“ኣገዳስነት” ናይ ህይወትካ ካብ ምንታይ ትደልዮ፧

ዘለናዮ ዘመን “ዕሉል” ዝበሃለሉ ስለ ዝዀነ፡ ኩሉ ሰብ ምህላዉን ኣገዳስነቱን ከረጋግጽ ህርድግ ዝብሃለሉ ሃዋህው ዝዓበለሎ ይመስል። ክንስማዕ፡ ክንርአ፡ ክንሕቆፍ፡ ክዝረበና፡ ክንትንከፍ ዘለና ድሌት ታእላው የብሉን። እዚ ከኣ ምሳና ዝተፈጥረ ዊንታ ስለ ዝዀነ ጌጋ ኣይብሎን። የግዳስ ሰብ በብዝረኸቦ መገዲ፡ “ኣብዚ ኣለኹ”፡ ረኣዩኑ እናበለ ርእሱ ከቀልቅለሉ ዝፍትን እንተኰይኑ ግና ጸገም ኣሎ በሃላይ’የ። “ዝሃሰሰ”፡ ካብ ስእሊ ዝጠፍአ፡ እንተመሲልዎ እሞ ከኣ ዝስምዖ ቃንዛ ደረት የብሉን። ስለምታይ ግን፧ ክርስቶስ እኩል ዶ ኣይኰነን?

ዓለም ቅዲ ኣካይዳኣ ከምኡ ስለ ዝዀነ፡ ንዝናን ንርኣዪንን እንተተመጣጠረት ግዳ የብለይን። ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ግና ከምኡ ክኸውን የብሉን።

ክትሃድኡን ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን,,,,ንምዕደኩም ኣለና”፡ 

ዝብል ምኽሪ ከም ኣጽዋር ጌርና ክንሕዞ ይግባእ። እዚ ኸምዚ ዝበለ ዕረፍት፡ ኣብ መንበር ኰፍ ምስ በልካ፡ ወይ’ውን ኣብ ዓረት ምስ ተገምሰስካ ዝርከብ ዕረፍቲ ዘይኰነ፡ ውሽጣዊ ምትእምማ፡ ህድኣት፡ ኣብ ኣምላኽ ትውክልትን የመልክት። ኣብ የዒንቲ ኣምላኽ ስለ ዝተራኣናን ዝተሰማዕናን፡ ኣብ ልቡ ኸኣ ስለ ዝተሓሰብናን ጥራይ ክንዓርፍ ይግባእ። ገዛእ ርእስና ከነሕጉስ ምንም ካልእ ከይንደልን ከይንገብርን እንተጌሩና፡ ብሓቂ ብርሃን በዚሑልና ኣሎ።

ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ብፍላይ ኣብ ንነብሮ ዘለና ማሕበረሰብ ኣመንቲ ዝረአ ዘሻቅል ተርእዮ ኣሎ። “ኣገዳስነቶም” ከውሕሱ፡ ዘስምዕዎ ረባሺ ድምጺ በዚሑ። ኣብ ማሕበራዊ ርክባት (social media) ዝረአ ተግባብሮ ኣሻቃሊ ይኸውን ኣሎ። በሉ ስኪ “ኣገዳስነትና” ከነግሉሕ ብምድላይ፡ ካብ እንኸዶም መገድታ ካብ ትዕዝብተይ ገለ ከካፍለኩም።

