ስምዒታዊ ም ኽ ን ያ ት

ብዛዕባ ንርእዮምን ንሰምዖም ነገራት መጎታዊ (logical)፡ ንቁሕን ቅድውን (sensible) ብዝዀነ መገዲ ክንሓስ ኣለና። ብፍላይ ብዛዕባ ነገራት ዘለና ስምዒት፡ ርትዓዊን ተገንዘባውን (reasonable) ክኸውን ኣለዎ። ብቕኑዕ መገዲ ንኸይንሓስብ፡ ስምዒትና ንሓሳባትና ከደናብዎ ከሎ፡ ግና “ስምዒታዊ ርትዒ” ንብሎ። እዚ ኸኣ ኣሉታዊ እመት ኣለዎ።

ካብ ዘስደምም ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ሓደ፡ ብዛዕባ ሓደ ነገር መሰረት ዘይብሉ ክሩር (acute) “ስምዒታዊ ርትዒ” ክህሉ ከሎ ‘ዩ። ልብወታዊ መስርሕ ብዛዕባ ምርዳእናን እንኣምኖ ንብሎ፡  ኣብ ስምዒታትና ዝተሃንጸ ክኸውን ከሎ ሓደኛ ዩ።  ገለ ምሳሌታት ብዛዕባ “emotional reasoning” ንምጥቓስ

  • ሚዛንካ ንቡር ከም ዘሎ ሓኪምካ ይኹን ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ እናነገሩኻ ክነሶም፡ ሃዝራጥ ዝዀንካ ኰይኑ ክስምዓካ ከሎ
  • ጌጋ ከም ዝገበርካን ዝበደልካን ወል ሓደ መርትዖ ዘይብልካ ክነሱ፡ “ገበንነት” ስለ ዝተሰማዓካ፡ ገበነኛ ‘የ ኢልካ ርእስኻ ከተእምን ከለኻ
  • ምስ መጻምትኻ ዘሎካ ርክብ “ብቕንኢ” ዝተዓለሰ ክኸውን ይከኣል ዩ። መጻምትኻ ዘርኣየካ እምኑነትን ተወፋይነትን ጥራይ ክነሱ፡ ብዘይ መርትዖ ዘእሙንን ጠላምን ከም ዝዀነ፡ ንክትከሶ ገዛእ ርእስኻ ምግታእ ክኣብየካ ከሎ
  • ብብዙሕ መገዲ “ብቑዕ” ምኻንካ ገዛእ ርእስኻ ኣርኢኻ ክነስኻ፡ “ስምዒት ዘይብቑዕነት” ክትስዕሮ ስለ ዘይክኣልካ፡ ዘይቡቑዕ ምኻንካ ቀጻሊ ክስምዓካ ከሎ
  • ናይ ትምህርቲ ነጥቢ ደረጃ ካብ መማህርትኻ ዘይተሓተ ክነሱ፡ ካብ መሳቱኻ ዘይነኣስካ ክነስኻ፡ ናይ ባዕልኻ ዝዀነ ብልጫታት እናሃለወካ፡ ኣብዲ (stipud) ኰይኑ ስለ ዝተሰምዓካ፡ ንርእስኻ ከም ደንቆሮ ጌርካ ክትቆጽራ ከለኻ
  • ብሕታውነት ስለ ዝተሰምዓካ፡ ብዛዕባኻ ዝግደስ ከም ዘየለ ንርእስካ ከተእምን ትግደድ። ክፍቀር ከም ዘይትኽእል ናብራይ ይምስክር ኣሎ ክትብል ከለኻ
  • ከምዚ ኰይኑ ኢላካ ክትዛረብ ይኹን፡ ብዛዕባ ባህርያቶም ኣሉታዊ ነገር ከተውጽእ ከም ዘይትኽእል እናፈለጥካ፡ ምስ ገለ ሰባት ሕርቓን ስለ ዝተሰምዓካ፡ ገለ በደል ከም ዝገበሩ ከም ቅቡል ትወስዶ ከለኻ

