“ፍርሒ መንጸግቲ” ዝዝውሮ ባህርይ ከመይ ይመስል፧

“ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሓት ተባርራ”

ሰብ ማሕበራዊ ዘርኢ ኣለዎ። በይኑ ክነብር ኣይተፈጥረን። ልዕሊ መግቢ ዝብህጎ እምበኣር ይብጽሓኒ ‘ዩ ዝብሎ ዓንኬል ኣዕሩኽ፡ ቤተሰብ፡ ሕብረተስብ ክረክብ ‘ከሎ’ዩ። ከም ዝፍቐር፡ ዝሕቖፍ፡ ካልኦት ክቕበልዎ ከም ዝኽእሉ እንተኣሚኑ፡ ዝስምዖ ምሉእነት ዓቢ’ዩ። እንተብቐጥታ ወይስ ‘ተዘዋዋሪ ኸኣ ዝገብሮ ኹሉ ካልኦት መታን ክኽብርዎ፡ ዋጋ ክህብዎ፡ ከፍቕርዎ፡ ክልተ ኣእዳዎም ከፊቶም ክቕበልዎ፡ ክሓቕፍዎ’ዩ። እዚ ኸኣ ብሱሩ ጌጋ ኣይኰነን።

ልዕሊ ሞት ዝፈርሆ ነገር እንተሃልዩ ኸኣ “መንጸግቲ” “ብሕታውነት” ዝብሃል’ዩ። ሰብ ኣብ ዓራቱ ኰይኑ ናይ መጨረሽታ ትንፋሱ ክትወጽእ ክትቐርብ ከላ እንተዀነ፡ በይኑ ከይከውን እፈርህ። ኣንጻር ተፈጥሮኣዊ ማንነቱን ባህርይኡን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ጥቓኡ ክመጽእ ኣይደልዮን። ዝተነጸለን፡ ዝሓሰረን፡ ዝፎዀሰን፡ ዝተገለለን ክመስሎ ከሎ ዝስምዖ ሓዘንን ጭንቐትን ታእላው የብሉን።

መብዛሕትና ሃጽፊ ምረት “መንጸግቲ” ጸፊዕና ኣሎ። ገሊኣትና ብወለድና፡ የዕርኹትና፡ መጻምትና፡ መሳርሕትና ተጠሊምናን ተነጺግናን ኣለና። ከም ውጽኢቱ ኸኣ መሊሱ ዝዕረ ክሳዕ ዘይመስለና፡ ልብና ተሓምሽሹ ኣሎ። ኣብ ዘይምትእምማንን ፍርሕን ከኣ ተሸኺልና ንኸውን። ተመሊሱ ከይወርደና ዝከኣለና ንጽዕር ንህሉ። በይንና ግና ኣይኰናን። “መንጸግቲ” ዘይተሞከረ ሰብ እንተሃልዩ፡ ምንባር ዘይጀመረ ወይ’ውን ዘቛረጸ ሰብ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል።

ቕቡላትን ፍቑራትን ክንከውን ምድላይና ነውሪ ኣይኰነን። መንጸግቲ ምፍራህና’ውን ካብ ሰብና ስለ ዝሓመቕና ኣይኰነን። እቲ ጸገም ግና “ፍርሒ መንጸግቲ” ንባህርያትናን ኣተሓሳስባናን ክዝውሮ ‘ተኽኢሉ፡ ዘይኰንናዮ ክንከውን ክቐስበና ‘ተጀሚሩ’ዩ።

ፍርሒ መንጸግቲ ዝዘወሮ ባህርይን ኣተሓሳስባን ከመይ ይመስል

1. ሓደስቲ ዕድላት (opportunity) የወግድ

ብተፈጥሮና ዘፍርሁና እንብሎም ከነወግድ ብምፍታን ርእስና ክንከላኸል ንጽዕር። ግቡእ ፍርሒ ካብ ሓደጋ ክንጥንቐቕን ክንሕሎን ይገብረና’ዩ። ካብ ብወዝቢ ዝጎንፈና ጥሙይ ኣንበሳ ምህዳም ምኽኑይ ኳ እንተዀነ፡ መንጸግቲ ስለ ዝፈራህና፡ ደሞዝ ክውሰኸና ዘይምሕታት ግና ስነ-መጎታዊ ኣይኰነን።

ናብ “መንጸግቲ” ክመርሓና ዝኽእል ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ከነወግድ ምፍታን፡ ሓደስቲ ዕድላት ከይንድህስስ ይዓግተና። የዕርኽቱና ይኹኑ ተመልከቲ፡ ንሓሳብና ከድንቕዎ ምኻኖም ውሕስነት የብልናን። ገዛእ ርእስና ምስ ኣቓላዕና፡ ሓደ ን ክልተ ሳዕን መንጸግቲ ክንቐምስ ምዃና ፍቓደኛታት እንተዘይኰንና፡ ዓስቢ ወይ’ውን ጻማ ጻዕርና ኣይንሓፍስን።

