ውሽጣዊ ሃልኪ/ጽንቓቐ

  ሆስፒታል ጥዕና ኣእምሮ መሳርሕተይ እያ። ኣብ ለይቲ እያ እትሰርሕ። ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ከኣ እያ። ብተወሳኺ ‘ውን ማስተርስ ክትውድእ ትምህርታ ትቕጽል ኣላ። እቲ ምሉእ ጊዜ እናተመሃርካን እናሰራሕካን ፈቲነዮ ስለ ዝፈልጥ ኣዝዩ ኣድካሚ ምኻኑ ይርድኣኒ እዩ። እሞ ኸኣ ሰለስተ ንኣሽቱ ቆሎዑ ተሓዊሶሞ፡ ክሳዕ ክንደይ ኣህላኺ ክኸውን ከም ዝኽእል ርዱእ ይመስለኒ።

ኩሉ ጻዕራን ተወፋይነታን ከም ዘድንቆ ድሕሪ ምንጋር፡ ከይትሃልኽ እትገብሮ ግላዊ/ነፍሳዊ/ባዕላዊ ክንክን እንተሃልዩ ሓተትክዋ። ንሳ ኸኣ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ከም እትሓስብን እትግደስን፡ ብዙሕ ርእሰ-ክንክን ከም እትገብር የዕሊላትኒ። ኣነ ብወገነይ ብዝሃበትኒ መግለጺ ዋላ ‘ኳ ስክፍታታት እንተሓደረኒ፡ ስምዒታውን ስነ-ኣእምሮኣውን ሃልኪ ከይገጥማ ክትጥንቀቅ ከም ዘለዋ ምቅልል ኢለ ሓበርክዋ። ንሳ ኸኣ “ኣምላኽ ሓይለይ እዩ” ኢላትኒ። ኣብ ብዙሕ ናይ ሃይማኖት ትንታነ ክኣቱ ስለ ዘይደለኹ፡ “ኣሜን” ኢለያ ስርሐይ ቀጺለ።

ስምዒታዊ ሃልኪ፡ ብቋንቋ እንግሊዝ BURNOUT ዝብል ስም ዘለዎ ኰይኑ፡ ስሙ ከም ዝሕብሮ፡ ሓደ ጸዓት ብሓዊ ነዲዱ/ተቓጺሉ ክውዳእ ከሎ የመልክት። ሓደ ነገት ክቓጸል እንተዀይኑ፡ ሓዊ ከም ዘሎ የመልክተና። ንምሳሌ፡ ዕንጨይቲ ብዘይ ምቑራጽ ምስ ዝነድድ፡ ተሃሚኹ፡ ሃሊኹ፡ ክንብሎ ንኽእል። ሽምዓ ከየቋረጸት ምስ ትበርህ፡ መኺኻ ትውዳእ። ማይ ኣብ ሓዊ ሰኽቲትና እንተገዲፍናዮ፡ ሃፊፉ፡ በኒኑ ይውዳእ። መኪና ብቀጻሊ እንተኸይዳ፡ ነዳዲ ወዲኣ ደው ትብል። ነቲ ሓዊ ደው ‘ተዘይኣቢልናዮ፡ ወይ’ውን ወሲኽና ነዳዲ፡ ማይ፡ ዕንጨይቲ ‘ተዘይመሊእናዮ፡ ተጸንቒቑ ጥርሑ ይተርፍ እሞ፡ እቲ ሒዝዎ ዝነበረ ቁራዕ ክሓርር ይጅምር። ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኸኣ ይኸውን።

ኣብ ሰብ መጺና ክንዛረብ እንተዀይኑ፡ እቲ ሓዊ፡ ቀጻሊ ጸቕጢ (stress)  የመልክት። እዚ ኸኣ ንሓደ ሰብ ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወቱ ክረኽቦ ይኽእል። ኣብ ስፖርት፡ ስራሕ፡ ሓዳር፡ ትምህርቲ፡ ሰራሕ ታክሲ፡ ፖሊስ፡ ሙዚቀኛታት፡ መማሃራን፡ ተሓጋገዝቲ ሕክምና፡ ኣለይቲ ጽጉማትን ሕሙማትን፡ ናይ ሃይማኖት መረኣሕቲ ካልእን ኣብ ዝዋፈሩ ከጋጥም ይኽእል።

