ጣቓ ደበና ዘጎልበቦ ኣእምሮ

ዕድሚኡ ኣብ ከባቢ 20ታት እዩ። ካብ ዘረባኡ ብ”ቅዛነት” ካብ ዝሳቐ ዓመታት ከም ዘቁጸረ የፍልጥ። እንተ ‘ዚ ዘለዎ ቅነ ግና ኣዝዩ ስለ ዝበርትዖ ብባዕሉ ክኣልዩ ኣይከለና። ክዛረበኒ ከሎ ንኸዕልል ብዙሕ ድሌት ዝነበሮ ኣይመስልን። እንተ ተገዲዱ ወይስ ክይስምዓኒ ኢሉ ግና ከዕልለኒ ኣብ ጎነይ ኰፍ በለ።

ከምይ ኣለኻ ምስ በልክዎ፡ “እእእእእ” ኢሉኒ ደኣ ስቅ በለ እምበር ቃላት ኣየውስአን። ኣብ ገጹ ብዙሕ ዝንበብ ኣሉታዊ ነገር ኣለዎ። ጸግሪ ርእሱ ዀነ ጭሕሙ ኣዝዩ ነዊሑ ነበረ። ኣብ የዒንቱ ድኻም፡ ሓዘን፡ ተስፋ ምቁራጽ ይንበብ። ጭዋዳታት ገጹ የዕርፉ ከም ዝተባህሉ፡ መርኣዮ ገጹ ስጡሕ (flat) ነበረ። ናይ ምብላዕ ሸውሃት ኣይነበሮን። ዝበዝሕ ጊዜ ሓንሳእ ጥራይ እንተበሊዑ ዓወት’ዩ።

ካብ ኩሉ ዘገርም ከኣ ብርሃን መዓልቲ ክርኢ ፈጺሙ ድሌት ኣጥፊኡ ምንባሩ’ዩ። መሳኹቲ መደቀሲ ክፍሉ ኣጸልሚቱ፡ ቀትሪ ኰነ ለይቲ ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ይውዕል። ኣብ ዓራት ኣብ ትሕቲ ኰቦርታ ምስ ተሸፈነ፡ ውዒሉ ይመሲ፡ ደሓር’ውን ይወግሕ። ካብ ኩሉ ተገሊሉ፡ በይኑ ምዃን ይፈቱ። ቅድሚ ሕጂ ክገብሮም ከሎ ዝሕጎሰሎም ዝነበረ፡ ሕጂ ግና ክሓስቦም ከማን ኣይደልን። ተስፋ ኣልቦነት፡ ሓገዝ ኣልቦነት፡ ንስምዒቱ ተቆጻጸሮ። ምንባር ንምቅጻል ከኣ ትርጉም ስኣነሉ።

ከምዚ ክብል ሓደ ሕቶ ሓተትክዎ። መልሱ ዘይተጸበኽዎ ኰይኑኒ ግና ዕንድ በልኩ። ብሽሙ ጸዊዐ፡

“ስለምታይ ኢኻ ንግሆ ኣብ ጊዚኡ ተሲእካ፡ ቁርሲ በሊዕኻ፡ ኣብ ዝተመደበ ንጥፈት ዘይትሳተፍ፧ ምስ በልክዎ፡
የዒንቱ ናባይ ገጹ ኣቅኒዑ ከምዚ ክብል ሓተተኒ፡
ንግሆ ክትስእ ዝገብረኒ ሓንቲ ሽቶ፡ ዕላማ፡ (goal) ጥራይ ንገረኒ፧

መልሱ ዘይተጸበኽዎ ኰይኑኒ ዝብሎ ጠፍኣኒ። ገዛእ ርእሰይ ክፈቅድ ከኣ ቅሩብ ጊዜ ወሰደለይ። እዋእ! ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ኣማዕድዩ ዝርእዩ፡ ንኽጭብጦ ዝመጣጠረሉ፡ ወለሓደ ነገር የብሉን ማለት ድዩ፧ በልኩ ብውሽጠይ። ኣብ ኣዝዩ ድቅድቅ ጸልማት ምንባሩ ኸኣ በርሃለይ።

ዝገጥሞ ዝነበረ ኣዝዩ ጸልማት ዝዀነ ቅልስ ከቢድ ካብ ምኻኑ ዝተላዕለ፡ ሓደ ሕቶ ክሓቶ ወሰንኩ። ከምዚ ድማ በልክዎ

ምስ ደቀስካ ተመሊስካ ከይትትስእ፡ ብርሃን መዓልቲ ከይትርኢ፡ ትምነ’ዶ በልክዎ፧

ንኽምልሰለይ ጊዜ ኣይወሰደሉን። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ትምኒቱ ከምኡ ምዃኑ ከይተማተአ ገለጸለይ።

