ይቕሬታን ፍትሕን

ኣብዛ ዓለም ዝፍጸም በደል ብዙሕ ‘ዩ። ከምቲ መዳሊ ተበዳሊ ኣሎ። ኣብ ዝተበደለ ዝወርድ ማህሰይትን በደልን ከኣ ከቢድ ክኸውን ይኽእል። ስለ ዝዀነ ብዛዕባ ይቕሬታን ፍትሕን ብዙሕ ክዝረብ ናይ ግድን ዩ። ብዙሕ ከኣ ዝተሓዋወሰ ምርዳእ ክህሉ ክንግረም የብልናን።

ገሊኡ ን”ፍትሒ” ንጎኑ ጎስዩ፡ “ይቕረ” ጥራይ በል ዝብል ኣሎ። ገለ ኸኣ ከይተረድኦ ንፍትሒ ምስ ሕነ ምፍዳይ ዝሓዋውሶ ኣይስኣንን ይኸውን። ኣብ ሕብረተሰብ ስርዓት ክህሉ፡ ጥዕና ዘለዎ ዝሰርሕ (functional) ዝምድና ክህነጽ፡ ኣብ ምንጎ እዞም ሓሳባት ንጹር ዝዀነ ምርዳእ ክህሉ ኣለዎ።

ንምሳሌ፦  ሓደ ስድራ ዝፈትውዎ ወዶም ብሓደ ጎበዝ ‘ተተቐቲሉ፡ ነዚ ጉዳይ ብኸመይ ክኣልይዎ ይግባእ ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን ዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ እኩይ ተግባር ዘስዕቦ መጉዳእትን ቃንዛን ኣይንስሕቶን ኢና። ብዝዀነ መገዲ ኣቕሊልና ብምርኣይ ወይ’ውን ዕሽሽ ብምባል ቃንዝኦም ከነጋድዶ የብልናን።

ፍትሒ ኣብ ኣእዳዎም የሕውይዎ’ዶ፧ ንወዶም ዝገበሮም እናዘከሩ፡ ሕርቃንን ቑጥዓን ቐሓር መዓልቲ ይኹኖም ወይስ ይቕረ ኢሎም መጻኢ ህይወቶም ብሰላም የቛምቱ፧ “ይቕረ” ብምባሎም ‘ቲ በዳሊ ዝገበሮ ድፉን ቆላሕታ ክህብዎ ይቐስቦም ዶ ይኸውን፧ ኣብ ወዶም ዝወረደ ኣብ ዝግብኦ ከይዶም “ፍትሒ” ምድላዮም ይቕረ ክብሉ ስለ ዘይደለዮ ‘ዶ ክመስል ይኽእል፧ ብዘይ ፍትሒ ይቕሬታ ጥራይ ‘ተተባሂሉ፡ ሕማቕ ዝገበረ ከም ድሌቱ ክኸውን ኣየተባብዕን’ዶ፧ ብዙሕ ክሕተት ዘለዎ ነገር ኣሎ።

እዞም ከም ምሳሌ ዝጠቐስናዮም ስድራ፡ ኣብ መንጉኦም ዘሎ ዝምድና ከይበላሾ፡ መጻኢ ህይወቶም ሃዲኦም መታን ከቛምቱ; “ይቕረ” ክብሉ ጽቡቕ ‘ዩ። “ይቕሬታ” ብሓፈሻ ነቲ ዝበደለ ሰብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ዝተበደለ ዩ ዝያዳ ዝጠቕም። ይቕሬ ተዘይልና፡ ነፍስና ብሲዑ ዝኣተወ ሓርቖት፡ ናብ ምረትን ቅሬታን ይፍልስ። ንሱ ኸኣ ኣካላዊ፡ ስምዒታዊ፡ ኣእምሮኣዊ ኣንታይነትና በኪሉ፡ ኩሉ ህይወትና ስለ ዘበላሹ ክንጥንቐቕ ይግብኣና።