ውሽጣዊ ሃልኪ/ጽንቓቐ እንታይ እዩ፧

ምሽጣዊ ሃልኪ” ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣምር ኰይኑ፡ ብምኽንያት ዝተናውሐ ጸቕጥን ጭንቀትን ዝርአ ክቱር ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ኣካላውን ድኻም እዩ። ዓቐኑ ዝሓለወ ጸቕጢ ኣብ ህይወት ኣገዳስነትን ጥቕም ኣለዎ። ከነወግዶ’ውን ኣይንኽእልን ኢና። ኣዝዩ ንዝተናውሐ ብርቱዕን ወሓጥን ስምዒት ምስ ዝህልወካ፡ ቀጻሊ ጠለባት ምምላእ ክትስእን ከለኻ፡ ስምዒታዊ ድርቐት ክገጥመካ ከሎ፡ ዝገጥም እዩ። እቲ ጸቕጢ ቀጻሊ ምስ ዝኸውን፡ ንሓደ ስራሕን ንጥፈትን ክትጅምር ዝደረኸካ ተገዳስነትን ባህግን ከተጥፍእ ይገብረካ።

እዚ ሃልኪ ኸኣ ሓይልኻ እናመጸየ ተስፋ-ኣልቦ፡ ሓይሊ-ኣልቦ፡ ሲኒክነት (cynicism)፡ ዘይዕረፍቲ ክስምዓካ ዝገብር ስምዒታውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጸገም እዩ። ቁንቁናኡ ከኣ ውሽጣዊ ሓይሊ ምጽንቓቕ፡ ኣካላት ሓሊፉ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ምሕላል የመልክት።

ውሽጣዊ ሃልኪ/ጽንቓቐ” ዘጋጥም፡ ሓይልና ክንትክ ኣሉን ከነሕውየሉን ከነሕድሰሉን ኣብ ዘይንኽእለሉ ህሞት፡ ብዙሕ ጻዕርን ጸዓትን ከነባኽን ከለና ዝግለጽ ተርእዮ እዩ። ብሓፈሻ ምስ ስራሕ ዝተተሓሓዘ ምልክት ክቱር ድኻም ክኸውን ከሎ፡ ምስ ክሊኒካዊ ቅዛነት ምትእስሳር ክህልዎ ስለ ዝኽእል ኣዚና ክንነቕሕ ኣለና።

ልዕሊ ዓቕምና ኣብ ዝዀነ ስራሕ ክንጽመድ ከለና፡ ምስ ውሽጥና ዘይስተጋባእ (resonate) ሽቶ/ዕላማ ምስ እንጽመድ፡ ኣብ ገዛና ካብ ዘሎ ቀጻሊ ጸገም፡ ኣብ ከባቢብና ብቀጻሊ ብንርእዮምን ብንጥፈት እንዋሰኦምን ዝፈጥርዎ ብድሆታት ዝመጽእ ኰይኑ፡ ከም ተገዳስነት ምጥፋእ፡ ሲኒክነት፡ ጠባይ ምቕጣን፡ ቅዛነት፡ ድንዛዘ ብዝኣመሰሉ ጠባያት ይግለጽ።

ውሽጣዊ ሓይልና ንምሕዳስ ዕረፍቲ ‘ተዘይወሲድና፡ ንምትካኡ ዝሕግዙና ንጥፈታት ‘ተዘይብልና፡ ንውሽጣዊ ሃልኪ ዝተቓላዕና ንኸውን። እዚ ኸኣ ኣብ ኣካላዊ ጥዕናና ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ። ንምሳሌ፦ ርእሲ ሕማም፡ ቀሓር፡ ከስዐ-መዓንጣዊ ምልክታት ካልእን ከም ምልክት ይግለጽ። ንመስተ፡ ዘይሕጋዊ መድሃኒት፡ ዘይግቡእ ኣበላልዓ መግቢ ከኣ ክንጋለጽ ይገብረና።

