ርእሰ-ምሕደራ ኣብ ስምዒታዊ ብልሒ

…ርእሱ ዘይገትእ ሰብዚ ቀጽሪ ዜብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ።

“ምርዳእ ስምዒታዊ ብልሒ” ን “ርእሰ-ንቕሓት” ኣብ ስምዒታዊ ብልሒ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣቐዲመ ጽሒፈ ኣለኹ። ካልኣይ ኣገዳሲ ክፋል ስምዒታዊ-ብልሒ ማለት ርእሰ-ምሕደራ ዝብል ከኣ ጽሙቕ ብዝበለ ኣስዒበ ክጽሕፍ ‘የ። ኣብቲ ቀዳማይ ማለት “ርእሰ-ንቕሓት” ከኣ ይምርኰስ። “ርእሰ-ምሕደራ” ገለ ክንገብር ወይውን ካብ ምግባር ክንክልከል ከለና ዝኸውን ‘ዩ። ብዛዕባ ስምዒታትና ዘለና ንቅሓት ተጠቒምና፡ ኣብ ነገራት ክንተዓጻጸፍን ባህርያትና ብኣውንታ ከነቕንዕ ዘኽእለና ክእለት ከኣ ‘ዩ። እዚ ማለት ከኣ ኹነታትን ሰባትን ብዝገበርዎ ዝተለዓዓለ ስምዒታትና ከነመሓድሮ (manage) ከለና ዩ።

ገለ ስምዒታትና ዝፈጥርዎ ዘልምስ ፍርሒ፡ ክሳዕ መገድና ክንቕይስ ዘይንኽእል ንኣተሓሳስባና የደባንውዎን የጸልምትዎን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣደናጋሪ ኩነታት ከኣ፡ መታን ስምዒታትና ክንድህስስን መውጽኢ ክንደልን ዘይርጉጽነት ክንጽመም ከለና፡ ርእሰ-ምምሕዳር ይግለጽ። ብሉጽ መገዲ ክንቅይስ እንኽእል፡ ብዛዕባ ስምዒታትና ምቹእነት ክሳዕ ዝስምዓና ምርዳእና ክህነጽ ከሎ ‘ዩ።

ውዑይ ስምዒት፡ ኣሸጋሪ ወይ’ውን ተፈንጃሪ ባህሪ ክንቓወም መታን ክንኽእል፡ “ርእሰ-ምሕደራ” ሕመረት ባህርያትና ‘ዩ። ዝልዓለ ብድሆ ሰባት ከኣ፡ ዝዛወኦም (tendency) ከመይ ጌሮም ከም ዘመሓድርዎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ክእለቶም ብኸመይ ከም ዝጥቐምሉን ዩ። ፍሉጥን ጊዚያ’ውን ዝዀነ ጽቡቕ ኣጋጣሚታት ክገጥሙና ከለው ከነለልዮም ቀሊል ‘ዩ። ግሉጽ ፍረ ርእሰ-ምሕደራ ዝርአ ግና ዝዓበየን ዝበለጸን ሽቶ (long term goal) ክንመጣጠር ኢልና፥ ግዚያዊ ድሌታትና ከነጽንሕ ዘኽእል ርእሰ ምግታእ ምስ ዝህልወና ዩ።

ካብ ኩሉ ዓይነት ስምዒታት፡ ሃንደፍታ (impulse)፡ ድርኺት፡ ድሌታት (ጽቡቕ ኰነ ሕማቕ) ገዛእ ርእስና ክንገትእ ዓቕሚ ምስ ዝህልወና ከኣ “ርእሰ-ምሕደራ” ኣለና ንብል። ዘይተገትአ ስምዒታዊ ሸውሃታት ንህወትና ክዝውሮ ‘ተፍቒድና፡ ኣብ ህይወትና ብዙሕ ዕንወት ከም ዝመጽእ ርዱእ ‘ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነ ከም ቆልዓ ብኻሪመለ ከም ዝዕሾ፡ ንናይ ሽዓ ርውየት ክንመጣጠር፡ ኣብ ነዊሕ ዝጭበጥ ሽቶ ክንስውኦ ኢና።

