ጽልዋ “ኰቪድ-19” ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ኣተኣላልያኡን

ዀቪድ-19 ብብዙሕ ገጻት ጸልዩና እዩ። ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ ስምዒታዊ፡ መንፈሳዊ ተጽዕኖ ጌሩ እዩ። እናኣስፋሕፈሐ ከይከይድ ከኣ፡ ኣእዳውና ብግቡእ ክንሕጸብ፡ ኣብ ቀላጽምና ክንህንጥስ፡ ገጽና ምትንኻፍ ክንገድፍ፡ ኣካላዊ ምፍንታትን ከነዘውትር፡ ብዝተኻእለና ኣብ ገዛ ክንከውንን ክንውሸብ ተመኺርና ኣለና። ነዚ ሓበሬታ ብዙሕ ጊዜ ሰሚዕናዩ ስለ ዘለና ምድጋሙ ዘድሊ ኣይኰነን። ኣብዚ ሓጺር ጽሑፈይ ግና፡ ኣብ “ገዛ ምኻንን ምውሻብን”፡ ኣብ ኣእምሮን ስምዒትን ዘለዎ ጽልዋ ኣሕጺረ ከረድእ ክፍትን እየ።

ውሻብ” ዝበሃል ኣምር ሓድሽ ኣይኰነን። ኣብ ዘዘመኑ ኣብ ዝተራእየ ለበዳታት፡ ከም እኒ ዓባይ ሰዓል (influenza); ሳርስ፡ ኤች1ኤን1፡ ኢቦላ፡ ንምዕጋት ዝተጠቐምናሉ ውጽኢታዊ መሳርሒ እዩ። “ውሸባ” ክንብል ከለና ዝሓመመ፡ ወይ’ውን ብሕማም ዝተጠርጠረ፡ መታን ንኻልኦት ከይለክፍ፡ ኣብ በይኑ ምፍላይ ማለትና እዩ።

ምውሻብ ወለንታውን ዘይወለንታውን ክኸውን ይኽእል። “ወለንታዊ“፡ ሰባት ብፍታዎም ኣብ ገዝኦም ኰፍ ክብሉ ከለው። ዘይወለንታዊ ከኣ ዝሓመሙ፡ ዝተለኽፉ፡ ምልክታት ዘርኣዩ ኣብ ሆስፖታል ክዕቖቡ ክግበር ከሎ እዩ። ነዞም ክልቲኦም ኣተኣላልያ ዘመሳስሎም ከኣ፡ እቲ ልሙድ ኣካይዳ ኣነባብሮኦም ተበቲኹ፡ ምስ ሕብረተሰብ ዘለዎም ርክብ ንግዚኡ ስለ ዝቋረጽ እዩ። መጠኑ ደኣ ይፈላለ እምበር፡ “ምውሻብ” ኣብ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕና ዘምጽኦ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ከኣ፡ ነዚ ሓሳብ ኣሕጽር ኣቢል ከብርህ እየ።

መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ሓደ ሰብ ካብ ሕብረተሰብ ተፈልዩ ልዕሊ 10 መዓልቲ ክውሸብ ከሎ፡ ንልዑል “ምልክት ድሕረ ማህሰይቲ” (PTSD) ዝተቃልዐ ይኸውን። ብፍላይ ንኣዋርኽ ክምጠጥ ከሎ ኸኣ፡ ጽልዋኡ ኣብ ኣእምሮኣዊን ስምዒታውን ጥዕና ኣዝዩ ልዕሉን እናዀነ ይኸድ።

ጽልዋ “ውሸባ” ኣብ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕና ኸኣ፡ ብኸምዚ ይጅምር

  1. ሕሉፍ ኣተኩሮ (hypervigilance).

