Slave Mentality

ባርነታዊ ኣተሓሳስባ

እዚ ሓሳብ’ዚ ኣገዳሲ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ብዙሕ ከዘራርበና ኣለዎ። ምስ ዘለና ድሩት ባይታ ግና ኣብ “መራሒ” ዘተኰረ ሓሳብ ክዛረብ’የ። ጭርሖ ብዙሓት፡ ኣነ’ውን ብዘይጥርጥር ዝርዕመሉ፡ “መራሒ እንተጢዑ፡ ኵሉ’ዩ ዝኸስብ” ዝብል’ዩ። ስለዚ ብዛዕባ መራሕቲ ምዝራብና ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣስሚረሉ ክሓልፍ ዝይደሊ፡ ምስቲ “ባሮት ኣምላኽ ኢና” ዝብል ምርዳእ ዝገራጮ ኣይኰነን። ሓሳብን ልብን ኣምላኽ ፈሊጥና፡ ንኣምላኽ ንምግዛእን ንምግልጋልን እንኸዶ መገዲ፡ ምስ እዚ ቀጺለ ዝዛረበሉ ካብ ኣብ ትሕቲ ሰብ ባርያ ካብ ምኻን ዝምንጩ “ባርነታዊ ኣተሓሳስባ” ኣዝዩ ዝተፈለየ’ዩ።

ብዛዕባ ሙሴ ብዙሕ ጊዜ ከምዚ ኢለ ሓቲተ ኣለኹ፣ “ስለምታይ ኰን’ዩ እ/ሔር ንሙሴ ኣብ ቤት ፈርኦን ክዓብይ ፈቒዱ፧ ኣብ ባርነትን ሕሰምን ምስ ህዝቡ ክዓብይ፡ ጸኒሑ ኸኣ ካብኡ ኣልዒሉ መራሒ ክገብሮ ዘይደለየ ስለምንታይ ይኸውን፧ መሸም ብዙሕ መልሲ ክንህበሉ ይከኣል’ዩ። ወይ’ውን ስለ ዘይተጻሕፈ ኣይፈንፈልጥን ኢልና ክንሓልፎ ንኽእል ኢና። ንዓይ ዝመስለኒ ገለ ክብል።  

ደቂ እስራኤል ኣብ ትሕቲ ባርነት ግብጺ ኣስታት 400 ዓመታት ገይሮም። ስለ ዝዀነ ህይወቶም እንተተመልኪትና፡ ኣሉታዊ ሳዕቤን ባርነት ክንርዳእ ከቢድ ኣይኰነን። እ/ሔር ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም እናገበረ ክነሱ፡ ብብርቱዕ ሓይልን ዝርጉሕ ቅልጽም ኣናጊፍዎምን ክነሱ፡ ደጋጊሞም ክፍትንዎን ክሕርቅዎን፡ ኣብ በረኻ ክሳዕ  ዝጠፍኡ ክኣምንዎ ክሽገሩ ምርኣይና፡ ሳዕቤን ባርነት ጐሊሑ የርእየና። እ/ሔር ከኣ እዚ ስለ እተረድአ ይመለኒ፡ ንሙሴ ካብ ሕሰም ባርነት ኣቐዲሙ ባሊህዎ። ‘ቲ ምክንያት እንታይ ነይሩ እንተኢልና፡ መራሒ ኰይኑ ዝተጸቅጠ “ባርነታዊ ኣተሓሳስብ” እንተሃልይዎ፡ ከስዕቦ ዝኽእል ዕንወት ከቢድ ስለ ዝዀነ’ዩ። ብ”ባርነታዊ ኣተሓሳስባ” ሓሳቡ ዝተገዝአ መራሒ፡ ንእ/ሔር ይዅን ነቲ ዝመርሖ ህዝቢ ምሹእ ኣይኰነን።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ከም ዝነግረና፡ መሬት ክትጸሮም ዘይትኽእል 4 ነገራት ከም ዘለዉ’ዩ። ካብቶም ኣርባዕቲ ሓደ፡ “ባርያ ክነግስ ከሎ”‘ዩ።