ውሽጣዊ ሃልኪ”፡ ኣብ ክቱር ስምዒታዊ ተገባብሮ (interaction) ዝጽመዱ ክወርድ ዝኽእል ኰይኑ፡ ካብዚ ጸገም ከምልጥ ዝኽእል የልቦን። ንብዙሕ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጸጋማት ከኣ ዘጋልጸና ተርእዮ እዩ።

ብፍላይ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ንሕና ከም ሕብረተሰብ፡ ብቀጻሊ ንሰምዖ ረባሽን ኣዝዩ ዘሕዝን ወረታትን ይበዝሕ ስለ ዘሎ፡ ምስ ዘለና ግላዊ ሓላፍነት ተወሲኹ፡ ዝተጸገሙ ኣብ ምብጻሕን ምሕጋዝን ንነጥፍ ስለ ዘለና፡ ንውሽጣዊ ሃልኪ/ጽንቓቐ ኣዚና ዝተጋለጽና ኢና። ብብዙሕ መገዲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ተጸሚድና ብዙሕ ጊዜ ስለ እነጥፍእ፡ ውሽጣዊ ጸዓትናን ሓይልናን ዝቆራርም፡ ብዙሕ ወረታትን ዘረባታትን ዜናታትን ንሰምዕ ኢና። ስለዚ ክንነቕሕን ክንጥንቀቕን፡ ምእላይ ገዛእ-ርእስና ከነዘውትር ኣለና።

ኣመልከቲ ውሽጣዊ ሃልኪ

ውሽጣዊ ሃልኪ/ጽንቓቐ ብዘገምታ ዝምዕብል ኰይኑ፡ እንተነቒሕና ገና ከይሳዕረረ ከሎ ክንፈልጦን ክንኣልዮን ንኽእል ኢና። እዞም ኣመልከቲ ብሓፈሻ ኣብ 3ተ ይምቐሉ። ንሳቶም ከኣ ስምዒታዊ ድኻም፡ ገዛእ ርእስኻ ዕሽሽ ምባልን ኣብ ስራሕካ ዕጋበት ምጉዳልን እዮም። ኣዳቒቕና ክንርእዮም ምስ እንፍትን ከኣ፡ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ተሰሪዖም ዝርከቡ እዚኦም ዝስዕቡ ክንዝርዝር ንኽእል

  1. ክቱር ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ኣካላውን ድኻም
  2. እኹል ጊዜ የብለይን ዝብል ስምዒት
  3. ትሑት መቀረት/ትርጉም ግላዊ ስራሕ፡
  4. ኣብ ትገብሮ ተወፋይነት ምጉዳል
  5. ትዕግስቲ ምጉዳል። ድርቕና፡ ተቀያያሪ ስምዒታት፡ ብቀሊሉ ምንዳር፡ ስግኣት
  6. ኣካላትና ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ምንካይ። ንኣብነት፡ ብቀጻሊ ሰዓል ምሕማም
  7. ምጉዳል ቁጽጽር ገዛእ ርእስኻ። እዚ ኸኣ ናብ ዘየድሊ ኣመላት ይደፍኣና

ካብዚኣቶም “ስምዒታዊ ድኻም” ቀንዲ መለለይ ምዃኑ ይንገር። እዚ ማለት ዝተረፈካ ዘይብልካ ክሳዕ ዝመስለካ፡ ስምዒታዊ ድርቐት ይስምዓካ። እዚ ኸኣ ኣብ ኩሉ ጉዳይ ህይወትና፡ ብፍላይ ኣብ ዝምድናታት ኣትዩ ከበላሽወልና ይኽእል። ናብ ትሑት ርእሰ ተኣማንነት፡ ማሕበራቲ ተነጽሎ፡ ዘይምትእምማን ገጹ’ውን ይወስደና። ብዛዕባ ግላዊ ክእለትናን ፍልጠትናን ተወፋይነትናን ዝነበረና ርጉጽነት ክቕንስ ይቀስበና።

