7ተ መሳልል/ደረጃታት ሓዘን

…….ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሐ፡ ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣይሐጎሳ!

ተፍቕሮ ሰብ ብሞት ስለ ዝተፈለየካ ተናዊጽካ’ዶ ትኸውን፧

ርኢኻዮም ብዘይትፈልጥ ብርቱዕ ስምዒታትን ዕቡድ ሕላገትን ደንጽዮካ’ዶ ይኸውን፧

ከምይ ጌረ ክሓልፎም ኢልካ ኣስተንኪርካ’ዶ ይኸውን፧

ኣብ ዝተጠናነገ ናይ ሓዘን ታኼላ ተሸኺልካ ደኺምካ’ዶ ትኸውን፧

ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዘይተጸበናዮ ይገጥመና’ዩ። ብብዙሕ ነገር ልብና ይስበርን ይዝባሕን። ዋላ’ኳ ክንሓልፎን ክወርደናን እንተዘይደለና፡ ጓህን ሓዘንን መናብርቲ ደቒ ሰባት እዪም። ስለዚ ከመይ ጌርና ክንኣልዮን ክንስከሞም ከም ዘለና እንተዘይፈሊጥና፡ ኣንፈት ህይወትና ብኣሉታ ቀይሩ፡ ናብ ብዙሕ ዕንወት ክመርሓና ይኽእል’ዩ።

ብዛዕባ መሳልልን መስርሕን ሓዘን ክንዛረብ ከለና፡ መስርዕ ሒዙ ብዘይ ገለ ጸገም ካብ ሓደ ደረጃ ናብቲ ካልእ ዝሰጋገር ኣይኰነን። ምስ ግለ ሰባትን ድሕረ ባይተኦምን ዝፈላለ ኰይኑ፡ ካብ ሓደ ደረጃ ናብ ካልእ ብዙሕ ምቕይያር ኣለዎ። ገለ ደረጃታት ብሓንሳብ ክድረቡ ይኽእሉ። ዝሓላፍናዮ ደረጃ ክንምለሶ ተኽእሎ ኣሎ።

ከምኡ ‘ተዀይኑ፡ ብዛዕባ “መሳልል ሓዘን” ንምታይ ክንዛረብ ኣድልዩ፧ ምኽንያቱ ክንጽበዮ ዘለና ሓፈሻዊ መምርሒ፡ ደረጃታት፡ እንተፈሊጥና ንምእላዩ ክቐልል ስለ ዝኽእል ካብ ዝብል ትስፍውነት’ዩ። ክንሓዝን ቐሊል’ዩ ኢለ ንምእንፋት ኣይኰነን። ቃንዛ ሞት ትፈትዎ መቕርብካ፡ ብኹሉ ሸነኽ ከቢድ’ዩ። ተጸናኒዕና፡ ተደቢስና፡ ልብና ተደጊፉ፡ እንደገና ህይወት ከነስተማቕር ግና “ተስፋ” ኣሎ።

መብዛሕትኡ ጊዜ ብወጻኢ ኰይኖም ዝዕዘቡ፡ ዘይተሞኰሩ ሰባት ክርድእዎ ይሽገሩ። “ስዓሮ”፡ “ናብራኻ ብግቡእ ምራሕ” ክብሉና ይኽእሉ’ዮም። ካብ ሰብ ተፈሊና፡ ሓዘንናን ጓሂናን ክንኣልዮ ምፍታንና፡ ከም ዝሰነፍና ኰይኑ ክስምዓና የብሉን። ሓንቲ ክንጥንቐቐላ ዘላትና ተሰክፍ ተርእዮ ግና፡ ኣብ ሓደ ደረጃ ተሸኺልና ክንተርፍ ከለና’ዩ።

7ተ ደረጃታት ሓዘን እምበኣር

1. ስምባድ፡ ነጸጌታ

ነፍቅሮ ሰብና ብሞት ምስ ተፈለየና፡ “ዘይምእማን” ወይ’ውን ስምዒት ከም ዘይብልና “ምድንዛዝ“፡ ናይ መጀመርያ ግብረ መልስና’ዩ። ገሊኣቶም ስምዒቶም ክገልጹ ዘይምድላዮም፡ ወረርታ ንብዓት ከይተራእዮም ስቕ ዝብሉ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ኣሻቓሊ’ዩ።

