ባህሊ ምስትሕፋር እንታይ ‘ዩ፧

ሉ ከም ዝምችኦን ኣብ ቅድሚ የዒንቱን ቅኑዕ ኰይኑ ዝረኣዮን መታን ከይገብር፡ ማሕበራዊ ኣካይዳ ኣብ ዝተፈላለይ ጽፍሒ ስርዓት ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ኸኣ ብዝተፈላለየ መገዲ ክንትግብሮ ይከኣል። ሕግን ስርዓት ቆይሙ፡ ንኹሉ ብማዕረ ዝርእን ዝኣልን ምስ ዝኸውን፡ ርክብ ደንፊዑ ማህዝነትን ምዕባለን ክኸውን ግድን ‘ዩ።

ዘሕዝን ተርእዮ ‘ተሃልዩ፡ ንርኽብ ዝምድናን ዘቐምስል፡ ምትእምማን መሃዝነት ግለ ሰባት ዝቐትልን ካልእ ኣሉታዊ ኣተኣላልያ ማሕበራዊ ኣካይዳ ገኒኑ ኣሎ። ንሱ ኸኣ “ባህሊ ምስትሕፋር (culture of shaming) ‘ዩ። እዚ ኸኣ ማሕበራዊ ኣካይዳን ስርዓትን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ዝግበር ሓደ መገዲ’ዩ።

ሓደ ሰብ ካብ ስርዓት ሕብረተሰብ ምስ ዝወጽእ፡ መሪር ነቐፌታ ብምውርዋር፡ ካብ ዓንኬል ርክባት (relational circles) ክእንኣልዮ ብምፍታን፡  ብምፍርራህ መንጸግቲ ግብረ መልሲ ክህቡ ዝፍትኑ ብዙሓት’ዮም። ኣፈራሪሁ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከእቱ ዝፍትን ልምዳዊ ኣካይዳ ኸኣ “ባህሊ ምስትሕፋር” ይበሃል። እዚ ከኣ ካብ ሕጋዊ ስርዓት ንልዓሊ ሓይልን ጽልዋን ክህልዎ ይኽእል።

ብፍላይ ቀደም ዘመን ሕጋዊ ስርዓት ብዙሕ ኣብ ዘይትሃንጸሉ እዋን፡ “ምስትሕፋር” መባእታዊ ምንጪ ስርዓት’ዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ብቐንዲ ነቲ ሰብ ኣዋሪድካን ስሙ ኣኽፊእካን ካብ ዓንኬል ማሕበራዊ ርክባት ብምግላል (ostracize) ይግበር ነይሩ። ንዝሓለፎ ኸኣ ልቢ ዝዘብሕ ኣሉታዊ ተመክሮ ‘ዩ።

ሰብ ክንጸግን ክዋረድን ክቐልልን ስለ ዘይደሊ፡ ነዚ ከምዚ ዝበለ ኣሉታዊ ተመክሮ ከወግድ ዝከኣሎ ይገብር። ካልኦት መታን “ከየስተሓፍርዎ”፡ ኣብ ዘይኣምነሉን ዘይርዕመሉን ኣካይዳ ክቕርቐር (fit in) ዝግደድ ብዙሕ’ዩ።

ቅኑዕ ሕጋዊ ስርዓት ምስ ምስትሕፋር ዘለዎ ምትእስሳር

ሕጊ ኩሉ ጊዜ ማንታዊ ዝዀነ ምትእስሳር ምስ ምስትሕፋር ኣለዎ። በቲ ሓደ ወገን፡ “ምስትሕፋር” ኣንጻር ሕጊ ዩ። ሰብ ኣንጻሩ ክሲ ምስ ዝምስረት፡ ጸግዒ ኣብ ዘይብሉ መጋብኣያ ብምኻድ ስለ ነገሩ ክመጻረ፡ ስለ መሰሉ ደው ክብል፡ መሰረታዊ ምትከል ሕጊ መድረኽ ይፈጥረሉ። ጥዑይ ዝዀነ ሕጊ ኣሎ ዝብል መሰረት ብምግባር ማለትና ኢና።

