መሰረታዊ ምርዳእ “ስምዒት”

ርቱን” ፊልም እፈቱ’የ። ንቆልዑት ኢሉ ዝተሰርሐ እኳ እንተዀነ፡ ኣነ ግና ኰፍ ኢለ፡ እናተደነቅኩን እናሰሓቅኩን እርእዮ። ሓሳቡ፡ ምብልሓት፡ መስመር ትረኻ፡ ኣዝዩ የገርመኒ። በቲ እ/ሔ ንሰብ ዝሃቦ ኣእምሮ ኸኣ እሕጎስ። ካብ ኩሉ ዝረኣኽወን ካርቱና ከኣ “Inside-out” ካብ ውሽጢ ንደገ” እትብል ብቀዳማይ ይሰርዓ። እዚ ኸኣ ብዘይ ምኽንያት ኣይኰነን። ኣዝያ መሃሪትን፡ ብዛዕባ ስምዒት መንቋቋሕታ ዝባበትኒ ፊልም እያ እንተበልኩ ኣየጓነንኩን። ኣብኡ ተገሊጹ ዘሎ ስምዒታት፡ ሓጎስ፡ ፍርሒ፡ ሕርቓን፡ ክርሃት (disgust)፡ ሓዘን፡ ሓሙሽተ መሰረታዊ ስምዒት ሰብ ይገልጻ። ከምኡ’ውን “ስምዒት” ምስ “ኣተሓሳስባና” ኰይኑ ንተግባብሮና ብኸመይ ከም ዝቅይዶን ዝገርሖን ብቀሊሉ ተረድእ።

ንርእዮ፡ ንሰምዖ፡ ነሽትቶ፡ ንትንክፎ ዘበለ ኩሉ፡ ከም ኤሌክትሪካዊ ሓበሬታ (electic signal) ኰይኑ፡ ብሕዋሳትና ኣቢሉ; ናብ ዓንዲ ሕቆና (spinal cord) ይበጽሕ። ብመትንታትና ኣቢሉ ኸኣ ናብ ሱር ናይ ሓንጎልና ይጎዓዝ። ከነመዛዝነሉ ናብ እንኽእል ክፋል ሓንጎልና ቅድሚ ምብጻሑ፡ “ብሊምብሪክ ስይስተም” (limbric system) ኣቢሉ ይሓልፍ። እዚ ክፋልን ስርዓትን ናይ ሓልጎልና ኸኣ “ዝስምዓና” ስምዒት ይነግረና። እዚ ማለት ከኣ፡ ብዛዕባ ‘ቲ ዝረኣናዮ፡ ዝሰማዕናዮ፡ ዝተንከፍናዮ፡ ዝጠዓምናዮ፡ ነገራት ቅድሚ ምሕሳብና፡ ኣቀዲሙ “ስምዒትና” ይለዓዓል። ከነመዛዝን ዘኽእለና ኣብ ከባቢ ግምባርና ዝርከብ ክፋል ሓንጎልና፡ ነቲ ብመጀመርያ ዝቅስቀስ “ስምዒትና” ደው ከብሎ ኣይክእልን’ዩ።

እዞም ክልተ ክፋል ናይ ሓንጎልና ንሓድሕዶም እናተዘራረቡ፡ ሓበሬታ እናተለዋወጡ፡ ንሓድሕዶም ይጸላለው። ምንጪ “ስምዒታዊ ብልሓት” እምበር፡ ናይዞም ክልተ ክፋል ሓንጎልና ምውህሃድን ምጽንባርን እዩ። “ኣእምሮ” ን “ስምዒት”ን ኣብ ባህርይናን ተግባብሮናን ዓቢ ተራ ኣለዎም። ገሊኣቶም ሓሳብና እምበር፡ ስምዒትና ዝረብሖ ከም ዘይብሉ ጌሮም ክዛረቡ ምስማዕ ኣዝዩ የሰምብድ። ስምዒትና ክገዝኣና ከነፍቅደሉ ከም ዘይብልና ኩልና ንሰማምዓሉ ሓቂ’ዩ።፡ እንተዀነ ግና ንስምዒታትና ኣፍልጦ እናሃብና፡ ኩሉ ዓይነት ስምዒት ብግቡእ ክንምከሮ ንርእስና ከነፍቅደላ ኣለና።

ኣብ መንጎ ኣእምሮኣዊ ብስለትን (Intelligence Quotient) ስምዒታዊ ብስለትን (Emotional Intelligence) ዘሎ ፍልልይ ተረዲእና፡ ብምዕሩይ መገዲ ክንሕዞ እንተዘይክኢልና ብዙሕ ክንጉዳእ ኢና። ብፍላይ ኣብቲ ክንሃንጾ ንደሊ ርክብን ዝምድናን ብዙሕ ክተርፈና ይኽእል እዩ።