ኣነ ኸኣ ኣስዕብ ኣቢለ፡ ገዛእ ርእስኻ ክትሃሲ፡ ብገዛእ ኣእዳውካ ርእስኻ ከተሕልፍ፡ ሓሳብን ውጥንን ኣለካ’ዶ በልክዎ።
ሕጂ’ውን እንተዀነ ሰጋእ ከይበለ፡ “እወ” በለኒ።
ብኸመይ ውጡን ከተግብሮ ከም ዝሓስብ ከኣ ሓተትክዎ። ኣነጺሩ ብብሓደ ነገረኒ። ቅድሚ ሕጂ’ውን እንተዀነ ገዛእ ርእሱ ከጥፍእ ሓሲቡን ፈቲኑን ምንባሩ፡ ግን ከኣ ከም ዘይሰለጦ ኣዕለለኒ።

‘ቲ ጉዳእ ካብ ዓቅመይ ንልዓሊ ምዃኑ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ቅድሚ ዝዀነ ድሕነት ህይወቱ ቀዳማይ ምዃኑ ስለ ዝተረድኣኒ፡ ንዝምልከተ ኣካል ቀልጢፈ ሓበርኩ። ብቅልጡ ከኣ ናብ “ርእሰ ቅትለታዊ ሓለዋ” ተወስደ።

ምስ ከደ ኸኣ ምስ በይነይ ኰይነ ኣብ ዓሚቅ ሓሳብ ኣተኹ። ከመይ ኢሉ ሰብ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ብዘይ ወለሓደ “ሽቶ፡ ዕላማ” ክኸውን ይኽእል፧ ዝብል ሕቶ ኣብ ሓሳበይ ብዙሕ ኣቃጨለ። ድንጋጽ ከኣ ሓደረኒ። ንሓሳባቱ ኣጎልቢቡ፡ ኣብ ልዕሊኡ ተንጠልጢሉ ዝነበረ “ጣቃ ጸልማት” ከኣ ብሓሳባተይ ክስእሎ ፈተንኩ። ስቅ ዝብል፡ በይኑ ክኸውን ዝመርጽ፡ ብዙሕ ዝድቅስ ኩሉ ናይ ደሓን ዘይምኻኑ ተሰወጠኒ።

ዝሰማዕክዎን ዝተዓዘብክዎን ኣስደሚሙኒ፡ ‘ቲ ብዛዕባ ኩለንትናዊ ሰብ ዝዛረብ፡ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ “ቅዛነት” እንታይ ከም ዝብል ክፍትሽን ክምርምርን ወሰንኩ።

ብመጀምርያ ናብ ሓሳበይ ቅጅል ዝበለኒ ኸኣ ነብዩ ኤልያስ ነበረ። ኣብ ያእ 5:17

“ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ፡ ዝናም ክይዘንም ከኣ ጸሎት ጸለየ እሞ፡ ሰለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ምድሪ ኣይዘነበረን” ይብል።

ንሰማያት ይእዝዞም ንሳቶም ከኣ ይእዘዝሉ። ብዙሕ ትምእርትን ተኣምራትን ጌሩ ክነሱ፡ ከም ኩሉ “ሰብ” ድኻም ዝጠበቆ ምኻኑ ንምፍላጥ ክምርምር ኢለ ሓሳበይ ኣቅናዕኩ። እቲ ዓቢ ነብዩ ከምዚ ካብ ገጠሞ፡ ካልእውን ክገጥሞ ከም ዝኽእል ምግማት ኣይኸበደንን። ኤልያስ ካብ ሰማይ ሓዊ ምስ ኣውረደ፡ ነቶም 850 በዓል ነብያት ቀቲሉ ዓቢ ግብሪ ምስ ፈጸመ፡ ናብ ይዝርኤል ኸደ። ኤዛቤል፡ ሰበይቲ ንጉስ ኣከኣብ፡ ልኡኻት ልኢኻ ከምዚ በለቶ፡
“ሽዑ ኢዛቤል ልኡኽ ሰዲዳ፡ ንኤልያስ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ንነፍስኻ ኸም ነፍሲ ሓደ ኻባታቶም እንተ ዘይገይረያስ፡ ኣማልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚውን ይወስኹኒ፡ በለቶ።” 1ነገ19:2

