ኩራኻ ናብ “ምረት” ክፍልስ ኣይተፍቕድ

ኣብ ጉዕዞ ህይወት፡ በደል፡ ዓመጽ፡ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ፡ ግህሰት ዘይተርፍ እዩ። ካብዚ ናጻ ክኸውን ዝኽእል የልቦን። ኣብዛ ውድቕቲ ዓለም፡ ካብ እንፈትዎም፡ እንኣምኖን፡ ዝተጎንጎናዮም፡ እንፈትዎም፡ እንቀርቦም፡ ዘይተጸበናዮ በደል ክገጥመና ተኽእሎ ከም ዘሎ ተመክሮና ይምስክሮ እዩ። ገለ በደል ነፍስና በሲዑ ኣትዩ፡ ሓርቖትን ቁጥዓን ዝፈጥረና፡ ንብዙሕ ዓመታት ተሰኪምናዮ እንኸይድ ሕማቕ ስምዒት ኣለና። እንተዘይተጠንቒቕናሉ ከኣ ዘኽፍሎ ዋጋ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ጠንቒ  ምረት

ሉ ምረት ብመጉዳእቲ ይጅምር። ኩሉ መጉዳእቲ ምረት የስዕብ’ዩ ‘ኳ እንተዘይተባህለ፡ ገለን ግና ውሽጢ በሲዑ ኣትዩ ስምዒትና ይዘርግ። ስምዒታዊ ቓንዛ ከኣ ነዚ መጉዳእቲ ብንተኰል ከም ዝወረደ ጌሩ ብምርኣይ ይጅምር። እዚ ማለት ክትሓርቕን ክትቑጣዕን ዝገበረካ ዓመጽ፡ ኣባኻ ዝወረደ ዕቱብ ዘይፍትሓውነት፡ ኣዚኻ ክትሓዝን ዝገበረካ ኣባኻ ዝወረደ ጌጋ ከም ዘሎ ክትኣምንን ክትድምድም ከላኻ እትምከሮ እዩ። እዚ ቅኑዕ ዝዀነ ሓርቖት ኣባና ክሓድርን ክቕንን ክንገድፎ ከለና ኸኣ በካሊ ዝዀነ ስምዒታዊ-ምረት ይቕየር።

ዝተጸቕጠ ሕዱርን ጎባእን ሓርቖትን ቕሬታን ከኣ፡ ወዲ ሰብ ካብ ዝምከሮም መዕነውትን መርዛማትን ሰብኣዊ ስምዒታት እዮም። ርእስና ጉዳይ ከም ዝዀነት ቆጺርና እንተኣኰማሲዕናዮ፡ ኣባና ዝወረደ በደል እንተረሪናዮን ከኣ፡ ንውሽጣዊ መልክዕና ክሳዕ ዝድብኖ፡ ስምዒታትና ይብርዞ። ንማንነት ሰብኣውነትና ይቆጻጸሮ። ኣብ መፈጸምታ ከኣ ግዳያት ካልኦት ሰባት ዘይኰነ፡ ግዳያት ዝተበከለ ስምዒትና ክንከውን ይቀስበና።

ውጥናትና ንምጭባጥ ደጋዊ መሰናኽላትን መዐንቐፋትን ኣብ ክንዲ ነወግድ፡ ብምኽንያት ኣብ ህይወትና ዘሎ ሕሰም፡ ካልኦት ኣብ ምውቓስ ክንወሓጥ ከለና፡ ካብ ኩሉ ንታረፍ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንኻልኦት መዐንቐፊ ንኸውን። ኣብ መስበርታትናን ዝተገሃስናዮን ብምቱካር፡ ተፈንጢርናን ተዋሒጥናን መሰናኽል ገዛእ ርእስና ክንኸውን ቀሊል እዩ። እዚ ብምግባርና ከኣ ካብቶም ዝጎድኡና ሞራላዊ ብልጫ ከም ዘለና ርእስና ብምእማን፡ ናይ ሓሶት ዕጋበት ክንረክብ የኽእለና እዩ። ኣብ መፈጸምታ ግና ገዛእ ርእስና ብዝኸፍአ ንጎድእ ከም ዘለና ክነስተውዕል ኣለና።