“ስምዒታዊ ምርታዕ” እንታይ ዩ፧ ተገንዝባዊ ዝንባዔ (cognitive distortion) ንምግላጽ ንጥቐመሉ ኣምር ዩ። ክውንነት ንምግላጽ ስምዒታዊ መርትዖም ጥራይ ከም መደምደምታ ክወስድዎ ኣብ ዝቕሰቡ ሰባት ዝኸውን ‘ዩ። መርትዖ ዘለዎ ትዕዝብቲ ክሒዱ፡ ስምዒቶም ዝብሎም ጥራይ “ሓቒ” ከም ዝዀነ ኣብ ዝቆጽሩ፡ ኣብ ኣጠማምተኦም ዝግለጽ ነገር ‘ዩ። ዘይፍቶታዊ፡ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝዀነ፡ ብኸምኡ ኣብ ሓሳብና ዘንሳፍፍ፡ ካብ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዝምጩ ዩ ዝተበላሸወ ኣተሓሳስባ ዩ።

ስምዒትካ ብሓደ ነገር ክዕብለል፡ ክጉባእ (overwhelm) ከሎ፡ ዝገጠመካ ኩነት ክትኣልዮ ከም ዘይትኽእል፡ ዝተሰምዓካ ስምዒት ከም መርትዖ ክንወስዶ ዝተገደድና ብዙሕ ጊዜ ዩ። እዚ መዳይ ድማ “ምድንጓይ” ዝበሃላ ክገልጾ ይኽእል።

ምድንጓይ (procrastination) ማለት ሓደ ነገት ክትገብሮ ስለ ዝኣበየካ፣ ክይትገብሮ ኢልካ ከተቐምጦ ወይ’ውን ክትገብሮ ኢልካ ምፍታን ክትኣቢ ከለኻ ዝኸውን ‘ዩ። እዚ ኸኣ ክትገብሮ ስለ ዘይከኣልካ ዘይኰነ፡ ስምዒትካ ስለ ዝኣመንካ ‘ዩ። ሓደ ነገር ስለ ዘጨነቐካ፡ ገጽ ንገጽ ከይትገጥሞ ኢልካ፡ ንጎኒ ከተጽንሖ ከለኻ።

ስምዒታዊ መሰረት ዘለዎም ውሳኔታት ንምድጋፍ እንታይ ሓቕታት (facts) ኣለውኒ፧ ኢልና ገዛእ ርእስና ክንሓትት ግድን ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብ መደምደምታ ክትበጽሕ ዝገበረካ ተሞኩሮኣዊ መመኽነይታ ኣዝዩ ሒደት ምኻኑ ክትግንዘብ ይሕግዘካ። ስምዒታትካ ንውሳኔኻ እኹል መደገፍታ ዘይሙኻኑ ክርድኣካ ይገበረካ።

ንስምዒታዊ ውሳኔይ ዝድግፍ ኣውንታዊ መግለጺ ብሃውሪ ነጺገዮ ወይ ወጊደዮ ዶ ይኸውን፧ እንደገና ክምርምሮም ዘለኒ ዝቐነኑ ኣተሓሳስባ ‘ዶ ብስምዒታተይ ተደባንዩም ይኸኖ? ዝብል ክትሓቶ ዘለካ ካልእ ሕቶ ‘ዩ። ብዙሕ ጊዜ ብስምዒትካ ተደጊፍካ ውሳኔ ወሲድካ ኣለኻ። ስለ ዝተሰምዓካ ጥራይ ሓቒ ዩ ኢልካ ትኣምን ተኼንካ ኣብ መንደልሃጽ ደው ኢልካ ኣለኻ። ስምዒታትካ ሓሊፍካ ክውንነት ክትርዳእ ክትጽዕት ኣለካ።

ምስ ዓርክኻ ዘይተፈትሐ ጉዳይ ስለ ዘለካ፡ ሃቐናኡ ብጌጋ ስለ ዘንበብካዮ፡ ስምዒታትካ ሓቅነት ዘይብሉ ግላዊ ደኣ እምበር ቅኑዕ ዘይኰነ መስመር ክሕዝ ተኽእሎ ስለ ዘሎ፡ ገዛእ ርእስካ ክትገትእን ክትሓትትን ከም ዘለካ ኣይትዘንግዕ። ካብ ሕሉፍ ተበጊስካ፡ ነዚ ኣብ ሕጂ ዘሎ ክውንነት ጎሲኻ፡ ክትወስዶ እትፍትን ውሳኔ፡ ሓቕነት ዝጎደሎ ምስ ጥቑልና (fortune telling) ዝተሓሓዝ ክገብሮ ይኽእል። እዚ ኸኣ ናብ ግጉይ ስምዒታዊ ሞጎተ ይመርሓካ።