እ/ሔር ኣምላኹ ኣብ ብዙሓት ነብያት ዝገበሮ፡ ከመይ ኢሉ ከም ዝመለሱ ረሲዑ፡ ኣብ ዓዘቅቲ “ፍርሓት” ተሸኺሉ። ሽግር ኤልያስ እምበኣር ካብዚ ክቱር ዝዀነ ፍርሒ ይጅምር። ፍርሒ ንሓሳቡ ስለ ዘሰንከሎ ኸኣ ኪኖ እቲ ዝገጥሞ ዝነበረ ኣማዕድዩ፡ ተስፋ ኣምላኽን ሐለዋኡን ብእምነት ክርኢ ተሸገረ። ብፍርሓት ኣቢሉ፡ ተስፋ ምቁራጽን ጣቃ ጸልማትን ንሓሳቡ ኣጎልቦቦ። ካብቲ ዘፈራርሆ ዝነበረ፡ ምስኡ ዘሎ ከም ዝዓቢ ተሰዊርዎ። ፍርሒ ንህይወቱ ስለ ዘልመሶ ከኣ፡
1. እምነቱ ኣጥፊኡ፡ ተስፋኡ ተሃርመ
2. ሸውሃቱ ካብኡ ስለ ዝበረረ ምብላዕ መግቢ ተሓሲሙ
3. ብመዓልቲ ምድቃስ ኰይኑ ስርሑ
4. ኩሉ ጊዜ ክገብሮ ዝሕጎሰሉ ዝነበረ ንጥፈት ንኽገብሮ ተገዳስነት ኣጥፊኡ
5. ሓገዝ ኣልቦነት ስዒርዎ
6. ከም ልማዱ ምስ ኣምላኽ ጉጁም ምባል ሓዲጉ
7. “ርእሰ ቅትለታዊ” (suicidal) ሓሳብ ንሓሳቡ ሸፊንዎ ስለ ዝነበረ፡ ሞት ተመንዩ። እ/ሔር ክዓሞ ደልይዎ ዝነበረ ስራሕ፡ ክፍጽሞ ዝነበሮ ጉያ፡ ንኽፍጽም ደኺሙ።

ቅዛነት” መበገሲኡ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ መንፈሳዊ ክኸውን ይኽእል። መበገሲኡ ይፈላለ ደኣ እምበር፡ ንኹሉ ክፋላት ሰብ ዝጸሉ ሕሱም ዝዀነ “ጣቃ ጸልማት” ‘ዩ። ስለ ዝዀነ ናብ ኩለንትና ሰብ ዝቀንዐ ፍታሕ ክንሓስብ ኣለና። “ቅዛነት” ምስ ኣካላዊ ጥዕና፡ ምስ እንኣምኖ፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምስ ዘለና ኣጠማምታ፡ ምስ ፈጣሪ ዘለና ዝምድና፡ ምስ ካልኦት ዘለና ርክብ፡ ምስ ኩነታትና፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ምስ ገዛኢ እዛ ዓለም ዝዀነ ጸላኢና ሰይጣን ዝተተሓሓዘ ክኸውን ይኽልእ። እዞም ኩሎም ኣብ ግምት ከየእተና ኸኣ ዕውት ዝዀነ መፍትሒ “ቅዛነት” ክህልወና ኣይክእልን።

ኣብ ሕብረተሰብ ብዙሕ መጣጊ፡ እንታ” (stigma) ናይ ምርኣይ ልምዲ ስለ ዘሎ፡ ሰባት ስምዒቶም ከካፍሉ ይፈርሁ። ሕብረት ኣመንቲ እንተዀነ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ብድሆታት ከመይ ጌሩ ከም ዝሕዞም፡ ምላሽ ከም ዝህቦም፡ ኣይፈልጥን። ሰብ እግሩ ምስ ዝስበር፡ እናተጓየና ንሕክምና ንወስዶ። መግብታት ነምጻሉ። ድንጋጸና ክንልግሰሉ ኸኣ ጸገም የብልናን። “ቅዛነት” ዝብሃል ጸገም ምስ እንሰምዕ ግና፡ ዘይምቹኡነት ኣብ ኣየራትና ይንጥልጠል። እዚ ኸኣ ዘለና ዘይምርዳእ ኣጉልሒኡ የርእየና።