ኣብዚ ዘለናዮ ኣዝዩ በዳሂ ኩነታት፡ ኣተኩሮ ክህልወና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ዝወሃበና መምርሒ ብጥንቓቐን ብምስትውዓልን ክንስዕቦ ግዴታ ኣለና። መጠኑ ዝሓለፈ ኣተኩሮ ግና ጸዓትና በሊዑ ናብ ጸቕጥን ጭንቀትን ስለ ዘቃልዓና ክንጥንቀቅ ኣለና። ገሊኡ ቆርቦቱ ክሳዕ ዝጉዳእ ኢዱ ካብ ዝግባእ ንልዓሊ ይሕጸብ። ጎሮሮና ብዝሰርሰረና ክንስንብድ፡ ክንህንጥስ ከለና ቀልጢፋ ኣብ ሓሳብና ዝመጽእ፡ እዚ ለባዳ ኰይኑ ንስምብድን ንሻቐልን። ካልኦት ብዝገብርዎ ምቕስቓስ ንስምብድ። እዚ መጠኑ ዝሓለፈ ኣተኹሮ ኸኣ ጥዕና ኣይኰነን።

  1. ካብ ትፈትዎም ምፍልላይ (separation)

ኩሉ ሰብ ኣብ ገዝኡ ክውሸብ ስለ ዝተነግሮ፡ ካብ ዝፈትዎም ስድራኡ፡ መሓዝቱ፡ ኣዝማዱ ዝተፈለየ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ “ትንሳኤ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ነብዕለሉ ዘለና መዓልታት፡ እቲ ምፍልላይ ኣዝዩ ገኒኑ ይርአ። እዚ ኸኣ ንጥዕና ኣእምሮና ብቐጥታ ይጸልዎ’ዩ እንተበልና ምግናን ኣይኰነን። ንጽምዋ፥ ካብኡ ሓሊፉ ንጭንቐትን ቅዛነትን ከም ዘጋልጸና ክንግንዘብ ኣለና።

  1. ካብ ካልኦት ምንጻል (detach).

እዚ ቫይረስ ኣዝዩ ከም እንፈርህ ጌርና እዩ። መጠኑ ዝሓለወ ፍርሒ ግቡእ እዩ። ከነወግዶ’ውን ኣይንኽእልን። ፍርሒ ክውሕጠና ከሎ ግና ጥቓ ካልኦት ምቕራብ ከሰክፈና፥ ምስ ዝዀነ ሰብ ዝዀነ ነገር ክንገብር ክኽልክለና ይኽእል እዩ። ብፍላይ እዚ ኣብ ነዊሕ እዋን ግሉጽ ይኸውን። ፍርሒ ኸኣ ኣፍደገ ናይ ራዕዲ፡ ጭንቐት ከም ዘጋልጸና ርዱእ እዩ።

  1. ምጉዳል ናጽነት (lose of freedom)

ሰብ ካብ ድቃስ ምስ ተበራበረ፥ ናቱ ዝዀነ ልምምድ ኣለዎ። ገሊኡ ቅድሚ ናብ ስራሕ ምእታዉ ናብ ጂም ብምኻድ ምውስዋስ ኣካላት ዝገብረ፡ ናብ ቤት-ጽሕፈቱ ኣቀዲሙ ኣትዩ ነገራቱ ዝሰርዕ፡ ቤት-መሸጣ ቡን ንግሆ ንግሆ ዘዘውትር፡ መግቡ ካብ ደገ ዝገዝእ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ስድራቤት በብእዋኑ ዝበጽሕ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ቤት-እምነት ዝኸይድ፡ ካልእን ልምምድ (routine) ዘለዋ ብዙሕ እዩ። ኣብዚ እዋን ግና ዳርጋእዚ  ኹሉ ዝተነፍጎ ብዙሕ እዩ። እዚ ኸኣ ንብጹሕ ሰብ ስምዒታዊን ስነ ኣእምሮዋን ብድሆም ከም ዝዀኖ ርዱእ እዩ።

  1. ዘይርጉጽነት ብዛዕባ ለበዳ

እዚ ቫይረስ ሓድሽ ብምኻኑ ብዛዕብኡ ዘለና ኣፍልጦን ቅድመ-ገምጋም ኣዝዩ ድሩት እዩ። ስለ ዝኰነ ብዛዕብኡ ንሰምዖ ሓበሬታ ብዙሕ ዝተቀያየረ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ብዙሕ ሓበሬታ ይስማዕ እዩ። እቲ ገሊኡ መሰረት የብሉን። ገሊኡ ገለ ክፋል ጥራይ ሓቒ ዘልዎ። ገሊኡ ጸጸኒሑ ይቕየር። ዝተለኽፉን ዝሞቱን ብቁጽሮም እናወሰኹ ይከዱ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ንብዙሕ ኣብ ነውጺ ሸሚምዎ ኣሎ። ስለ ዝኰነ ጭንቐቱን ራዕዱን ሻቕለቱን ጸቕጡን እናወሰኸ እንተኸደ ኣይፍረዶን እዩ።

