“ኰብላሊ” መታን ከይትኸውን

ካብ ንቕሓት ገዛእ ርእሲ ናብ ዝምድናዊ ምሕደራ
ብ ንሕብረተሰብኣዊ ዝምድናን ርክብን (social relationship and connection) ‘ዩ ተፈጢሩ። ሰብ በይኑ ክኽውን ፈጺሙ ጽቡቕ ኣይኰነን። ከም ደሴት ንበይኑ ተፈልዩ ክነብር ተፈጥሮ ኣየፍቕደሉን’ዩ። ስለዚ ድማ’ዩ ሰብ ዝተነጽገ፡ ዝተረጥረጠ፡ ዝተጎስየ፡ ዝተነጸለ ክመስሎ ኸሎ ከቢድ ሓዘን ዝስምዖ። ከይንጸል፡ ከይጉሰ፡ ክይርጥረጥ፡ ክይንጸግ ዝከኣሎ ይገብር። ዘለዎ ክህብ ተጓእ ኣይብልን። እዚ ኸኣ ‘ተዘይተጠንቒቕናሉ ገዛእ ርእስና ካብ ምዃን፡ ድምጽና ዓው ኣቢልና ካብ ምዝራብ ክቑልፈና፡ ኣብ ባርነት ሰብ ከኣ ከንምብረና ይኽእል’ዩ።

“ዝምድናዊ ምሕደራ/ኣተኣላልያ (relationship management)” ዝብል ኣምር ኣገዳስነቱ ዕዙዝ’ዩ። ጥዑይ ዝዀነ ዝምድናን ርክብ ክህልወና ‘ተዀይኑ፡ ዝምድናታትና ከመይ ጌርና ክንኣልዮም ከም ዘለና ፍልጠትን ምርዳእን ክህልወና ኣለዎ። ኣገዳስነቱ፡ ዝጠልቦ ጸዓትን ተወፋይነትን፡ ክገጥመና ዝኽእል ብድሆታት ምፍላጣ፡ ኣብ ኣተኣላልያኡ ሓጋዚ’ዩ።

ግርጭትን ዘይምስምማዕን ክፋል ጉዕዞ ህይወት ስለ ዝዀነ፡ ክገጥመና ኸኣ ናይ ግድን ስለ ዝዀነ፡ ዝምድናን ርክብን ከመይ ጌርና ከም ‘ንኣልዩ (manage) ድርኺትን ሃቐናን ክህልወና ኣለዎ።

ግቡእ ምእላይ ዝምድናን ርክብን፡ ብ”ማሕበራዊ ንቕሓት” ይጅምር። “ማሕበራዊ ንቕሓት (social awareness)” ማለት ከኣ ሕብረተሰብ እንታይ ምኻኑ፡ ዋጋኡ ንምዕጋብ ዝጠልቦ ባህርያት ምፍላጥ፡ ምርጫን ድሌታት ካልኦት ምኽባር፡ ርክባትካ ውጽኢትዊ ንምኻን ክትልውጦምን ክትሃንጾምን ዘለካ ባህርያት የጠቓልል። ብመንጽር ‘ዚ ‘ተርኢናዮ፡ ብዝማዕበለ ምዝርራብ (communication) ዝህነጽ ተኣማንነትን ድንጋጸን፡ ውጽኢታዊ ርክብ ንምፍጣርን ምህናጽን ኣገዳሲ መሳርሒ ምኻኑ ክንራዳእ የኽእለና።

ገዛእ ርእስና ብግቡእ ምእላይን ስምዒታትና ምግታእን ከኣ፥ ኣብ ምእላይ ዝምድናን ጥዑይ ርክብ ኣብ ምህናጽን ዝጻወቶ ተራ ዓቢ’ዩ። “ምእላይ ገዛእ ርእሲ (self management)” ክንምብል ከለን፡ ስምዒታትካ ብግቡእ ምቑጽጻርን ኣብ ሕብረስተብ ቕቡል ዝዀነ ባህርያት ምዕጣቕን የጠቓልል።

ስምዒታት ምቑጽጻር (self control) ዝብል ኣምር ንኹልና ግሁድ ሓሳብ’ዩ። ስምዒታትና ነተሓሳስባናን ባህርያትናን ከይዝውሮ፡ መዓልታዊ ቅልስና’ዩ። ድሌታትና ከይተማልኣና ክተርፍ ከሎ፡ ኣብ መገድና ዕንቕፋታት ክገጥሙና ከለዉ፡ ዝወጠናዮም ምኻን ክኣብዩና ከለዉ እንህቦ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ፡ ኣብ ምህናጽን ምእላይን ርክባትናን ዝምድናታትና ዓቢ ጽልዋ ኣለዎም።

