ህዝበይ ክሓስብ ግደፎ፡ ከም “ሕንጻይ” ኣይንኹን

ብኣኽሊል ሃይሉ

ንጻይ (ፓፓጋሎ) ካብ ዓሌት ኣዕዋፍ ዝኾነ ኣዝዩ ግሩም ፍጥረት ‘ዩ። ንደቂ ሰብ ድማ ከም መሓዛን መዘናግዕን የገልግል። ‘ቲ ፍሉይ ክእለቱ፡ ልክዕ ከምታ ዋንኡ ዝበሎ (እተዛረቦ) ሰሚዑ ምድጋሙ ‘ዩ። ‘ቲ ዋንኡ ‘ተተራገመ ይራገም፡ ‘ተመረቐ ይምርቕ። ዋንኡ ‘ተ’ማረረ የማርር ፡ ‘ተ’መስገነ የመስግን። ኣይምርምር ኣይመራመር፥ ኣይሓትት ኣይሓታትት፡ ኣይሓስብ ኣይሓሳስብ። ‘ንታይገደሶ! እቲ ዋንኡ ዘዝበሎ ዘይደግም። ‘ቲ ‘ተባህለ ጽቡቕ ድዩ ሕማቕ ኣይንታዩን’ዩ። ሓቂ ይኹን ሓሶት ኣይግድሶን’ዩ – ንሕንጻይ።

ሓንጎል ሕንጻይ ካብ ፍረ ጋባ ብዙሕ ኣይትዓብን እያ። ስለዚ ኣይንፈርዶን፡ ኣየሕዝንን ድማ ‘ዩ።’ቲ ዘሕዝን ግና፡ ሰብ ናብ ደረጃ ሕንጻይ እንኪወርድ ምርኣይ ‘ዩ።

ሰብ ናይ ብዘሎ ፍጡር ቁንጮ ‘ዩ። ‘ተኾነ ፈጣሪ ራሕሪሑ ነፍሲ ደኲኑሉ። እዛ ነፍሱ እጹብ እያ ተብለካ። ፍቓድን ኣእምሮን ስምዒትን ኣለዋ። እዚ እኩብ ናይ ስምዒታትና ፍቓድናን ሓሳብናን፡ ርእስና (ሰብኣዊ ማንነትና) ንብሎ። ኣምላኽ ንሰብ ርእሲ (ኣእምሮ) ስለ ዝዓደሎ ድማ፡ ካብ ኩሎም ዓሌታት እንስሳ ጸብለል ይብል። ስለዚ ድማ ኽሓስብ፡ ክመራመር፡ ክጣበብ፡ ኽምህዝ ይኽእል። ይምሃር ፡ ብፍልጠት ይነጉዕ፡ ከመዛዝን ስለ ዝኽእል ድማ ክፉእን ጽቡቕን የለሊ። የማኑ ካብ ጸጋሙ ይፈሊ። ንሓሳባት መምዩ ሓቅን ሓሶትን ይፈሊ። ንሰብ፡ ጎይታ ኹሉ ፍጡር ዝገብሮ እምበኣር፡ እዚ ሓይሊ ወይ ተውህቦ ናይ ርእሱ (ማንነቱ) ’ዩ።

ገለ ሰባት ግን፡ ንርእሶም ገዲፎም ብርእሲ እንዳማቶም ኪምርሑ ሕንከት የብሎምን። እቶም መውፈርቶም ኣብ ክንድኦም ክሓስቡሎም ይቐሎም። እዚኦም ኣብ ኩሉ ጎደናታት ህይወት እዮም ዝጸንሑኻ፥ ኣብ ጎደናታት “ፖለቲካ“፡ ጎደናታት “እምነት”፡ ጎደናታት “ፍትሒ”። ገሊኣቶም ብካድረታት፡ ገለ ብነብያት፡ ገለ ድማ ብኣፈኛታት ኪምርሑ ንርእሶም ኣሕሊፎም ይህቡ።

