ጉዕዞ ካብ ማህሰይቲ ናብ ስምዒታዊ ጥዕና

ኣብዛ ውድቅቲ ዓለም፡ ማህሰይቲ ክገጥመና ናይ ግድን’ዩ። እዚ ትንቢታዊ ዘረባ ኣይኰነን። የግዳስ ክውን ናይ ህይወት ተመክሮ’ዩ። ተፈጥሮ ዘበገሶ ኰነ ካብ ሰባት ካብ ዝገጥመና ማህሰይቲ ከነምልጥ ኣይንኽእል ኢና። ስለዚ ‘ቲ ዕላማ፡ ከመይ ዝበለ ጽኑዕ ልቢ፡ ዘይሰዓር እምነት፡ ብኹነታት ዘይናወጽ ስምዒት፡ ክንሃንጽ ንኽእል ክኸውን ዘለዎ።

መዝ112:7 “ንዘለአለም ኣይኪናወጽን እዩ እሞ፣ መዘከርታ ጻድቕ ንዘለአለም ይነብር። ክፉእ ወረ ኣይፈርህን፣ ልቡ ብእግዚኣብሄር ተወኪሉ ይጸንዕ። ልቡ ጽኑዕ እዩ፣ ትምኒቱ አብ ተጻረርቱ ኽሳዕ ዚርኢ ኣይፈርህን።

ዝበጽሓና ማህሰይትን ኣባና ዝገደፎ ጽልዋን ብዘየገድስ፡ ኣብ የሱስ ተስፋ ኣሎ። “ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፡ ነቑሳሎም ይዝንን” መዝ146:3 ንሱ ንባዕሉ “ማህሰይቲ” እንታይ ምዃኑ ይርዳእ’ዩ። ኣብ መስቀል ዝውረዶ ስቅያት ብዙሕ’ዩ። ከቢድ ቃንዛ በጺሕዎ። ስለ ዝዀነ ኸኣ ብእንሓልፎን ብዝገጠመናን ይግደስን ይሓልን። ኣብ ጊዜ መከራ ኸኣ ፍጡን ረዲኤት’ዩ።

ብፍላይ ከም ሰብ ምሳሌ ዝዀነና፡ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ’ዩ። ምንም ገበን ዘይፈጸመ ክነሱ፡ ካብ ኣሕዋቱ ዝወረዶ ጽልኢ፡ ቀጥዓ፡ መንጸግቲ፡ ንፍገት፡ ርጥራጠ፡ ጭከና ብዙሕ’ዩ። ብዘይ ወዓሎ፡ ካብ ዝፈትዎም ወለዱን ስድራኡን ተፈልዩ። ከም እንስሳ ብሕሱር ተሸይጡ። ብጌጋ ተኸሲሱ። ተረሲዑን ተጠሊሙን። ኣብ መጨረሽታ ኸኣ ንተስፋ በዳሂ ዝዀነ ቤት ማሕቡስ ተደርብዩ። መቸም ዝሓለፎ ፈተናን መከራን ኣብ ህይወቱ ክገድፎ ዝኽእል ማህሰይቲ፡ ስምብራት፡ ስብራት፡ ንምርዳኡ ከቢድ ኣይመስለንን። ብኸመይ ናብ ሕውየት መጺኡ፡ ምስቶም ዝበደልዎ ኣሕዋቱ ጥዕና ዘለዎ ርክብ ክንሃጽ ክኢሉ ዝብል ሕቶ ምምላስ ከኣ ብዙሕ ክሃንጸና’ዩ።

ብሓቂ ክንሓቶ ዝግብኣና ሕቶ እምበር፡ ከመይ ኢልና ናብ ፈውሲ፡ ሕውየት፡ ምሕዳስ፡ ንበጽሕ ዝብል ክኸውን ኣለዎ። እዚ’ውን ካብ ዮሴፍ ንመሃሮ ብዙሕ ኣሎ።

