ኣእምሮኣዊን ስምዒታዊን

ናይ ህይወትና ማእኸል እሔርዩ። ኣብ መንፈስና ሓዲሩ ኸኣ ይሰርሕ። ምሳ 20:27መብራህቲ እግዚኣብሄር መንፈስ ሰብ እዩ፡ ንሱ ንብዘሎ ውሻጠ ልቢ ይምርምሮ።” ብመንፈስና ንእሔር ነምልኾ። ዮሃ4: 23,24 እዚ ማለት ግና ብዛዕባ ኣእምሮናን ስምዒትናን ግዲ የብሉን ማለት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ፤ ከምቲ ብዛዕባ መንፈስና፤ ከምኡውን ብዛዕባ ኣእምሮኣዊን ስምዒታውን ጥዕናና ግዲ ኣለዎ። ምኽንያቱ ከምቲ ብመንፈስና ከምኡ ኸኣ ብኣእምሮናን ስምዒትናን ስለ ዝግልገል። ሉቃ10:27 ኣብዚ ጽሑፍ ኸኣ ፍልልይ ብዛዕባ ኣምሮኣውን ስምዒታውን ክንርኢ ኢና። 

ብዛዕባ ኣካላዊ ዓቅምናና፡ ምቹእነት፡ ብቀጻሊ ንግደስ ኢና። ኣብ ቤተ ክርስትያን ከኣ ብዛዕባ መንፈስና ብዙሕ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝዀነ ትምህርቲ ንመሃር ኢና። ብዙሕ ከይተረደኣና ዝሓልፍ ነገር እንተሃልዩ፤ ኣእምሮናን ስምዒትናን ኣብ ኩለንትናኣዊ ጥዕናና ዝጻወቶ ጽልዋዩ። እሔር ዝዓበየ ዝሃበና ትእዛዝ እንተሃልዩ፤ንእሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ሓሳብካን ነፍስኻን ጉልበትካ ኣፍቅሮ፤ ኣምልኰ፤ ኣገልግሎ” ዝብልዩ። ሉቃ10:27 እዚ ኸኣ ናይ ሰብ ኩለንትና ማንነት ክቱት ይገብሮ። ከምቲ መንፈስና፤ ከምኡውን ኣእምሮናን ስምዒትናን ክንጥንቀቀሉ፤ ዝግባእ ምክንኻን ክንገብረሉ ይግብኣና።

ኣእምሮኣዊ ጥዕና

ኣእምሮኣዊ ጥዕና ክንብል ከለና፡ ብሕጽር ዝበለ፡ ልበወታዊ ኣተሓሳስባና

  1. ኣብ ስራሕ፤ ዕማም፤ ኣቃልቦና ክጸንዕ ከሎ፤
  2. ውሳኔን ንምግባር፡ ሽግር ንምፍታሕ፡ ናይ ምርታዕ ዓቅሚ ዘለዎ ምስ ዝኸውን፤
  3. ንምዝካር ኰነ ሓበሬታ ንምምስራሕ ግቡእ ክእለት ምስ ዝህልዎ
  4. ናይ ክርስቶስ ሓሳብ ንኽሓስብ፡ ብቃል እሔር ዝተሓደሰ፤ ካብ ተንኰልን ጉርሕን ክፍኣትን ብዕልግናዊ ኣተሓሳስባ ዝጸረየ ምስ ዝኸውንዩ።

እዚ ኹሉ ኸኣ ጊዜ ዝሓትት መስርሕዩ። ሮሜ121,2 ፊሊ4:8 ማሪ7:22,23

ስምዒታዊ ጥዕና

ስምዒታዊ ጥዕና ብጥቅልል ዝበለ ብዝግባዓ ስምዒትካ ብዝግባእ ምግላጽ የስምዕዕ። ስምዒት ብዙሕ ዝርጋሔ ስለ ዘለዎም ምስ ዕድመ’ውን ስለ ዝፈላለ፤ ኣብ ሓደ ክንውድቦ ኣጸጋሚዩ። ንምሳሌ ቆልዓ ኣብ ሓጺር ጊዜ ጠባዩ ብዙሕ ክለዋወጥ ይኽእልዩ። ቆልዓዩ ተባሂሉ ኸኣ ክሕለፍ ይከኣል። ኣብ ዓበይቲ ከምቲ ናይቲ ቆልዓ ምልውዋጥ ምስ ዝርአ ግና ከም ዘሰምብድናን ዘሻቅለናን፡ ዘይግባእ ኰይኑ ኸኣ ይርአየና።

