ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም ብዓይኒ ባህልን እምነትን

ድሚኣ 20 ዓመት ይኸውን። ናባይ ዝመጸትሉ ምኽንያት ምናልባት ተሓገዝክዋ ተስፋ ብምግባር ዩ። ከምዚ ክትብል ድማ ኣሉታዊ ተመኩረኣ ገሊጻትለይ።

ብዙሓት ሰባት ንስምዒተይ ብዙሕ ጎዲኦሞ ዮም። ኣዝየ ድማ እጭነቅ። ብምኽንያቱ ድማ ብሕማም ቅዛነትን ጭንቀትን እሳቀ ‘ለኹ።ኣብዚ እዋን ክኣምኖም ዝኽእል ኣደይን የሱስ ጥራይ ‘ዮም። ንሳቶም ጥራይ ‘ዮም ከጸናንዑኒ ዝኽእሉ። ኣቦይ ብስራሕ ዝተጸምደ ስለ ዝዀነ ብዙሕ ጊዜ ኣይህበንን ‘ዩ። የዕርኹተይ ኩሎም ድማ ርሒቆምኒ።

ንሽማግለታት ‘ታ ዝኸዳ ቤተ-ክርስትያን ድማ ሽግረይ ክነግሮም ፈቲነ። ንሳቶም ግን ብኣጋንንቲ ከም ዝተኣሰርኩ፤ ምንጋፍ ድማ ከም ዘድልየኒ ነጊሮሙኑ። ቀሸይ ‘ተኾነ ዘይተፈወስኩሉ ምኽንያት እኹል እምነት ከም ዘይብለይን መንፈሳዊ ድኻም ከም ዘጥቅዓኒ ከእምነኒ ፈቲኑ። ነብያት ዝበሃሉ ‘ተኰነ፤ “ሓጢኣተኛ ስለ ዝዀንኪ፤ ትዕቢት ልቢ ስለ ዘለኪ፡ ኣምላኽ ርሒቅኺ’ዩ። ስለዚ ክትንስሒ ጥራይ ‘ዩ” ዘለኪ ኢሎምኒ። ብገበንነት ተዋሒጠ፡ ከምቲ ዝበሉኑ ብዙሕ ተነሲሐ። ዝመጸ ለውጢ ግና የለን። ከምቲ ዝተባሃልክዎ ከኣ እምነት ዘይብለይ፡ ድኻም ዘጥቐዓኒ ምኻኑ ብምእማን፡ መሊሰ ኣብ ቅዛነትን ጭንቐትን ተዋሒጠ ኣለኹ።

የሱስ ከም ዘፍቅረኒ፡ ፈጺሙ ድማ ከም ዘይሓድገኒ እፈልጥ ‘የ። ጉዕዞ ህይወት ክርስትና ቀሊል ከም ዘይኰነ፤ ግን ከኣ ጽሩይ ዝዀነ ሓጎስ ከም ዘለዎ ይርዳእ ‘የ። ሓደ ሓደ ጊዜ ግና ብርቱዕ ውሽጣዊ ቃንዛ ጸቒጡን ጨፍሊቑን፡ ክመውት ከም ዝቐረብኩ ክሳዕ ዝስምዓኒ ይኸውን። ንርእሰይ ከኣ እፈርሃላ።

ብጃኻ ክትሕግዘኒ ትኽእል ተኬንካ፧

ከም ሕብረተሰብ፡ ብዛዕባ ስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዘለና ምርዳእ ኣዝዩ ልሕሉሕ ምኻኑ ምዝራብ ዘድሊ ኣይመስለንን። ኣብ ባህልና ይኹን ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ምርዳእ ኣዝዩ ኣሰካፊ ‘ዩ። ሓደ ሰብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም ምስ ዝህልዎ፡ ከም ሰነፍ፡ ሓጢኣተኛ፡ ዝተረግመ፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎ ጌርና ክንቖጽሮ ሰገጥ ኣይንብል። ሕክምና ምኻድ ከኣ ከም ነውሪ ንቖጽሮ። መድሃኒት ምውሳድ ምስ እምነት ዘይምህላው ከነተኣሳስሮ ንፍትን።

