ከም በሊሕ ፍላጻ፡ ኣብ ነፍሲ በሲዑ ስለ ዝኣተወ፡

ሓደ ካብ የዕሩኽተይ ዝነገረኒ ሓቀኛ ታሪኽ’ዩ። ካብ ኤርትራ ወጺኡ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝኣቱ ድሮ ዓመታት ኣቁጺሩ’ዩ። ብተዛማዲ ህይወቱ ዝመርሓሉ፡ መጻኢኡ ኸኣ ዘቋምተሉ ስፍራ። ምስ ዓርኩ (ብርሃነ ናይ ሓቐኛ ሽሙ ኣይኰነን) ተራኺቦም ሻሂ እናሰተዩ፡ ሕሉፍ ታሪዀም ዘኪሮም ወጃዕ እናበሉ፡ ኣብ ዓሚቅ ስምዒት ጠሓሉ።

ከዕልሉ ከለው ኸኣ፡ ብርሃነ ደመት ትርኢቱ ተደዊኑ፡ ወጅሂ ገጹ ተቀይሩ፡ ብሓዘን የዕልል። ዓርኩ ኸኣ ዘይተጸበዮ ኰይንዎ፡ ክብደት ተሰምዖ። ናይ ደሓን ምዃኑ ኸኣ ሓበሮ። ናይ ደሓን ምዃኑ’ኳ እንተነገሮ፡ ኣብ የዒንቱ ግና ጓህን ሕርቃንን ተነበ። ክልቲኣቶም ዝሓለፍዎ ተመክሮ ሓርፋፍ ብምባሩ፡ ንኹነታቱ ክርድኦ እናፈተነ፡ ክሳዕ ክንድኡ ክቁጣዕ ዝገበሮ ንምፍላጥ ከኣ ህንጥዩነት ሓደሮ። ዘቆጠዓካ ዘሎ እንታይ’ዩ፧ ብምባል ከኣ ሓተቶ።

በጃኻ ክዝክሮ ኣይደልን እየ። ግን ከኣ ኣብ ሓሳባተይ ተሰኒዱ፡ ቀሓር ነፍሲ ኰይኑኒ ኣሎ። እቲ ሰማዒ ብዛዕባ ምንታይ ይዛረብ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ዓይኑ ዓይኑ ጠመቶ። ንሱ’ውን ክፈልጥ ህንጥዩነት ከም ዝሓደሮ ስለ ዝተረድኦ፡ ዘረባኡ ከነጽሮ ከም ዘለዎ ተረድኦ። ኰፍ መበሊኡ ኣመዓራርዩ ኸኣ፡ ታሪኹ ክነግር ገዛእ ርእሱ ኣሰናድአ።

ኣብ ዓዲዃላ ተኣሲሩ ከሎ ዘሕለፎ ስቃይ በብሓደ ነገሮ። ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ኰይኑ ዝምርምሮም ዝነበረ ናይ ገበን መርማራይ ዘኪሮ ብዙሕ ኣተንፈሰ። ጸርፊ ዝተሓወሶ ቃላት እናደርበየ፡ ከም ዝኸትከቶን ዘሳቀዮን ከኣ በብሓደ ገለጸሉ። እቲ ዘሕለፎ ንኽትርዀ ኣይኰነን፡ ንኽትሰምዖ’ውን ኣሰቃቂ’ዩ። ጓሂ ከም ዝነበሮ ከኣ ጭዋዳታት ገጹ የፍልጥ። የዒንቱ በርበረ መሲሉ፡ ከናፍሩ ድሮ ነቒጹ’ዩ። ነቲ ዝሰምዕ ዓርኩ ዘይተጸበዮ ኸኣ ከምዚ በሎ፡ ነቲ ዝምርምሮ ዝነበረ ብሽሙ ብምጽዋዕ

“ኣብ ከምዚ ዓዲ ኣሎ እንዝብሉኑ፡ ዘለኒ ኩሉ ገዲፈ፡ ኣብታ ዘለዋ ከይደ ምቐተልክዎ”።

ዓርከይ ከምዚ ኢሉ ምስ ኣዕለለኒ፡ ኣዝየ ሰምበድኩ። ኣብ ነፍሱ በሲዑ ዝኣተወ ፍላጻ ሓርቆትን ኩራን ከም ዘሎ ተረድኣንኒ። እዚ ኸኣ ከምቲ ዝበሎ፡ ከመይ ቀሓር ነፍሲ ኰይዎ ከም ዝነበረ ርዱእ’ዩ። እዚ ኸቢድ ጾር ተሰኪሙ፡ ከምይ ኢሉ ይነብር ከም ዘሎ ንምርዳኡ ሸገረኒ። ኣብ ነፍሱ በሲዑ ዝኣተወ ፍላጻ፡ ንስምዒታቱ ከም ዘድመዮን ዝበረዞን ዝመረዞን፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንዝምድናታቱን ርክባቱን ከም ዘበላሹ ስለ ዝተረድኣኒ፡ ድንጋጸን ጓሂን ተሰማዓኒ።