ብፍላይ ፍትሒ ኣብ ኣእዳዎም ከሕውይዎ፡ ማለት ሕነ ክፈድዩ ተፈቲኖም፡ ንጌጋ ብጌጋ ከዕርይዎ ስለ ዝፈተኑ፡ ምስቲ በዳሊ ኣብ ሓደ ዓንኼል ይቑረኑ። ስለ ዝኸድዎ ዘይግቡእ መገዲ ከኣ ከምቲ በዳሊ፡ ንሳቶም’ውን ስለ ዝወሰድዎ ተግባብሮ ሓላፍነት ክወስዱ ክግደዱ ‘ዮም። ሕነ ምፍዳይ ናይ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ንዕኡ ክንገድፎ ይግባእ።

“ይቕረ” ንበል ማለት ግና ነቲ በዳሊ ድሌቱ ክኸውን ንሕደጎ ማለት ኣይኰነ። እዞም ስድራ ንወዶም ዝቐተለ ይቕረ ኢሎምሉ ማለት፡ ዝበደለ ብሕጊ ኽሕተት የብሉን ማለት ኣይኰነን። ከምኡ ተዀይኑ ደኣ ኣብ ሕብረተሰብ ከመይ ኢሉ ስርዓት ክነግስ፧ ብኣንጻሩ ነቲ ዝበደለን ከም ድሌቱ ክኸውን ዝደሊ ነጻ ማዕጾ ንኸፍት ስለ ዘለና ክንጥንቐቕ ይግባእ። ዘከትሎ ነውጺ (chaos) ከኣ ክትሓስቦ ከማን ከቢድ። መጻኢና ሃዲእና ከነቛምት “ፍትሒ” ክነግስ ኣለዎ።

ሸውዓተ ሳዕ ንዝበደለና ሸውዓተ ሳዕ ጥራይ ዘይኰነ ሸውዓተ ሳዕ ሰብዓ ክንሓድገለኡ ኣለና። ሰብ ብባህሪኡ ተጋጋያይ’ዩ። ፍጹምነት ክንጽበ የብልናን። ስለዚ “ይቕረ” ምባል ክንለማመድ ሰላም ውሽጥና ሕሉው ይገብሮ። ንርእስና ጥራይ ከይበልና፡ ነቲ በዳሊ ንጠቕመሉ መገዲ’ውን ክንሓስብ ግቡእ ‘ዩ። ብዘይ ቕድመ ኩነት ‘ኳ ይቕረ ክንብል ዝግባእ ተዀነ፡ በዳሊ መታን ክመሃር ስለ ተግባራቱ ሓላፍነት ክወስድን ግቡእ መቅጻቲ ክቕበል ክንገብር ጽቡቕ ‘ዩ።

“ፍትሒ” እንታይ እዩ፧

“ይቕረ” ምባል ማለት ፍትሒ ምጉሳይ ማለት ተዘይኰይኑ፡ እሞ “ፍትሒ” ብኸመይ ይነግስ፧ ኢልና ክንሓስብ ቅኑዕ’ዩ። ንገለ በደል ብኸምኡ ይኺድ እንሓድጎ ኣሎ። ብፍላይ ኳ ደኣ ‘ቲ በደ ንእሽቶ ምስ ዝኸውን። ገለ በደል ግና ናብ መጋብኣያ ክቐርብ ናይ ግድን ‘ዩ። ሰብ ናይቲ ዝገበሮ ተግባብሮ ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ። እዚ ከኣ “ተሓታትነት” accountability ንብሎ። ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ፡ ሕብረተሰብ፡ ሃገር “ተሓታትነት” ተዘይሃልዩ፡ ኩሉ ከም ድሌቱ ክኸውን ነጻ መድረኽ ምፍጣር ‘ዩ። እዚ ዘኸትሎ ነውጺ ንምግማቱ ከቢድ ‘ዩ።

ሰብ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዝገበሮ፡ ኣብ ቕድሚ መጋብኣያ ቀሪቡ፡ ብዛዕባ ዝገበሮ ምላሽ ክህብ፡ ግቡእ ዓስቡ ክረክብ ከሎ “ፍትሒ” ነጊሱ ንብል። እዚ ኸኣ እ/ሔር ንሰብ ኣብ ምድሪ ክመሓዳደረሉ ዝሃቦ ስርዓት ‘ዩ። ከምዚ ስለ ዝዀነ ከኣ፡ ንበዓል ጽቡቕ ክንእድ፡ ንገባር እከይ ከኣ ክግስጽ “ስልጣን” ኣብ ምድሪ ዘድለየ። በዓል ስልጣን ከኣ ንኸንቱ ሰይፊ ኣይዕጠቕን ‘ዩ።