ስምዒትና ኣገዳሲ ክፋል ‘ታይነትና ‘ኳ ‘ተዀነ፡ ሓቕነቱ ዘይተረጋገጸ ግምት ንስምዒታትና ክጸልዎ ተገዲፍናዮ ግና ዘምጽኦ ዕንወት ከቢድ ‘ዩ። ኣተሓሳስባና ንስሚዕታትና ዘይኰነ፡ ስምዒታትና ንኣተሓሳስባና ክገዝኦን ክዝውሮን ‘ተገዲፍናዮ፡ እንህቦ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ ዘይበሰለ ስለ ዝኸውን ናብ ጌጋ ገጽና ክንእንፍት ይገብረና።

ህጻን ኣብ ውሽጢ እኹል ሰብኣይ

ብፍላይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እኹል/ብጹሕ ዝበሃል ሰብ ቆልዓ ከም ዘሎ ተፈሊጥና፡ ቁልዕነታዊ ኣተሓሳስብኡ ንስምዒታቱ ከይጸልዎ ተኽእሎ ኣሎ። ስለዚ ከነስተውዕል ይግብኣና።

“ቆልዓ ኸለኹ ከም ቆልዓ ተዛረብኩ። ልቢ ቆልዓ ነበረኒ። ከም ቆልዓ ሓሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና ነገር ቆልዓ ሓደግኩ።”

ቆልዓ ናይ ምምዝዛን ዓቕሙ ስለ ዘይዓበየ፡ ስምዒታቱ ድፍኢታዊ (impulsive)ስለ ዝዀነ፡ ናብ ቅኑዕ ውሳኔ ኣይመርሖን። ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ንኽዓቢ ተዘይመጊብናዮ፡ ብዙሕ ጊዜ እንገብሮም ነገራት ስምዒታዊ መሰረት ጥራይ ዘለዎም ይዀኑ።

ብዙሕ ጊዜ እንሓስቦ ምስ ስምዒታትና ዘይቃዶ ኰይኑ ክንረኽቦ ከለና ክንስምብድ የብልናን። ንቡር ዩ። ብፍላይ ውሽጣዊ ቆልዓዊ ስምዒታትና ብዝግባእ ከይዓንገሉ ተዓብዮም፡ ኣብ ኣተሓሳስባን ስምዒታዊ ህይወትናን ቀውሲ ይፍጠር። ኣብ ከምዚ ኩነት ‘ታይ ክንገብር ዩ ዝግብኣና ኢልና ክንሓትት ግቡእ ዩ።

ስምዒታትና ካብ ክውንነት ከም ዝርሓቐ ክርዳእ ዘለዎ፡ ‘ቲ ብጹሕ (adult) ክፋል ‘ታይነትና ዘይኰነ፡ ኣብ ውሻጠና ተሓቢኡ ዘሎ፡ ብዛዕብኡ ሒደት ንቕሓት ዘለና፡ ጻዕዳን ጸሊምን ጥራይ ዝፈልጥ ቁልዕነታዊ ኣተሓሳስባን ዩ። እናዓበና ክንከይድ ከለና፡ ‘ቲ ገርህነት ዝዓብለሎ ዘይተራቐቐ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ቆልዓ ንድሕሪት ዝገደፍናዮ ከመስለና ይኽእል ዩ። ኣብ ውሽጥና ዘሎ “ቆልዓ” ኣቃልቦና ዝረኽብ፡ ንኩነት ልዕሊ ወይ’ውን ትሕቲ ዝግባእ ግብረ መልሲ ብምሃብ ‘ዩ። ከምዚ ክኸውን ከሎ ቆልዓዊ ኣተሓሳስባና ይቅልቐል ከም ዘሎ ክንርዳእ፡ ግቡእ ፍታሕ ከኣ ክንህቦ ይግባእ።