“ምስትሕፋር“፡ በቲ ሓደ ወገን፡ መስርሕ ሕጊ የብሉን። ስለ ዝተጠቐንካዮ ክትመጻረ መድረኽ ዝህብ ኣይኰነ። ሓንሳእ ዝሓፈረ፡ ኩሉ ጊዜ ከምኡ ኰይኑ ይነብር። ጌጋ ብዝተገብረሉ ጊዜ ዝለዓዓል (trigger) ኰይኑ፡ ወለሓደ ሓላፍነት ዝወስድ የልቦን። ብዘይ ርሕራሔ ካልኦት ብምኹናንን ብምውራድን፡ ውርዝውና (virtue) ገዛእ ርእሶም ከውሕሱን ከረጋግጹን ዝፍትኑ፡ ሰብኣውነት ዝጎደሎም ብዙሓት’ዮም።

እዚ ስለ ዝዀነ ሓፍቲ ኣቤሰሎም ካብቲ ካብ ሓዋ ዝወረዳ ኣካላውን ጾታውን ዓመጽ ንልዓሊ፡ ሕብረተሰብ ዝብላን ዝጥቕዓላን ስለ ዝኸበዳ፡ ንሓዋ ከምዚ ብምባላ፡ “ባህሊ ምስትሕፋር” ዘሰክሞ ከቢድ ጾር የረድኣና፥

“እዚ ነውሪ ተሰኪመ ናበይ ክኸውይድ’የ”

“ባህሊ ምስትሕፋር” ከም ሕጋግን ቅጥዕን ዘይብሉ እኩብ ህዝቢ (mop) ይመስል። ዝመሰሎን ዝደለዮን ክገብር ዝኽልክሎ የልቦን። ኣፉ ዝሃቦ ክጻረፍ፡ ዘስተሓፍር ደንጎላ ቃላት ክድርቢ ሰጋእ ኣይብልን። ገሊኣቶም ጌጋ ዘይገበሩ ክነሶም ክዋረዱ ከለው፡ ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ከቢድ ጌጋ ተሰቢኖም እንከለው፡ ገለ ከይተተንከፉ ክሓልፉ ምርኣይ፡ ኣዝዩ የስደምም። እዚ ከኣ ባህርይ “ባህሊ ምስትሕፋር” ‘ዩ።

በቲ ኻልእ ገጽ ግና፡ ሕጋዊ ስርዓት ንምስትሕፋር (shaming) ትሕቲ ቁጽጽሩ ብምግባር ብዙሕ ክጥቐመሉ ክፍትን ይኽእል’ዩ። መቕጻዕቲ ወንጀለና ኣብ ቃልዕ ምስ ዝኸውን፡ “ሕፍረት” ዝሓዘለ ይኸውን። ንዝበደለ ስርዓት ንምትሓዝ፡ ሕጋዊ በዓል ስልጣናት ን”ምስትሕፋር” ከም ሕሱርን ምሽኡን መሳርሒ ክጥቐምሉ ይፍትኑ።

ሰባት ከኣ ብወገኖም መቕጻዕቲ ብምፍራህ ጥራይ ዘይኰነ፡ ዝወርዶም “ሕፍረት” ብምፍራህ፡ ገበን ካብ ምፍጻም ጥራይ ይእደቡ ዘይኰነ፡ ንሓቒ’ውን ደው ክይብሉ ይገብሮም። ብፍላይ ‘ኳ ደኣ “ምስትሕፋር” ኣብ ሕጋዊ ስርዓት ብቔናን ልቢ ተተጌሩ፡ ኣብቲ ሰብ ዘይድምሰስ ስምብራት ስለ ዝገድፍ ሓደገኛ’ዩ።

ምስትሕፋር ምስ ምዕባለ ቴክኖሎጂ

ምስ ምምሃዝ  ፌይስ-ቡክ (facebook)፡ ትዊተር (twitter)፡ ካልእ ቴክኖሎጂካዊ ምዕባለታት፡ ብዙሕ ተጠቐምቲ ኰይና ኢና። ዓለም ንእሽቶ ቁሸት እናዀነት ትመጽእ ኣላ። ምስ የዕርኹትኻን ናይ ቀደም መታዓቢትኻን ብቀሊሉ ምትእስሳር ክኸውን ክትርኢ ከለኻ ባህ የብል። ኣብ ካልእ ጫፍ ዓለም ዝግበር ብቐሊሉ ክበጽሓና ክኢሉ። ሰብ ድምጹ ዘስምዓሉ መድረኽ ረኺቡ።