መድረኻት (phases) ውሽጣዊ ሃልኪ

ናይ ስነ-ኣእምሮ ምሁራት፡ ዶክተር ሀይበርትን ጌይልን ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ውሽጣዊ ሃልኪ 12 ደረጃታት ኣለውዎ። እዞም ደረጃታት ብቅደም ተኸተል/መስርዕ ዝግለጹ ‘ኳ እንተዘይኰኑ፡ ክንፈልጦም ግና ግድን እዩ

  1. ዶብ-ኣልቦ ጥሙሕነት ምህላውን ክትገብር ከም እትኽእል ገዛእ ርእኻ ንምርግጋጽ ውሽጣዊ ግዴታ ይስምዓካ። “ኣይፋል” ከበልካ ዝዀነ ሓላፍነት ክትቕበል ትቕሰብ። እዚ ኸኣ ናይ መጀመርያ ኣፍደገ እዩ።
  2. ብጻዕሪ/ብጽኑዕ ምስራሕ። ንኽትሰርሕ ንገዛእ ርእስኻ ካብ ዓቀን ትደፍኣ። ካብቲ ቀዳማይ ደረጀ ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ሰባት ልዕሊ ክኣልይዎ ዝኽእሉ ሓላፍነት ስራሕ ይወስዱ።
  3. ድሌት ገዛእ ርእስኻ ዕሽሽ ትብል። ኣብ ስራሕ ብዙሕ ስለ እትጽመድ፡ ንገዛእ ርእስኻ ዝኸውን ጊዜ ትስእን።
  4. ሱር ዘጨንቐካ ዘይምርዳእን ምኽንያት ግርጭት ንዘይግብኦ ከተላግበሉ ምፍታን። ሓሳብካ ስለ ዝውሰድ፡ ቆጸራ ትርስዕ ወይ’ውን ትድንጉይ። ናይ ጸገሞካ ምኽንያት ከኣ ካብ ካልእ ትደልዮ።
  5. ቅድሚ ሕጂ ዋጋ ትህቦም ዝነበርካ፡ ከም እኒ ቤተሰብ፡ ናይ ቀረባ የዕሩኽ፡ ፍሉይ ግዳሰ ተርእየሎም ዝነበርካ ንጥፈታት ዕሽሽ ትብሎም
  6. ህጹጽ ጸገም ክትክሕድ ምፍታን። በዚ ኸኣ ሲኒክነት፡ ምረት፡ ድርቕና፡ ቃላታዊ መጥቓዕቲ፡ ግሁድ እናዀነ ይመጽእ
  7. ማሕበራዊ ምንስሓብ። ሒደት ማሕበራዊ ተዋስኦ ምህላው። ገዛእ ርእስኻ ምግላል። ጭንቕትካ ስለ ዝስዕዕር፡ መስተን ካልእ መድሃኒታት ምዝውታር
  8. ምልዋጥ ጠባያትካ ንኻልኦት ግሉጽ ይኸውን። ቤተሰብን የዕርኹትን ከኣ ብዛዕባኻ ክጭነቑ ይጅምሩ። እንታይ ትኸውን ከም ዘለኻ ከኣ ክሓቱኻ ይጅምሩ።
  9. ብዛዕባ ማንነትካ ትናወጽ። ዋጋ (value) ገዛእ ርእስኻ ዝጎደለ ይመስለካ። ህይወት ትርጉም ዘይብሉ ጌርካ ትቆጽሮ። ኣብ ክእለትካ ፍልጠትካን ተወፋይነትካን ዝነበረካ ተኣማንነት ኣዝዩ ይጎድል
  10. ውሽጣዊ ባዶነት ይስምዓካ። ድኻምን፡ ጭንቐትን ይስዕዕር። ገዛእ ርእስኻ ዘይትጠቕም ጌርካ ትርእያ
  11. ቅዛነት። ስምዒት ሓገዝ ኣልቦነት፡ ተስፋ ኣልቦነት፡ ሓይሊ-ኣልቦነት፡ ምዝንባዕ ድቓስ ይገዝኣካ
  12. ኣእምሮኣዊ ወይ’ውን ኣካላዊ ምህመና ይገጥመካ። ኣብ መጨረሽታ ከኣ ሓሳብ ርእሰ-ቕትለት ተማዕብል። ኩነታትካ ከኣ ህጹጽ ኣቓልቦ ዘድልዮ ይኸውን።