“ምድሪ ብሰለስተ ነገር ተንቀጥቅጥ፡ ኤረ ኽትጾሮ ዘይትኽእልሲ ኣርባዕተ እዩ።

ባርያ እንተ ነገሰ፡ ዓሻ እንጌራ እንተ ጸገበ፡

እተጸልኤት ሰበይቲ ሰብኣይ እንተ ረኸበት፡ ገረድ ከኣ ንእምበይታ እንተ ወረሰታ።” ምሳኤ 30:21-23

 

ተጸቂጡ፡ ብሕሱም ተገዚኡ፡ ተጨፍሊቁ፡ ከይትዛረብ፡ ርእይቶኻ ኣይትሃብ፡ ክትሓት መሰል የብልካን እናተብሃል ዝዓበየ ሰብ፡ መራሒ ክዀውን ከሎ ከቢድ’ዩ። እዚ ስለምታይ’ዩ እንተኢልና፡ ኣተሓሳስባኡ፡ ኣጉናቱ፡ ወጅሃኡ፡ ግብሩን፡ ንመራሒ ዝምሽእ ስለ ዘይኰውን። ስድነቱን ድርቅናኡን ኣዝዩ ሃዋኺ ይዀውን።  

ጊልያዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ መራሒ ከመይ ዝበለ`ዩ ዝብል ሕቶ ብሕጽር ዝበለ ክንምልሶ ክንፍትን።

  1. ኵሉ ኣቃልቦ ናብኡ ጥራይ ክዀውን ይደልን ይጠልብን

ኣብ ትሕቲ ባርነትን ጊልያነት ዝዓበየ ሰብ ዝወሃቦ ኣቓልቦ፡ ቆላሕታ፡ ዳርጋ የለን እንተበልና ካብ ሓቂ ኣይረሓቕናን። እዚ ክምዚ ዝበለ ሰብ ኣብ መሪሕነት ምስ ደየበ፡ ‘ቲ ኣቀዲሙ ዘይረኸቦ ኣብ ውሽጡ ሃረርታን ሃንቀውታን ስለ ዝፈጥረሉ፡ ኵሉ ኣቓልቦ ኣብኡ ጥራይ ክዀውን ይጠልብን ይጽበን። ኣቓልቦ ዘዘንብል ሰብ ኰነ ኵነት እንተተላዒሉ፣ ንምእላዩ ኰነ ንምቕታሉ ዝኸዶ መገዲ ኣመና ዘሰምብድ’ዩ። እዚ ኸኣ ‘ቲ ንሓሳቡ ዓትዒቱ ሒዙ ዘሎ “ጊልያዊ ኣተሓሳስባ” ስለ ዝዝውሮ’ዩ።

  1. ነገራት ብኸምኡ ክወሃቦ ይጽበ

እዚ ኣዝዩ ሓደገይና ዝዀነ ኣጠማምታ’ዩ። መራሒ ስለ ዝዀነ ነገራት ክቅበል ፍሉይ መሰል (entitlement) ዘለዎ ኰይኑ ክስምዖ ከሎ፡ ቅኑዕ ምልክት ጊልያዊ ኣተሓሳስባ’ዩ። ካልኦት ኣብ ዝኸፍልዎ መስዋእቲ ዝህልዎ ኣድናቖት ትሑት’ዩ። ክቅበልዎን ክረኽብዎን ብፍሉይ ዝሓስብዎን እንተዘይረኺቡ ብቀሊሉ ይንፋሕን ይዅርን። ካብኡ ሓሊፉ `ውን ዘይንጡፍ መጥቃዕቲ (passive aggresive) ባህርይ የርኢ። ዝግባእ ኣይገበረን ንዝብሎ ክነጽጎን፡ ክፈልዮን፡ ክንጽሎን ይፍትን። ስቅታዊ ኣተሓሕዛ (silent treament) ብምግባር ከኣ ክቐጽዖም ጎስይዎም ክሓልፍ ይፍትን። እዚ ኸኣ ረሲእነት’ዩ።