የሱስ ንኹሉ እኹል ምኻኑ፡ ካልእ ክንገብሮ እንፍትኖ ግና ከም መገዲ ሰብ ጌርና ንቖጽሮ። ‘ት ሃቐና ጥዑይ ‘ኳ እንተዀነ፡ ንስነ-ኣእምሮዊ ጸገም ከም መንፈሳዊ ጸገም ጥራይ ጌርና ክንርእዩ ምፍታን ግን ብመሰረቱ ዘይመጽሓፍ ቅዱሳውን ነቲ ብጸገም ስነ-ኣእምሮ ዝሳቐ ሰብ ድማ ህሳይ’ዩ።

ጠቕላላ ምብልሻው

ካብታ ሓጢኣት ብዘይ ምእዛዝ ናብ ዓለም ዝኣተወላ ህሞት ኣይሒዙ፡ ኩሉ ተኻፊኡ፡ ተባላሽዩ። ኩሉ “ሓጢኡ” ክንብል ከለና፡ ኩሉ ሕሱም፡ ተካል፡ ኰይኑ ማለትና ኳ ተዘይኰነ፡ ጠቕላላ ምብልሻ (total depravity) ማለት ሓጢኣት ንኩሉ ገጻት ኩለንትና ሰብ ተንኪፍዎን በኪልዎን ማለትና ‘ዩ። ከምቲ  ንነፍሳትና  ምኡ ኸኣ ንኣካላትና ኣበላሽይዎ።

“ምሉእ ብምልሻው” ማለት ከምቲ ኣምላኽ ዝመደቦን ዝሰርዖን ከይከውንን ከይሰርሕን፡ ኩሉ ተበላሽዩን ተዛቢዑን ማለት ዩ። መንፈስ ሰብ ሞይቱ። መንፈሳዊ ድሌታት ብኣሉታ ተጸልዩን ተመዛቢሉን ጎቢጡን። ቀልብን ኣእምሮን (intellect) ሰብ ‘ውን ከምኡ ጸልሚቱ። ምስ ‘ዚ ሒዝናዮ ዘለና ኣርእስቲ ዝኸይድ ኣገዳሲ ዛዕባ ኸኣ፡ ኣካላት ሰብ ተዀነ ብሓጢኣት ‘ተጸልዩን ተበላሽዩን። ከምቲ ኣምላኽ ዝሰርዓሉ ብዝግባእ ከይሰርሕ ተናዒቡ።

ንምንታይ ይዀን ሰዓል፡ ርእሲ ሕማም፡ ቃንዛ ሕቖ፡ ብከላ (infection) ሰብ ዝሕዞ፧ መርዘን፡ መጥቓዕቲ ልቢ፡ ጸጸር ኩሊት፡ ሓማም ዓይኒ ይህልወካ ‘ዶ ይኸውን፧ ወይ’ውን ካብ መቕርብካ፡ የርኹትኻ፡ ቤተሰብካ፧ መሓዙትካ ዘጥቐዖም ትፈልጥ ዶ፧ ስለምንታይ ይኸውን፧ ሓለፋ ሰቦም ሓጢኣት ስለ ዝገበሩ፧ ካብ ኩሉ ተፈልዮም መርገምን መቕጻዕትን ስለ ዝወረዶም፧ ምስ ሙሉእ ጥዕና ‘ተሃሊና፡ ካብኦም እንሕሸሉ ‘ታይ ይህሉ፧

ኣብዛ ውድቕቲ ዓለም፡ ብሓጢኣት ኣብ ዝተጸየቐ ስጋ ንነብር ስለ ዘለና፡ እዚኣቶም ተመክሮ ሰብ ክዀኑ ናይ ግድን’ዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ብቐጥታ ተዛሪቡ ኣሎ፡

2 ቆሮ4:16 – እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና።”