“ፍትሒ” ክንብል ከለና ግና እንታይ ማለትና’ዩ፧ ብዛዕባ ፍትሒ ግቡእ ምርዳእ ተዘይብልና፡ ነዕሪ እናመሰለና ከነፍርስ ዝከኣል ‘ዩ። ስለዚ ፍትሒ እንታይ ማለት ምኻኑ፡ ክንደይ ዓይነት ፍትሒ ከም ዘሎ፡ እንታይ ዓይነት ፍትሒ ክንጥቐም ከም ዘለና ክንፈልጥ ይግብኣና።

“ፍትሒ” ክንብል ከለና ኣብ ሕጊ ዝተሰረተ ተግባብሮ ምህላው ማለት ዩ። “ሕጊ” ንሕብረተሰብ ዝጠውር፡ ስርዓትን ልሙዕ ዝምድና ንኽሕሉ ዝገብር ምሳርሒ ዩ። እዚ “ሕጊ” ንብሎ ሰባት ዝተሰማምዕሉ ወይ’ውን ኣብ ልምዲ ሕብረተሰብ ዝተበገሰ ኰይኑ፡ ንኹሉ ብዘይ ኣፈላላይ ፍትሓዊ ኣተኣላልያ (fair treatment) ክረክብ ይሕግዝ። ብፍላይ ግርጭት ከመይ ጌርና ከም እናኣልዮ ምቹእ ባይታ ይፈጥር።

ፍትሒ” ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ “ምርግጋእ” “ሓጎስ” “ዕጋበት” የስርጽ። “ዘይፍትሓውነት” በቲ ሓደ ወገን፡ ወጽዓ፡ ቕሬታ፡ ናዕቢ፡ ሰውራ የስዕብ። ስለዚ “ፍትሒ” ክነግስ ክንጽዕርን፡ ኩሉ ስለ ተግባብርኡ (action) ሓላፍነት ክወስድን ግቡእ መቕጻዕቲ ክቕበል ክንገብርን ክንጽዕት ኣለና። ግን ከኣ ብከመይ ከም እንገብሮ ክንጥንቐቕ ጽቡቕ ዩ። ስለ ዝዀነ ዓይነታት ፍትሒ” ክንፈልጥ ኣለና።

ዓይነታ ፍትሒ
  1. ዕደላዊ ፍትሒ (distributive Justice)

ነዚ “ቁጠባዊ ፍትሒ” ‘ውን ክንብሎ ንኽእል። እዚ ከኣ ንኹሉ ሕብረተሰብ ብዘይ ኣፈላላይ፡ ዘሎ ጥቕምታትን ርእሰ-ማልን ብርትዓዊ እጃም (fair share) ክነካፍሎ ከለና ማለት ዩ። ኣብ ‘ቲ “ርትዓዊ እጃም” ዝብል ሓሳብ ከይንሰማማዕ ዝከኣል ‘ዩ። ከም እኒ ብርኪ፡ ማዕርነት፡ ድሌት ዝብሉ ኣምራት ክምለሱ ስለ ዘለዎም። ብሓፈሻ ክንሰማምዓሉ እንኽእል ነጥቢ ተሃልዩ ግና፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዘሎ ርእሰ-ማል (resources) ኣድልዎን ሽርሕን ብዘይብሉ መገዲ ንኹሉ ክባጻሕ ክንገብር ሓላፍነት ኣለና። እዚ ድማ ዕደላዊ ፍትሒ ይበሃል።

  1. ቅጥዓዊ ፍትሒ (procedural justice)

እዚ ዓይነት ፍትሒ፡ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ርትዓዊ ኣተኣላልያ (fair treatment) መታን ክረክብ፡ “ውሳኔታት” (decisions) ምሕንጻጽን ምትግባርን የመልክት። ኣድልዎ ዘይብሉ ውሳኔ ንምምንጫው፡ ሕግታት ብዘይ ኣድልዎን ጽኑዕን ብዝዀነ መገዲ ክትግበሩን ከለው “ቅጥዓዊ ፍትሒ” ክነግስ ይገብር። ኩሎም ክጥዕታት ወገንነት ዘይብሎም፡ ኩሉ ኸኣ ድምጹ ዘስምዓሉ ባህይታ ዝፈጥሩን ክዀኑ ኣለዎም። ሰባት “ቅጥዕታት” ርትዓዊ ‘ዩ ኢሎም ተኣሚኖም፡ ውጽኢት ናይ ዝዀነ ውሳሌ ክቕበልዎ ኣይሽገሩን። ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ከኣ ምርግጋእ፡ ዕጋበት፡ ሓጎስ ይጥጥዕ።