ገዛእ ርእስናን ስምዒታትና ብግቡእ ክንኣሊ እንተዀይኑ፡ “ንቕሓት ገዛእ-ርእሲ” (self awareness) ክህልወና ኣለዎ። ን”ቕሓት ገዛእ-ርእሲ” ማለት ከኣ ብዛዕባ ሰብኣወነትካ፡ ስምዒታትካ፡ ኣተሓሳስባኻ፡ ድርኺታትካ ንጹር ምርዳእ ምህብላው’ዩ። እዚ ሓሳብ ቀሊል ከም ዘይኰነ ርዱእ ኳ ‘ተዀነ፡ ግን ከኣ በብመዓልቲ ብዕቱብ ‘ተስሪሕናሉን ንቕሓትና ‘ተማዕቢልናዮን ክብጻሕ ዝከኣል’ዩ። ስለዚ ስለ ዕቤት ገዛእ ርእስና ክንጽዕት ይግብኣና። ብቐጻሊ ፍልጠት ርእስኻ ምዕባይ፡ ክእለትካ ምስሓል፡ ድሌታትካ ምጽጻይ፡ ነዚ ንብሎ ዘለና ክንበጽሖ ይሕግዘና።

እስኪ ነዚ ንብሎ ዘለና ብሓደ ምሳሌ ጌርና ክንገልጾ ክንፍትን።

ባህርያት ቃኤል ብመንጽር “ስምዒታዊ ንቕሓት” (ዘፍ4)
መንጽር ኣብ ላዕሊ ዝተንተናዮ ምርዳእ፡ ቃኤል ምስ ስድራኡ ኰነ ምስ ሓዉ ክህልዎን ክሃንጾን ዝነበሮ ዝምድና ርዱእ’ዩ። ብስኒትን ምትሕልላይን ክነብር ሕጊ ቤተሰብን ሕብረተሰብን ጥራይ ዘይኰነ፡ ሕጊ ፈጣሪ’ውን ‘ዩ። ብኣንጻሩ ቃኤል ተሲኡ ንሓው ብጭካነ ኣጥቒዕዎ። ኣብ ልዕሊ ሓው ብኸቢድ ዓሚጹ። “ተሲኡ ቀተሎ” ምባሉ ኸኣ ኣቐዲሙ ዝሓለኖን ዝወጠኖን ምኻኑ ብግልጺ የረድኣና። ኰነ ኢሉ ንሓው ምጥቓዑ ኸኣ፡ ንተግባብርኡ እኩይ ይገብሮ። (ዘፍ4) ስለምታይ ግና፧ ‘ቲ ሽግር እንታይ ‘ዩ ነይሩ፧

ምስ ሓው ጥዑይ ርኽብ ክዕቕብ (maintain) ዘይከኣለ፡ ዝነበሮ ሕውነታዊ ዝምድናን ርክብን ከመይ ጌሩ ክኣልዮ ከም ዘለዎ ዘይምፍላጡ ጥራይ ዘይኰነ፡ ውሽጣዊ ጥዕናኡ ብግሉጽ የርእየና። ካብ ዕዉት ምኻን ንልዓሊ፡ ንዝምድና ከም ዝተፈጥረን ዝምድና ከም ዘድልዮን ዝዘንግዖ ይመስል። ዝሓሰቦ ምኻን ምስ ኣበዮ፡ ካብኡ ንልዓሊ ሓዉ ከም ዝሰለጠሉ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ተላዒሉ ዓመጽ ፈጺሙ።

ስምዒታዊ ደፈና ቀንዲ ምኽንያት
ዚ ድማ ገዛእ ርእሱን ስምዒታቱን ብግቡእ ክኣሊ ስለ ዘይከኣለ’ዩ። ፈጣሪ እንተዀነ ኣቐዲሙ ከምዚ ክብል ኣጠንቒቕዎ ነይሩ፡

“….ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ ትቓጸወካ አላ፡ ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ፡ ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግባኣካ፡ በሎ።

“ንስኻ ክትገዝኣ” ይግብኣካ ‘ዩ ምባሉ፡ ክህልዎ ዝነበሮ ርእሰ-ምቑጽጻር (self control) የረድኣና። ክኹሪ ግቡእ ‘ተዀነ፡ ኩራኡን ሓርቖቱን ክገትእን ክገዝእን ተኽእሎን ዕድልን ነይርዎ’ዩ። ገዛእ ርእሱ ክገትእ ስለ ዘይከኣለ፡ ማለት ሓርቖት ንባህርያኡን ኣተሓሳስባኡን ስለ ዝዘወሮ ከኣ፡ ንሓዉ ንኽዕምጽ ተቐሲቡ። ዓስቡ ጌጋኡ ከኣ ከቢድ መቕጻዕቲ ተቐቢሉ።