ሓደ ዓርከይ ዝበለኒ’ውን እዝክር። እቲ ዝበደሎ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከም ናቱ ዝበለ ስም ክጽዋዕ ክሰምዕ ከሎ ሓርቆትን ቁጥዓ ምቁጽጻር ስለ ዝስእኖ፡ ብኣጋጣሚ’ውን ይኹን ስሙ ክሰምዖ ኣይደለን። ካልእ ሓደ ዓርከይ’ውን፡ ሓደ ፓስተር ዝገበሮ ሕማቅ ግብርን ዘረባን ስለ ዝዝከሮ፡ ስእሉ ኣብ ፌስቡክ ክርእዮ ከሎ ስለ ዘይክእለሉ፡ ቀልጢፉ ከም ዝዓጽዎ፡ ከይፈርዶ እናፈርሀ የዕሊሉኒ። ናይ ኩሎም ናይ ሓባር ረቋሒ ከኣ፡ ከም በሊሕ ፍላጻ ነፍሶም በሲዑ ዝኣተወ ጓሂን ሓርቆት ስለ ዘሎ’ዩ።

እዚ ኣብ ነፍሲ በሲዑ ዝኣተወ ኩራ፡ ሓርቆት፡ ቁጥዓ፡ ብዙሕ እንተጸኒኹ ኸኣ ናብ “ምረት” ገጹ ይጭጭሕ። እዚ ኣብ ላዕሊ ከም ምሳሌ ዝተዛረብናሉ ሓው’ውን፡ በዚ ንብሎ ዘለና ቀታሊ መርዚ ተለኺፉ ምህላዉ ርዱእ’ዩ። ‘ቲ ሓንሳእ ኣብ ህይወቱ ዝተመከሮ ዓመጽ፡ ጋህሲ፡ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ፡ ጭካነ ዝመልኦ ኣተኣላልያ፡ ከም በሊሕ ፍላጻ ኣብ ነፍሱ በሲዑ ዝኣተወ ኩራን ቁጥዓን ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ዝኣተወ ፍላጻ ኸኣ ብጊዚኡ ስለ ዘይተኣለየን ዘይረሓቀን፡ ናብ “ምረት” ገጹ ፈሊሱ። እዚ ኸኣ ንጽቡቅ ስምዒታት ኣበላሹ፡ ንሰብ ናብ ኩሉ ክፉእ ነገር ይመርሖ። ካብዚ ኸኣ እዩ ኩራ፡ ታዕታዕ፡ ጸርፊ፡ ማህረምቲ፡ ነድሪ፡ ኩሉ ክፉእ ነገር ዝወጽእ። ኤፌ4፡31

እዚ ተመክሮ ኸኣ ናይዚ ሓው ጥራይ ኣይኰነን። ዳርጋ ኩልና ዝሓለፍናዮ ጽቡቅ ዘይኰነ ተመክሮ ኣሎ። ዝተገፋዕና፡ ዝተነጸግና፡ ዝተጋሃስና፡ ዝተሃረምና፡ ዝተሰቀና፡ ዝተጠለምና፡ ዝተጸረፍና፡ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ዝተታሓዝና፡ መሰልና ዝተገፈፍና፡ ዝተወጻዕና፡ ዝተኣሰርና፡ ዝተጨፍጨፍና፡ ብዘይ ፍቃድና ነገራት ክንገብር ዝተገደድና፡ ዝተዋረድና፡ ዝሓፈርና፡ ብዙሓት ኢና።

ንወለዱ ክሓስቦም ዘይደሊ፡ ንኣስራሒኡ ክዝክሮ ዘይደሊ፡ ንመሓዝኡ/ዓርኩ ክርእዩ ዘይደሊ፡ ንፓስተሩ ክሰምዖ ዘይደሊ ብዙሕ’ዩ። ንመራሕ ሓይልኡ ዘኪሩ ዝጉሂ፡ ንፓስተሩ ዘኪሩ ዝበኪ፡ ነቡኣ ዘኪራ ሕፍረት ዝስምዓ፡ ንዓርኩ ዘኪሩ ዝቁጣዕ፡ ክንደይ ኢልካ ክቁጸር።