  1. መቕጻዕታዊ ፍትሒ (retributive justice)

ሽሙ ከም ዝሕብሮ፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ፍትሒ ዝህቦ መልእኽቲ፡ ሰባት ናይቲ ዝገበርዎ፡ ፍሪኡ ክረኽቡ ከለው ዝኸውን ‘ዩ። “ሰብ ዝዘርኦ ይዓጽድ” ዝብል ሕጊ ግብራዊ ይገብሮ። ኣብ ሕሉፍ ዝተገብሩ ጌጋታት፡ ግቡእ መቕጻዕቲ ንክረክቡ የረጋግጽ። ሕመረት መልእኽቱ ከኣ፡ በደለኛ ዘይርትዓዊ ረብሓ ብዓመጽ ስለ ዝረኸበ፡ ነዚ ምዕሩይ ንምግባር መቕጻዕቲ ክረክብ ኣለዎ ይብል። ሰብ ብሕጊ ‘ተዘይተቐየዱ፡ መገዲ ዓመጻኡ መቕጻዕቲ ከም ዝቕበል ይገብር። እዚ ኸኣ ነቶም ንዝመጽእ ብዘይሕጋዊ መገዲ ጥቕሚ ገዛእ ርእሶም ከውሕሱ ዝደልዩ ክገትእ ይኽእል ‘ዩ ካብ ዝብል ተስፋ ‘ዩ። ካብ ዞባውን ውሽጣውን ጉዳያት ሐሊፉ፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ ሕጊ፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ናይ ኩናት ገበናት የገልግል።

  1. መላሲ ፍትሒ (restorative justice)

“መቕጻዕታዊ ፍትሒ” ናብ ሕነ ምፍዳይ ክኸይድ ተኽእሎ ስለ ዘሎ ካብ ዝብል ስግኣት፡ ገሊኣቶም “መላሲ ፍትሒ” ክህሉ ከም ዘለዎ ይእምሙ። “መቅጻዕታዊ ፍትሒ” ኣብ ሃገር ኣብ ዝተገብረ ገበን ከተኩር ከሎ፡ “መላሲ ፍትሒ” ከኣ ኣብ ግለ ሰባት ኣብ ዝተገብረ በደል ንኽፈትሕ የገልግል። መቑሰልቲ ግዳይ ንኽፍወስ፡ ዝተጋገየ ካብ ጌጋኡ ተኣሪሙ እዱብ ዜጋ ንኽኸውን፡ ኣብ መንጎ ሰባትን ሕብረተስብን ዝፈረሰ ርክብ ኣብ ምህናጽ ይነጥፍ።

ኣብቲ ዝግበር መስርሕ ግዳያት ዓቢ ተራ ይጻወቱ። ዝበደለ ክሳዕ ክንደይ ሓለፍነት ክስከም ከም ዘለዎ ኸኣ እጃም ይህልዎም። በደልቲ ኸኣ ነቲ ዝበደልዎ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጎድእዎ ክርድኡ፡ ናይ ተግባሮም ሓላፍነት ክወስዱ ኸኣ ይግበር። ብሃገር ደረጃ ውን ተዀነ ማእኸላይ (መንጎኛ) ብምግባር ክትግበር ይከኣል።

ሓፈሻዊ ኣምር ፍትሒ እዚ ኰይኑ፡ ምስ ይቕሬታ ብከመይ መገዲ ከም ዝተኣሰሰርን ከም ዝትግበርን ክንርዳእ ከለና፡ ጥዕና ዘለዎ ግለ-ሰብ፡ ቤተ-ሰብ፡ ሕብረተ-ሰብ፡ ከምኡ’ውን ሃገር ክንሃንጽ ንኽእል። እንተሓዋዊስናዮ ግና መጉዳእቱ ከቢድ ይኸውን። ነውጽን ዘይ ምስናይን ከኣ የስዕብ። ስለዚ ክንጥንቐቕ ኣለና።