መገዲ ሕውየት ካብ ማህሰይቲ ከመይ ዝበለ’ዩ፧

1. ክትሓዊ ተኽእሎ ከም ዘሎ እመን

ታሪኽካ ብዝተሞከርካዮ ማህሰይቲ ከም ዘይውድእ እመን። ዝሓሸ መጻኢ ክህልወካ ይከኣል’ዩ። ኣምላኽ ንልቦም ዝተሰብሩ ዝዝንን፡ ንዘሓዘኑ ዘጸናንዕ፡ ንዝወደቁ ዘተስእ፡ ንዝተናዕቁን ዝተነጽጉን ዝቅበልን ዘኽብርን ምኻኑ እመን። ለይቲ ብብኽያት ይሕደር፡ ወጋሕታ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ። መዝ304,5 እ/ሔር ይበጽሕን የሕድስን። እ/ሔር ብእኡ ንዝኣምኑ መፈጸምታን ተስፋን ኣዳሊውሎም ኣሎ። ኤር29፡11 እምንቶኻ ኣብቲ ኩሉ ዝኽእል ፈጣሪ ጽኑዕ ይኹን። ንዝተዋረዱ ዝዝክር፡ ነቶም ሕሱራት ኣተሲኡ ምስ መሳፍንቲ ዘቀምጥ ምዃኑ እምንቶኻ ይዕበ። ንኣምላኽ ዝጨንቆ የብሉን።

ምናልባት ዮሴፍ እዚ ክርድኦ ጊዜ ወሲዱሉ ይኸውን። በቲ እ/ሔር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብድሆ ዝገልጾ ዝነበረ ጽቡቅ ግብሪ ግና፡ እምንቶ ዮሴፍ እናዓበየ ይኸይድ ምንባሩ ብዙሕ ምግማት ዘድሊ ኣይመስለንን። ካብ ህይወት ዮሴፍ ንመሃሮ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣፈጻጽማ ታሪኹ ካብ ኣጀማምራኡ ኣዝዩ ዝበልጽ ምንባሩ’ዩ። ብዙሕ ሩባታት፡ ጸልማት፡ ፈተናታ ሓሊፉ ክነሱ፡ ፈጣሪ ግና ኣብ መጨረሽታ ናብ በረኽቲ ኣውጺእዎ። እ/ሔር ነቶም ዝጽበይዎ፡ ናብኡ ዝጥምቱ፡ ኣብኡ ዝዕቆቡ፡ ዘየሕፍር ብርቱዕ መላኺ’ዩ።

መዝ90፡14፡ ” ኵለን መዓልትታትና ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናንሲ፣ ንግሆ ጸጋኻ ኣጽግበና።

ክወግሕ ከሎ ኣምላኽ ክረድኣ እዩ።

2. ንስምዒታትካ ኣልፍጦ ሃብ

እዚ ስጉሚ ኣገዳሲ’ዩ። ገሌና ንስምዒታትና ክንክሕዶ፡ ጎሲናዮ ክንሓልፍ፡ ከም ዘይናትና ክንርእዮ ንፍትን። ገሌና ኸኣ መንፈሳዊ ልብሲ ብምልባስ፡ ከነመናፍሶ ህርድግ ንብል። እዚ ኸኣ ንዘለና የጋድዶ እምበር ናብ ሕውየት ኣይመርሓናን። ንስምዒትና ከነኰማስዖ ወይ’ውን ክንኽንዀ ኣይግባእን። ንሓርቆት፡ ቁጥዓ፡ ሓዘን፡ ጓሂ፡ ጭንቀት፡ ምረት፡ ቅሬታ፡ ጽልኢ፡ ቅንኢ፡ ትምኒት (lust); ካልእን፡ በቲ ቅኑዕ ሽሙ ክንጽውዖ ይግብኣና።

ዮስዮፍ ኣብ ሕልፍኚ ንበይኑ ተገሊሉ ይበኪ ምንባሩ፡ ምስ ስምዒቱ ዝነበሮ ምትእስሳር የረድኣና። ስለምንታይ ተሓቢኡ ይበኪ ምንባሩ እንተዘይተገልጸ፡ ኣብ ቅድሚ የሕዋቱ ዘይምብካዩ ግና ምስ ኣሕዋቱ ዝተኣሳሰረ ምንባሩ ርዱእ’ዩ። ዘፍ42:24 ከምቲ ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መማሃራን ዝብልዎ፡ ኣሕዋቱ መጀመርታ ምስ ረኸቦም ርእሱ ዘይገለጸሉ ምኽንያት፡ ኣብ ብርቱዕ ስምዒታዊ ቅልስ ስለ ዝነበረ’ዩ ይብሉ። ናብ ሓደ ውሳኔ ክመጽእ ከኣ ጊዜ ወሲዱሉ። እዚ ከኣ ንስምዒታና ኣፍልጦ እንተዘይሂብናዮም፡ ከም ትኪ ከም ዘይበኑ ይረድኣና።