በቲ ሓደ ገጽ ግና፡ ነዚ ንዛረበሉ ዘለና “ባህሊ ምስትሕፋር” ከም ዝብእስን ዝስዕርርን ጌርዎ። ሰብ ገጽን ንገጽ ክዛረቦ ዘይክእል፡ ድሕሪ ኰምፑተር ተሓቢኡ መሪር ፍላጻ ዝውርውር ክንደይ ክበሃል። ኣብ ቁሸት ተክኖሎጂ ከኣ ዳርጋ ኩሉ ንሓድሕዱ ስለ ዝፋለጥ፡ ሓንሳእ ብብጻዩ ዝተዋረደን ዝተስተሓፈረን ተሰኪምዎ ዝኸይድ ነውሪ ኣሎ።

ምስ ሓሳቡን መትከሉን ኣረኣእያኡን ዘይሰማምዑ ሰባት፡ ሓሳቡ ከይጸጸየ ዝዛረበን፡ “ባህሊ ምስትሕፋር” ተጠቒሙ ዘፈራርህን ምርኣይ ናይ መዓልታዊ ተርእዮ ኰይኑ ኣሎ።

ዝፈጠሮ ሓርነትን መድረኽን ዝነኣድ’ኳ ተዀነ፡  ገሊኣቶም ብዘይ ሓላፍነት ክጥቐምሉ ምርኣይ ኣዝዩ ዘሰክፍ’ዩ። መሳርሒ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ኣጀንዳና ክንገብሮ ‘ኳ ንቡር ተዀነ፡ ክግለሉ ምኻኖም (ostracize) ብምፍርራህ ንኻልኦት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓሳብካን እምነትካን ከተእቱ ምፍታን ግና ጸገም’ዩ። ነዚ ኸኣ ኢዱ ዝህብ ክህሉ የብሉን።

ዝተዋረዱን ዝተቓለሉን ዝመሰሎም ብወገኖም፡ ከም ግብረ መልሲ ዝነጽግዎ ሓርቖት ዝተሓወሶ ቃላት ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ናይ ክልቲኡ ሸነኽ ረባሺ ድምጺ ተሓዋዊሱ ኸኣ፡ ቁሸት ምሕበራዊ ርክባት (social media) “ንባህሊ ምስትሕፋር” ልሙዕ መሬት ኰይኑ ኣሎ።

ባህሊ ምስትሕፋር ኣብ ቤተ-ክርስትያን

ምህላው ቤተ-ክርስትያን ኣብ ስርዓት ሕብረተሰብ ዝጻወቶ ተራ ዓቢ ምኻኑ ምንጋሩ ዘድሊ ኣይመስለንን። ብፍላይ ዝተዋረደን ዝተነጽገን ዝሕቆፈሉ፡ ዝተጋገየ ዝእረመሉ፡ ዝሓዘነ ዝጸናንዓሉ፡ ትርጉም ዘጥፍአ ኣንፈት ዝፈልጠሉ፡ ፍቕርን ሕያውነትን ንመሃረሉ መድረኽ ክኸውን ከም ዘለዎ ብዙሕ መጎተ ኣየድልዮን’ዩ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ፡ ቤተ-ክርስትያን ግቡእ ቦታኣ ብምሓዝ ኣውንታዊ ጽልዋ ኣለዋ ድዩ፧ ዝብል ኩሉ፡ ብፍላይ መራሕቲ ሃይማኖት ክምልስዎ ዘለዎም ዓሚቕ ሕቶ’ዩ።

ናይ ቤተ-ክርስትያን ዝለዓለ ዕላማ ጥዑይ ርክብ ምፍጣርን ምህናጽን ክኸውን ኣለዎ። ቀዳምነት ክትገብሮ ዘለዋ ገዲፋ ኣብ ካልእ ሓሸውየ ‘ተተጸሚድና ግና፡ ረባሺ ድምጺ ዘስምዕ ክቱር ካልእ ትምኒታት ክህልዋ ናይ ግድን’ዩ። ካብዚ ኸኣ ‘ዩ ቲ “ባህሊ ምስትሕፋር” ዝመጽእ።