ስለምታይ ገዛእ ርእሱ ዘይገትአ፧ ዝብል ሕቶ ከነልዕል ግቡእ እዩ። መልሱ ድማ ስምዒታዊ ንቕሓት ስለ ዘይነበሮ’ዩ። ይኹሪ ምባሩ ጥራይ ዘየኰን፡ ስለምንታይ ከም ዝዀረየ ይፈልጥ ኣይነበረን። ነዚ ሕቶ ክምልሶ ሓንሳእ ትኹን ደው ኢሉ ክሓስብ ኣይደለየን። በቲ ካብ ቀይዲ ወጺኡ ዝፋንን ዝነበረ ሕሙም ስምዒታቱ ክዝወር መሪጹ። እዚ ድማ ንቃኤል ዝኸዶ ዝነበረ መገዲ ሓደገኛ ገይርዎ። ናብ ተጣዒሱ ዘየዐርዮ ዕንወት ሸሚምዎ።

“ስለምንታይ ኰሬኻ፧ ስለምንታይከ ገጽካ ጸለመ፧” ተባሂሉ ዝተሓቶ ሕቶ ፋዕራኡ ኣይገበረን። ነዚ ሕቶ ገዛእ ርእሱ ንኽሓትት ንኻልኢታት ደው ክብል ‘ተዝፍትን፡ እምበሺ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ኣይምተላዕለን።

ስለምታይ” ዝብል ሕቶ ኣፍደገ ርእሰ-ንቕሓት” ምኻኑ ክንርዳእ ሰናይ’ዩ። ቅድሚ ተግባብሮ (action) ምውሳድና፡ ስለምታይ ኢልና ‘ተሓቲትና፡ ርእስና ክንገትእ ዓቕሚ ንረክብ።

ስለምታይ ንሓወይ ይጸልኦ፡ ይጸርፎ፡ የቓልሎ፡ ይንጽሎ፡ የዋርዶ፡ ይዕምጾ፧ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ሓወይ ብተንኰል ይለዓል፧ ስለምታይ የጥቕዖ፧ ስለምንታይ ሓወይ ክሰልጦ ከሎ እቐንእ፧ ስለምታይ ንሓወይ ከማቕሎ እበቐሉ፧ ስለምታይ ንሓወይ ድንጋጸይ ይዓጽወሉ፧ ስለምታይ ዘይ ስሙ እህቦ፧ ስለምታይ ክዋረድን ክጎሳቖልን ከሎ ስቕ ኢለ እርእዮ፧ ስለምታይ፧ ስለምንታይ፧ ስለምታይ፧ ኢልና ክንሓትት ከለና፡ ውሽጥና ክንርእን ክንምርምር ይሕግዘና።

ሳዕቤን ግቡእ “ስምዒታዊ ብልሒ” ዘይምምዕባል
ምዒታዊ ብልሒ (emotional intelligence) ማለት ስምዒትካ ብግቡእ ምልላይ፡ ስምዒት ካልኦት ከኣ ምርዳእ፡ ጥዑይ ዝምድና ንምህናጽ ድንጋጸን ሓልዮትን ምምዕባል የጠቓልል። ስምዒት ምግታእን ብግቡእ ምእላይን ምግላጽን፡ ቀንዲ መለለይ ስምዒታዊ ብልሒ’ዩ። ንዝተሸገረ ሓውኻ ድንጋጸ ክትልግለሰሉ ከለኻ፡ ርኡይ መግለዲ ስምዒታዊ ብልሒ’ዩ። በዚ መንጽር ‘ዚ ኸኣ ቃኤል ፈጺሙ ካብ ስምዒታዊ ብልሒ ከም ዝወደቐ ክንርዳእ ቀሊል’ዩ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ካብ ቤተሰቡ ተፈልዩ፡ ኣብ “ኖድ” ዝበሃል ዓዲ ክነብር ጀሚሩ።

“ኖድ” ማለት “ምኹብላል”(wander)፤ ብዘይ ዕላማ (aimlessly) ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቃስ ማለት ‘ዩ። እዚ ድማ ቃየል ንሓዉ ምስ ቀተሎ ዝተቐመጦ ቦታ ‘ዩ ነይሩ።