ካብ ልቦና ግድምና፥ ካብ በዓል ጣፍ ድማ በዓል ኣፍ ይመርጹ። ካብ እንታይ ተባህለ መን በለ ‘ዩ ዝቕድሞም። ‘ቲ ዝብልዎ ዘየስትውዕልዎ ክንሶም፡ ብዓቢ ርእሰ-ምትእምማን ከረድኡ ይፍትኑ። ከምዚኦም ዝበሉ ኣብ ርእሲ መንኮቦም ሓምሓም እምበር ርእሲ እተሰቕሎም ኮይኑስ ኣይስምዓካን። ካብ ሰብ ክትብሎም “ሕንጻይ” ክትብሎም ድማ ድንዕ ትብል። ናተይ ዝብልዎ ሓሳብ የብሎምን። ዝበልዎም ‘ዮም ዚደግሙ። ነዚኣ ከኣ ኩሉ ይኽእላ። ሕንጻይ’ኳ ምስዛ ፍረ ጋባ ሓንጎሉ ይገብራ። ሰብ ምስናይ ኩሉ ኽብረቱ ናብዚ ደረጃ በሃም እንስሳ ወሪዱ እንክትርእዮ ግን፡ ኣየሐጉሰካን። ፡( እኳ ድኣ መዓንጣ ከብድኻ ‘ዩ ዘሕርረካን ዘግሁየካን።

መለኽቲ፡ ገዛእቲ፡ ጎይቶት፡ መኳንንቲ፡ ሰበስልጣናት ዘበሉ፡ ካብ ዓበይቲ ኣጽዋርን ጠመናጁን ተተኮስትን ዝተዓጥቁ ተቓወምቲ ንላዕሊ፡ በቶም ከም ሰብ ዝሓስቡን ነቲ ቅኑዕ ካብቲ ኽፉእ ዝገልዩን’ዮም ዝያዳ ድቃስ ዝስእኑን ዝርዕዱን። ኣዝዮም ዝፈርሕዎ እንተሃልዩ ድማ መጋበርያ ዝኾንዎም ዘይሓስቡ ገላዉ ከይውሕድዎም’ዩ።

እሞኸ ደኣ እንታይ ንግበር፧

ነቶም ትምህርትን ምሁራትን ዘቆናጽቡ፡ ነቶም ሓደ ልቢ እንዳበሉ ግን ከኣ ሓንቲ ልቢ (እሞ ኸኣ ነታ ናቶም) ክሰኹዕልና ዝጋደሉ፡ ዓይኒ ኸሎካ ክንርእየልካ፡ ከምኣቶም እዝኒ ኸሎካ ባዕልና ክንሰምዓልካ እናበሉ ወትሩ ህርዲግ ዝብሉ፡ ንኣእምሮና መሊኾም፡ ንስጋና ብጭቆናን መግዛእትን ክቆጻጸሩና ሃንደራእ ዚብሉ ወጊድ ንበሎም።

ካብቶም ነቲ ሓቂ ሓሶት፡ ነቲ ሓሶት ድማ ሓቂ ዝብሉ፥ ነቲ ጸላም ብርሃን፡ ንዓራርቦ ድማ ወጋሕታ ዝብሉ ዘይሓፍሩ፡ ዘይሓንኩ መለኽቲ፥ ውርደት’ምበር ፍጹም ነይርከብ መስተርሆት። ስለዚ ንሽርሕታቶም፡ ኣእምሮና – ዘይከምናይ ሕንጻይ ብምጥቃም ነፍሽሎ።

ንሕና ኤርትራውያን ኣዚና ሒደት ህዝቢ ኢና፡ እንተ ተባሃሃልና ለማዕና፡ እንተ ተፋለስና ግና በረስና! እንተ ተኸባበርና ሰወድና፡ እንተ ተዘናጠልና ግና ሓሰርና! እንተ ተላዘብና ሓየልና፡ እንተ ተናኸስና ግና ወደቕና። ውድቀትና’ውን ዓቢ ኪኾን’ዩ። ኣባይና!

ስለዚ፡ ብናጽነት ናይ ምሕሳብ መሰልና እንኪዝመት ዓይንና ኣይንትዓመት። እምቢ ንበሎም ሎምስ ሓዲኣ’ ትለድ።