ከምዚ ዝበለ ብድሆ ምስ ዝገጥመና፡ ነውሪ ክስምዓና የብሉን። ምኽንያቱ በይንና ኣይኰናን። ብዘይ ኣፈላላይ ዳርጋ ኹሉ ሰብ ዘጥቅዕ ብድሆ ‘ዩ። ብምልዮናት ዝቁጸሩ በዚ ብድሆ ዝተጠቅዑ ዘለው ክነሶም፡ ሓደ ስልሲት (1/3) ጥራይ ሓገዝ ይሓቱ። ምኽንያቱ ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ገዛእ ርእሶም ዝሓብኡ፡ መታን ከይረኣዩ ገዛእ ርእሶም ዝግልሉ ብዙሓት’ዮም። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ መወዳእቶም ዝገደደ ይኸውን። ስለዚ ሓገዝ ምሕታት ከም ነውሪ፡ ድኻም፡ ክመስለና የብሉን።

እቲ ከም ልቢ ኣምላኽ ዝተባህለ ንጉስ ዳዊት እኳ ከይተረፈ በዚ ሽግር ብዙሕ ሓሊፉ’ዩ። ዝሓልፎ ዝነበረ ንኽዛረብ ትብዓት ስለ ዝረኸበ፡ ንዓና ንትምህርትና ኰይኑ ኣሎ። መዝ 6, 38, መዝ13
“ዎ እግዚኣብሄር፣ ክሳዕ መአዝ ኢኻ ፈጺምካ
እትርስዓኒ፧
ክሳዕ መአዝከ ኢኻ ገጽካ ትኽውለለይ፧
ክሳዕ መአዝ ብነፍሰይ ክጭነቕ፣ ዕለተ ዕለትሲ ብልበይ ክሐዝን እየ፧
ጸላእየይከ ኽሳዕ መአዝ እዩ ዚዕብልለኒ፧
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ጠምት እሞ ምለሰለይ።
ኣነ ድቃስ ሞት ከይድቅስ፣ ጸላእየይ፣ ስዒረዮ፣ ከይብል፣ እንተ ተናወጽኩ፣ ተጻረርተይ ከይፍስሁስ፣ ነዒንተይ ኣብርሃየን።”

ማርቲን ሉተር፡ ፕረሲደንት ኣመሪካ ዝነበረ ኣብርሃም ሊንኮን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረ ዊኒስቶን ቸርችል፡ ብ”ቅዛነት” ብዙሕ ይሳቀዩ ከም ዝነበሩ ይንገር። ኣብዛ ውድቅቲ ዓለም ምህላውና ጥራይ፡ ብብዙሕ መገዲ ንቅዛነት ክንቃላዕ ይገብረና። ክንፈልጦን ክቅበሎን ዘለና ሓቂ እንተሃልዩ ኸኣ “ተስፋ” ምህላዉ”ዩ።

ቅዛነት፡ ዓቅሊ ጽበት፡ ተስፋ ምቁራጽ ናብ ህይወትኩም ፍሑኽ ኢሉ ኣትዩ እንተዀይኑ፡ እቲ ዘልኣለማዊ “ሓቂ” ግና ንተስፋ የሕድስ። ናይዛ ንነብራ ዘለና ዓለም ኩነታት፡ ብመንጽር መጽሓፍ ቅዱስ ክትርእይዎ ክሕግዘኩም እደሊ። እቲ ዝለዓለ ጥበብ እምበር ንህይወት ብናይ ኣምላኽ መገድን ሚዛንን ጌርና ክንርእዮ ክንፍትን ከለና’ዩ።

ኣብዚ ዝስዕብ፡ ነቲ ኣብ ኣእምሮ ዝተንጠልጠለ ጣቃ ጸልማት ክንስዕረሉ እንኽእል ሓደ መገዲ ክንርኢ ኢና። ካብቲ ብዙሕ መገደትታ ሓደን ቀዳማይን መገዲ እምበር፡ ካልእ መገዲ ኣየድልየናን’ዩ ንምባል ኣይኰነን። ከምቲ ኣቀዲመ ዝገለጽክዎ ከኣ ናብ ኩሉ ማንነት ሰብ፡ ማለት ኣካላዊ፡ ስምዒታዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ መንፈሳዊ፡ ዝቀንዐ ፍታሕ ክንሓስብ ኣለና።