  1. ምስልቻው (boredom)

መቸም ኩሉ ተረፍ ጊዜኻ ኣብ ገዛ ጥራይ ተሕልፎ እንተኼንካ፡ ምስልቻው ኣብ ኣየራት ክዝንቢ ክስምዓና ይኽእል’ዩ። ምስ ጊዜ ትገብሮ እናጠፍኣካ፡ ምስልቻው እናወሓጠካ ይኸይድ። እዚ ከኣ ናብ ብዙሕ ሕማቕ ኣመላትውን ክወስደና ተኽእሎ ኣሎ። ስለ ዝዀነ መሸጣ ኣልክሆል ብኣስታት 540 ሚኢታዊት ከም ዝወሰኸ ይንገር። ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ሰማይ ከም ዝተሰቕለ ጸብጻባት ይሕብሩ። ናቱ ዝኰነ ዓቅሊ ጽበት ከም ዘለዎ፡ ናብ ዘይተደለየ ቅዛነት ከም ዝሸመና ርዱእ እዩ።

  1. ምስኣን መሰረታዊ ሃልክታት

እዋን እቶ እቶ ክኸውን ከሎ፡ ሰብ ንጊዜ ጸገም ይዀነኒ’ዩ ዝብሎ ኣብ ገዝኡ ዝድርድሮ ሃለኽቲ ነገራት ብዙሕ እዩ። ገሊኡ ኣብዛ ዓለም ንበይኑ ከም ዝተፈጥረ፡ ንኻልእ ከይሓሰብ ዝድርድር ኣሎ። ብከምኡ መጠን ከኣ መሰረታዊ ሃለኽቲ እናተሳእኑ ይከዱ።

ዓበይቲ ዕዳጋታት ከብሕታቶም ጥርሑ ካብ ዝኸውን ሰሙናት ሓሊፉ ኣሎ። ናይ ንጽህና ወረቃቕቲ ከም ኣብነት ክንጠቕስ ንኽእል። እዚ ከኣ ኣብቲ ሰብ ዘሕድሮ ሻቕሎት፡ ጭንቐት፡ ራዕዲ፡ ዓቕሊ ጽበት፡ ብስጭት ታእላው የብሉ። ብዙሕ ሰብ ከኣ ኣእምርኡ ብብዙሕ ተተንኪዩ እዩ።

  1. ቁጠባዊ ጽልዋ

እዚ ለበዳ ኣብ ቁጠባ ርእዩ ዝዀነ ኣሉታዊ ለውጢ ኣምጺኡ እዩ። ብምኽንያት እዚ ከኣ ሃገራት ኣስታት 9 ትሪልዮን ዶላር ከም ዝኸስራ ይንገር። ብዙሓት ንኣሽቱ ሸቐጣት ተዓጽየን። ብዙሓት ካብ ስራሕ ተሶጊጎም እዮም።

ኣብ ግለ-ሰባትን ቤተሰብን ሕብረተሰብን ዝፈጥሮ ገንዘባዊ ቅልውላ ርዱእ እዩ። ምናልባት እዚ ዝፈጠሮ ወጥሪ ይኸውን፡ ቤታዊ-ዓመጽ ብ 40 ሚኢታዊት ከም ዝወሰኸ ይንገር። ብዙሓት መዓልታዊ እቶቶም ስኢኖም ተጸበይቲ ኰይኖም ኣለዉ። እዚ ከኣ ኣሻቓሊ እዩ። ኣብ ኣእምሮ ጥዕና ዘለዎ ጽልዋ ኸኣ ርዱእ እዩ። ቁጥዓ፡ ብስጭት፡ ጸቕጢ፡ ጭንቐት፡ ራዕዲ፡ ቅዛነት ሰማይ ከም ዝበጽሐ ይንገር።

  1. ማዕኸናት መራኸቢታት ዝዘርውኦ ወረታት

ኣብዚ እዋን ማዕኸን መራኸቢታት ዝዝርግሕኦ ዜናታት መብዛሕትኡ ዘሻቕልን ዘጨንቕን እዩ። ከምዚ ዝበለ ውዕዉዕ ዜና ረኺበን ኣይኰናን፡ ብመሰረቱ ዘዝኸፍአ ናብ ህዝቢ ምቕራብ ዕላምአን እዩ። ፍርሓት ዘቐናድባ (fear mongers) እንተበልናየን ምግናን ኣይኰነን። ብፍላይ ንሰምዖ ዘበለ መጽሞቒ/መጻረይ ‘ተዘይብልና፡ ጭንቐትና ክውስኽ ግድን እዩ።