“ደጋዊ ሰብና”፡ ማለት ስጋና ይብስብስ ኣሎ። ሳይንስ ከም ዘረጋግጾ፡ ሰብ 25 ዓመታት ድሕሪ ምግባሩ፡ ኣካላቱ እናኣረገን ‘ኣንቖልቖለን ከም ዝኸይድ ይዛረብ። ኣካላትና ከምቲ ኣምላኽ ዝረኣየሉ ኩሉ ጊዜ ብዝግባእ ኣይሰርሕን ‘ዩ። ኣብ ክፉእ ጊዜ ኣካልና የግድዓና። ኣብዛ ውድቕቲ ዓለምን ውዱቕ ስጋን ንነብር ስለ ዘለና፡ ኣካላትና ይብስብስ ኣሎ።

ሮሜ 8:22-23 – ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን፡ ንፈልጥ አሎና እሞ፡ ንሱ ጥራይ ከኣ ኣይኰነን፡ ንሕና ብዂርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸቤና ብውሽጥና ነስቈርቊር አሎና።

የሱስ ክምለስ ‘ሞ እዚ ሓላፍን በስባስን ዘይሓልፍ ናይ ትንሳኤ ስጋ ክለብስ፡ ምስ ኩሉ ፍጥረት ብሃንቐውታ ንጽበ ኣለና። ክሳዕ ‘ታ ክብርትን ዓባይን መዓልቲ ግና፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሰርዓሉ ዘይሰርሕ ኣካል ሒዘ ንነብር ምህላውና ምፍላጥን ምርዳእ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ‘ዩ።

ሓንጎልና ክፋል ኣካላትና’ዩ

ቲ ቐንዲ ኣወሃሃዲ ኣካለትና ማለት “ሓንጎልና” ‘ተዀነ ክፋል ‘ቲ ውዱቕ ኣካላትና ‘ዩ። ስለዚ ከምቲ ዝተመደበሉ ብዝግባእ ከይሰርሕ ይኽእል። ቀመማሚ ትሕዝትኡ (chemical composition) ዘይምዕሩይ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። “ሰሮተኒን (serotonin)” ዝበሃል ቀመም ሓንጎልና ብዝግባእ ከይምጸ (obsorb) ይኽእል። “ናን-ኢፒነፍሪን (non-epinephrine) ብዘይንቡር ክከፋፈል ይኽእል። ሲናብሲ (synapses) ብዝግባእ ከይትኩስ፡ ከየመሓላልፍ ይኽእል። ከም ኩሉ ክፋላት ኣካላትና፡ “ሓንጎልና” ንሕማም ዝተቓልዐ ዩ።

ብ ጠቕላላ ምብልሻው (total depravity) ትኣምን ተዀንካ፡ ኣእምሮኣዊ ጸገም ተፈጥሮኣዊ፡ ባይሎጂካዊ፡ ምኽንያት ክህልዎ ከም ዝኽእል ክትቕበሎ እኹል ምኽንያት ‘ዩ። ነፍሲ ወክፍ ኣካልትናን ስጋናን፡ ሓንጎልና ተደሚሩ፡ ብሓጢኣት ከም ዝተጸልወ ትርዳእ ተኼንካ፡ ሓንጎል ሰብ ብዝግባእ ምስራሕ ክኣቢ ከሎ ክትግረም የብልካን።

ሰዓል ክሕዘኒ ከሎ ኣይግረምን’የ። ስለምታይ ደኣ ሰብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም ክገጥሞ ከሎ ዝግረም፧ ቅዛነት፡ ጭንቐት፡ ባይፖላር፡ ካልእን መንፈሳዊ ስርዓት ኣልቦነት ጌርካ ጥራይ ዝቑጸር፡ ሰብ ኣካልን ነፍስን ከም ዘለዎ ዘይምርዳዕ ጥራይ ዘይኰነ፡ ድንቑርና’ውን የመልክት። ኣእምሮዊ ሕማም’ ክፋል ኣብዛ ውድቕቲ ዓለምን ውዱቕ ኣካልን ናይ ምንባርና ክፋል ከኣ ‘ዩ።

