ። ብስሙ ብምእማና ሓደሽቲ ፍጥረት ኬንና። ንሱ ናትና ጽባቐ፡ ክእለት፡ ብቅዓት፡ ኰይኑ። እዚ ኸኣ ክስወጠና ኣለዎ።

ሰብ ዝዛረበና፡ ተመክሮና ሕሹኽ ዝብለና፡ ደጋዊ ኣካውናና ዝገልጸና፡ ከባቢና ዝህበና ድምጺ፡ ሕብረተ-ሰብ ዝጥቅነና ስም፡ ኣይኰናን። ‘ቲ ብክርስቶስ የሱስ ዝረኸብናዮ መንነት ክርድኣና ከሎ ጥራይ’ዩ፡ ንሕፍረት ክንስዕሮ ንኽእል። ስለዚ ሚዛን ኣካላትና፡ ቅርጺ ገጽና፡ ንውሒ ጮጉርና፡ ትሕዝቶና፡ ድሕረ-ባይታና፡ ተመኩሮና፡ ስድራና፡ ኣዕርኽቱና፡ ዘስምዑና ጽምጺ ኣይንስማዕ። ጾፎንያ3:19, ሮሜ8:1 መንነትና ኩኖ ትሕዝቶና፡ ተመክሮና፡ ድሕረ-ባይታና፡ ሕብረተ-ሰብ ዝብለና ኢና።

ኢሰ 61:3,7 “ኣእዋም ጽድቂ፡ ንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄር፡ ተብሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።…..ኣብ ክንዲ ነውርኹም ካዕበት ክትቅበሉ ኢኹም፡ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ብዕድሎም ኪሕጐሱ እዮም፡ ስለዚ ኣብ ሃገሮም ካዕበት ኪግንዘቡ፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም።”

2. ድንጋጸ

ካብ ኩነኔ ንልዓሊ፡ “ድንጋጸ” ብዙሕ ሕቡእ ነገር ዝፍወስ፡ ጽቡቅ መገዲ’ዩ። ሰብ ካብ ሕፍረት ክፍወስ፡ ድንጋጸ ሓያል መሳርሒ’ዩ። ኣብ ውሽጦም ከም እሾኽ ኰይኑ ዘሳቅዮም “ሕፍረት”፡ ክኸፍትዎ እሞ ክፍወሱ፡ ድንጋጸ ምስ ዝህሉ ጥራይ’ዩ። ሰብ ካብ ኩነኔን ፍርድን ንልዓሊ፡ ድንጋጸ ከም ዝቅበል ምስ ዝርዳእ፡ ገዛእ ርእሱ ንፈውሲ ክኸፍት ትብዓት ይረክብ። ብሕፍረት ዝሳቀዩ ካባና ዝደልይዎ እንተሃልዩ “ድንጋጸ” እዩ።

“ድንጋጸ” ካብ ላቲን ቃል ዝመንጨወ ኰይኑ፡ “ኣብ ስቃይ ምክፋል” (suffering with) ማለት እዩ። ስለዚ ናይ ሓቂ ድንጋጸ ክንልግስ ከለና፡ ምስቲ ሰብ ኬይንና “ንሳቀ” ኣለና ማለት’ዩ። ኣብ ስቃይ እቲ ሰብ ክንሓብር ክንውስን ከለና ኸኣ፡ 5 ኣገደስቲ መልእኽቲ ነሕልፍ ኣለና። ነቲ ብሕፍረት ዝሳቀ ሰብ

A. ከም ዝረኣናዮን ንስቃዮ ከኣ ኣፍልጦ ከም ዝሃብናዮ ንነግሮ ኣለና። ካብቲ ሓያል ድሌት ሰብ ከኣ፡ “ክርአ” ሃንቀው ዝብል ምዃኑ’ዩ።
B. ከም ዝሰማዕናዮ’ውን ነፍልጦ ኣለና። ካብቲ ካልኣይ ኣገዳሲ ድሌት ሰብ ከኣ ድሌቱ፡ ስምዒቱ፡ “ክስማዕ” ከሎ’ዩ። ሰብ ከም ዝተሰምዐ ክመስሎ ከሎ፡ ዝፍለጦ ሓይልን ተስፋን ኣሎ።
C. ነቲ ሰብ ስቃዩ፡ ገድሉ፡ ኣፍልጦ ከም ዝሃብናዮ ከነረጋግጸሉ ከለና፡ ቃንዛኡ፡ ፍርሓቱ፡ ሓርቆቱ፡ ሓዘኑ፡ ካልእ ስምዒታቱ፡ ክገልጽ መሰል ከም ዘለዎ ንነግሮ ኣለና። ናይቲ ሰብ ስምዒት ከኣ ነነኣእሶ፡ ንነጽጎ፡ ነስተናዕቆ፡ ዕሽሽ ንብሎ ወይ’ውን ንጎስዮ ከም ዘየለና ንነግሮ ኣለና። እዚ ኸኣ ነቲ ሰብ ርእሱ ከይዓጹ፡ ከይግልል፡ ይገብሮ።
D. ብዓቢኡ ኸኣ ብዝሓልፎ ስምዒታዊ ገድሊ፡ ከም ንሓልየሉ መግለጺ’ዩ። እዚ’ውን ክሳዕ ከንደይ ከም ነኽብሮን ነፍቅሮን መርኣያ ስለ ዝዀነ ዓቢ ስንቂ’ዩ።
E. ሕያውነት ዝመልኦ ቃላት፡ ሓገዛዊ ምሕቋፍ፡ ፍቅራዊ ምትንካፍን ምጥማትን ክንልግሰሉ ከለና፡ ንቁስሉን ስቃዩን ነዝሕልን፡ ነህድእን፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ነጸናንዕን።

እዚ ኹሉ ከኣ ኣምላኽ፡ ብሰብ ጌሩ ዝሰርሖ ሰማያዊ ግብሪ’ዩ። የሱስ ዝደንገጸለን ኣጋጣሚታት እንተርኢናየን፡ እዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናየን ነጥብታት ብዝተፈላለየ መገዲ ተገሊጸን ንረኽበን። ስለዚ ዝድንግጽ ልቢ ክህልወና፡ ብሕፍረት ንዝሳቀ ሰብ ዓቢ ናይ ሕውየት መድረኽ’ዩ።[/cs_text][/cs_column][/cs_row][/cs_section]