2. ንኹሉ ኸሕጉስ ይፍትን (people pleaser)

ከይንንጸግ ካብ ንርእስና ‘ንከላኸለሉ መገዲ ሓደ፡ ንኹሉ ከነሕጉስ ምፍታን’ዩ። ንኹሉ ዕድመ ሕራይ ምባል፡ ክንገብሮ ዘይንደሊ ክንገብሮ ምስምማዕና፡ ካልኦት ንግዚኡ ክፈትውና ክንገብረና ይኽእል’ዩ።

ኣብ ነዊሕ ግና “መሐጎሲ ሰብ ክትከውን ምፍታን ንገራትካ ክባረቕ ይገብሮ። ዘይከሓደ ሓደ ሓቒ ‘ተሃልዩ፡ ንኹሉ ኸነሕጉሶ ዝከኣል ኣይኰነን። ፈጺሙ ኣይከኣልን’ዩ። ካልኦት ብዝስምዖም ሓላፍነት ክንወስድ ኣይንኽእልን ኢና። መሐጎሲ ሰብ ክንከውን ምፍታን ናብ ብዙሕ ጸገም፡ ማለት ድኻም፡ ውሽጣዊ ምቕሕታው፡ ክርፋሕ ናብራ፡ ግላዊ ዋጋ (value) እንህቦም ነገራት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከነእቱ ይቐስበና።

3. ዘይቕኑዕ ህዝባዊ ተግባራት ይፍጽም

ፍርሒ መንጸግቲ፡ ‘ቲ ናይ ሓቒ ማንነትና ሓቢእና፡ ዘይናትና ደጋዊ ሰብኣውነት ክንለብስ ክንፍትን ይገብረና። ፍርሕና ክጎድል እናተተስፎና፡ ኣብ ገጽና ኣደናገሪ ስሓቅ ንልጥፍ። ዝዀነ ዋጋ ከፊልና ኣብ ከባቢና ምስ ዘለው ክንጋጠም (fit in) ክንፍትን ይቐስበና። ኣብ ማእኸል ህዝቢ እንገብሮ ማስኬራ (mask)፡ ኣብ ገለ ኩነታት ክሕግዘና  ‘ተኸኣለ፡ ኣሯጊድና ክንሽፍኖ ኣብ እንፍትነሉ ጊዜ ግና፡ ሰባት ክጥርጥሩናን ክፈልጡናን ዕድል ይረኽቡ። እዚ ኸኣ ዘሕፍር’ዩ።

ቕኑዕን ሓቐኛ ህይወት ክንነብር ክንርአ ፍቓደኛታት ምኻን ቐንዲ’ዩ። ክንፈልጦ ዘለና ሓቒ ግና፡ ክንርአ ፍቓደኛታት ክንከውን ከለና ክንህሰ ተኽእሎ ኣሎ። ፍርሒ ንጽገት ገዛእ ርእስና ንኽንከ’ውን ‘ተዓጊትና፡ ግርህነትን ቅንዕና ዘለዎ ዝምድና ክንሃንጽ ኣይንኽእልን ኢና።

4. ዓው ኢሉ ድምጹ ኣየስምዕን

ብዙሕ ጊዜ ዘንሰማማዓሉ ሓሳባት ንሰምዕን ይገጥመናን። ነዒንቲ ደስ ዘየብል ብዙሕ ተግባብሮ ንርኢ’ና። ኣብ ጭንቐትን ርእሲ ሕማም ከይንኣቱ ብምስጋእ፡ ስቕ ክንብል ንመርጸሉ ብዙሕ ጊዜ ኣሎ። ስቕ ብምባልና፡ ዘረባናን ተግባብሮናን ካልኦት ክነጽግዎ ዕድል ንኸልኦም። ‘ዚ ልሙስ፡ ዘይንጡፍ፡ ኣቐራርባ፡ ንግዚኡ ክብረት ገዛእ ርእስና ክንሕሉ የኽእለና።

ሓሳብና ብዝግባእ ክንገልጽ ምእባይ፡ ስለ ገዛእ ርእስናን ብጻይናን ደው ዘይምባል፡ ንደልዮ ተቢዕና ዘይምሕታት፡ ብመሰረቱ መንጸግቲ ስለ እንፈርህ’ዩ። እዚ ከኣ ክብረት ዘይኰነ ሕፍረትን ውርደትን’ዩ። ‘ተዘይሓቲትና፡ ድምጽና ‘ተዘይኣስሚዕና፡ ሰባት ደንጊጾምን ፈትዮንም ድሌትና ክህቡኻ ምጽባይ የዋህነት’ዩ።