ቆልዑት ከለና ተመኰርናዮም ጎዳእቲ ፍጻሜታት፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ቆልዓ ከም ዝሕባእ ይገብርዎ። ምስ ጊዜ ኣብ ክንዲ እናዓበየ ዝኸይድ፡ ኣብ ሓደ ደረጃ ከም ዝሽከል ይኸውን። ንርእሰ-ምክልኻል ይጠቅሙና ‘ዮም ዝበልዮናም፡ ኣብ ጊዜ ቁልዕነትና ዘማዕበልናዮም፡ ምስ ዓበና ‘ውን ተዀነ ቅልቅል እናበሉ፡ ንውሳኔና ክጸልውዎን ዘይቅኑዕ ኣንፈት ከም ዝሕዝ ክገብርዎ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ ሓደ ደረጃ ዝዓቆረ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ቆልዓ፡ ብዙሕ ጊዜ ንለውጢ ብቐሊሉ ዝቅበል ኣይኰነን። ዝህቦ ግብረ መልሲ ምስ ዕድሜናን ብጽሕናናን ዝቃዶ ስለ ዘይከውን፡ ዘይምቹእነት ይፈጥረልና። ብፍላይ ምስቲ ኣብ ቁልዕነት ዝገጠማና ሃሳይ ኩነት ዝመሳሰል እንደገና ክገጥመና ከሎ፡ ኣብ ውሽጥና ዝተሓብአ ቆልዓ ርእሱ ስለ ዘቀልቕል፡ ግብረ መልስና ቁልዕነት ዝዓብለሎ ይኸውን።

ንምሳሌ፡ ብጊዜ ቁልዕነትና መንጸግቲ፡ ምርጥራጥ፡ ተሞኪርና ተኼንና፥ ኣዝዩ ዘፍርህ ቤታዊ ጎነጽ ገጢሙና ‘ተዀይኑ፥ ሓደ ካብ ስድራና ሰታይ፡ ዕግርግር ፈጣሪ ‘ተነይሩ፥ ገና ብቁልዕነት ከለና ነማዕብሎ ክከላኸሉልና ንብሎ ስምዒታዊ ዕርድታት ኣለውና። እዞም ዕርድታት ከኣ ምስ ዓበና ‘ተዀነ ኣይገድፉናን ‘ዮም። ናብ ሕሉፍ ተመሊስና፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዝተሓብአ ፈራህ ቆልዓ ካብ ሕልፍኚ ኣውጺና ከነዕንግሎ፡ ክዓቢ መታን ክንምግቦ ‘ተዘይኪኢልና፡ ጉዕዞ ህይወትና ብዙሕ መሰናኽል ዘለዎ፡ ዝምድና ኣብ ምህናጽ ዘይዕውታት፡ ንነገራት ብኣሉታ ንጥምት፡ ተጠራጠርቲ፡ ካብ ሓቕነት ዝረሓቐ ህይወት ክንነብር ይገብረና።

ናይዞም ጎበጥቲ ዝዀኑ ኣካላዊ ይዀኑ ስምዒታዊ ተሞክሮታት፡ ሓደ ረቋሒ ኣለዎም። ኣብቲ ዝዀንዎ ጊዜ ኣብ ህላወና ዘጉባዕብዑ ፍጻሜታት ‘ዮም። ክንሓብኦምን ክንቀብሮም ኳ ተፈተና፡ እናኣንቐጥቐጡ ኣብ ውሽጥና ተሓቢኦም ይነብሩ። እዚ ክንቕበሎ ዘለና ሓቒ ‘ዩ። ስለዚ ስምዒታዊ ግብረ መልስና ምስ ግዚያዊ ኩነታትና ዘይቃዶ ምስ ዝኸውን፡ ‘ታይ ንግብረ ኢልና ክንሓትት ኣለና። ኣብ ውሽጥና ዘሎ ቆልዓ ስራሕ ከም ዘድልዮ ክንዝንግዕ የብልናን።