ከምቲ “ሓባእ ቁስሉ፡ ሓባእ ፈውሱ” ዝበሃል፡ ንስምዒታትና ኣፍልጦ እንተዘይሂብናዮም፡ ናብ ኣምላኽ ከነቅርቦም ንሽገር። ንስምዒታዊ ቅልስና ገጽ ንገጽ እንተዘይገጢምናዮም፡ መበገሲኦም ካበይ ምኻኑ ክንፍትሽ ኣይንኽእልን። ኩሉ ስምዒታዊ ገድልታትና መብገሲ ኣለዎም። ገሊኣቶም ካብ ኣተሓሳስባናን ይብገሱ። ገሊኣቶም ምስ ተመኩሮናን ኣጠማምታናን ዝተኣሳሰረ ሱር ኣለዎም። ናብ ኣምላኽ ቀሪባና፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ምግላጽን መሪሕነት ክንደሊ እንተዀዩኑ፡ ንስምዒታትና ኣፍልጦ ክንህቦም ይግባእ። ንስምዒታትና ኣፍልጦ ምሃብና፡ ናብቲ ሱር ነገር ክንከይድ፡ ካብኡ ሓሊፍና ኸኣ ክንስዕሮም ዝሕግዘና ፍቱን መገዲ’ዩ

3. ንውሽጣዊ ቅልስካ ክትስዕሮ ስጉምቲ ውሰድ

 

ዝበዝሕ መጉዳእትና ምስ ሰብ ዝተኣሳሰረ’ዩ። ገሊኣቶም ብዘይፍላጥ፡ ገሊኣቶም ኸኣ ኰነ ኢሎም ሃስያ ኣብሪደሙልና። ዘለና ስምዒታዊ ገድሊ ክንስዕሮ እንተዀይኑ ኸኣ ምስቲ ሰብ ዘለና ነገር ክተዓረቅ ኣለዎ። ንሱ ኸኣ ልብና ፈቂዱ “ይቅረ” ክንብል ናይ ግድን ክዀነና ኣለዎ። ምኽንያቱ “ይቅሬታ” ካብቲ ይቅረ ንብለሉ ሰብ ንልዓሊ፡ ንዓና ጥቅሚ ኣለዎ። ፈውሲ ስምዒታትና ብቀጥታ ምስ እንወስዶ ይቅሬታዊ ተግባብሮ ይተሓሓዝ።

ንዮሴፍ ዝነበሮ ቅልስ መቀይሮ ነጥቢ፡ ንኣሕዋቱ ይቅረ ክብለሎም ምስ ወሰነ’ዩ። ስለቲ ዝገበሮዎ ተመሪሩ፡ ክፉእ ክገብሮም ምርጫን ተኽእሎን ነይርዎ። “ይቅረ” ክብል ምምራጹ ግና፡ ንምጉቱን ንገድሉን መጨረሽታ ክገብረሉ ሓጊዝዎ። ክፉእ ገይረሞ ክነሶም፡ ሓቂፉ ክስዕሞም፡ ኣብ ክንዲ ክፉእ ጽቡቅ ክመልሰሎም ዓቅሚ ረኺቡ። እዚ መገዲ ቀሊል ከም ዘይኰነ ምግማቱ ዘሸግር ኣይመስለንን። ሰዓርቲ መታን ክንከውን ግና፡ እ/ሔር ከኽእለና ናብ ዝፋን ጸጋኡ ብምቅራብ፡ ምኽንያት ዝዀኑና ሰባትን ኩነታትን ይኺድ ክንሓድጎም ክንውስን ኣለና። ዘፍ50:16-17,21

