4ተ “ም” ኣብ መሳልል ሕውየት ስነ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ማህሰይቲ

ብዚ ምድራዊ ጉዕዞ ዘይተጸበናዮ፡ ዘይተዳለናሉ፡ ዘይወጠናዮ፡ ናይ ምውህሃድ (adaptive) ዓቕምና ዝዝርግ፡ ጎባጢ (overwhelm) ዝዀነ ፍጻሜ ይገጥመና’ዩ። ኣብ ስምዒታትናን ስነ ኣእምሮናን ዝገድፎ ኣሉታዊ ጽልዋ ኸኣ ዓቢ’ዩ። ንባህርያትና ክሳዕ ክንደይ ክዝውሮን ክጥምዝዞን ከም ዝኽእል ዘለና ምርዳእ ሒደት’ዩ።

ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዘልና ኣጠማምታን ኣንፈትን ብምቕያር፡ ኣብ ድሕንነት (safety) ዘለና ኣመለኻኽታ ሰንኰፍ ይገብሮ። ምትእምማን (confidence)፡ እምነት (trust) ከም ነጥፍእ ይገብረና። ጥዕና ዘለዎ ፍርያም ዝምድናን (relationship) ርክብን (connection) ከይንሃንጽ ዓቢ ዕንቕፋት ይዀነና።

ስለዚ ንዝወረደና ስነ ኣእምሮኣ’ውን ስምዒታውን ማህሰይቲ ብኣግኡ ከመይ ጌርና ከም እንኣልዩ፡ ናብ ሕውየት ገጽና ከም እንፈልቕ (evolve) ክንፈጥን ክንርዳእን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ’ዩ። ካብዚ ብምቕጻል እምበኣር ሓፈሻዊ ኣተኣልላልያ “ቱሮማ” ክንርኢ፦

ግንዛብ፡ ምርዳእ “recognize

መሳልል ሕውየት ካብ ቱሮማ ብ “ምግንዛብ፡ ምርዳእ” ይጅምር። እዚ ማለት “ቱሮማ” እንታይ ማለት ምኻኑ ብደምቢ ክንርዳእ ከለና’ዩ። ስምዒታውን ስነ-ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት’ዩ፧ ናይ ሰብ ናይ ምውህሃድ ዓቕሙ ብኸመይ ብኣሉታ ይጸልዎ፧ ዝብል ኣምር ብግቡእ ክስወጠና ኣለዎ። ኣበጋግሳ ቱሮማ እንታይ እዩ፧ ኣብ ግለ ሰብ፡ ጉጅለ፡ ትካል፡ ሕብረተሰብ ዘሕድሮ ኣሉታዊ ጽልዋ እንታይ ምኻኑ ክንርዳ ዘለዎ ጥቅሚ ዓሚቕ’ዩ።

ቱሮማ ኣብ ስነ-ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕና ዝጻወቶ ተራ ምፍላጥ፡ ንዝገጥመና ማህሰይቲ ብዕቱብ ክንርእዮን ክንኣልዮን ይሕግዘና። ንምፍዋሱ ዝግበር ጻዕሪ፡ ብብዙሕ ሸነኽ ኽልተኣዊ ምኻኑ ምርዳእ ንመገዲ ሕውየት የቐላጥፎ። እዚ ማለት ዝተሃሰየ ሰብ በይኑ ዝዋጸኦ ሓላፍነት ጥራይ ዘይኰነ፡ ሓገዝ ቤተሰቡ፡ መሓዝቱ፡ ሕብረተሰብ ዝሕውስ ምኻኑ እንተተረዲኡና፡ ገዛእ ርእስና ከነርኢ ክፉታት ክንከውን ይሕግዘና። ሓላፍነት በዓል ሞያ ጥራይ ዘይኰነ፡ ናይ ኩሉ ሰብ ሓላፍነት ምኻኑ ምርዳኡ፡ ንናይ ምትሕግጋዝ ጸዓትና ይቕስቕሶ።

ልላይ “realize”

ካልኣይ ኣተኣላልያ “ቱሮማ” ከኣ “ምልላይ”‘ዩ። ኣብዚ ደረጃ ምልክታት፡ ሕላገት (symptom) “ቱሮማ” እንታይ ምኻኑ ኣነጺርና ከነለሊ ዓቕሚ ክበዝሓልና ከሎ’ዩ። ሕላገቱ ዘይንፈልጦ ቁስሊ፡ ግቡእ ኣተኣላልያ ክንገብረሉ ኣይንኽእልን ኢና። ሸለል ብምባል ናብ ዝገደደ ብከላ (infection) ከምርሕ ስቕ ኢልና ክንርእዮ ንቕሰብ። ስለዚ እምበኣር ዝተሃስየ ሰብ ዘርእዮ ምልክታት ምልላይ እንተኺኢልና፡ ብኣግኡ ግቡእ ምእላይ ብምግባር፡ ካብ ብዙሕ መብረስቲ ከነድሕኖ ንኽእል።

