ድንጋጸ

ልና ብብዙሕ ነገር ንሓልፍ ኢና። ከከም ዓቅምኖ ንገጥሞ ናይ ህይወት ሰልፊ ከም ዘሎና፡ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። ካብዚ ናይ ህይወት ሓቂ ከኣ ወልሓደ ዘምልጥ የልቦን። ንገዛእ ርእሱ ክኽሕድ ዝደለየ እንተዘይኰኑ፡ ገዛእ ርእሱ ሓራ ከገብር ዝኽእል ወልሓደ የለን።

ከምዚ ክነሱ እቲ ሓቂ፡ “ድንጋጸ” ኣብ ዘመና ዝወሓደ ይመስል። ሰብ ዝሓልፎ ተረዲኡ፡ ክሰናኸል ንዝረኣዩ ብጻዩ ድንጋጸ ኣብ ክንዲ ምልጋስ፡ ከፈርዶን ከቋሽሾን ምርኣይ ልሙድ ኰይኑ። ኣብ ድኻምን ውድቀት ካልኦት ክጉይትት ዝፍትን ብዙሕ’ዩ። ተሓቢኡ ዝሓምን፡ ወረ ዝዞርን ከኣ እሞ ክንደይ ኢልካ ክቁጸር። ሰብ እዚ ስለ ዝፈርህ፡ ብዝተኻእሎ ገዛእ ርእሱ ክሓብእን፡ ብዙሕ ነጸላታትን ጫለዳታትን ክገብር ይፍትን። ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ከም ዝብሃል፡ ተወሳኺ ገድልን ጾርን ስለ ዝዀኖ፡ ሓይሉ ተጸንቂቁ፡ ኣብ ምሕላልን ድኻምን ከም ዝሰጥም ይገብሮ። ካብዚ ዝተላዕለ ስጋውን ስምዒታውን መንፈሳዉን ሕማም ዝሓመመ ብዙሕ’ዩ።

“ድንጋጸ” ክነገስ ከሎ ኣብ ሰብ ዘሎ ስግኣትን ፍርሕን ስለ ዝሰዓር፡ ሰብ ገዛእ ርእሱ ንምኻን ፍቃደኛ እናዀነ ይመጽእ። ብድንጋጸ እናዓበና ክንከይድ እምበኣር፡ “ድንጋጸ” ዝበሃል ከነማዕብልን ክንለማመድ የድልየና። እዚ ንኽኸውን ከኣ “ድንጋጸ” ዝበሃል ክርድኣና ናይ ግድን እዩ።

“ድንጋጸ” ክነገስ ከሎ፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ስግኣትን ፍርሕን ስለ ዝሰዓር፡ ሰብ ገዛእ ርእሱ ንምኻን ፍቃደኛ እናዀነ ይመጽእ

“ድንጋጸ” ሰለስተ ነጥብታት ዝሓዘዩ። ርእሰ ርሕራሔ፡ ሓባራዊ ባህርይ-ሰብ፡ ጥንቃቀን ትኩረትን ዝብላ ሰለስተ ነጥብታት ክንርዳእ ኣለና።

ርእሰ-ርሕራሔ ክንብል ከለና ክንሳቀ፡ ክንወድቅ፡ ዘይብቁዕነት ክስምዓና ከሎ፡ ንርእስና እንልግሰላ ምርዳእን ድንጋጸን’ዩ። ኣብ ክንዲ ጎሲናዮ ንሓልፍን፡ ስለቲ ዝበጽሓና ቃንዛ ንርእስና ንወቅስን፡ ክንቅበሎን ክንርድኦን ክንፍትን ከለና ማለት’ዩ።

ሓባራዊ ባህርይ-ሰብ ከኣ ስቃይ፡ ቃንዛ፡ ስምዒት ዘይብቁዕነት ንኹሉ ከም ዝበጽሖ ምፍላጥን ምልላይን ማለትና’ዩ። እዚ ንሓደ ሰብ፡ ወይ’ውን ንፍሉያት ሕብረተሰብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ዓሌትን ጾታን ብዘይምፍልላይ፡ ንኹሉ ዝበጽሖ፡ ኩሉ ዝሓልፎ ናይ ህይወት ተመክሮ’ዩ።

ጥንቃቀን ትኩረትን ከኣ ይሓትት። ምዕሩይ ዝዀነ ኣቀራርባ ይጠልብ። እዚ ማለት ከኣ ዝስምዓና ስምዒት ክጽቀጥ ወይ’ውን ክጋነን የብሉን። ንቃንዛና ዕሽሽ እናበልና ከለና፡ ክንድንግጽ ኣይንኽእልን ኢና። በቲ ሓደ ገጽ ከኣ ካብቲ ዝግባእ ንልዓሊ ምስ ሓሳባትን ስምዒታትን ተዋሲብና፡ ገዛእ ርእስና ምእላይ ክሳዕ ንስእን ከም ብርቱዕ ውሒዝ ጸሪጉና ክኸይድ ክሳብ ዝደሊ ክኸውን የብሉን።

ምዕሩይ ብዝዀነ ኣገባብ፡ ገዛእ ርእና ከነላልዮን ምስኡ ከንዋስብ ከለና፡ ‘ቲ ናይ ብሓቂ “ድንጋጸ” ክንልግስ የኽእለና።

ካብ ዝሓለፈ ተመኩረናን ንሓልፎ ዘለና እዋናዊ ኩነታትን፡ ክንጠምዕ ወይ’ውን ክንቀድሕ እንተኺኢልና፡ ንዝሳቀ፡ ሰንከልከል ንዝብል ብጻይና፡ ክንድንጸሉ ኣብ ሓሳብና ቦታ ክንረክብ ኢና። ሰብ ካብ ምድንጋጽ ንልዓሊ፡ ክፈርድን ክሕጭጭን ዝፍትን እንተኰይኑ፡ ናይ ህይወቱ ተመክሮ ስለ ዝርስዕን ገዛእ ርእሱ ብትኽኽል ክርድኣ ስለ ዘይክኣለን ጥራይ እዩ። ወይ’ከኣ ገዛ ርእሱ ሓቢኡ፡ ብድኻምን ስቃይን ካልኦት ክብርትዕን ክጸናናዕዝ ስለ ዝፍትን ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ ረሲእነት እዩ።
ስለዚ ውሳኔና ካብ ርእሰ ድንጋጸ ዝብገስ፡ ብድንጋጸ ሃብታማት ምኻን ይኹን።

ስለዚ ውሳኔና ካብ ርእሰ ድንጋጸ ዝብገስ፡ ብድንጋጸ ሃብታማት ምኻን ይኹን።

Share this Post


About the Author

Samson Mesghena