4. ንተመክሮኻ ብመገዲ ኣምላኽ ክትርእ ተጋደል

ምሉእ ስምዒታዊ ሕውየት ከስተማቅር ንዮሴፍ ዝሓገዞ፡ ይቅሬታ ምባሉ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንተሞክሮኡ ብመገዲ ኣምላኽ ክርእዮ ብምኽኣሉ’ዩ።  “ንስኻትኩም ንኽፉኤይ ሐሰብኩም፡ እግዚኣብሄር ግና፡ ከምቲ ሎሚ ዀይኑ ዘሎ ኺገብር፡ ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኼድሕን፡ ንጽቡቕ ሐሰበ” ብምባል፡ ዝሓለፎ ኩሉ፡ ናብ ጽቡቅ ፍጻሜ ከም ዝመርሖ ብምርዳእ፡ ንኣምላኽ ክብሪ ሂቡ። እዚ ኸኣ ካብ ኣምላኽ ምግላጽ ዝሓትት፡ ዓቢ መንፈሳዊ ምርዳእ’ዩ። ዘፍ50:20

“ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን ዝተጸውዑ ግና ኩሉ ንሰናዮም ከም ዝድግፎም ንፈልጥ ኢና”። ሮሜ8:28 እ/ሔር ዘይርእዮን ዘይፈልጦን ነገር ኣይከውንን። ስለምታይ ነቲ ቅኑዕ ሰብ ሕማቅ ነገር ከም ዝረኽቦ’ዃ እንተዘይተረደኣና፡ ነቲ ሕማቅ ንብሎ ተመክሮታት፡ ኣምላኽ ንሰናይ ከም ዝጠቀመሉ ክንኣምን ኣለና። “እቲ ዓቢ ውርደተይ ንሰናይ ኰነለይ” ዝበሎ ንጉስ ዳዊት፡ ክንኣምኖ ንነፍስና ጥዕና’ዩ። ሕውየትና ምሉእ ክኸውንን፡ ተመክሮና ብመገዲ ኣምላኽ ክንርእዮ ክንጋደል ኣለና። ገሊኡ ዝበጽሓናና ዝሓለፍናዮን ተመክሮ፡ እ/ሔር ኣባና ዝረኣዮ ሰማያዊ ዕላማ ክውን መታን ክኸውን’ዩ። ስለዚ እ/ሔር የዒንታና ክኸፍት እሞ ንምንታይ ከም ዝሓለፍና ክርድኣና ክንጽሊ ጥበብ’ዩ። ገሊኡ ኸኣ ናበይ ገጹ ከም ዝመርሓና ብትዕግስቲ ክንጽበ ይግብኣና።

5. ምስ ካልኦት ጥዑይ ምትእስሳ (connection) ህነጽ

መጉዳእትና መብዛሕትኡ ካብ ካልኦት ሰባት ዝበጽሓና’ዩ። እቲ ዘገርም ከኣ ሕውየትና’ውን ምስ ካልኦት ሰባት ዝተተሓሓዘ’ዩ። ምስ ኣምላኽ ዘለና ርክብን ዝምድናን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ኳ እንተዀነ፡ ንኣምኖምን ክሕግዙና ዓቅሚ ምስ ዘለዎም ክንተኣሳሰር ኣገዳስነቱ ብዙሕ’ዩ። እ/ሔር ብሰብ ይጥቀም። ካብ ሓደ ምዃን ከኣ ክልተ ምዃን ዓቢ ረብሓ ኣለዎ። ሓገዝ ምሕታት ድዃም ዘይምዃኑ ምርዳእ ጽቡቅ’ዩ። ብተወሳኺ ኩሉ ቅልስና በይንና ኰይና ክንስዕሮ ከም ዘይንኽእል ከኣ ክንርድኦ ዘለና ካልእ ሓቂ’ዩ።

ጥዕና ዘለዎ ርክብ ምህናጽ፡ ንምዕዋት ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብቲ ዝተዓወትናሉ ንኽነብር ዝጻወቶ ተራ ዓሚቅ’ዩ። ብዘይ ጥዑይ ርክብ፡ ሰብ በይኑ ኰይኑ ክገብሮ ዝኽእል ሒደት’ዩ። እ/ሔር ብሰባት ክባርኸና ክንጽሊ ይግብኣና። ንንኣምኖም ሰባት ክፉት ህይወት ክህልወና ክንለማመድ ንሕውየትን ትርጉም ዘልዎ ናብራ ንኽንነብር ሓደ ባእታ’ዩ። ሰብ ብተናጸል ክነብር ኣይተፈጥረን። ህይወቱ ዝምቅር ጥዑይ ርክብ ምስ ዝገብር ጥራይ’ዩ።