  1. ምዕጻው ቤት/ትምህርቲ

ልበዳ ንምጉዳልን ደቕና ንምክልኻልን ቤት/ቲ ዓጺና። ቆልዑ ኸኣ ገዛ ኰፍ ክብሉ ተገዲዶም። እዚ ኸኣ ዘሕደሮ ናቱ ዝዀነ ተጽዕኖ ኣለዎ። ቆልዑ ኣብ ገዛ ምሉእ መዓልቲ ክውዕሉ ከለው፡ ንዕኦም ንምክትታልን ምዝንጋዕን ነሕልፎ ጊዜ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ። ከይስልችዎም ክንበላሓት ኣለና። ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ከጽመዱ፥ ካልእ ኣማራጽታት ክንቕርበሎም ግድን እዩ። ብፍላይ ካብ ገዛ ንዝሰርሑ፡ ዝድገፉ ቆልዑ ንዘለውዎም፥ ክሳዕ ክንደይ ሸኸም ክኸውን ከም ዝኽእል ርዱእ እዩ። እዚ ከኣ ንብስጭት፡ ኣንጸርጽሮት፡ ጭንቐት፡ ካልእ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም ከጋልጸና ከም ዝኽእል ርጉጽ እዩ።

ብምኽንያት እዚ ልበዳ ኣብ ሕብረተሰብና ጽቡቕ ነገር’ውን ኰይኑ እዩ። ብዙሕ ሰብ ምስ ቤተሰቡ ጊዜ ከሕልፍ ዕድል ረኺቡ። ማሕበራዊ ዝምድና ክሳዕ ክንደይ ኣድላይ ከም ዝዀነ ተረዲኡ። ኣብ ጽንኩር ጊዜ ንሓድሕድና ከም እንተሓላለን ንደናገጽን፡ ሰብኣውነት ዝበሃል ከም ዘይጠፍአ ዝተጋህደሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።

ንምእላዩ እንታይ ንግበር፧

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርናዮ ጸገማት፡ ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ጽልዋ ከም ዘለዎ ንምኰሮ ኣለና። ስቕ ኢልና እንተገዲፍናዮ፡ እናገደደን እናሳዕረረን ከም ዝኸይድ ርዱእ እዩ። ስለዚ እንታይ ንግበር ዝብል ሕቶ ክንምልሶ ግድን እዩ።

  1. እምነት ኣብ ኣምላኽ

ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ፈታንን ዘፍርህ ኩነታትን፥ “እምነት” ኣብ ፈጣሪ ምግባር ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። እ/ሔር ኣምላኽ ንሰብን ገዛን ከተማን እንተዘይሓልይዎም፥ ሓለውቲ ንከቱ እዮም ዝነቕሑ። ልብና ኣብ ኣምላኽ ብምእማን ክጸንዕ፡ ናብ ፈጣሪ ክንጥምት ኣለና።

እዚ ኣምላኽ ስለ ዝሕልወና ዝግብኣና ኣይንግበር ማለት ፈጺሙ ኣይኰነን። ከምቲ ግደ ኣምላኽ፡ ናትና ግደ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ። እቲ ክንክእሎ እንኽእል እናገበርና፡ እቲ ዘይንኽእሎ ንፈጣሪ ብምሕዳግ፡ ኣብ ክንዲ ምፍራህ፡ ልብና ብእኡ ክጸንዕ ምእማን።

  1. ፍልጠትን ሓበሬታን ምእካብ

ፍልጠት የናግፍ እዩ። ምሉእ ምርዳእ ዘይምህላው ከኣ ንዘይርጉጽነት ስለ ዘብእሶ፡ ክንሻቀል ግድን እዩ። ብዙሕ ዝተሓዋወሰን መሰረት ዘይብሉ ዘይሓላፍነታውያን ሰባት ዝዝርግሕዎ ሓበሬታ ብዙሕ እዩ። ስለዚ ካብ እሙናት (reliable) እንብሎም “ጥራይ” ሓበሬታ ክንረክብን፥ ገዛእ ርእስና በብግዚኡ ዝምዕብል ዜናታት ከነዕጥቕ፡ ካብ ዘይተደለየ ሻቕሎትን ጭንቐትን ክውሽበና 🙂 ይኽእል.