ኩራን ሓርቆት ነፍስና በሲዑ ስለ ዝኣተወ፡ ብጊዚኡ ኸኣ ክንኣልዩ ስለ ዘይክኣልና፡ ናብ ምረት ዝተቀየረ፡ ቀሓር መዓልቲ እናዀነ ንስምዒታትና ዝብክል እንተኰይኑ መፍትሒ ኣሎ።

1. ንቅርሕንትኻን ምረትካን ተመሊስካ ኣይትመግቦ

ብዙሕ ጊዜ እቲ ዝዀናዮን ዝሓልፋናዮን ኣብ ሓሳብና ከም ፊልም እናተደጋገመ፡ ንዝተጎድአ ስምዒታትና ነኰማስዖ ኢና። ነቲ ዝጎድኣና፡ ዝወጸዓና፡ ክንገብሮ እንኽልእ ሕማቅ ነገራት ኣብ ሓሳብና ፋንታዝያ እናገበርና፡ ጽቡቅ ስምዒት ዝስምዓና ከም ዘሎ ክመስለና ይእኽል’ዩ። እዚ ምኩምሳዕ ግና፡ ‘ቲ ዝዀነ ናብ ውሽጥና መሊሱ ከም ዝዘሩቅ ካብ ምግባር ሓሊፍ ዝረብሓና የብሉን። ከምቲ ኣታኽልቲ እኹል ማይ ምስ ዝረክብ ዝቦቅል፡ እዚ ልምዲ ኸኣ ምስ ጊዜ “ምረት” ዝበሃል መሪር ፍረ ከቡቅል ይገብር። እብ 12:15 ንስምዒታትና መሪዙን በኪሉን ከኣ ንናብራን ከርፋእ ይገብሮ። ስለዚ ሓሳብና ብጥዑይ ዝዀነ ሓሳብ ክተሓዝ እምበር፡ ጸላኢ ከም ዓለባ ሳሬት ክፈትለሉ ብምሕዳግና፡ ኣብ ባሕሪ ምረት ከይንሕንብስ ንጠንቐቅ።

2. ሕነ ምፍዳይ ይኺድ ሕደጎ

ክርስትያን ምዃን ማለት ነቲ ዘይነሓፍ፡ ዘይግደፍ፡ ይቅረ ዘይብሃል ዝመስል፡ ቅይረ ክብል ዓቅሚ ዘለዎ’ዩ። ብበደል ምኽንያት ኣብ ኣብ ነፍሲ በሲዑ ዝኣተወ ጓህን ሓርቆትን፡ ብቀሊሉ ክትኣልዮ ትኽእል ኢኻ ምባል ካብ ክውንነት ዝረሓቐ እዩ። ንኣዝዩ ዝተበደለ ሰብ ከኣ ዝሓለፎ ኣፍልጦ ክየሃብካ ይቅረ ክብል ምምካር፡ ንዝሓለፎ ከም ምቅላል ስለ ዝውሰድ፡ ብዙሕ ፍረ የብሉን። እዚ ሓቂ ኣብ ቦታኡ ከሎ ግና፡ ንኹራ ይኺድ ምሕዳግ ክብረትና ምዃኑ ፈሊጥና፡ ሕነ ምፍዳይ ዝበሃል ካብ ሓሳብና ይኺድ ክንሓድጎ ብምፍቓድ ን ኣምላኽ ቦታ ክሓድገሉ ኣለና። ምሳሌ19:11 ሮሜ 12:19

3. ንምረትካ ኣይትበትኖ

ሓገዝ ንምርካብ፡ ምስ ዝቀርቡና ምዝራብ መገዲ ፈውሲ’ዩ ዝብል ምርዳእ ኣለኒ። ስለዚ ዝቀርቡናን ዝሕግዙናን መሓዙት ክህልዉና በረኸት ኣምላኽ’ዩ። ሰባት ምሳና ክደናገጹ፡ ስም እቲ ዝበደለና መታን ከነጸልም፡ ብዛዕባ ‘ቲ ዝጎድኣና ሰብ ንኻልእ ምዕላልን ምዝራብን ግና ንምረትካ ብምብታን ንነገራት ከተጋድዶ ይገብረካ እምበር፡ ናብ ሕውየት ኣየምጽኣካን። ስለ ንዛረቦ ከም ሕሜት ክይከውን፡ ንዝተሃሰየ ስምዒታትና ከኣ መሊሱ ከየድርቆ፡ ንምንታይ ንነግርን ንዛረብን ክንፈልጥ ኣለና። ናብቶም ሓቂ ከነግሩኻ ዝኽእሉ ብጹሓት ደኣ ንገስግስ። እዮ26:3 ምሳ27:9