ዋጋ   ምረት

ብ ግዳያዊ ምረት ከነሳሕብ ከለና፡ ዘኽፍለና ዓቢ ዋጋ ኣለዎ። ካብቲ ዘኽፍለና ክሳራታት ገለ ነጥብታት ንምጥቃስ

  1. ንስምዒታውን ኣእምሮኣውን ቃንዛኻ የናውሖን የጋድዶን
  2. ናብ ሕዱር ጭንቐትን ቕዛነን ይወስደካ
  3. ሕነ ክትፈዲ ብምድፍፋእ ናብ ዝገደደ መጉዳእትን ግዳይነትን ክትሽመም ይቀስበካ። እዚ ኸኣ ኣብ ዘይውዳእ “ከምቲ ዝገበረኒ ክጎብሮ’የ” ዝብል ዘይውዳእ ዕንኪላሎ ይሸኽለካ
  4. ሕሉፍ ክተኰማስዕ ስለ ዝማርኸካ፡ ኣብ ሕጂ ሓጎስ ዝመልኦ ህይወት ከይትነብር ይዓግተካ።
  5. ጥርጥርን ስኒክነትን ዝመልኦ ኣተሓሳስባ ክተጥሪ ይገብረካ። እዚ ከኣ ሓሳባት ጽልእን ፍርሕን፡ ዘይትስፍውነት ዝመልኦ ህይወት ክትነብር ይቀስበካ
  6. ባህርይ ምጥርጣርን ምስትንዓቕን ምቁንጻብን ክህልወካ ስለ ዝገብር፡ ጥዕና ዘለዎ ርክብን ዝምድናን ከይትሕብሕብ ይገብረካ
  7. ልዑል ኣተሓሳስባኻ ስለ ዘዳኽሞ ከኣ፡ ናይ ህይወት ዕላማን ትርጉምን ናይ ምድላይ ህንጡይነትካ ኣዝዩ የጉድሎ
  8. ድሌትካን ትሕልንትኻን ውጥናትካን ንምጭባጥ ክትጥቀመሉ ዝነበረካ ጸዓትካን ሓይልኻን ከኣ ይሰርቖ
  9. ናብ ምረት ዝፈለሰ ሕዱር ሕርቓን፡ ኣካላትካ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ዘጉድል ጸቕጢ ብምፍጣር፡ ንኣካላዊ ጥዕናኻ የድኩሞ
  10. ኣብ ክንዲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለካ ተራ እተለሊ፡ ቂመኛን ሕኒን በሃልን ብምዃን ሓላፍነትካ ክትርስዕ ይገብረካ።
  11. ኣብ ስጊንጢር ኣርዑት ሕነ ምፍዳይ ስለ ዝሸመካ ከኣ፡ ኩለንትናዊ ጥዕናካ ይብሕጉጎ።

ንርእስና ክንሓታ ዘለና ኣገዳሲ ሕቶ እምበኣር፡ ክትሰዓር ዝገብረካ፡ ሓገዝ ኣልቦነት ዝወሓጦ ግዳያዊ ኣተሓሳስባ ክህልወካ ዲኻ ትደሊ? ነቲ ቁኑዕ እንብሎ ሓርቖት ኣብ ምኩምሳዕ ጊዜና እንተ ኣሕሊፍናዮ፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ቁጥዓ መመሊሱ ክነድድ ይገብሮ። እዚ ኸኣ ነቶም ዝበደሉና ዘይኰነ፡ ንዓና እዩ ዝህምዀና። ኣብ ዝወረደካ መጉዳእቲ ምእላይ ዘይኰነ፡ ኣብቲ ዝበደለካ ሰብ ከተተኩር ብምግባር፡ ንስምዒታዊ ጭንቐትካ ከም ዝሕባእ ይገብሮ። እዚ ኸኣ ንውሽጣዊ ጥዕናኻ ይብኩሎ። ተጻራፊ፡ ነዳሪ፡ ተዋቃዒ፡ ሻረኛ ክትከውን ይቐስበካ።

ሓንቲ ክንርስዓ ዘይብልና ሓቒ እንተሃልያ፡ ኣብቲ በዲልና፡ ግሂሲና እንብሎ ሰብ፡ ፍጹም ቁጽጽር ከም ዘብልና እዩ። ብሓርቖት እናጠመትና ንጎድኦ ዘለና እንተመሲሉና፡ ጌጋ ኣረዳድኣ እዩ። ገዛእ ርእስና ኢና እንሃሲ ዘለና።

