ከረጺት ስምዒት

እብ12:1 – “ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንኹሉ ዚኸብደናን፡ ነቲ ዝጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቆ”

ብዘይካ ‘ቲ ካብ መዓልታዊ ኣተሓሳስባና ዝምንጩ መዓልታዊ ንምከሮ ስምዒታት፡ ሕሉፍ ስምዒታዊ ተመክሮና ዝዋህለሉ “ከረጺት ስምዒት” (emotional baggage) ኣለና። ኣብ ግዕዞ ህይወትና ንብዙሕ ነገር ግዳይ፡ ኣደዳ፡ ስለ ዝኰንና፡ ብዙሕ ውህሉል ተመክሮ ኣለና። ንነፍሲ ወከፍ ዝሓለፍናዮ ተመክሮ ኸኣ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ ኣለዎ። እዚ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ ዝውሃለሉ ኸኣ “ከረጺት ስምዒት” ይበሃል። እዚ ኸኣ ኹሉ ሰብ ዝውንኖ ውህሉል ስምዒታት’ዩ። ኣብ ሕጂ ብዝገጥመና ፍጻሜታት ከኣ ክለዓዓል ይኽእል።

እዚ ኣብ “ከረጺት ስምዒት” ዝውህለል ስምዒታት ገሊኣቶም

1) ዘይተፈትሑ፡

2) ዘይተገለጹ፡ ዘይተለቁ

3) ብግቡእ መስርሕ ዘይሓለፉ ስምዒታት’ዮም።

እዞም ስምዒታት ከኣ ኣብ ውሽጢ ምስ ተዓጽዉ፡ ንሓድሕዶም እናተበላልዑ፡ ኣብ ህይወትና፡ ቤተሰብና፡ ስራሕና፡ ዝምድናና፡ ሕብረተሰብና፡ ዘብቅልዎ መርዛም ዝዀነ ፍረ ኣለዎም። ካብ ኩሉ ዘፍርህ ኸኣ፡ እንተብፍላጥ ወይስ ብዘይ ፍላጥ፡ ጎሲናዮም ወይ’ውን ከም ዘይናትና ርኢና ክንሓልፎም ክንፍትን ከለና’ዩ። ብዛዕባ እዚ ዘለና ኣፍልጦ እንተዘይዓብዩ፡ ብዙሕ ነገር ክበላሸወናን፡ ክበርሰናን፡ ክጠፍኣናን ዝከኣል’ዩ።

እዮ 32:19 – “እንሆ ውሽጠይ ከም ሕቱም ወይኒ ብጎዕሽ ወይኒ ኪቕደድ ከም ዝቀረበ ሓርቢ እዩ”

ንምሳሌ ስም ኣቦኻ ሓጎስ እንተዀይኑ እሞ ፈቃርን ርሕሩሕን ለጋስን እንተነይሩ፡ “ሓጎስ” ዝበሃል ስም ክጽዋዕ ክትሰምዕ ከለኻ ምሹእ ዝዀነ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ ይህልወካ። በቲ ካልእ ሸነኽ “ሓጎስ” ዝበሃል ጨካን፡ ዓማጺ፡ ደፋር፡ መማህርቲ እንተነይርካ፡ ‘ቲ ስም ክጽዋዕ ከሎ ኣሉታዊ ዝዀነ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ ክህልወካ ናይ ግድን’ዩ። ሰበይትኻ ኸኣ ንዝወለድክሞ ወድኹም “ሓጉስ” ዝብል ስም ንሃቦ ምስ ትብለካ፡ እናሓረቅካ ክትሰምዖ ከማን ከም ዘይትደሊ፡ ምላሽ ምሃብካ ይመስለኒ።

እዞም ናይ ነዊሕ ጊዜ ስምዒታት ኣብ ትሕቲ እቶም በብመዓልቲ ንምከሮም መባእታዊ ስምዒታት ኣድብዮም ይርከቡ። ብርታዔ ናይቶም መባእታዊ፡ መሰረታዊ፡ ስምዒታት ከኣ ብናይ ሕሉፍ ታሪኽና ይውሰኑ። ተመክሮኻ መጉዳእቲ ዝበዝሖ ምስ ዝኸውን፡ እቶም መባእታዊ ስምዒታትካ ከኣ ብርቱዓት ይዀኑ። “ቃታ” ኰይኑ ዘበራብሮም ክሳዕ ዝርከብ፡ ዘዋህለልካዮም እሞ ኣብ ታሕቲ ዘድበዮ፡ ዝተጸቅጡ፡ ስምዒታትካ ተደጊሎም ይነብሩ። ገለ ዘረባ ምስ ዝልዓል፡ ገለ ሰባት ዘይተጸበኻዮ ኣዝዮም ሓሪቆም፡ ብነድሪ ማዕጾ ከፊቶም ዝወጹ ኣጋጢሞምኻ ይፈልጡ’ዶ፧ እንታይ ኣባሪዕዎም ይኸውን ኢልካ ትሓስብ፧ ዝሓለፍዎ ሕማቅ ተመክሮ በቲ ናይ ሻዑ ዘረባ ስለ ዝተላዓዓለ’ዩ።