ቓንዛ ንምውጋድ፡ ዝጠፍኣና ክንቕበሎ ብዘይምድላይና፡ ኣብ “ንጽገት፡ ምኽሓድ‘ ነንሳፍፍ። ብብርቱዕ ስምዒት ብሓደ ጊዜ ከይንወሓጥ፡ “ስምባድ” (shock) ጊዝያዊ ከውሊ’ዩ። ንሰሙን ወይ’ውን ካብ ንልዓሊ ክጸንሕ ይኽእል። ገሊኣትና’ውን ማዕጾ ብዝተኸፍተ መጠን፡ ዝመጽእ/ትመጽእ  እናመሰለና ቁሊሕ ንብል።

2. ቃንዛን ገበንነትን

“ስምባድ (shock)” እናቐሃመን ‘ናበነነን ክኸይድ ከሎ፡ ንምእማኑ ዘጸገም “ቃንዛ” እናተተከአ ይመጽእ። ዋላ’ኳ ኣሰቓቕን ንምስካሙ ከቢድ እንተዀነ፡ ምሉእ ቃንዛ ክንምከሮ ግና ኣገዳሲ’ዩ። ብኣልኰል፡ ኣብ ስራሕ ብምጽማድ፡ ብመድሃኒትን ካልእን ክንሓብኦ፡ ከነርሕቖ፡ ክንጎስዮ፡ ክንዘሎ ኣይንፈትን። ንሕጂ ሸፊናዮ ዝሓለፍና ቃንዛ፡ ምስ ጊዜ ማዕበሉን ናህሩን ወሲኹ ምግላጹ ስለ ዘይተርፍ።

ብተወሳኺ ስለ ጌረዮ ወይ’ውን ኣይገበርክዎን እንብሎ ነገራት ዘኪርና፡ “ገበንነት” ክስምዓና ይእኽል’ዩ። ናይዚ መድረኽ ቀንዲ መለለይ፡  ዕግርግርን ሕንፍሽፍሽን ዝበዝሖ ስምዒታት፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ዘፍርህ ክኸውን ስለ ዝኽእል ምፍላጡ ኣገዳሲ’ዩ።

3. ሓርቖትን ምውጋይን

ብስጭት ናብ ሓርቖት ከመርሓና ይኽእል’ዩ። ብቀሊሉ ተቖጣዕትን፡ ስምዒት ዝተሓወሶ ዘይእዱብ ዘረባታት ክንዛረብ ይደፍኣና። ብዘይ ምኽንያት ወይ’ውን ብቐሊሉ ተነካእቲ ብምኻን፡ ሓርቖትና ኣብ ካልኦት ከነውርዶ ንቕሰብ። ብምኽንያት ሞት እንፈትዎ መቕርብና፡ ብዘይምኽንያት ንኻልኦት ክንወቕስ ንርከብ። እንተዘይተቖጻጺርናዮ፡ ኣብ ዘለና ምሕዝነታዊ ርክባት ነባሪ ዕንወት ከምጽኣልካ ይኽእል። ኣብዚ ደረጃ ዝተዓጽወ ስምዒታትካ ዝልቐቐሉ ስለ ዝዀነ፡ ምስትውዓል ክሓተና’ዩ።

ስለምታይ እዚ ወሪዱኒ፧ ብምባል፡ ብዛዕባ ትርጉም ህይወት ሕቶ ክንሓትት ንጅምር። ምስ ፈጣሪና ድማ ‘ዚ ‘ተጌርካለይ፡ ከምዚ ክገብረልካ’የ እናበልና ክንመባጻዕ፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክንኣቱ ንፍትን።

4. ቅዛነት፡ ኣስተንትኖ፡ ጽምዋ

ብዝተፈላለየ መገዲ የዕርኹትና ህይወትና ክንመርሕ ከም ዘለና ክሓስቡ ከለው፡ ኣብ ሓዘን ዝዓብለሎ ኣስተንትኖን ጽምዋን ንነዊሕ ጊዜ ከነሕልፍ ንጅምር። እዚ ከኣ ልሙድ መሳልል ሓዘን ስለ ዝዀነ፡ ካልእ ተዛሪቡ ከውጽኣና ኣይነፍቕድ። “ደሓን ክትከውን ኢኻ” ዝብሉና ኣየድልዮናን’ዮም። ብዙሕ ክመኹሩናን ክምዕዱናን ከይፈተኑ፡ ስቕ ኢሎም ዝሰምዑና፡ ኣብ ጎንና ኰፍ ዝብሉ፡ እንተተረኺቦም መኽሰብ’ዩ።