ኣብ ነዊሕ ዝፍጸም ሽቶና ክንበጽሖም ጊዜ ስለ ዝወስድ፡ ንርእሰ-ምሕደራ ዘለና ተወፋይነት ይፍትኖ። ርእሶም ንምምሕዳርን ንምግታእን ዓቅሚ ዘለዎም ከኣ ከይተሳዕሩ ኣብ ፍጻሜ ይበጽሑ። ነቶም ንኣሽቱን ጊዚያዊ ድልየታቶምን ዘጽንሑ፡ ዝንባሌኦም ከኣ ዘመሓድሩ፡ ኣሳልጦ ይስዕቦም። ብኣንጻሩ ብን ኣሽቱ ቁሳቁስ እንተደተሓቢልና፡ ኣብ መገዲ ክንተርፍ ኢና። ዊንታ ሰብ ከም ዘይመልእ ፈሊጥና፡ ብጥበብ ክንዋጋእ መኽሰቡ ብዙሕ ‘ዩ።

ብድሆ ናይ ርእሲ ማህሰይቲ ዝገጠሞም ሰባት፡ ኣብ ኣተሓሳስባኦምን ተገንዝባዊ ክእለቶምን ጥራይ ዘይኰነ፡ ስምዒታቶም ኣብ ምፍላጥ፡ ምርዳእ፡ ምግላጽ ኣዝዮም ይሽገሩ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ኣተሓሳስባናን ስምዒታትና ዓቢ ምልጋብ ከም ዘሎ የረድኣና። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ርእሶም ዘለዎም ኣረዳድኣ ኣብ ክልተ ይኸፍልዎ ይፍትኑ፦

  1. መመዛዘኒ
  2. ስምዒታዊ ዝብል ‘ዩ።

እቲ ሓቒ ግና ክልቲኣዊ (dual) እዩ። ብመትንታትን ከሚካላዊ ቀመማትን (neurological and biochemical) ብዘገርም ዝተፈጠረ ሓንጎል ስለ ዘለና፡ ክልተኣዊ ማንነት ከም ዘለና ክንርዳእ ምስትውዓል ‘ዩ። ሓሳብና ንስምዒታትና፡ ከምኡ’ውን ስምዒታትና ንሓሳብና ይጸልዎ እዩ።

ንነገራት እንህቦም ግብረ መልሲ ስነ ኣእምሮኣዊ ጥራይ ዘይኰነ ስምዒታዊ እንኰላይ ‘ዩ። ‘ቲ ዘገርም ከኣ፡ ንኹነታት ቅድሚ ብሓሳብና ምምዝዛና፡ ብመጀመርያ ስምዒታዊ ምላሽ ከም ንህብ ክንፈልጥ ኣለና። ብቅዓት ርእሰ-ምምሕዳር እምበኣር ስምዒታትና ንተግባብሮና ከይዝውሮ፡ ንምግታኡን ምምሕዳሩን ዘለና ዓቕሚ ዩ። ብዛዕባኡ ዘለና “ንቕሓት” ዝጅመር ኰይኑ፡ ካብኡ ሓሊፉ ዝዛወና ንምግታእ ዝህልወና ብጽሕና ይስዕብ። እዚ ኸኣ ‘ዩ “ርእሰ-ምሕደራ” እንብሎ።

ኹነታት ዘለዓዓሎ ስምዒታት፡ ንሓሳብና ክወሮ ብዙሕ ጊዜ ይረአ ‘ዩ። ‘ቲ ዝለዓዓል ስምዒታት ከኣ ዘሕጉስ፡ ዘፍርህ፡ ዘሕርቅ፡ ዘጉሂ፡ ዘሕፍር ክኸውን ይእኽል። ልቦናዊ ምስትውዓል ዝመልኦ ውሳኔ ክንውስን ተዀይኑ፡ ነቶም ዝወሩና (overwhelm) ስምዒታት ክጎድሉ ክንገብር ከለና’ዩ። እዚ ንምግባር ከኣ ክእለትን ብቕዓትን ስምዒታዊ ምሕደራ፡ ምግታእ ርእሲ፡ ከነዕቢ አለና። ኩነታት ዝፈጠሮ ስምዒታት ከጨንቐናን ክጸቕጠናን ከሎ፡ ኣዕሚቕና ብምትንፋስ፡ ጎባጢ ስምዒታትና ክሳዕ ዝዛሪ ካብ ምውሳን ክንቑጠብን ጊዜ ክንህቦን ምስትውዓል ይሓትት።