1) ማርካ ማዕረግ (title) ምድላይ

ኣብ ዘለናዮ ወለዶ “ማዕረግ” ዝብል ኣምር ልዕሊ ዝዀነ እዋን ዝገነነ ይመስል። “ማዕረግ” ንምርካብ ዝግበር ጉያን ጻዕርን ማእለያ የብሉን። እቲ ዘሕዝን ከኣ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ፡ ዋላ’ዃ ኩሉ እንተዘይበልና፡ ብዙሓት ማዕረግ ንምርካብ ዝገብርዎ ግርግር ምርኣይና’ዩ። ዓለም ቅዲ ኣካይድኣ ከምኡ ስለ ዝዀነ፡ ብእኡ ስለ እትግራሕ፡ ደድሕሪ ምድላይ “ማዕረግ” ምጉያያ ዘገርም ኣይኰነን። ኣብ ኣመንቲ ከምኡ ምግናኑ ግና ኣንጻር ሓሳብ ኣምላኽ’ዩ። ኣብዚ ዘለና ወለዶ ንማዕረግ “ፓስተርነት” “ሽምግልና” “ነብዩነት” “መዘምራን” ካብኡ ሓሊፉ’ውን ዝገበሮን ዝበጽሖን ሒደት ክነሱ ንርእሱ ማዕረግ “ሃዋርያ” ዝሸይም ነዒንትና ኰነ ነእዛና ልሙድ ኬይኑ ኣሎ። መበገሲኡ እንታይ እዩ ኢልና ክንሓትት ናይ ግድን ይመስለኒ።

እቲ ምኽንያት ብዙሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ካብቲ ብዙሕ ሓደ ኸኣ “ኣገዳስነት ህይወቱ ምስ ማዕረግ” ስለ ዘተሓሕዝ’ዩ። “ማዕረግ” እንተረኺቡ ኣገዳስነቱ ዝውስኽ፡ ኣብ የዒንቲ ሰባት ከኣ ክሕፈርን ብዕቱብ ክርአን ዝገብሮ ዝመስሎ ብዙሕ’ዩ። እዚ ኸኣ ናይቲ ሰብ ውሽጣዊ ገድሊ’ዩ። ብፍላይ እኳ ደኣ ኣብ ቁልዕነቱ ኣቃልቦ ዝወሓደ ኣተዓባብያ እንተዓብዩ፡ ንጽምኣቱ ንኽርዊ እዚ መገዲ ክሓሪ ናይ ግድን’ዩ። እዚ ኸኣ ምንጋፍን ፈውስን ዘድልዮ ውሽጣዊ ገድሊ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ እቶም ንኣምላኽ ከገልግሉ ዝደልዩ ብብዙሕ ፍርሓትን ራዕድን ኣእዳዎም የልዕሉ ከም ዝነበሩ ሰሚዕና ኣለና ። እንተ ኣብዚ ዘመን ግና ብድፍረት ርእሱ ዘልዕልን ንርእሱ ሽምን ማዕረግን ዝጥቅዕን በዚሑ። እዚ ከኣ ብሱሩ ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘሎ ቃልሲ የረድኣና።

2) ኣብ መድረኽ ምስ ዝቅልቀል

“ዋላ ስብከት” (pulpit) ምኽንያት ምግሩፋጥ ካብ ትኸውን ጊዜ ኣቁጺራ ኣላ። ኣብ ፑልፒት እንተዘይደየብኩ፡ እንተዘይተራእኹ፡ ዝብል ብዙሕ ምዃኑ ምግማት ኣየድልን። ገሊኡ ኸኣ ካብ ኣቦታቱ ብውርሻ ዝተቀበላ ክመስል፡ ፑልፒት ንዓይ ጥራይ ዝብል ኣይተሳእነን። ኣማኒ ኣብ ፑልፒት እንተወጺኡ ኣገዳስነቱ ዝውስኽ ዝመስሎ ብዙሕ’ዩ። ፑልፒት እንተተሓሪምዎ ኸኣ ዝሃስስ፡ ዝፍስም፡ ዝቅህም ዝመስሎ’ውን ኣሎ።

እዚ ኹሉ ግረግረ፡ ጫውጫውታ፡ ብዛዕባ “ዋላ ስብከት” ምስ ኣገዳስነት ህይወትና ስለ ነተሓሕዞ’ዩ። ዘለዎ ሒደት ክነሱ፡ ዝብሎን ዝምህሮን ዘይርድኦ ከሎ፡ ተዳፊኡ ናብ ፑልፒት ዝድይብ ኣሎ። ገለን ከኣ ከም ብሌን ዓይኑ ጌሩ ንፑልፒት ዝሕልዋ ኸኣ ኣሎ። ገሊኡ ኸኣ ፑልፒት ተኸሊአ ስለ ዝብል ሓንጊዱ ሕብረት ኣሕዋት ዝሓድግ፡ ብውሽጣ ውሽጢ ሕሹኽ እናበለ ጸገመይ ተረድኡለይ ክብል ዝውዕል ኣሎ። ገለን ከኣ ኣመሳሚሱ፡ ኣገደስቲ ዝብሎም ሰባት ኣፍትዩ፡ ናብ “ዋላ ስብከት” ፍሑኽ ኢሉ ክድይብ ህርድግ ዝብል ኣይሰኣንን። ስለምንታይ፧