ስምዒታዊ ጥዕና ብሕጽር ዝበሎ ክንትንትኖ እንተፈቲና፤ ኣውንታዊ ስምዒታዊ ምሕደራን ውሕልናና፤ ካብኡ ሓሊፉውን ኣገባብ ዘለዎ ኣገላልጻ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል። እዚ ማለት ኸኣ

  1. ካብ ርእሰ ምርዳእ ይጅምር
  2. ንስምዒትካ ብዝግባእ ምቁጽጻር፡
  3. ዝግመት ኣቀረራባ ምህላው፡
  4. ኩሉ ኣሉታዊ ስምዒታት ጸርዩ፡ ጽሩይ ብዙዀነ ምትካእ።

እዚ ኹሉ ከኣ ኣብ ንፈጥሮ ዝምድና፡ ርክብ፡ ዓቢ ተራ ኣለዎ። ቈሎ3:8 ኤፌ 4:30,31

ኣብ መንጎ እዚ ክልተ ባእታት ህይወትና ዘሎ ፍልልይ ክንርድኦ ጊዜ ዝወስድዩ። እዛ ሓጻር ጽሕፍቲውን እኽልቲ ኣይዀነትን። ብቀሊሉ ክትሕግዘና ትኽእል ግና ኣእምሮኣዊ ጥዕና ክንብል ከለና ብግቡእ ኣተሓሳስባ ሓበሬታ ምምስራሕ ምኽኣል ክኸውን ከሎ፤ ስምዒታዊ ጥዕና ክብል ከለና ኸኣ ስምዒትካ ብዝግባእ ክትገልጽ ምኽኣል ማለትና እዩ። እዚ ክልቲኡ ኸኣ ብእሔር ንሰብ ዝተዋህበ በረኸትዩ። ሓደ ብዘይቲ ካልኣይ ከኣ ክህልወና ኣይክእልንዩ። ኣብ መዓልታዊ ንወስዶ ውሳኔታት ነዚ ኽልቲኡ ዘጣመረ ስለ ዝኾነ፤ ጥዕናኡ ዝተሓለወ ንኽኸውን ግቡእ ጥንቃቀን ጻዕርን ክንገብር ኣለና። ብፍላይ መንፈስና ብምንፈስ ኣምላኽ እናበርትዐ፤ ንኣእምሮናን ስምዒትና መንፈሳዊ መግቢ ክዕድል፤ ምዕሩይን ጥዕና ዘለዎ መንፈሳዊ ህይወት ክህልወና ኣለዎ።

ኣእምሮኣውን ስምዒታዊ ህይወቶም ኣብ ምምሕዳርን ምክትታልን ዝሰነፉ ሰባት፤ ንናይ ጸላኢ መጥቃዕቲ ዝተቃልዑ ስለ ዝዀኑ፤ ንቅዛነትን ጭንቀትን፤ ንፍርሓትን ምረትን፤ ንጸቅጥን ጓህን ዝኣመሰሉ ስምዒታዊ ጸገማት ዝተቃልዑ ይዀኑ። እዚ ጸገም ከኣ ምስጋና ካብ ከናፍርና ኣግዲፉ፤ ናብራና ጸልማት ይገብሮ። 

ስለዚ ምስ ፈጣሪና ጥቡቅ ዝዀነ ዝምድና ብምግባር፤ ብጸሎትን፤ ብኣምልዀን፤ ቃሉ ብምንባብን ብምጽናዕን፤ ዘየቋርጽ ሕብረት ቅዱሳን ብምህናጽ፤ መንፈስና ብምምጋብ፤ በእምሮ ሰብኡት ክንከውን፤ ሰምዒትና ብዝግባእ ኣብ ጊዚኡ ብምግላጽ ከኣ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሰላምን ሓጎስን ዕረፍን ክገዝኦ ብምግባር፤ ንኹሉንትናና ንእሔር ዝምችእ ህይወት ክህልወና ሓጋዚ እዩ።

ቈሎ.3:15 

ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፡ ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ መማስውቲ ኹኑ።

 

Author

Samson Mesghena