“ስምዒታዊ ብልሒ” ኣብ ቤት ትምህርቲ ንመሃሮ ኣይኰነን። ኣብ ስራሕ ዓለም ክንነጥፍ ዝሕግዘና ክእለት ንምኽዕባት፡ ከመይ ጌርና ከም እነንብብን ንጽሕፍን፡ ጸብጻብ እንህብን ተማሂርና። መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ጊዜ ጸገማ ከመይ ጌርና ስምዒትና ከም እንገትእን እንኣልን ግን ንሽገር ኢና። ግቡእ ጥዕና ዘለዎ ውሳኔ ክንገብር፡ እኹል ሓበሬታ ምእካብ ጥራይ እኻሊ ኣይኰነን። ተወሳኺ ርእሰ ፍልጠትን፡ ስምዒታዊ ምልከት (emotional mastery) ዓቢ ተራ ኣልዎም።

ዓይነታት ስምዒት

ርጋሔ መገለጺ ስምዒት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ስምዒታትና ክብለጸልና ምኽኣሉ ዘገርም ኣይኰነን። ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዝገጥሙ ስምዒታት ንምግላጽ ንጥቀመሎም ቃላት ታእላው የብሎም። ኩሉ ዓይነት ስምዒታት ግና ኣብ 5 ቀንዲ ክፍልታት ክንጥቅልሎም ንኽእል።

1. ሓጎስ
2. ሓዘን
3. ኩራ
4. ፍርሒ
5. ነውሪ (shame)

ብዛዕባ “ስምዒት” ብዙሕ ተባሂሉና ኣሎ። እንተዀነ ግና ዝተሓዋወሰ ምርዳእ ስለ ዘለና፡ ንስምዒትና ከመይ ጌርና ከም እንኣልዮ ንሽገር። ካብተን 5ተ መሰረታዊ ስምዒታት ሰብ፡ እተን 4 ኣሉታዊ ምዃነን ምፍላጥና፡ ንስምዒታትና ክነጽጎን ክንሓብኦን እንተፈቲና፡ ዝበዝሕ ስምዒታትና ክንሓብኦ ንፍትን ስለ ዘለና፡ ሳዕቤኑ ቐሊል ኣይክኽወንን’ዩ።

√ ኣብ ገዛና ኣይትብከ። ውሓጦ። ቀበጥበጥ ኣይትበል እናተባሃልና ዓቢና።
√ ኣብ ባህልና ዝበኪ፡ ስምዒቱ ዝገልጽ ድኹም’ዩ። “ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዮ፡ ዝባንካ ወዲ ጓና ኣይርኣዮ” ኩሉ ኣብ ከብድኻ ግበሮ፡ ዕጸዎ፡ ቆልፎ ቀንዲ ጭሮሖና እዩ።
√ ኣብ ቤት ኣምላኽ መጺና ኸኣ እምነት ደኣ እምበር ስምዒት ኣየድልን፡ ኣየገድስን’ዩ ብምባል ስምዒትና ሓቢእና ክንከይድ ጌሩና’ዩ። ካብኡ ዝኸፍአ፡ ስምዒት ዝበሃል ከም ዘይናትና፡ ከም ዘየድሊ፡ ክርገጽን ክሕባእን ዘለዎ ጌርና ቆጺርናዮ። ከም ውጽኢቱ ድማ ምስ ገዛእ ርእስና ዘለና ቅርርብ፡ ውሽጣዊ ጥዕናና፡ ምስ ካልኦት ዘለና ጥብቆ ብኣሉታ ጸልይዎ። ነዚ ንምርዳእ ድማ ገዛእ ርእስናን፡ ንሓድሕድና ዘለና ዝምድና ብምርኣይ ክንፈልጦ ንክእል።

ስምዒታዊ ብልሒ ማለት እምበኣር

 ስምዒትናን ስምዒት ካልኦትን ክንሕሉ ብቅዓትና ክዓቢ ከሎ
 ንስምዒታትና ብትኽክል ሽሞም ከነለልዮምን ክንጽውዖምን፡ ኣፍልጦ ክንህቦምን ከለና
 ስምዒታዊ ሓበሬታት ተጠቂምና ሓሳብናን ተግባብሮናን ክንቅይድ ከለና፡

“ስምዒታዊ ብልሒ” ማለት ብዛእባ ስምዒትናን ስምዒት ካልኦትን ንቅሓትን (awareness) ንጹር ዝዀነ ምርዳእን (clarity) ክህልወና ከሎን እዩ። እዚ ድማ ኩሉ ጊዜ፡ ኣብ መዓልታዊ ናብራና መታን ክንጥቀመሉ፡ ብቅዓትና ክዓቢ ኣለዎ።

ስምዒትዊ ብልሒ – ስምዒታዊ ምቅርራብ ክንብሎ ንኽእል። ምስ ስምዒትና ቅርበት ምስ እንፈጥር፡ ብዙሕ ዝዓይነቱ ስምዒታት ከነለሊ ብቅዓትና እናዓበየ ይኸይድ። ስምዒታትና ክንፈልጦ እንተዘይኪኢልና፡ ገዛእ ርእስና ክንርዳእ ክንሽገር ኢና። ገዛእ ርእስና እንተዘይፈሊጥና ኸኣ ምስ ካልኦት ትርጉምን ዕምቆትን ዘለዎ መገዲ ክንተኣሳሰር ክንሽገር ኢና። ገዛእ ርእስና ‘ተፈሊጥና፡ ንኻልኦት ስምዒቶም ተረዲእና ድንጋጸ ክንልግሰሎም ዝከኣል ኣይኰነን። ትርጉምን ዕምቆትን ዘለዎ ዝምድና ክንሃንጽ ዝገብረና ኸኣ ድንጋጸ (empathy) እዩ።