4. ነቲ ዝሃሰየካ ጽቡቅ ክረክብ ጸልየሉ

እዚ ኸምዚ ዝብለ ምኽሪ፡ ስለ ዝመጸልካ ስቅ ኢልካ ትዛረቦ ኣይኰነን። ንዝበደለካ፡ ዝጎድኣካ፡ ጽቡቅ ክረክብ ክትጽልየሉ፡ ኣንጻር ውዱቅ ኣተሓሳስባ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ ብቀሊሉ ዝወሓጥ ኣይኰነን። ግን ከኣ መገዲ ኣምላኽ ንሱ እዩ። ንሕማቅ ብጽቡቅ ምምላስ፡ ንዝጸልኡኻ ምፍቃር፡ ብዛዕባ ዘሳድዱኻ ምጽላይ ወርቃዊ መገዲ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንነፍሲ ብጥዕና ዘንብር ሓሳብ ኣምላኽ’ዩ። ሮሜ12:18 ማቴ5:44

5. እንተኺኢልካ ነቲ ዝሃሰየካ ረኺብካ ነገርካ ከተዕሪ ፈትን

ኣብ ነፍሲ በሲዑ ዝኣተወ በደል፡ ከም ዘይኰነ ክትክሕዶ ምፍታን ሳዕቤኑ ከቢድ’ዩ። ወይ’ውን ኣብቲ ሰብ ምንም የብለይን ብምባል ምስቲ ሰብ ነገራትካ ከተዕሪ ዘይምፍታን ግብዝና’ዩ። ነቲ ዝሃሰየና ሰብ ረኺብና፡ ዝገበረናን ዝተሰምዓናን ምንጋር ናይ ፈውሲ ፍቱን መገዲ’ዩ። ብዝበለጸ ብኣካል፡ እንተይኰነ ግና ብኻልእ መራኸቢ መገዲ ክትረኽቦ፡ ጉዳይካ ክትውድእ፡ መዕረፊ ክትገብረሉ፡ ካብ ዘይተደለየ ፋንታዝያ የናግፈካ። ማቴ18:15 የሱስ ናብዚ ምድሪ ዝመጸ’ውን፡ ንሰብ ምስ ኣምላኽ፡ ምስ ገዛእ ርእሱ፡ ምስ ብጻዩ ናይ ዕርቂ መገዲ ክኸፍተልና’ዩ።

6. እ/ሔር ንልብኻ ብይቅሬታዊ ፍቅሪ ክመልኦ ጸሊ

ይቅረ ምባል ቀሊል መገዲ ኣይኰነን። ብፍላይ ብዘይ ምኽንያት ንዝሃሰየካ፡ መሰልካ ንዝገሃሰ፡ ኣብ ህይወት ዘለካ ኣረኣእያ ብኣሉታዊ መገዲ ክሳዕ ዝልወጥ ንዝዓመጸካ ሰብ፡ ይቅረ ክትብለሉ ቀሊል ኣይኰነ። ከምቲ ዝበልክዎ ግና ይቅሬታ ካብቲ ነቲ ሰብ ንልዓሊ መጀመርያ ነቲ ዝተበደለ ሰብ እዩ። ‘ቲ ሰብ ህይወትና ክቈጻጸር ዘይንደሊ እንተዀይና፡ መገድና ብዘይ እቲ ሰብ ክንቅልስ መታን፡ ይቅረ ክንብል ኣለና። ካብ ኣምላኽ ጸጋ ክንቀበል፡ እ/ሔር ንልብና ከረስርስ፡ ከኽእለና፡ ድሌትና ኣብ ቅድሚኡ ከነቅርብ ኣለና። ሮሜ5:5 ማቴ5፡7

ናይ ኣምላኽ ፍቅሪ ካብ ጽልእን ይቅረ ዘይምባልን ይሕይል። የሱስ መጉዳእቲ ዘይብሉ መገዲ ኣሎ ኢሉ ተስፋ ኣይኣተወልና። የግዳስ ቅሬታን ምረትን ህይወትና መታን ከየዕኑ፡ ከመይ ጌርና ክንስዕሮን ክንመልቁን ከም እንኽእል መገዲ ኣዳልዩልና። ስለዚ ብዕረፍቲ መታን ክነብር ኣብኡ ንመላለስ።