5. ሰላሕታዊ መጥቓዕቲ (passive aggressive) ይፍጽም

ሓገዝ ምሕታት ነውሪ ኣይኰነን። ትደልዮ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ምሕታት፡ ክትረኽቦ ስለ ዘይከኣልካ ካልኦት ክትነቕፍ ምፍታን “ሰላሕታዊ መጥቓዕቲ” ምፍጻም’ዩ። ንምሳሌ፡ ንዓርክኻ መጺኻ ሓግዘኒ ኣብ ክንዲ ምባል፡ “ስድራይ ስሱዓት’ዮም። ክሕግዙኒ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን” ምባል፡ ዓርክኻ ንሕግዘካ ከተሻጥሮ ምፍታን ቅኑዕ ጥራይ ዘይኰነ፡ መንጸግቲ ስለ ብምፍራህካ ከተታልል ምፍታን’ዩ።

ገጽ ንገጽ ‘ተዘይገጢምናዮ፡ መንጸግቲ ብዙሕ ዘቐንዙ ኣይኰነን። ሰባት ቀጥታዊ ግጥመት ምስ መንጸግቲ ስለ ዝፈርሁ፡ ብዛዕባ ነገራት ክእንፍቱ፡ ክእምቱ፡ ከዕዘምዝሙ፡ ብተዘዋዋሪ ክዛረቡ ይገብሮም። ‘ዚ ኸምዚ ዝበለ ኣቐራርባ ኸኣ ምፍሕፋሕ ይፈጥር እምበር፡ ንጹር ዝዀነ ሃዋህው ኣይፈጥርን። ሓሳብካ ገሊጽካ ምዝራብ (assertiveness) ምልክት ተኣማንነትን ግልጽነትን ቅንዕናን ምዃኑ ምፍላጥ ሰናይ ‘ዩ።

6. ንሱ ባዕሉ ንኻልኦት ይነጽግ

ፍርሒ መንጸግቲ፡ ናብ ውሕስነት ዘይብሉ፡ ዘይውጽኢታዊ፡ ፍረ ዘይብሉ፡ ጎባጢ ዝዀነ ባህርያት ይመርሓና። ክትርህጽ፡ ከተንቀጥቕጥ፥ ከተዕለብጥ፡ ቀጥታዊ ምጥማት የዒንቲ ከተወግድ፡ ውጽኢታዊ ምዝርራብ ከይትገብር፡ ይቐስበካ። እዚ ከኣ ከርፋሕ ናብራ’ዩ። ዋላ’ኳ ሰባት ብዝተፈላለየ መገዲ ግብረ መልሲ ዝህቡ ‘ተዀኑ፡ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ግና ካብቲ ብዙሕ ሒደት’ዮም።

“ፍርሒ መንጸግቲ” ብዙሕ ጊዜ ትምቢታዊ ርእሰ-ፍጻሜ ይኸውን። ‘ዚ ኸኣ ስግንጢር’ዩ። ተኣማንነት (confidence) ውቑብን ሰሓብን’ዩ ይበሃል። ኣብ ጉዕዞ ህይወት ብልሒ ጥራይ ዘይኰነ ርእሰ-ተኣማንነት ኣገዳስነቱ ዕዙዝ’ዩ። ፍርሒ መንጸግቲ ከኣ ተኣማንነት ከተጥፍእ ይገብረካ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ ንስኻ ባዕልኻ “ነጻጊ” ክትከውን ይቐስበካ። ብግሉጽ ይኹን ብሕቡእ ሰባት ዝፈልን ዝነጽግን፡ ንሱ ባዕሉ መንጸግቲ ስለ ዝፈርህ’ዩ።

7. ጠባሪ ባህርይ (manipulation) ይህልዎ

ሰባት ውሕስነት ዘይስምዖም (insecure) ምስ ዝዀኑ፡ ንብዙሕ ኣሉታዊ ነገር ግዳይ ብቀሊሉ ይፍንጠሩ። መንጸግቲ ዝፈርሑ ኸኣ፡ ንካልኦት ግላዊ መኽሰብ/ረብሓ ክዀኑ ቐሊል’ዩ። ‘ቲ ዘሕዝን ከኣ ብዙሕ ጊዜ ዘይፈልጥዎ ምኻኖም’ዩ።