ንምግማቱ ዘሸግር ኣይኰነ። ንፑልፒት እንተተቆጻጹሩ ዝነግስ ዝመስሎ፡ ኣብ መድረኽ እንተደይቡ ኣገዳስነቱን ጥቅሙን ዝውስኽ ዝመስሎ ብዙሕ’ዩ። እመኑኒ ነዚ ዝብሎ ዘለኹ ተኸፊቱ ንሱ እዩ እቲ ጸገም ዝብል ኣይክህሉን’ዩ። ግና እቲ ሓቂ ንሱ እዩ። ካብ ሕብረትን ፍቅሪ ኣሕዋትን ንልዓሊ፡ “ዋላ ስብከት” ኣገዳስነቱ ዝዓዞ ሰብ፡ ውሽጣዊ ገድሊ ስለ ዘለዎ’ዩ።

ንዘለዎ ትሑት ርእሰ ጠመተ ክምግብን ከርውን ዘለዎ ባህግን ግርግርን የመልክተና። እንተ ኣብዚ ዘመን “ፌይስ ቡክ” ደሓን ይእተዉ፡ live! ስለ ዝገበሩልና፡ ዘዘርከበ ከም ፑልፒት ክጥቀመሉ ይፍትን ኣሎ። ንቴክኖሎጂ ምኽንያት ወንጌል ክንጥቀመሉ ኣለና ዝብል እምነት’ዃ ዝሰማማዓሉ እንተዀንኩ፡ ንዘለና ናይ “ዋላ ስብከት” ጽምኢ ንምርዋ ክንጥቀመሉ እንተፈቲና፡ ድምጹ ረባሺ ጥራይ ይኸውን። ብፍላይ ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ ብሰላምን ብምርድዳእን ዘይመላለስ፡ ኣብ ፌይስ-ቡክ ወጺኡ ክምድር እንተውዒሉ፡ ምልክት ጽምኣት “ፑልፒት” ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣለኹ እናበለ፡ ኣገዳስነቱ ዝውስኽ ስለ ዝመስሎ’ዩ።

3) ፍሉጥ ወይ’ውን ቅቡእ ዝብልዎ ሰብ ቀረባኦም ምስ ዝኸውን

ኣብ ዘመና “ኣነ ክንእስ ንሱ ግና ክዓቢ” ዝብል ወርቃዊ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዘረባ ዝተረስዐ ይመስል። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ፡ ንገዛ ርእሱ ማዕረግ ለጢፉ፡ ዝገበሮን ዝወዓሎን ከም ጥሩምባ ብምንፋሕ ረኣዩንን ስምዑንን ዝብል ብዙሕ’ዩ። ገሊኡ ከኣ፡ ብኣበሃህለኦም “ናይ ኣምላኽ ሰብ”፡ “ቅቡእ”፡ ኣገልጋሊ” ዝብልዎ እንተቀሪቦም፡ እንተተፋሊጦም፡ ኣገዳስነቶም ዝውስኽን ዝዓዝዝን ዝመስሎም ኣሎ። ምስቲ “ቅቡእ” ዝብልዎ ዝተሳእልዎ ስእሊ ርኣዩለይ ብዘስምዕ፡ ኣብ “ፌይስ ቡክ” ብምጥቃዕ ህላውነቶም ከረጋግጹ ዝፍትኑ ኣለው።