ኣብዚ ጊዜ’ዚ መጠን ናይቲ ዝጠፍኣና እንርድኣሉ ስለ ዝዀነ፡ ሓዘን ክውሕጠና ይኽእል። ምስ እንፈትዎ መዋቲ ዝገበርናዮ ከነስተንትን ብምድላይ፡ ብዕላማ ገዛእ ርእስና ክንግልል ንኽእል ኢና። ኣብ ሕሉፍ ተዘክሮታት ከኣ ነተኩር። ባዶነትን ቅብጸት ተስፋ ክስምዓና ተኽእሎ ‘ሎ።

5. ንልዓሊ ምንቕዕራር

ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ስምዒታት እናዛረዮ ክመጹ ምስ ጀመሩ፡ ህይወት ብዘይ ምስ እንፈትዎ ሰብ ከነወሃህድ ንጅምር። መገድና ከኣ ብተዘማዲ እናሃድአን ስርዓት እናሓዘን ይመጽእ። ኣካላዊ ሕላገትን ሓዘንን ይቕንስ። ንሓሳብና ዘጎልቦቦ ጸልማት ከኣ እናበነነ ይኸይድ።

6. ዳግመ ህንጸት

ተግባራዊ እናዀንና ክንመጽእ ከለና ኸኣ፡ ኣእምሮና ብግቡእ ክሓስብን ክሰርሕን ይጅምር። ብምኽንያት ነፍቅሮ ዝተፈለየና መቕርብና ዝመጸ ጸገም ከኣ፡ ክውንነታዊ መፍትሒ ንደልየሉ። ህይወት ብዘይነፍቅሮ ሰብ ክንመርሕ ብምፍታን ከኣ፡ ግብራ’ውን ፋይናንሳ’ውን ጸገማትና ከነስተኻኽል ንጅምር።

7. ምቕባልን ተስፋን

ኣብ መጨረሽታ መሳልል ሓዘንካ ከኣ፡ ዝዀነ ተቐቢልና ህሉው ኩነታትና ክንኣሊ ንጅምር። “ምቕባል” ማለት ሽዑ ንሽዑ ምሕጓስ ማለት ኣይኰነን። ካብቲ ዝተሞኰርናዮ ቃንዛንን ውሽጣዊ ናዕብን ዝተላዕለ፡ ቅድሚ ሞት ነፍቕሮ ዝነበረና ህይወት ክንምለሶ ዝከኣል ኣይኰነን። ንቅድሚት ንኸደሉ ምርዳእን ኣረኣእያን ብምህናጽና፡ ቃንዛና ሃዲኡ፡ ልብና ተደጊፉ፡ ጉዕዞ ህይወት ክንቕጽል ሓይሊ እናደረብና ንመጽእ።

ትስፍውነት እናማዕበልና፡ ንመጻኢ ዝእምት ውጡን ከንሃንጽ ንጅምር። ኣብ ገለ ጊዜ ድማ፡ ዝተፈለየና ንፈትዎ መቕርብና፡ ብዘይ ቃንዛን ሓዘንን ንዝክረሉ ደረጃ ንበጽሕ። ውሽጥና ዝምንጭት ጓሂ ኸኣ ሓይሉ ይጠፍእ። እንደገና ደሓን ንደልየሉን ንጽበየሉን ጊዜ’ውን ይኸውን። ህይወት እንደገና ክንነብርን ክንምኰርን ንጅምር። እዚ ኸኣ ተስፋ ምድራዊ ጉዕዘና’ዩ።