ዓለማዊ ሕክምናዊ ምስ መንፈሳዊ ምርዳእ

ምዛናዊ ዝዀነ ምርዳእ ክህልወና ኣለዎ። ሕክምናዊ ምርዳእ ጥራይ ዘለዎም ሰባት፡ ሳዕቤን ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገም ተፈጥሮኣዊ፡ ባዮሎጂካዊ፡ ከባብያዊ፡ ካብ ኣሉታዊ ተመክሮ ከም ዝመጸ ጌሮም ክገልጽዎ ይፍትኑ። ብኣንጻሩ መንፈሳዊ ምርዳእ ዘለዎ ሰባት ከኣ ንኸምኡ ዝበለ ጸገም መንፈሳዊ ማለት ውጽኢት ሓጢኣት ‘ቲ ሰብ፡ መርገም፡ ሰይጣናዊ መጥቓዕቲ ጌሮም ክገልጽዎ ይፍትኑ። እዚ ክልተ ጫፍ ምርዳእ ኣዝዩ ሓደገኛ ‘ዩ።

ሓደገኛ ዝገብሮ ኣብቲ ጸገም ዘለዎ ሰብ ዘሕድሮ ከቢድ ተጽዕኖ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ኣተኣላልያኡ ናብ ጌጋ ዝዀነ ኣንፈት ስለ ዘመልክተናን፡ ንጸም መሊሱ ዘጋድዶ ስለ ዝዀነ። ኣብ ሓደ ጫፍ ከይተነቖትና፡ ሓፈሻዊ ምርዳእ ክህልወና ገዛእ ርእስና ከነዕጥቕ፡ ንዓና ዀነ ነቲ ጸገም ዘለዎ ሰብ ኣዝዩ ሓጋዚ ‘ዩ።

መራሕቲ እምነትን ኣእምሮኣዊ ምርዳእን

ኣብ ጉዕዚ ህይወት ዝተጎሳቖሉን ዝተገፍዑን፡ ቤተ-ክርስትያን ምችእቲ መዕቆቢ ክትከውን ኣለዋ። መግደራ ሓጢኣትን ፍቅሪ ኣምላኽ ብግቡእ እትርዳእ ቤተ-ክርስትያን ጥራይ’ያ። ሰብ ዕረፍቲ ክረክብን ግቡእ ምሉእነት ዘለዎ ምእላይ ክረክብ፡ ናብ ቤተ-ክርስትያን ከመጽእ ትብዓት ክሓድሮ ኣለዎ።

ነቲ ድማ መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ዓቢ ተራ ኣለዎም። ገዛእ ርእሶም ከዕጥቑ፡ ንኹሉ ምስ ሰይጣን ጥራይ ከየተሓሓዙ ኩነታት ‘ቲ ሰብ ክርድኡ ክፍትኑ ኣለዎም። ከም ኩሉ ሰብ መጣጊ (stigma) ክህልዎም ከም ዝኽእል ርዱእ ‘ኳ ተዀነ፡ ተሰኪሞሞ ዘለው ሓላፍነት ፈሊጦም፡ ብግቡእ ክዳለው ዓቢ መኽሰብ’ዩ።

ብተወሳኺ’ውን ደረተም (limitation) ክፈልጡ ኣለዎም። ኩሉ ብፍልጠት ዝበጽሕዎ ዘይምኻኖም፡ ገሊኡ ልዕሊ ዓቕሞምን ካብ ዓውዶም (scope) ወጻኢ ምኻኑ ምርዳእ፡ ከቢድ ዝዀነ ጌጋ ከይገብሩ ይሕግዞም። ስለዚ ነቲ ዘይፈልጥዎን ዘይኽእልዎን፡ ናብ ዝምልከቶ ብምሕትልላፍ (refer)፡ ነቲ ሰብ ክረብሕ ናብ ዝኽእል ጸጋ (resource) ምምልካት ጥበብ ‘ዩ።