ካብ ብዛዕባ ክርስቶስ ንልዓሊ፡ ብዛዕባ ‘ቲ ፍሉጥ ዝብልዎ ሰብ እናተዛረቡ፡ ከመይ ከም ዝፈልጥዎን ክሳዕ ክንደይ ከም ዝቀርብዎን ንሰባት ከእምኑ እናፈተኑ፡ ጎሮርኦም ክሳዕ ዝነቅጽ ክዛረቡ ዝውዕሉ፡ ኣብ ዝኣተዋ ክኣትዉ ዝደልዩ ብዙሓት’ዩም። ብዛዕባ ትምህርቱን ኣገልግሎቱን ነቄፋ እንተሰሚዖም ከም ቅንፍዝ ዝቅየሩ፡ ካብ ንሓቂ ብዛዕባ ሰብ ክማጎቱ ዝውዕሉ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ኣብ ክርስቶስ ዘለዎም ክብርን ማዕረግን ብዝግባእ ስለ ዘይተረድኡ’ዮም።

4) ፍረ ዕየኦም፡ ተግባር ኣእዳዎም፡ ስለ ዝሰለጠሎም

“ጻድቅ ፍረ ግብሩ ክበልዕ’ዩሞ ተዓዊትካ በልዎ” ዝብል ቃል እሙን እዩ። ክሰልጠልና፡ ብንብዓት ዝዘራእናዮ ብእልልታ ክንዓጽዶ ፍቃድ ኣቦና’ዩ። “ኣገዳስነትና” መታን ክዓብን ክዓዝዝን፡ ሰባት ከኣ ብዕቱብ መታን ክወስዱና፡ ፍረ ዕዮና (achievement) ክሰልጠልና፡ ክበዝሓልና፡ ምድላይ ግና ስጊንጢር’ዩ። ገለ ሰብ ብዝበጽሖን ብዝጨበጦን ዝንየትን ዝፍኽነንን ኣሎ። ስጋዊ ትሕዝትኡ፡ ኣገልግሎቱ፡ ስርሑ፡ ስለ ዝሰለጠሉ፡ ኣብ የዒንቲ ሰብ ኣገዳስነቱ ዝዓዘዘ እንተመሰሎ ጌጋ እዩ።

ገሊኣቶም ከኣ ኣምላኽ ኣባታቶምን ብኣታቶም ዝገበሮ ንዓለም ብምቅላዕ፡ ርኣዮ ንጠቅም ሰባት ኢና ብዘስምዕ ዘረባ፡ ስእሎም ከዕዝዙ ዝፍትኑ ነዒንትና ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። “ሓቀኛ ምስክር ንነፍሲ ይመልስ” ስለ ዝብል፡ ኣምላኽ ዝገበሮ ንምምስካ ጥሩምባ ክንነፍሕ ይግባእ። ኣገዳስነትና መታን ከነውሕስ፡ ንርኣዩለይ ንገብሮ እንተዀይና፡ ክንምለስ ይግብኣና። የሱስ’ውን ከምዚ ክብል ኣጠንቂቁ ነጊሩና ኣሎ፡ “ብሰብ ክርኣየልኩም ሓንቲ’ኳ ኣይትግበርሉ”። ልብና ከየዕሽወና ንጠንቐቅ።

እቲ ቅኑዕ መገዲ ዕረፍቲ እንታይ እዩ፧

ሰብ ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ ምፍጣሩ ጥራይ ዘይዀነ፡ ንሓደ ክቡር ሰማያዊ ስራሕ ኣብዚ ምድሪ ብምድኳኑ ጥራይ “ኣገዳስነቱ” ዕዙዝ’ዩ።

“ኣምላኽ ከኣ ብመልክዕናን ብምስልናን ሰብ ንግበር…..ይግዝኡ በለ።

እዚ ዘልኣለማዊ ኣምላኻዊ ዕላማ ንሰብ ኣዝዩ ክቡርን ኣገዳስን ይገብሮ። ሰብ ኣብዛ ምድሪ “ኣገዳሲ” ክኸውን ማዕረግ፡ ፑልፒት፡ ካልእ ሰብ ወይውን ፍረ ዕይኡ ዝሰለጠሉ ክኸውን ኣየድልዮን’ዩ። ነዕዋፍ ሰማይ ከም ዝምግበን፡ ንዕምባባ መረሮ ከም ዝኸድኖም፡ እ/ሔር ንሰብ ኣብሊጹ ይሓስቦን ይከናኸኖን።