  1. ሓላፍነት ካብ ምውሳድ የድሓርሕር

ኣብ ትሕቲ ጊልያውነት ዝዓበየ ሰብ “ሓላፍነት (responsibitly)” እንታይ ምዃኑ ኣይርዳእን’ዩ። ስለ ዝዀነ መራሒ ምስ ኰነ ዝዀነ ጌጋ ወይ ኣበር ምስ ዝርከብ፡ ንህይወቱን ገዛእ ርእሱን ክርኢ ስለ ዘይክእል፡ ሓላፍነት ክወስድ ይሽገር። እተፈጸመ ጌጋ ኵሉ ካብ ካልእ ሰብ ይደልዮ። ዘላግበሉን ዘጣብቐሉን ሰብን ባእታን የናዲ። ኣብ ከባቢኡ ንዘለዉ እናወቐሰን እናዕዘምዘመ ስለ ዝነብር፡ ኣብ ኢዱ ዘሎ ጸገምን ቅልውላውን ኣብ ምፍታሑ ኣይዋፈርን`ዩ። ንምፍታሑ ዘለዎ ዓቅሚ’ውን ሒደት ስለ ዝዀነ፡ ንምግጣሙ ይፈርህ።

  1. ናይ ምውድዳር ባህርይ ኣለዎ

ውድድር ኣብ ሓድሕድ ሓደገኛ ምዃኑ ንስሕቶ ኣይመስለንን። ብፍላይ ንዓና ኣመንቲ “ምውድዳር” ዓለማውነት’ዩ። ጊልያዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ መራሒ፡ ካልኦት ክዓብዩን፡ ክንቆቱን፡ ሞጐስ ክበዝሓሎም ከሎ ኣብ ክንዲ ዝሕጐስን ንኣምላኽ ዘመስግን፡ ቅንኢ ይሓድሮ። ብዘይካኡ ካልእ ክርአ ስለ ዘይደሊ፡ ወይ `ውን ኣልሓገኒ፡ ተክኣኒ ካብ ዝብል ፍርሒ ስለ ዝብገስ ክዀውን ይኽእል’ዩ። ካብዚ ሓሳብ ተበጊሱ ኸኣ ንዝዓብዩን፡ ጸዓትን ዓቅምን በዚሕሎም ንዝረኣዮም፡ ክበኣሶምን ከውድቆምን ብምፍታን ኣብ ዘየድሊ ቃልሲ ይኣቱ። እዚ ኸኣ ድቃስ ዘይብሉ ክሓድር ይገብሮ። መንፈስ ከኣ የጥፍእ።

  1. ዓብዪ ነገር ክርኢ ይሽገር

ኣብ ትሕቲ ባርነት ጊልያነት ዝዓበየ እተባህሎ ካብ ምግባርን እተዋህቦ ካብ ምብላዕን ሓሊፉ ካልእ ዝሓስቦን ዝውጥኖን ነገር የልቦን። ካብ ባርነት ወጺኡ ምስ ተባህለ እሞ ኣብ ሓላፍነት ምምራሕ ምስ ደየበ፡ ዝያዳ ዘገድሶን ዝዓጆቦን ነገር ምምላእ ድሌቱን ህርፋኑን ጥራይ እንተዀነ ዘገርም ኣይኰነን። ከብዱ ክሳዕ ዝመልአ፡ ዝባኑ ዝኸድነሉን ርእሱ ዘጽልለዩን ውሕስ ህይወት እንተረኺቡ፣ ዝብድሆ ነገር ክገብር ከይሓሰበ ከነብር ዓቢ ተኽእሎ ኣለዎ። ካብ ገዛእ ርእሱ ወጺኡ፡ ዓቢ ነገር ናይ ምርኣይ ዓቅሙ ኣዝዩ ድሩት’ዩ ወይ ክሩህ እዩ። ዝርእዮን ዝሓልሞን ነገር እንተዘይሃልዩ’ውን ዝፍረዶ ኣይኰነን። እቲ ኣብኡ ዘሎ “ባርነታዊ ኣተሓሳስባ”፡ ክቡርን ንጽባሕ ዝዀውን ራእይ ንኽይርኢ ኣብ ሓሳቡ ጕልባብ ስለ ዝዀውን’ዩ።