ብዙሓት ካብ ዝገብርዎ ጌጋ ንልዓሊ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ማእኸል ምእመናን ዝወሃቦም ስእልን ኣጠማምታን ዘሰክፎም ኣለው። እዚ ኸኣ ብዘይ ምኽንያት ኣይኰነን። ኣብ ክንዲ ፍቕሪ፡ ብዘይ ርሕራሔ ዝኹነኑን ዝዋረዱን ምርኣይ ኣዝዩ የሕዝን። “ምፍዳሕ” ከም ኣገልግሎት ጌሩ ዝሓዞ ብዙሕ ኣሎ።

ኣብ ክንዲ ኢዳ ከፊታ ምቕባል፡ ኣብ ኣጻብዕ ምውጥዋጥን፡ ድኻም ሰብ ተጠቒምካ ነቲ ሰብ ከተዋርዶን ካብ ዓንኬል ርክብ ክትግልሎን ምፍታን ግና ብሓቒ ውድቐት’ዩ። ‘ቲ ሰብ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ዝተቓልዐ፡ ዝተዋረደ ክመስሎ ኸሎ ብወገኑ ዝስምዖ ሓገዝ ኣልቦነት፡ ክርሃት (disgust)፡ ፍርሒ፡ ብሕታውነት፡ ሕፍረት ብዙሕ’ዩ። ግብረ መልሱ ኸኣ “ምስትሕፋር” ዝገብር ዳርጋ ኩሉ’ዩ።

ምስትሕፋር ተጠቒሞም ኩሉ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ክገብርዎ ዝፍትኑ መራሕቲ ሃይማኖት ምርኣይ ከኣ ኣዝዩ ዘሰምብድ ተርእዮ’ዩ። ብፍላይ ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ዓመጽ ነጊሱ ምርኣይ ኣዝዩ የፍርህ። የሱስ ንኹሉ ብዘይ ቅድመ ኹነት ተቐቢሉ ስርዓት ኣብኡ ክምህሮም ምፍታኑ እኹል ምሳሌ እንክለና፡  ኣብ ካልእ ዓንኬል ምህላውና ሕቶ ዝፈጥር ቅዲ ኣካይዳ’ዩ።

ሓደ ሰብ ሓጢኣት ምስ ዝገብር ከመይ ጌርና ንኣልዩ፧ ዝብል ሕቶ ብግቡእ ክምለስ ኣለዎ። ሰብ ፍጹም ኣይኰነን። ተሰባቢሩን ብሓጢኣት ሰንኪሉን ንዝመጸና ብኸመይ ናብ ሕውየት ንሕግዞ ወይ ንቓልዕ ኢና ነውጽኦ፧ ቤተ-ክርስትያን ሆስፒታል ሕሙማት ደኣ እምበር፡ መዘናግዒ ሙዝየም ዘይሙኻኑ ምዝካር ጥበብ’ዩ።

ካብ ብፖሎቲካ ዘይተሰማምዑ፡ ብሃይማኖታዊ ስነ ሓሳብ ዘይተሰማምዑ ዘስምዕዎ ደሃይ እንክበዝሕ እንታይ ትርጉም ይወሃቦ፧ ገሊም እሞ ከኣ ኣበይ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘንበብዎ ዘይፍለጥ፡ ኣፎም መሊኦም ካልኦት “ከተሓፍሩን” “ከስተናዕቁን” “ስም ሰብ ክጥቕኑን” “ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ከቃልሉን ምስማዕ፡ ክሳዕ ክንደይ ስሒቶም ከም ዘለው ምርዳእ ዘጸግም ኣይኰነን። ገሊኣቶምስ ከኣ ንኣምላኽ ዘገልግሉ ዘለዉ መሲልዎም፡ ካብ ምጽራፍን ምስትሕፋርን ሓሊፎም ዝተሃራረሙን ክቐትሉ ዝህንደዱን ኣለው። ዎ ኣምላኽ ብምሕረትካ ብጽሓና።