እዚ ስምዒታት ዝስምዓና እንተሃልዩ፡ እናማዕበለ እንተኸይዱ፡ ንሰርሖ ዘለና ኣብ ምቑራጽ ደረጃ በጺሕና ምህላውና ክንፈልጥ ኣለና። ገና ዕንጨትና ከይተወደአ፡ ሃፊፍና ከይተጸንቐቕና፡ ነዲድና ከይተሃሞኽና፡ ውሽጣዊ/ነፍሳዊ ነዳዲና ከይተወድአ ከሎ፡ ገዛእ ርእስና ንኣልየሉ፡ ሓይልናን ጸዓትናን ንሕደሰሉ መገዲ ከነናዲ ኣለና።

ንውሽጣዊ ንደት/ጽንቓቐ ብኸመይ ንከላኸሎ

ዕላማ ኣለኒ ዝብል ንቕሓት፡ ጽልዋ እገብር ኣለኹ ዝብል ውሽጣዊ ድርኺት፡ ከባቢየይ ዝሓሸ ንኽኸውን እሰርሕ ኣለኹ ዝብል ስምዒት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ እትሰርሖ/እትገብሮ ትርጉም ኣለኒ ዝብል ምርዳእ፡ ንኣሉታዊ ስምዒታት ስለ ዝነጽጎ፡ ጸዓትካ ብቀሊሉ ከይትንከፍ ዋልታ ይዀነካ።

ውሑስ ግላዊ ደረት ምህላው ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። “ኣይፋል” “ኣይፋል፡ ሎሚ መዓልቲ” “ይቅሬታ፡ ኣይክእልን’የ” ዝብል ልምምድ ብቀሊሉ ኣይጥረን እዩ። ካብ ዝግባእ ንልዓሊ እናተመጠጥና ክንከይድ ከለና፡ ሓይልና እናላሕለሐ ስለ ዝኸይድ፡ ብኣጋኡ ክስወጠና ኣለዎ። ቀዳምነት ክንህቦም ዘለና ስርሓት ክንፈልጥ ኣለና። ህድእን ምቕልልን ኢልና ክንዘራረብ ከለና ከኣ፡ ሓላፍነት ገዛእ ርእስና ክንወስድ ስለ ዘኽእለና፡ ንውሽጣዊ ሃልኪ ክከላኸለልና ይኽእል እዩ።

ሽቶ፡ ዕላማ ክህልወና ቀንዲ ነገር እዩ። ገዚፉ ከይውሕጠና ግና ከነዳቕቆን ከነመሓድሮን ብንኽእል ዓቕሚ ክንመቃቅሎ ጽቡቕ እዩ። ንኣሽቱ ስጉምትታት ብምውሳድ ከኣ ክትበጽሖም ምፍታን። ንእሽቶ ስርሓት ምስ ወዳእኻ ከኣ ንገዛእ ርእስኻ ጽቡቅ ነገር ምግባዝ። ንኣብነት፥- ገለ ስራሕ ከይሰራሕካ ሓደ  ወይ’ውን ክልተ መዓልቲ ምዕራፍ፡ ምስ የርኹትኻ ናብ መዘናግዒ ቦታ ምኻድ፡ ናብ እትፈትዎ ቦት ምብጻሕ፡ ቤት-ሲነማ ምኻድን ካልእን

ሓገዝ ካብ ምሕታት ክትቑጠብ የብልካን። ሰብ ደሴት ኣይኰነን። ገዛእ ርእስኻ ብማሕበራዊ ደገፍ ክበባ። ምስ እትደክም ዘተባብዓካ፡ ምስ እትወድቕ ዝድግፈካ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ማሕበረሰብ እዩ። ስለዚ ኣብ ዝዀነ ኩነት ገዛእ ርእስኻ ኣይትነጽል።