  1. ጽባቐ ቴክኖሎጅም ምጥቓም

ዓለምና ብምኽንያት ምዕባለ ቴክኖሎጂ ዳርጋ ንእሽቶ ቁሸት ተቐይራ ኣላ። ነዚ ዕድል ከኣ ክንጥቐመሉ ኣለና። ካብ ዓይኒ ዝረሓቐ፡ ካብ ልቢ ርሓቐ ክንገብሮ የብልናን።

ብጽሑፍ፥ ተሌፎን ብምድውዋል፥ ብቪድዮ ገጽ ንገጽ ብምርእኣይ ርክብና ክንቕጽል ኣለና። ክንድቲ ገጽ ንገጽ ምርካብ ዋላ ኳ እንተዘይኰነ፡ ንኣምሮኣዊ ጥዕናና ብመጠኑ ሕሉው ስለ ዝገብሮ፡ ብምንም ምኽንያት ርክብ ከነቋርጽ የብልናን።

  1. ኣብ ሳሎን ተሰሚርካ ምውዓል ጥዕና ኣይኰነን

“ኣብ ገዛ ኩኑ” ስለ ዝተባህለ፡ ኣብ ጸልማት ንቐመጥ ማለት ኣይኰነን። ብድሕሪ ገዛና ጸሓይ ክንጽሎ፡ ኣብ ከባቢ ገዛና ክንቀሳቀስ፡ ክንጎይይ፡ ዝኽልክለና የልቦን። ንፈትዎ ንጥፈታት ኣብ ገዛና ከነዘውትር ኣለና። ናይ ገዛ ምንቕስቃስ፡ ምንባብ ንነፍስና ክድግፍ ይኽእል እዩ።

ሓደስቲ ልምድታት (hobbies) ከነጥሪ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ። መግቢ ምስራሕ፡ ሙዚቓ ምልምማድ፡ ምስኣል ክእለትና ምምዕባል፡ ብዛዕባ መዓልታዊ ንጥፈታትና መዝገብ ምሓዝ፡ ሙዚቓ ምስማዕን ካልእን ክንምህዝ ንኽእል።

ብፍላይ ደቕና ኣብ ገዛ ይውዕሉ ስለ ዘለዉ፡ ንዕኦም ዝሓወሰ ንጥፈታት ክንምህዝ ኣለና። ምስ ደቕና መግቢ ምስራሕ፡ ምስ ዕድሚኦም ዝኸይድ ጸወታትን ካልእን ክንገብር ከለና ኣብ ንሓድሕድና ዘለና ጥብቖ የደልድሎ እዩ።

  1. ልግስነት ምልምማድ

እዚ ኩነታት ንገሊኡ ብፍሉይን ከቢድን ዝተንከፎ ክፋል ሕብረተሰብ ኣሎ። ኣብዚ ጊዜ ለውሃትና እነርእየሉ፡ ኣእዳውን እንዝርግሓሉ ጊዜ ምዃኑ ከዘክር እፈቱ። ነቲ ዝሕገዝ ሰብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ዝሕግዝ ሰብ’ውን ዝፈጥሮ ውሽጣዊ ዕጋበትን ምርግጋእ ኣሎ።

  1. ነዚ ሕማም ቁልዓት ዝዀኑ ክፋል ሕብረተሰብ ምዝካርን ምጥቓቕን

እዚ ቫይረስ ብፍላይ ዕድመ ንዝደፍኡ፡ ንጥኑሳት፡ ንቖልዑ፡ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም (immunity) ዝጎደለ፡ ብፍሉይ ከም ዘጥቕዕ ይንግር። ስለዚ ነዞም ቃልዕ ዝዀኑ ክፋል ሕብረተሰብ ፍሉይ ኣቃልቦን ክንክንን ክንገብረሎም ሓላፍነት ኣለና።

ብፍላይ እኳ ብዕድመ ዝደፍኡ፡ ናይ ምምሕባር ዕድሎም ኣዝዩ  ሒደት ስለ ዝዀነ፥ ደሃዮም ብምግባር ዘድልዮም፡ ከም እኒ ምግዛእ መግብን ካልእን ክንሕግዞም ሰብኣውን መንፈሳውን ሓላፍነት ኣለና።