“ቃታ” (trigger) ክንብል ከለና ምስ ሕሉፍ ዝተሓሓዝ ናይ ሕጂ ፍጻሜ ማለትና’ዩ። ሰብ ኣብ ውሽጡ እንተዘይጸኒሕዎ፡ ደጋዊ ፍጻሜ ክሳዕ ክንድቲ ክንድር ኣይገብሮን’ዩ። ነዚ ድማ የሱስ፡ “ኩሉ ካብ ውሽጢ ንደገ ደኣ እምበር፡ ከምቲ ብዙሓት ዝመስሎም ካብ ደገ ንውሽጢ ኣይኰነ” ዝበለ። ነቲ ኣብ ውሽጢ ተደጊሉ ዝጸንሐ ዘበራብሮ ደጋዊ ፍጻሜ ግና የድልዮ። እዚ ደጋዊ ፍጻሜ ኸኣ “ቃታ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከምቲ ሽጉጥ ኣብ ውሽጣ ዓረር እንተዘይብላ፡ ቃታ ዝሰሓብና እንተሰሓብና ክትትኩስን ትንፋስ ዘለዎ ኸኣ ክትቀትል ዘይትኽእል፡ ከምኡ’ውን ሰብ ኣብ ውሽጡ ድሮ ዝተኸዘነ፡ ዝተጸቅጠ፡ ዝተደጎለ ኣሉታዊ ናይ ሕሉፍ ስምዒታት እንተዘይብሉ፡ ‘ቲ ብደገ ዝገጥሞ ፍጻሜታት ከለዓዕሎ ኣይክእልን’ዩ።

ገለ ሰባት ንመባእታዊ ስምዒታቶም ክቆጻጸሩን ክገትኡን ክብሉ፡ ቃታ ዝዀንዎም ሰባትን ኩነታትን ከወግዱ ይፍትኑ። ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዘለዓዕል ዝበልናዮ ከነወግድ፡ ርእስኻ ክንግልል ዝከኣል ኣይኰነን። እንተዘይኰይኑ ከይሰራሕና፡ ምስ ሰባት ከይቀረብናን ከይተዛመድናን ክነብር ኣለማ ማለት’ዩ። ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ደስ ዘየብል ስምዒታት ዘለዓዕል፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ክንርእን ክንሰምዕን ናይ ግድን’ዩ። ስለ ዝዀነ ብፍጹም ከነወግዶ ዝከኣል ኣይኰነን። ‘ቲ ዝበለጸ መገዲ ግና ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዝተኸዘነ፡ ካብ ሕሉፍ ተመክሮ ዝኣከብናዮ ስምዒታት ክንለቆ፡ ከነፍስሶ እሞ ይኺድ ከንሓድጎ፡ ንምፍታሑ ብግቡእ መስርሕ ከነሕልፎ ክንመሃር ኣለና።

ስለዚ ናብ ሕሉፍ ምልስ ኢልና፡ ኣተኪሩና ክንጥምት ይድለየና። ዝሓለፍናዮም ተመክሮታት፡ ኣብ ውሽጥና ዘሕደርዎ ጦብላሕታ፡ ዝፈጠርዎ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ ኣፍልጦ ንሃቦም። ካብኡ ሓሊፍና’ውን ኣብ ቅድሚ እ/ሔር ብምቅራብ፡ ኣብ እግሩ ከነውድቆ መታን ብጸሎት ንቅረብ። 1ጴጥ5:9 ብንስሓ ኣብ ቅድሚ እ/ሔር ብምቅራብ ይቅሬታ ምቅባልን ነቶም ዝበደሉናን ዝሃሰዩናን ከኣ ይቅረ ክንብለሎም ንመሃር። እ/ሔር ብመንፈሱ ናይ ሓጎስ ዘይቲ ኣብ ውሽጥና ብምፍሳስ ከጸናንዓናን ክድብሰናን ንሕተቶ። ናይ ሓዘን ካባ ኣውጺኡ፡ ልብሲ ሓጎስ ከልብሰና፡ ንውሽጥና ብምስጋናን መዝሙርን ክመልእ ኣብ ጸጽባሕ ናብኡ ንቅረብ። ቀረባ ኣምላኽ ንኹን። ዘየቋርጽ ሕብረት ይሃልወና። ኣብ ገጹ ናይ ሓጎስ ጽጋብ፡ ኣብ የማኑ ኸኣ ንዘልኣለም ብጽእና ኣሎ። ፈዋሲና እ/ሔር ጥራይ’ዩ (ዘጸ15:26)

The Author

Samson Mesghena