ንምሳሌ፡ ክተርሕቆ ዝኸበደካ፡ ዝልለ መሰረት ዘይብሉ “ቅንዒ” ኣሸጊርካ ንበል። ከም ቆልዓ፡ ምስ ቤተሰብካ ዝነበረካ ጥብቖ (attachment) ኣብ ስግኣት ክትኣቱ ዝገበረካ ጭቡጥ ተመክሮ ኣለካ ዶ፧ ምስ ስድራኻ ክትሰማማዕን ክትተኣማመን (insecure) ዘይገበረካ፡ ቁልዕነታዊ መርትዖ ዘለዎ ሕዱር ስምዒት መርሚርካ ረኺብካ ክነስኻ፡ ዝሓለፍካዮ ተመክሮ ምስ ካልኦት ከይትጠብቕ ግጉይ ሓፈሻዊ (generalized) መደምደምታ ከም ዝወሰድካ ክትርእዮ ኪኢልካ ዶ፧ ምስ ዝዀነ ሰብ ምትእስሳር (connection) ዘተኣማምን ኣይኰነን ዝብል ውሳኔ ኣቐዲምካ ወሲድካ ተኼንካ፡ ሕጂ ዝስምዓካ ዘሎ “ቅንኢ” ተኸኽ ከብለካ ናይ ግድን ‘ዩ። ሓደ ሰብ ደጋጊሙ መብጻዓኡ ‘ተረጋገጸልካ ዘምጽኦ ለውጢ የልቦን። ኣብ ሕሉፍ ዝሃንጽካዮም፡ ይከላኸሉለይ ‘ዮም ዝበልካዮም፡ ንለውጢ እናተጻረሩ የሸግሩኻ።

ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ዘይቅቡል፡ ዋጋ ዘይብሉ፡ ዘይድለ ዀይኑ ስለ ዝተሰምዖ ዝተጎድአ ግን ከኣ ዘይተፈወሰ ቆልዓ፡ ንጥርጣሬካ ዘንቀዶ ተዀይኑ፡ እዚ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ተጠራጣሪ ንኡስ ቆልዓ ክበጽሖ ዝኽእል ንስኻ ጥራይ ‘ዩ። ናይቲ ቆልዓ ጥርጣሬ ኣርጊእኻ (validate)፡ ምስኡ ክትደናገጽ ትኽእል ዶ፧ ፍርሑ ተረዲእኻ፡ ልዕሊ ብጽሕናኡ ዝዀነ መርትዖ ኣምጺኻ፡ ‘ቲ ቄናን ኣተሓሳስብኡ ምስ ክውነንት ከም ዘይቓዶ ከተእምኖ ክትፍትን ትኽእል ዶ፧ እዚ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ፈራህ ህጻን ዓብዩ ክሳዕ ዝስዕር፡ ምምጋቡ ከም ቀዳማይ ስራሕና ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ መንጎ ሓሳብካን ስምዒታትካን ዘሎ ዘየቋርጽ ቃልሲ ክትስዕሮ፡ ክልቲኣቶም ከመይ ኢሎም ተቓድዮም ከነብሩ ከም ዝእኽሉ ባይታ ከተጣጥሕ ኣለካ። እዚ ከኣ ብባዕልኻ ወይ’ውን ብሓገዝ ካልኦትን በዓል ሞያ ዝግበር ምዃኑ ፍለጥ። እዚ ምሳኻ ዝተወልደ ቃልሲ ዘይኰነ፡ ኣብ ንኡስ ዕድሜኻን ጉዕዞ ህይወትካን ካብ ዝገጠመካ ተመኩሮኻ ዝነቐለ፡ ኣባኻ ዝተዘገበ ዝተሓናፈጸ ስለ ዘሎ ዩ። እዚ ኣባኻ ዝተዘገበን ዝተጻሕፈን ክልወጥ ከም ዝኽእል ኣይተዘንግዕ።

ናይ ኣእምሮና ዘገርም ነገር ተሃልዩ፡ ተዓጻጻፍነቱ ዩ። ኣብ ዝዀነ እዋን እንደገና ፕሮግራም ክግበር ዝከኣል ዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ውሳኔናን ድፍኢትና ዝተሞርኰሰ ዩ። ዝተበላሸወን ዝተበከለን ኣተሓሳስባን፡ ብጥዑይን ገርህነት ዘለዎ ኣተሓሳስባ ክዕረን ክሕደስን ክንጽዕት ሓላፍነት ኣለና።