ብ”ምጥባር” ኪኢላታት ዝዀኑ፡ ብዙሕ ጊዜ ልዙብ፡ ማራኺ፡ ደንጋጺ ዝመስል ኣቐራርባ ኣለዎም። ካልኦት መታን ክኣምንዎም፡ ኣየኖት መላጉም (buttons) ክጥውቑ ከም ዘለዎም ይፈልጡ’ዮም። ኣብ ዝዀነ ጊዜ ክርጥርጥዎም ከም ዝኽእሉ ብምእንፋት፡ መንጸግቲ ንዝፈርሑ ኣብ መንደልሃጽ (on edge) ደው ከም ዝብሉን ከም ዝፈርቡን ይገብርዎም። ዝደለይዎ ምስ ረኸቡ ከኣ፡ ነቲ ሰብ ጠንጢኖሞ ክኸዱ ዕጥጥ ኣይብሎምን። ስምዒቱ ክሳዕ ክንደይ ክጉዳእ ከም ዝኽእል ግዲ ኣይገብሩን።

ካብ ፍርሒ መንጸግቲ ንምምላጥ

ሰባት ዝሓስብዎን ዝወስድዎ ስጉምትን  ፈጺምና ክንቖጻጸሮ ኣይንኽእልን። ኣተሓሳስባናን ኣብ ነገራት ዘለና ኣጠማምታን ግና ክንቕይሮ፡ ‘ቲ መዘወር ኣብ ኢድና ‘ዩ። ዝገበርና ‘ተገበርና ኩሉ ክቕበለና ዘይክኣል ምኻኑ ምፍላጥ፡ ካብ ከርፋሕ ኣካይዳ ከነምልጥ ይሕግዘና። ኣዑናቑና ኣኽቢርና ክንሕዝ የለብመና።

ብዛዕባ ዋጋን ኣገዳስነትን ህይወት (value and importance of life) እምነትን መትከልን ክህልወና ናይ ግድን ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ነኣሽቱ (minor) ነገራት’ኳ ዋጋ ዕዳጋ ክንገብር ጽቡቕ እንተዀነ፡ ፈጺምና ዋጋ ዕዳጋ ዘይንገብረሎም፡ ከም ክቡር ዕንቒ ጌርና ‘ንሕዞም መትከላት ክህልዉና ኣለዎም። ኣብኦም ከኣ ከተነቓነቕና ደው ክንብል፡ ክሳዕ ህይወትና ክንከፍል ድልዋት ክንከውን ይግባእ።

ንሓቒ ብፍቕሪ” ከም ዝተባህለ፡ ኩሉ ንገብሮ ብትዕግስትን ብኣኽብሮትን ክኸውን ኣለዎ። “ፍቕሪ” ማለት ንሓቒ ልዕሊ ኣካይዳን ሓሳባት ሰብን ኣብሊጽካ ምርኣይ ማለት ግን ኣይኰነን። ዘይንሰማምዓሉ ብኣኽብሮትን ብዝተገትአ ስምዒትን ክንገልጽ ሰብኣዊ መሰል ኣለና። ዝደለናዮ እሞ ዝግብኣና ክወሃበና ክንሓትት ትብዓት ይሃልወና።

ነገርና “እወ” ‘ተዀይኑ እወ፡ ኣይፋል ‘ተዀይኑ ከኣ “ኣይፋል” ክኸውን ኣለዎ። ካብዚ ወጻኢ ካብቲ እኩይ ‘ዩ። ክንገብሮ ጊዜ ዘይብልናን ዘይንደልን፡ “ኣይፋል” ንምባል ዝኸብደና ‘ተዀይኑ ፍርሒ መንጸግቲ ስለ ዘለና’ዩ። እዚ ኸኣ ክንስዕሮ ዘለና ማእሰርቲ’ዩ።

ብመንጸግቲ ዝወረደና መስበርትን ውሽጣዊ ቁስልን፡ ዝምድናን ጥዑይ ርክብን ከም ዝፍውሶ ምፍላጥ ዓቢ ብርሃን’ዩ። ህድማን ጽምዋ ምምራጽን ናብ ዝገደደ ጸልማት ይሸመና ደኣ እምበር፡ ውሑስ ህይወት ኣይህበናን። ብዘይ ቅድመ ኩነት ዘፍቐረና፡ ዝተቐበለና፡ ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ዝጽበየና ፈቓር ኣቦ ከም ዘለና ምፍላጥ ምስትውዓል’ዩ። ኣብ መስቐል ስሌና ዝሞተ፡ ዕዳ ሓጢኣትና ዝወሰደ ጎይታ የሱስ፡ ኩሉ ጊዜ ቀረባና፡ ብፍቕሪ ሕያውነቱ ዝቖሰለ ውሽጥና ክፍውስ ድሉው’ዩ። ሰንደቕ ዕላማኡ ኣብ ልዕሌና ፍቕሪ ምኻኑ ምፍላጥ፡ ልቢ ዘዕርፍ ፍልጠት’ዩ። እዚ ብሉጽ ፍቕሪ ‘ተተቐቢልና ኸኣ፡ ኩሉ ካልኣዊ ምኻኑ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብ መንጸግቲ ፍርሒ ከነምልጥ ይሕግዘና።