ከም ማዕበል ዝገላበጥ ስምዒታትና ክንኪ፡ ግላዊ ዝዀነ ክእለት (coping skill) ክህልወና ኣለዎ። ንምምዕባሉ ክንተግህ ሓላፍነትና’ዩ። ብዛዕባ ርእሰይ ክዛረብ ተዀይነ፡ ስምዒታተይ፡ ኣሉታዊ ይኹን ኣውንታዊ፡ ክወረኒ ከሎ፡ ክልተ ክእለት ይጥቐም። እቲ ቀዳማይ “ምጽላይ” ‘ዩ። ብፍላይ ህድእ ዝበለ ሙዚቓ ዘለዎን ጸጥታ ዝሰፈኖ ቦታን ምስ ዝረክብ፡ ንዝገላበጥ ስምዒታተይ ክሃድእ ይሕግዘኒ። ብዙሓት ተመራመርቲ ኸኣ “ጸሎት”፡ ስምዒታትና ንምህዳእ ኣዝዩ ጠቓሚ ክእለት ምኻኑ ይዛረቡ።

‘ቲ ካልኣይ ከኣ ምስ ዝቐርቡኒ የዕሩኹተ ምዝርራብ ዩ። ብዛዕባ ስምዒታተይ ኰፍ ኢለ ክዛረብ ከለኹ ኣብ ውሽጠይ ዝተኸዘነ ስምዒት ክነፍስ ዕድል ይረክብ ። ብተወሳኺ’ውን ዝተበታተነ ሓሳበይ ክጥርነፍ፡ ምሉእ ስእሊ ክረክብ ስለ ዘኽእለኒ፡ ዝናወጽ ስምዒታተይ ኣብ ምህዳእ ዓቢ ተራ ይጻወት። ገሊኣቶም ንንውሕ ዝበለ መገዲ ብምኻድ (walking) ስምዒታቶም ክዛሪ ይገብሩ። ገሊኣቶም ከኣ ብምንቕስቓስ (exercise) ስምዒታቶም ንባህርያቶም ከይዝውሮ ይሕግዞም። ስለዚ ናትካ ሓወይ ልማድካ እንታይ ዩ፧ እንታይ ከተማዕብል ትደሊ፧

ምሳሌ ጥዑይ ርእሰ ምሕደራ ዘለዎ ሰብ

  1. ሓጎስ ንዘጨንቕን ምፍጣጥ ዘለዎ ኩነታት ጽቡቕ ጌሩ ይኣልዮ። ኣብ ኣዝዩ ዘይምእሙእ ኩነታት ምቕሉልነቱ ኣየጥፍእን። ከምዚ ዝበለ ርእስኻ ምግታእ ኸኣ ሕፉር ከም ዝኸውን ጌርዎ። ምስ ደስ ዘይብሎ ቅዲ ኣሰራርሓ ዘለዎም ክሰርሕ ኣይሽገርን። ኣብ ፈታኒ ኩነት ትዕስቱ ኣይጽንቐቅን። ዘበሳጩ ኩነታትን ባህርያት ሰባት፡ ባህርያኡ ኣይልውጥዎን። ዝበለጸ መፍትሒ ክረክብ፡ ኣገባብን ስርዓትን ክገልጽ ኣይስልችዎን። ብትሕትናን ምቅሉልነትን ነገራት ይኣሊ። ኣብ ልዕሊ ካልእ ሓሳብን ምርዳእ ዘለዎም ሰባት ኣሉታዊ ነገር ኣይዛረብን።

ምሳሌ ኣሉታዊ ርእሰ ምሕደራ ዘለዎ ሰብ

  1. በርሀ፦ በቲ ሓደ ሽነኽ፡ ነገራት ብጌጋ ክግበር፡ ኩነታት ክጽዕቕ ከሎ፡ ከም በሊሕ ፋላጻ ዝበለ ቃላት ተሃዊኹ ይዛረብ። ክሃድእ መታን ኢሉ ጊዜ ክወስድ ይሽገር። ዝገብሮ ዘበለ ብስምዒት ተደሪኹ ይገብሮ። ኣገባብ ኣዘራርባኡ ንብዙሓት የሰምብዶም። ብቀሊሉ ይሽበር። ማዕበል ከም ዘበገሶ ጨብረቕረቅ ክሳዕ ወሰን ዝበጽሕ፡ ከምኡ’ውን ግብረ መልሲ በርሀ ብዙሕ ነውጺ የምጽእ። ሓሪቑ ዝዛረቦ ብዙሕ ጽልዋ ከም ዘምጽእ ኣየስተውዕልን። ስምዒታቱ ንተግባብርኡ ኣዝዩ ይዝውሮ።

……..ካብቲ ንኸተማ ዚሕዝ ርእሱ ዝገትእ ይበልጽ