“…..እምብኣርሲ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ”። ማቴ10፡29-31

ሰብ ኣብ ልቢ ኣምላኽ ስለ ዝተሓስበ ጥራይ፡ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ’ዩ። እዚ ምርዳእ ከኣ ካብ ብዙሕ ገድሊ፡ ውሽጣዊ ቃልሲ፡ ከምልጥ ይገብሮ። ብፍላይ ብክርስቶስ ዝረከብናዮ ስፍራን ማዕረግን እንተዝርድኣና፡ “ኣገዳስነትና” ንምውሓስ ካብ ካልእ ኣይምደለናዮን። ዓሪፍና ምነበርና።

ንሰናይ ግብሪ ንቀንእ ገንዘቡ ክንኰኖ ኢሉ ምእንታና ሞይቱ። ብበደልናን ሓጢኣትና ምውታት ከለና፡ ብብዝሑ ምሕረቱ ብጸጋ ኣድሒኑና። ካብ ሞት ኣተንሲኡ፡ ብክርስቶስ ምስኡ ኣቐሚጡና። ምእንታና ተሰቅዩ ናብ ክብሪ የእትዩና። ኣባ ኣቦ ኢልና ንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኣማቂሉና። ማሕደሩ ስለ ዝዀና፡ ኣብዛ ዓለም “ኣገድስቲ” ኰይኑ ክስምዓና፡ ክንገብሮ ዘድልየና ነገር የልቦን። ብዘይ ማዕረግን መድረኽን፡ ብዘይ ምርኡያት ሰባትን ዕዉት ዕዮን፡ ክርስቶስ እኹል’ዩ። እዚ ንኹሉ ውሽጣዊ ገድልና ክውድኣልና ኣለዎ።

“ኣገደስቲ” “ብቑዓት” (relevant) ከም ዝዀና ሰባት ክቆጹርና፡ ማዕረግን መድረኽን ሰብን ዕዮን ምድላይና፡ ብክርስቶስ ዝተዋህበና ደረጃ ማዕረግን ማሕበራዊ ቦታን ብዘይምርዳእና’ዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ነፍስና ዘሎ ቃልስን ቃንዛን የረድኣና። እዚ ውሽጣዊ ገድሊ እንተዘይተፈቲሑ፡ ምስ ኣምላኽ ዘለና ሕብረት ኣይክንሕጎሰሉን ኢና። ምስ ኣሕዋት ዘለና ርክብ ከኣ ኩሉ ጊዜ ሓርፋፍ ክኸውን’ዩ። መዓረግን መድረኽን ዘይረኸብና እንተመሰለና፡ ፍረ ዕዮና ዝቀምሰለ እንተመሰለና፡ ሰባት ሞጎስም ዝኸልኡና እንተሰመለና፡ ደግነት እቲ ካብ ጸልማት ናብ ዘገርም ብርሃን ዝጸውዓን ምእንቲ ክነግር፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ፡ ምኻና ብምፍላጥና ጥራይ ባህ ክብለና፡ ዓሪፍና ክንቅመጥ ክገብረና ኣለዎ።

“ክርስቶስ እኹል እዩ”

ኦነሲሞስ ምንም ዘይገበረን ዘይጎየየን ክነሱ፡ ብክርስቶስ ስለ ዝተሳዕረ፡ ንብረት ዓለም ምንባር ስለ ዝገደፈ ጥራይ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንፊሊሞን ከምዚ ክብል ብዓበይቲ ቃላት ጽሕፊሉ፡ “ብዛዕባ እቲ ኣብ መቕውሐይ ኰይነ ዝወለድክዎ (ብወንጌል)…ቐደም ኣይጠቀመካን፡ ሕጂ ግን ንዓይን ንዓኻት ይጠቅመና እዩ”። እቲ ቐታሊ ዝነበረ፡ ሞት ዝግብኦ ኦነሲሞስ፡ ክርስቶስ ናብ ህይወቱ ምስ ኣተወ ኣገዳሲ ሰብ ኰይኑ። ዓርከይ ብክርስቶስ ኣገዳሲ ሰብ ኢኻ። ካብ ካልእ ኣይትድለዮ።