ኣብ ስራሕ ዓለም፡ ኣስራሕቲ ዝጠልብዎ ዝለዓለ ብቅዓት ‘ተሃልዩ
1. ምትሕብባር፡ ብጋንታ ኬንካ ናይ ምስራሕ ብቅዓት
2. ብምብልሓት ጸገም ምፍታሕ
3. መሰረታዊ ፍልጠት ብዛዕባ እቲ ስራሕ
4. ጽንዓት ኣብ ጊዜ ጽንኩር ኩነታት
5. ኣብ ጊዜኻ ዕቱብ ምዃን

መብዛሕትኦም ናይዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ብቅዓታት ከኣ መሰረቶም “ስምዒታዊ ብልሓት“‘ዩ። ሰብ ንስምዒታቱ ኣፍልጦ ክህብ እንተዘይክኢሉ፡ ስምዒታዊ ንቅሓቱ እናዓበየ እንተዘይከይዱ፡ ብዙሕ ነጸላታት ስለ ዝህልዎ፡ ብጋንታ ኬይኑ ክስርሕ ይሽገር። ስምዒታቱ ኣብ ውሽጡ ሓቢኡ፡ ከም ዘይናቱ እናረኣዮም እንተኸይዱ፡ ጽንዓቱ ሒደ ይኸውን። ሽግር ንምፍታሕ ምብልሓት ይጎድሎ።

“ስምዒት” ሓደ ኣገዳሲ ክፋል ማንነት ሰብ ‘ዩ

ምዒታዊ ብልሒ” ምስ ካልእ ሰብ ቅርበት ዘለዎ ምትእስሳር ንኽንፈጥር ክእለት ክህልወና ከሎ ዝግለጽ’ዩ። ኣብ ውሽጥና ዝኸውን ብምፍላጥ፡ ኣብ ካልኦት ዘሎ ስምዒት ንኽንርዳእ ብቅዓትና ክዓቢ ከሎ፡ ርኡይ ምልክት ስምዒታዊ ጥዕና’ዩ። “ድንጋጸ” እንተዘይብልና፡ ካብ ክንሕግዝ፡ ክንፈርድ ስለ ዝቐለና፡ ምስ ካልኦት ክንተኣሳሰር ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ኸኣ መርኣያ “ስምዒታዊ” ዘይጥዕና’ዩ።

ብፍላይ “ፍረ መንፈስ ቅዱስ” ብዝርዝር እንተተመልኪትና፡ (ከም እኒ ፍቕሪ፡ ሓጎስ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል) ዝበዝሑ ምስ “ስምዒትና” ምትሕሓዝ ኣለዎም። እዚ ዘረድኣና ኸኣ ባህርይ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ንኽግልጽ እ/ሔር ብመንፈሱ ኣብ ህይወትና ዝሰርሖ፡ ስምዒትና ዓቢ ቦታ ከም ዘለዎ’ዩ። ብፍላይ “ርእስኻ ምግታእ” ዝብል ኣምር፡ ምስ ስምዒትካ ምግታእ ብቐጥታ ምትእስሳር ስለ ዘለዎ፡ እ/ሔር ምስ ስምዒታና ዘለዎ ዕላማ የረድኣና።

ስምዒት ኣብ ማንነት ፈጣሪ ብውቁብ መገዲ ተገሊጹ ኣሎ። ካብቲ ኣምላኽ ንሰብ ዝሃቦ ውሽጣዊ ማንነት ሓደ ከኣ “ስምዒት” እዩ። ስምዒታትና ካብ እነተንፍሶ ኣየር ዝያዳ ይቀርቡና። ውሽጣዊ ኣካውናና ይትንቱኑ። ብዛዕባ ከባቢና ኸኣ ርእይቶ ይህቡና። ንቅሓት ህይወት እንተዀነ ብስምዒት ይጅምር። ህይወት’ውን ምርዳእ ስምዒት ይጠልብ። ካብ ዝለበስናዮ ቆርበት ኣካላትና ንልዓሊ ስምዒታትና ይቀርቡና። ከም ወቅቲ ኣዋርሕ፡ ስምዒታትና’ውን ከምኡ ንህይወትና ይኸብዎ። ብሕጽር ዝበለ ስምዒት ዘለና፡ እ/ሔር ስምዒት ስለ ዘለዎ፡ ንሕናውን ብምስሉ ስለ ዝተፈጠርና’ዩ። ስለዚ ክንርድኦምን ከነማሕደሮምን ክእለትና ክዓቢ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ብንቅሓት ስምዒት ይጅመር።