  1. ትሑት ርእሰ ጠመተ ስለ ዝህልዎ ንምርዳኡ ኰነ ንምቅራቡ ኣሸጋሪ ሰብኣዊ ማንነት ይህልዎ

ባርነት ዘከትሎ ዕንወትን መግደራን ብዙሕዩ። ካብቲ ኣዝዩ ዘፍርህ ሳዕቤን ከኣ ርእሰ ኣጠማምታ እቲ ሰብ ኣዝዩ ከም ዝበላሾ ይገብሮ።ምልክት ኣምበጣውነት” ኣብ ሓሳባቱ ስለ ዝህነጽ፡ ዝህልዎ እምንቶ (confidence) እምብዛ ትሑትዩ። ነዚ ካልኦት ከይፈልጥዎ እሞ ብእኡ ከየጥቅዕዎ ብምፍራህ ብእተፈላለየ ጫለዳታትን ነጸላታትን ርእሱ ክኽውል ይፍትን። ክትፈልጦ ኰነ ክትግምቶ ኸኣ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ሰብ ይዀውን። ንሱ ባዕሉ `ውን ካልኦት ክኣምን ስለ ዝሽገር፣ ገዛእ ርእሱ ቃልዕ ክገብር፡ ካልኦት ክርእይዎ ፍቃደኛ ክዀውን ኣይደልን። እዚ ከኣ ኣዝዩ ሕቡእ ህይወት ከም ዝህልዎ ይገብሮ። ንሰባት ምብጻሕን ዓቕሚ ምዝማዱን ኸኣ ኣዝዩ ትሑት ይገብሮ። ብዝግባእ ንኸይመርሕ ከኣ ውሽጣዊ ስንክልና ይህልዎ።

ከም ህዝቢ ካብቲ ሓደ መግዛእቲ ኣብቲ ካልእ መግዛእቲ፣ እናተጨቆንና ብዙሕ ዓመታት ስለ ዘሕለፍና፡ ነዚ እንብሎ ዘለና ሓሳብ ክንርድኦ ብዙሕ ንሽገር ኣይመስለንን። ብመራሕትና ኰነ ብስድራናን ጐረባብትና፡ ክይትዛረቡ እናተባሃልና ማዕቐብ እናተገብረልና ስለ ዝዓበና፣ ኣተሓሳስባናን ኣጠማምታናን ውሱን እንተዀይኑ ብዙሕ ዝፍረደና ኣይመስለንን። ኣብ ተራ ሰብ ኰነ ኣብቶም ዝመርሑናን ከይተረፈ እዚ ንብሎ ዘለና “ባርነታዊ ኣተሓሳስባ” ብእተፈላለየ መገዱ ክግለጽ ይርአ። ‘ቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ብዛዕብኡ ዘለና ኣፍልጦን ምእማንን ሒደት ምዃኑ’ዩ። ነዚ ጸገም ኣለሊና ኣብ ምፍታሑ እንተዘይጽዒትና፡ ንቅድሚት ሓደ ስጕሚ ፍሕት ከይበልና፡ ኣብ ዘለናዮ ከይንብስብስ እፈርህ።

 

 

 

Author

Samson Mesghena