1. ኣብ የሱስ ምሉእ ሰላም ኣሎ።

ንሱ ምንጭናን ዓይኒ ማያትናን’ዩ። ንልቢ ሰብ ጽቡቅ እናገበረ ርእሱ ብዘይ ምስክር ዘይሓደገ ብሩኽ ኣምላኽ’ዩ። እቲ ንሱ ዝህበና ሰላም፡ ካልእ ክትክኦን ክዳረጎን ኣይክእልን። ካብቶም ወይኖም እንጌራኦም ምስ በዝሓሎም ዝሕጎስዎ ኣዝዩ ይበልጽ። ካብ ወይኒ፡ ካብ መዓር ወለላ፡ ይምረጽ። ሓንትስ ክንራኸቦ ኢልና ልብና ንሃቦ እምበር፡ ንሱ ከም ብስቡሕ ብልዕን ብርቱዕ ወይንን ንልብና የሕጉስ። በቲ ብምርዳእ ክብጻሕ ዘይክእል ሰላም ጌሩ ንሓሳብናን ልብናን ክሕልዎ’ዩ። እዚ መገዲ’ዚ ካብ ካልእ መድሃኒት ዝተመርጸ’ዩ። ነቶም ናብኡ ዝጽግዑ፡ ብሓጎስ ክወጹ ብሰላም ድማ ክስነዩ ይገብሮም። ኤፌ4:4-6 መዝ4:7 ዮሃ17:13 2ቆሮ1:24 ገላ5:22,23 ፊሊ4:7 ነህ 8:10 ኢሰ55:10

ኢሰ54:10 ስለዚ ኣኽራን እኳ እንተ ዘበሉ፡ ኰረቢትውን ነነይ እንተ በሉ፡ ምሕረተይሲ ኻባኺ ኣይኪዘብልን፡ ኪዳን ሰላመይ ድማ ነነይ ኣይኪብልን እዩ፡ ይብል እቲ ዚርሕርሓልኪ እግዚኣብሄር።

2. በእምሮ ምሕዳስ፡

1ቆሮ10:3-5 ፊሊ4:8 ኣብዚ ምድሪ ክነብር ከለና፡ ዓለማዊ ስጋዊ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ሰይጣናዊ ሓሳብ ንሓሳብና ይብርዝ፡ ይብክል፡ የበላሹ፡ የመርት። ኣብ ሓሳብና ዝተዘርኣ፡ ካብ ሓቂ ዘይኰነ፡ ኸኣ ብዙሕ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ። ሰብ ከምቲ ዝሓስቦ ከምኡ ስለ ዝዀነ፡ ምርዳእና፡ ኣጠማምታና፡ ኣረኣእይና ክንጥንቀቀሉ ኣለና ጥራይ ዘይኰነ፡ ከም ሓሳብ ኣምላኽ ንነፍስና ክንጥንቀቀላ ኣለና። “ኣታ ወደየ ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዓየት፡ ብኹሉ ደሓንት ክትህሉን ክትጥዕን እምነየልካ ኣለኹ” ዝብል ሓሳብ ዕምቆቱ ይረድኣና። “ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን’ዩ” ሮሜ8፡6 ሓሳብና ብምንታይ ከም ዝተታሕዘ ክንፍትሽ፡ ካብ ሓሶት ዝዀነ ዘፈራርሃና፡ ተስፋ ከም ዘይብልና ጌሩ ዘእምነና፡ በቲ ሓቂ ክንስዕሮ ኣለና። ብሓሳብና ኩሉ ጊዜ ንሓስቦን ነስተንትኖን ንጠንቀቀሉ። 2ቆሮ11:3 3ዮሃ3

ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሐታ፡ ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጥፍእ እፈርህ ኣሎኹ።

3. ንኣምላኽ ንእመኖ

ብእ/ሔር ምእማን “ምሉኡነት” (Wholeness) የማዕብል። ግብ3:16 ኣብ ህይወት ዝገጥመና ብዙሕ’ዩ። ዘፍረሃና፡ ዘፈራርሃና፡ ዘሻቅለና ክንደይ ኢልካ ክቁጸር። ዘይተጸበናዮ ይገጥመና። ካብ ኢድና ስሉኽ ኢሉ ዝጠፍእን ዝሃፍፍን ብዙሕ’ዩ። ልብኻ ዝሰብርን ዘድምን ይገጥመና። ገሊኡ ምኽንያቱ ንፈልጦ ኢና። እንተ ንገሊኡ ምንም ኣምር የብልናን። ኣብ ገሊኡ ፈጣሪ ኣንጻርና ዝተሰለፈ ይመስለና። ዕጻና ንመከራ እንተዘይኰንኑ፡ ንጥዑም ከም ዘይተዓደልና ንርእሳ ንቆርጻ።