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፤ ደሃይ ሓው ክገብር ግብኡ ‘ኳ ‘ተነበረ፤ ግዲ ዝበሃል ኣይነበሮን። ስቅ ክብል መሪጹ። ርእዩ ከም ዘይረኣየ ኰይኑ ተዓብዩ። ሞት ሓዉ ኣየጉሃዮን። ብግብሩ ኣይተጣዕሰን። ኣብ ውሽጡ ዝስምዖ ዝነበረ ወቐሳን ነቐፋን ጸማም እዝኒ ብምሃብ፤ ምንም ከም ዘይኰነ መዓልታዊ ናብራኡ ክመርሕ ፈቲኑ። ግና ሓውኻ ብዘይግባእ ተጠቒዑ ክነሱ፤ ከመይ ኢልካ ደቒስካ ይሕደር፧ ፈጣሪ’ውን ‘ተዀነ ስቕ ኣይብልን። ከም ሰብ’ዶ ኰይኑ፧

ውጽኢቱ ክሳራ ጥራይ’ዩ

‘ዚ ዓይነት ጥዕና ዘይብሉ ኣተሓሳስባ፤ ማለት ግዲ ሓውኻ ዘይምግባር፤ ኣብ ህይወት ቃየል ክልተ ዓበይቲ ክሳራ ኣስዒቡ፤

1 – ካብ ገጽ ኣምላኽ ክርሕቅ ገይርዎ። (ዘፍ4:13) ኣዝዩ ዘሰምብድ ሳዕቤን ‘ዩ። ካብ ገጽ ኣምላኽ ብጽእና፤ ናይ ሓጎስ ጽጋብ፤ ውሽጣዊ ዕጋበት፤ ዕረፍቲ ይወጽእ። ካብ ገጹ ምርሓቅ፤ ምውጻእ ማለት ድማ ባዶነት ዝመለኦ ናይ ምጉርምራም ህይወት ምንባር የኸትል። እዚ ድማ ሓደ ሳዕቤን ግዲ ሓውኻ ዘይምግባር ‘ዩ። መጎስ ኣምላኽ ይውሕደካ። ኩሉ ይንዕቐካን የጥቕዓካን። እዚ ኸኣ ብዝኸድናዮ ዝገጥመና ዘሎ ዘሕዝን ተመክሮ’ዩ። ንፍትሒ የሕዋትና ደው ስለ ዘይበልና’ዶ ይኸውን፧

2 – “ኰብላሊድማ ገይርዎ።(ዘፍ4;16) መቸም ምኹብላል ዝብል ቃል ንእዝንና ኰነ ንተመኩረና ሓድሽ ኣይኰነን። ፈራህ፤ ድሁል፤ መቅባሕባሒ፤ ዘይሰልጠሉ ማለት ‘ዩ። ንሓው ሸለል ዝብል፤ ግዱ ዘይገብር፤ ስቅያትን መከራን ሓው ዘይስምዖ፤ ኣብ ኣምላኽ መጎስ የብሉን። መቅባሕባሕን ኰብላልን ድማ ይኸውን።

ፍቅሪ ብዙሕ ኣበሳ ትኸድን’ያ። ፍሬኣ ድማ ዕረፍትን ህድኣትን ‘ዩ። ብኣንጻሩ ህይወት ቃኤል ‘ተተመልኪትና፤ ካብ ቃላቱ ክንርድኦ ቀሊል ‘ዩ። “ቃየል ከኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፥ በደለይ ክጾሮ ዘይክኣለኒ ዓብዪ ‘ዩ። እንሆ ሎሚ ኻብ ገጽ ምድሪ ትሰጐኒ አሎኻ፡ ኣነ ድማ ኻብ ገጽካ ኽሕባእ እየ፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ክኸውን ‘የ። ክኸውን ከኣ ‘ዩ፡ ዚረኽበኒ ዘበለ ዅሉ ኪቐትለኒ ‘ዩ”።(ዘፍ4፡12-14) ህይወቱ ኩሉ ጊዜ ኣብ ሓደጋ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ድማ ሞጎስ ዘይብሉ።

ካብዚ ዚዓቢ ትምህርቲ መቸም ክንረክብ ንኽእል ኣይመስለንን። ህዝብና ብዝኸዶ ዝዋረድን ዝነዓቕን፡ ዝረኸበ ዘጥቅዖን ዘዋርዶን ስለምታይ ይኸውን፧ እዚ ሕቶ ንምምላሱ ከቢድ ‘ኳ ‘ተዀነ፡ ሃዲእና ክንሓስበሉን መገድናን ልብናን ክንምርምር ተደሪኹና፡ መጻኢና ክጽብቕ ‘ዩ።