ክንርስዖም ዘይብልና ኣገደስቲ ነጥብታት
  • እምነት ይሃልወና

ሞት ዓቢ ፈተና’ዩ። መሰረታዊ እምነትና ከናውጽ ይኽእል። ብዙሕ ነገራት ክንጠራጠር፡ እምነትና ክንድርቢ፡ ክገብረና ዝኽእል ሓያል ነውጺ’ዩ። ዝዀነ እንተዀነ፡ “እምነትና” ኣይንደርቢ። ኣብዚ ብርቱዕ ማዕበል፡ እምነት ኣገዳሲ መቐወም (ingredient) ህይወትን ብዝገጠመና ማዕበል ከይንወሓጥ መልህቕ ነፍስናን’ዩ። ኣብ ምኽንያቱ ክንርድኦን ብኣእምሮና ከነዕቕሮን ዘይንኽእል ፍጻሜ፡ “እምነት” ዝስከመና ድልዱል ሰረገላ’ዩ። ድሕሪ ‘ዚ ምድራዊ ጉዕዞ ዘልኣለማውነት ከም ዘሎ፡ ናብኡ ገጽና እናቛመትና ብተስፋ ክንነብር ዝገበረና፡ ሓይሊ ዘዕጥቐና፡ “እምነትና” ‘ዩ።

  • ካብ ዓንኬል መሓዙትና ኣንፈለ

ዝገጠመናን ዝጸርናዮን ሓዘን፡ ኣብ ከባቢና ዘለዉ የዕርኹትና ከይርድኦም ይኽእል። ካብ ኣፎም ዝወጽእ ዘረባ መመሊሱ እናድመየና፡ ምስ ሰባት ክንቐርብ ክሳዕ እንጸልእ ክደፍኣና ይኽእል’ዩ። እንተዀነ ዘለና ዓንኬል ዕርክነት ክንገድፍ የብልናን። ካብ ኩሉ ጊዜ ንልዓሊ፡ ሰብ ከም ዘድልየና ኣይንክሓዶ። ካብ በይንኻ ምዃን፡ መገዲ ምስ ካልኣይካ ከም ዝሓይሽ ኣይንዘንግዕ።

  • ግሉጻት/ክፉታት ንኹን

ካልኦት ኣይርድኡለይን ‘ዮም ኢልና እንተሓሲብና፡ ኩሉ ነገር ኣብ ውሽጥና ክንገብሮ ንግደድ። ኣፍና ‘ተዘይከፊትና እሞ ንካልኦት ውሽጥና ከነርእዮም ፍቓደኛታት እንተዘይኰይና፡ የዕርኹትና ክርዱኡልና ከቢድ ዩ። ስለዚ ስምዒትና ብግቡእ ብምግላጽ፡ ክንርአ ፍቓደኛታት ንኹን። መጣጊ (stigma) ማሕበረ-ሰብና ተሓዊስዎ፡ርእስኻ ምኽፋት ቀሊል ተግባብሮ ከይከውን ይኽእል’ዩ። እንተዀነ ግና ‘ተወሓደ ምስ እንኣምኖ ሓደ ሰብ፡ ከምቲ ብብርቱዕ ማዕበል ዝዓፍር ማይ፡ ንዝናወጽ ስምዒታትና ከነካፍል ትብዓት ይሃልወና።

ኣይንቐልጥፍ፡ ተሸኺልና ከኣ ኣይንተሓዝ

ካብ ዝወረደና ሓዘን ንምውጻእ ብብዙሕ ኣንፈት ጸቕጢ ክመጸና ይኽእል። ገለ እዋን ከኣ “ቃንዛ” ምጻሩ ክኸብደና ይእኽል’ዩ። ከይተረድኣና ገለ ደረጃታት ብግቡእ ከየመሳራሕና፡ ናብ መጨረሽታ ክንቕልጥፍ ንፍትን። ካልእ ጊዜ ኸኣ ኣብ ሓደ ደረጃ ክንሽከል ንቕሰብ። ምጽንናዕ ክንኣቢ፡ ምስ ሽበትና ናብ መቓብር ክንርወድ ክንመርጽ ክንውስን ዝከኣል’ዩ። እዚ ክልቲኡ ኣተኣላልያ ሓዘን፡ ነናቱ ዝዀነ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ። ግቡእ ጊዜ ወሲስና፡ በኣገባብ ክንሓዝን ግና ኣማራጺ ዘይብሉ መገዲ’ዩ።