እዚ ጸላም ኸኣ ጽባሕ ዘሎ ወጋሕታ ከይነማዕዱ ነዒንታ የጎልብቦ። ግና ከምኡ ድዩ፧ ንኹሉ ጊዜ የብሉን፧ ድሕሪ ጸልማት ወጋሕታ ኣይመጽእን፧ እቲ ንዘልኣለማውነት ኣብ ልቢ ሰብ ዘንበረ ፈጣሪ ኣይርእን፧ ካብ ኩነታትና ሓሊፍና ነቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክንኣምኖ እንተዘክኢልና ብመዓልቲ ክጽልምተና’ዩ። ንምንባር ሓይሊ ኣልቦ ንኸውን። ንግሆ ንምትሳእ ትርጉም ንስእን። ነቲ ንኹሉ መወዳእታ ዝገብረሉ፡ ንኹሉ ድማ ንምዱብ ጊዜ ዝፈጠረ ኣምላኽ ክንኣምኖ ኣለና። ምሳ16:4 እዚ ዝበለጸ ፍቱን መገዲ’ዩ። መክ 3፡1-10 መዝ27:13 ኢሰ41:10 ኣብ ኣምላኽ ኩሉ ጊዜ ተስፋ ኣሎ። መዝ43:5 ዶግ 3:19-26

ግብ27፡25
“ኣቱም ሰብ፡ ኣነ ኸኣ ከምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዚኸውን ንኣምላኽ እኣምኖ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣጆኹም።”

4. ንሓቂ ንፍለጣ።

“ሓቂ ክትፈልጥዋ ንሳውን ሓራ ከተውጻኩም እያ”። ዮሃ8፡32 ዮሃ17:15,17 2ቆሮ11፡3 1ጢሞ4፡1 ብዛዕባ ኩነታትና ዘለና ምርዳእ ካብቲ ዝዓበናሉ ከባቢ፡ ሃዋህው፡ ይምንጩ። ንሓሳብና፡ ኣጠማምታና፡ ኣረኣእያና፡ ምርዳእና፡ ቅርጺ የትሕዞ። ከባቢና ኸኣ ዝተበከለን ዝተበላሸወን ስለ ዝዀነ፡ ዝበዝሕ ግዜ ብዛዕባ ርእስና፡ ኩነታትና፡ መጻኢና፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ምርዳእ ሒዝና ንዓቢ። ብዛዕባ ኣምላኽ ዝተናዓበ ምርዳእ ሒዝና ምዕባይና’ውን ዘገርም ኣይኰነን።

ኣብ ሰማይ ዝጸንዐ፡ ንዘልኣለም ዝነብር ሓቂ ግና ኣሎ። እቲ ንኣምኖ ምስ “ሓቂ” ዘይሰማማዕ እንተኰይኑ፡ እቲ ዝስምዓና’ውን ንኽውንነትና ዘቃልሕ ኣይኰነን። ስለዚ ኣብ ሓሳብና ዝተሃንጸ ሓሶት፡ ንምእዛዝ ሓቂ ክንማርዀ ኣለና። ኣነ ኣይበቅዕን’የ፡ ዋጋ ዘይብለይ ድርቡይ፡ ዘይረብሕ ሕሱርን ንዕቁን፡ ዘፍቅረንን ዝጥምተንን ዘይብለይ ርሱዕ፡ ደንቆሮ፡ ስዲ፡ ክፉእ፡ ኩነታተይ ዘይቅየርን ተስፋ ዘቁርጽን፡ ብጌጋ ዝተፈጠርኩ ትርጉም ዘይብለይ፡ መጻእየይ ጸልማት፡ ህይወት ከኣ ዓዘቅቲ ጥራይ፡ ርጉምን ሓሳድን፡ ዝድንግጸለይን ዝሕግዘንን ዘይብለ፡ ኣምላኽ’ውን ፈጺሙ ዝረሰዓኒ ሰብ፡ ዝብል ሓሳባት ሓሶት’ዩ። እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ናይ ሓሶት ጸሃያይ ሚሒና ከነውጽኦም ኣለና። እቲ ሓቂ እምበኣር እዚ እዩ፡

ኢሰ43:4 “ኣብ ኣዒንተይ ብሉጽን ክቡርን ስለ ዝዀንካን ስለ ዘፍቀርኩኻን”