ፈውሲ   ምረት

ዀነ ጸሓፍን ክኢላን እንተዝሕተት፡ ኩሉ ዝሰማምዓሉ ፈውሲ ምረት ኣሎ። ንሱ ከኣ “ይቅሬታ” እዩ።

ነቲ ኣብ ውሽጥና ዝሰረጸ መርዛም ስምዒት ነቂዝና ነውጽኣሉ ወረጦ “ይቅሬታ” ብምግባር እዩ። “ይቅሬታ” ካብቲ ዝበደለ ሰብ ንልዓሊ ነቲ ዝተበደለ ዝያደ የርብሕ። ነቲ ኣባና ዝኣተወ ቅሬታ፡ ቂም፡ ቀሓር ነፍሲ፡ ዝነኸስናዮ ጽልኢ ኣውጺእና እንድርብየሉ እንኰ መፍትሒ “ይቅሬታ እዩ። ጸረ-መርዚ (antidote) ነቲ ፍዳ ክንፈዲ ኣብ ውሽጥና ዝደፋፍኣና መርዛም ድሌት ይቅረ ምባል እዩ። ይቕረ ከንብል ዝደፋፍኣና ሃንደፍታ (impulse)፡ ኣካላዊ ጸገም ‘ተዘይኣኸቲልና፡ ንስምዒታውን ኣእምሮኣውን ጥዕናኻ ግና ኣብ ከቢድ ሓደጋ የእትዎ።

ነቶም ዝዓመጹና ዝገሃሱናን ይቅረ ክንብል ከለና፡ ዝተጎደ ቁስልና ንኸሓዊ የቀላጥፎ። ዋላ’ኳ እቲ ቁስሊ ካብ ወጻኢ ዝነቐለ እንተዀነ፡ ብህይወት ክጸንሕ ዝገበሮ ግና እቲ ነፍስና በሲዑ ዝኣተወ መርዛም ምረት እዩ። ይቕረ ዘይምባል ከኣ “መርዚ” ሰቲኻ እቲ ካልእ ሰብ ክመውት ምጽባይ እዩ።

ሓርቖት ኣብ ውሽጥና ኰይኑ ሕነ ክንፈዲ ዝደፋፍኣና እንተዀይኑ፡ “ይቅሬታ” እምበኣር ነዚ ናይ ሕነ-ምፍዳይ ሓሳብ ምዕጋስን እምቢ ምባልን እዩ። ኣብዚ እቲ ቀንዲ መዛረቢ ነጥቢ፡ ጥዕና ናይቲ ዝተጎድአ ሰብ እዩ። ንሓርቖት ኣብ ውሽጥና ብዝሓዝናዮ መጠን፡ መጨረሽታ ዘይብሉ ዕንኪላሎ ርእሰ-ምዕናው ክንሰጥም ይገብረና።

ገሊኣቶም ንሓርቖቶም ከም ከም ፈውሲ ቃንዛ ክጥቐምሉ ዝፍትኑ ኣለው። ኣብ ክንዲ ውሽጦም ክፍወስ ኣባታቶም በሲዑ ዝኣተወ መርዚ ዘውጽኡ፡ ብብዙሕ ፈውሲ ቃንዛ ዝብልዎ ውሽጦም ከደንዝዙ ዝቅሰቡ ሒደት ኣይኰኑን። ነዚ ስጊንጥር ዝገብሮ ግና፡ ክንድቲ ፈስዊ ቃንዛ (ሓርቖት) ዝተጠቐሙ፡ ቁስሎም ይሕደስን ክፉት ይኸውን። እዚ ኸኣ ንጥዑይ ስምዒታትና ይብክሎ። ቁስልና ተዘፊፉ ሕውየት ክንምኰር እንተዀይኑ፡ ከም ፈውሲ ቃንዛ እንጥቐመሉ (ሓርቆት) ጓሕጊሕና ክንርድብዮን ይኺድ ክንሓድጎን ኣለና።

ሰባት ብፍላጥ ይዀን ብዘይፍላጥ፡ ወይውን ድሌታቶም መታን ክጭብጡ መጋብሮ ጌሮምና ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። እንተኰነ ግና ኩሉ ጊዜ ሓዚልናዮም፡ ተሰኪምናዮም ክንከይድ ከነፍቕድ የብልናን። ሰላምናን ዕረፍትናን ክሰርቕዎ ስቕ ኢልና ክንርእዮም የብልናን። ገዛእ ርእስና ክልተ ጊዜ ግዳይ ክንገብራ ፍትሓዊ ኣይኰነን። ኣብቲ ዝወረደና በደል ዘለና ኣረኣእያ ክቕየር ኣለዎ።

ሓርቖትን ቁጥዓኻን እናወሰኸ ዝኸይድ እንተዀኑ፡ ኣሉታዊ ኣጠማምታ ኣማዕቢልካ ስለ ዘለኻ እዩ። ኩኖ ኣብ ውሽጥና በሲዑ ዝኣተወ ምረት ክንዘልል እንተዀይኑ፡ ብዛዕባ ኩነታት ዘለና ኣሉታዊ ገምጋም ክቕየር ኣለዎ። ካባቲ ንቕድሚት ከይንስጉም ቆሪንና ዘሎ ምረት ንኽንናገፍ፡ ምርጫ ኣባና’ዩ ዘሎ።