ብዛዕባ ሕላገት “ቱሮማ” ክንዛረብ እንተኰይና፡ “ባህርያዊ (behavioral)፡ ስምዒታዊ (emotional) ከምኡ’ውን ስነ ኣእምሮኣዊ (mental) ኢልና ክንከፍሎ ንኽእል። ኣብ ትሕቲ እዞም ሰለስተ ክፍላት ዘሎ ትንታነ ብግቡእ ክንፈልጦን፡ ኣብ መዓልታዊ ናብራና ዘለዎ ጽልዋን፡ ጥዕና ዘለዎ ዝምድና ከንሃንጽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝኽእልክለናን ክንርዳእ ኣለና። ማህሰይቲ ኢልና ጥራይ ደው እንተ ኢልና፡ ኣብ ባህርይናን ስምዒትና ስነ ኣእምሮናን ዘስዕቦ ኣሉታዊ ጽልዋን ኣገላልጽኡን ከነለሊ እንተዘይኪኢልና፡ ሕውየትን ምሕዳስን ኣብ ህይወትና ክከናወን ጊዜ ክወስድ’ዩ።

ላሽ ምሃብ “response”

ድሕሪ ምግንዛብን ምልላይን ቀጺሉ ዝስዕብ ስጉምቲ ኸኣ “ርእሰ ምላሽ” ምሃብ’ዩ። ቱሮማን ጽልዋኡን እንታይ ምኻኑን ምስ ፈለጥና፡ ሕላገቱ ምስ ኣለለና፡ ንሕውየት ግብራዊ ምላሽ “practical response” ክንህብ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣለና። ብዙሕ ጊዜ ከም ልማድ እንህቦ ምላሽ፡ ምሕባእ፡ ምኽሓድ፡ ብምስጢር ምሓዝ’ዩ። “ምስጢራውነት” እናሳዕረረ ክኸይድ ከሎ ኸኣ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ከቢድ’ዩ።

ርእሰ ድንጋጸ” ከኣ እንህቦ ናይ ፈለማ ምላሽ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ማለት “ብርእሰ ንቕሓት” (self awareness) ይጅምር። ብዛዕባ ዝበጽሓና ማህሰይቲ ምስ ገዛእ ርእስና እሙናት (honest) ሙኻን ማለት’ዩ። ምስ ስምዒታትና ከኣ ንላገብ። ምስ “ስምዒታትካ ምልጋብ” ዝብል ኣምር ዘፍርህ ኳ እንተዀነ፡ ኣገዳስነቱ ግና ኣዝዩ ይምዘን።

ብምቕጻል ድማ ማህሰይቲ ብዘይ ኣፋላላይ ኣብ ኩሉ ሰብ ዝበጽሕ ምኻኑ፡ በይንና ከም ዘይኰንናን ክንርድኦ ከለና’ዩ። እዚ ድማ ካብ ሰብና ንልዓሊ ዝተረገምና፡ ንኽፉእ ዝተዓደልና፡ ዘይምዃንና ክንርዳእ ይሕግዘና። በይንና ከም ዝበጽሓና፡ ካብ ሰብና ተፈሊና ኣብ ናይ በይንና በዓቲ ከይንነብር ኸኣ ብርሃን ይዀነና።

ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ብዛዕባ ዝወረደና ኣሉታዊ ፍጻሜ፡ ከይወሰኽካን ከየጉደልናን፡ ናብ ደገ ክንገልጾን ንኻልኦት ክንእመን ትብዓት ንረክብ። ብዙሕ ጊዜ ካብ ዝዀኖ ንታሕቲ ወይ’ውን ካብ ዝግብኦ ንልዓሊ መጢጥና ናይ ምርኣይ ልምዲ ኣለና። ክልቲኡ ጫፍ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ቀሊል ኣይኰነን። ብትኽክል ክንርእዮን ክርድኦን ዓቕምና እናሰፍሐ ኽኸይድ ኣለዎ።

ክልኻል፡ ምቕላስ “resist”

እዚ ናይ መጨረሽታ ስጉምቲ ኸኣ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ‘ዩ። “ሕውየት” ክዉን ክኸውን፡ ምስ ካልኦት ተደጋጊፍና ምጉዓዝ ኣማራጺ ዘይብሉ ተግባብሮ ‘ዩ። ገዛእ ርእስና ከነርኢ፡ ዝተጎድአ ስምዒታትና ክንገልጽ ከለና ኸኣ፡ ንመገዲ ሕውየትና የቐላጥፎ። ክንጥንቐቐላ ዘላትና ኣገዳሲት ነጥቢ እንተሃልያ፡ ንጽቡቕ ኢልና ዝሓሰብናዮ፡ ከየተረድኣና እንደገና ክንጉዳእ (re-traumatize) ቁልዓት ከይገብረና’ዩ።

ኣብ መገድና ዝጸንሓና ሰብ ክንክፈት ኣለና ማለት ኣይኰነን። ገሊኡ ተመሊሱ ክወግኣና፡ ምስጢር ኢልና ዝነገርናዮ ክብትኖ፡ መሊሱ ምኽንያት መጉዳእቲ ክዀነና ስለ ዝኽእል ክንጥንቐቕ ኣለና። እሙን መንዩ፧ ክሕግዘና ዝኽእል፡ ኣብ መገድና ከሳልየና ዝኽእል መን’ዩ፧ ኢልና ከነጣይቕ ሓላፍነትና ኣለና።

እንደገና ንኸይንጉዳእ ርእስና ክንከላኸል፡ ካብ ዳግም መቑሰልቲ ክንቓለስ ኣለና። እዚ ማለት ግና ትብዓትና ተገፊፉ፡ ገዛእ ርእስና ክንቑልፍ ኣለና ማለት ኣይኰነን። ንቐርቦ ዘበለ ሰብ ግና ብምስትውዓልን ብጥበብን ክኸውን ኣለዎ ንማለት’ዩ።