ትዛነየሉ ጊዜ ይሃልኻ። ኣብ ትሕጎሰሎም ንጥፈታት ተጸመድ። ስሩዕ ዕረፍቲ (vacation) ይሃልኻ። እዚ ኸኣ ክትዛነ፡ ዝተኣከበ ኣካላዊ ይኹን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ከተራግፍ ክሕገዘካ እዩ። ዕረፍቲ ክንብል ከለና ናብ ርሑቕ ቦታ ምኻድ፡ ክቡር ዋጋ ዘልዎ መዕረፊ ቦታትት ምኽፋል ኣይኰነን። ኣብ ከባቢኻ ብሒደት ዋጋ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

እኹል ድቃስ ይሃልኻ። ግሩም ዝዀነ ናይ ድቃስ ልምዲ ኣማዕብል። ንኣብነት፡ ናብ ዓረት ትኸደሉ ፍሉጥ ጊዜ ይሃልኻ። ድቓስ ፍቱን መድሃኒት እዩ። ካብ ድቓስ ክትበራበር ዝገብረካ ነገራት ካባኻ ኣርሕቖ። ኩሉ ድምጺ ዝገብር ኤሌክትሮኒክስ ኣጥፍኣዮ ወይ’ውን ካብ ትድቕሰሉ ገዛ እለዮ። ድቓስ ዝኸልኣካ፡ ክርስዖ የብለይን እትብሎ ሓሳባት፡ ኣብ እምሮኻ ኣብ ክንዲ ትሕዞ፡ ቅልል መታን ክብለካ ኣብ ወረቐት ጽሓፎ።

ምዕሩይ ኣመጋግባ ይሃሉኻ። መግቢ ኣብ ኩነታት ኣእምሮን ስምዒታትን ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። ስለዚ ንጥዕና ሃሰይቲ ዝዀኑ መግብታት ኣይተዘውትር።

ገዛእ ርእስካ ትምልምለሉን ትኣልየሉ ስሩዕ ጊዜ ይሃልኻ። ኣካላትካ ትሕጸበሉ፡ ጸጉርኻ ትምቕዘሉ፡ ክዳውንትኻ ትሓጽበሉ ስሩዕ ጊዜ ምህላው ዘይተደልየ ጸቕጢ ከይህልወካ ይከላኸል።

ገዛእ ርእስኻ ዘየድሊ ጭንቒ ከይተሰክማ፡ ኣብ ኣሉታዊ ነገራት ጥራይ ኣይተድህብ። ዘይትስፍውነት ንሓይልኻ ስለ ዝጽንቕቕ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ጽገሬዳ እሾኽ፡ ኣብ እሾኽ ጽገሬዳ ኣሎ ዝብል ኣጠማምታ ይሃልኻ።

ንጸገማትካን ብድሆታትካን ብዙሕ ምኽንያት ክህልዎ ከም ዝኽእል ፍለጥን ኣስተውዕልን። እዚ ኸኣ ኣብ ሓደ ነገር ዝተሸኸልካ መሲሉካ ጭንቐትካ ከይውስኽ ክሕግዘካ እዩ።

ግብራዊ/ክውንነታዊ ኣተሓሳስባ ኣማዕብል። ቅድሚ ናብ መደምደምታ ምንጣርካ፡ ጭብጥታት ኣክብ። እዚ ኸኣ ካብ ዘይተደለየ ስምዒታዊ ሃልኪ ከድሕነካ እዩ።

ውሽጣዊ ጸዓትካ እናተቆርመመን እናተጸንቐቕን ከይከይድ፡ ነፍስኻ ትሕደሰሉ ህሞት ይሃልኻ። ምጽላይ፡ ሙዚቓ ምስማዕ፡ ኣካልዊ ምንቕስቓስ፡ ትፈትዎ መጽሓፍቲ ምንባብ፡ ናይ ጸጥታ ግዜን ካልእን ንርእስኻ ኣለማምዳ።

እኹል ሓይልን ጸዓትን ተስፋን ሃልዩና ናብ ሽቶና ክንበጽሕ፡ ገዛእ ርእስና ካብ ኩቱር ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ኣካላውን ድኻም ክንሕሉ ይግባእ።