ማሕበራዊ ብትከትን ኣእምሮኣዊ ጥዕናን

 ድሜአን ኣብ 60ታት እዩ። ሓሳብ ርእሰ ቅትለት ከሸግረን ስለ ዝጀመረ፡ ብገዛእ ፍቃደን (ብወለንትናአን) ናብቲ ዝሰርሓሉ ሕክምና ኣእምሮ መጺኣ። ዳርጋ 3ተ ሰሙን ሓሊፈ፡ ገዝአን ትፋነዋሉ ጊዜ ምስ በጽሐ፡ ከመይ ከም ዘለዋ ከዘራርበን ቀሪበየን። ብዝተገብረለን ምክትታልን ክንክንን ምምሕያሽ ከም ዝገበራ ርኡይ ነይሩ።

ገዛ ክትከዳ ኢኺን ምስ ተባህላ ግና ኣብ ገጸን ክሳዕ ዝረአ ኣዝየን ሓዚነን። ንኹልና ከኣ ግር ኢልና። ዝዀነ ክሕከም ዝመጸ፡ ገዝኡ ዝኸደላ መዓልቲ ብሃንቐውታ’ዩ ዝጽበዩ። እዘን ኣደ ግና ብኣንጻሩ ክነብዓ ጀሚረን። ምኽንያቱ ክፈልጥ ከኣ ኣዝየ ተሃንጠኹ። ስምዒታተን ምስ ኣረጋጋእኩ ከኣ፡ ስለምንታይ ገዛ ክኸዳ ከም ዘይደልያ ሓተትክወን። ብዝሃባኒ መልሲ ከኣ፡ ኣዝየ ክሓስብን ብዛዕብኡ ክምርምር ቀሲቡኒ። እተን ኣደ ኣፈን ብምኽፋት ከምዚ ክብላ ሱር ሽግረን ጸውየናለይ፦

ምስ ሰብኣየን ኣብዚ ቀረባ እዋን ከም ዝተፈላለያ፡ ኣብ ገዛ ማንም ሰብ ከም ዘይብለንን የዕሊለናኒን። ኣብ ገዛ በይነን ክዀና ከም ዘይደልያ፡ ጽምዋ ከም ዘጥቕዐንን፡ ቤተሰብ ኰነ ናይ ቀረባ ፈተውቲ/መሓዙት ከም ዘይብለን፥ እዚ ከኣ ቀንዲ ሽግረን ከም ዝዀነ ብምእማን እናነብዓ ነጊረናኒን። ብፍላይ ከምዚ ክብላ ዝተዛረባኒ ልበይ ተንኪዩኑ፡

“ብቀደሙ’ውን ንሓሳብ ርእሰ ቕትለት ዘቀላዓኒ “ጽምዋ” እዩ። ኣብዚ ሆስፒታል ምጽናሕ ንዓይ ንክመሓበር ስለ ዝሓገዘኒ፡ ካብዚ ቦታ ክኸይድ ኣይደልን እየ።”

ሰብ ማሕበራዊ ፍጥረት እዩ

ሰብ ንማሕበራዊ ርክብን ዝምድናን’ዩ ተፈጢሩ። ካብ ዝሰትዮን ዝበልዖን ንልዓሊ፡ ይብጽሓኒ ዝብሎ ሰብ፡ ቤተሰብ፡ ማሕበረሰብ ክረክብ ከሎ ዝስምዖ ዕጋበት ኣሎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ዝተነጽገ፡ ዝተጠልመ፡ ዝተገለለ፡ ዘይተሓቑፈ፡ ዘይተፈቕረ፡ ዘይተጸምበረ፡ ክመስሎ ከሎ ዝምከሮ ከቢድ ዝዀነ መስበርቲ ልቢ ኣሎ። እዚ ከኣ ምስ ጥዕና ኣእምሮ ቀጥታ ምትእስሳር ኣለዎ። ን “ኣእምሮኣዊ ምዝንባዕ“፡ ከም እኒ ትሑት ርእሰ ጠመተ፡ ትሑት ርእሰ ተኣማንነት፡ ሓሳብ ዘይብቑዕነት፡ ከምኡ’ውን ንስምዒታዊ ስርዓተ-ኣልቦነት፡ ከም እኒ ቅዛነት፡ ጭንቐት፡ ራዕዲ፡ ስምዒት ተስፋ-ኣልቦነትን ሓገዝ-ኣልቦነት፡ ካብኡ ሓሊፈ ከኣ ንሓሳብ ርእሰ-ቅትለት ቃልዕ ይገብሮ።

ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ ቅነ፡ ብምኽንያት ኰቪድ-19፡ ኩሉ ብዝተኻእሎ ኣብ ገዝኡ ኰፍ ኽብል ኣብ ዝግበረሉ ኩነት፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ርክብን ዝምድናን፡ ብፍላይ ከኣ ማሕበራዊ ብክትከንት ን ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዘለና ኣቃልቦ ክዓቢ ኣገዳሲ እዩ።

ገሊኡ ፈጺሙ ኣብ ገዛ ኰፍ ክብል ዘይደሊ፡ ስምዒታውን ኣእምሮኣዊ ጥዕናኡን ንምሕላው ቤት-መጸሓፍቲ፡ ቡንን ሻሂን ዝሽየጠሉ ቦታ፡ ቤት-ሲነማ፡ ምስ ቤተ-ሰቡን መሓዝቱ ጊዜ ምሕላፍ፡ ሰሪሕካ ምእታውን ካልእን ከም ክቡር መዓልታዊ ንጥፈታቱ ዝጥንቐቐሉ ኣሎ። ስለዚ እዚ ዘለናዮ ህሞት ንገሊኣቶም በዳሂ ክኸውን ከም ዝኽእልን ንብዙሕ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጸገማት ከቓልዖ ከም ዝኽእል ፈሊጥና፡ ንሓድሕድና ክንጠማመት ኣለና።

ጥዕና ኣእምሮ ዝጸልዉ ባእታታት 

ንርጡብ ጥዕናዊ ኣእምሮ ንሓደጋ ዘጋልጹ ዝተፈላለዩ ኣመልከቲ “ማሕበራዊ ተነጽሎ/ግለላ” (social isolation) ከም ዘለው መጽናዕቲ ይሕብሩ። ንሳቶም ከኣ በይንኻ ምንባር፡ ንእሽቶ/ሒደት ማሕበራዊ መርበብ ምህላው፡ ዘይዝውቱር ተዋስኦ ማሕበራዊ ንጥፈታት፡ ሕጽረት ማሕበራዊ ደገፍ፡ ስምዒት ጽምዋ ከም ኣብነት ክንጠቕስ ንኽእል።

ንኣምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕና ሓደገኛ ዝዀኑ ማሕበራዊ ተነጽሎታት/ግለላ፡ ምስ ንኣካላዊ ጥዕናና ሐደገኛታት ዝዀኑ ፍሉጣት ባእታታት፡ ከም እኒ ሽጋር ምትካኽን ምኽራሽን (obesity)፡ ይተኣሳሰሩ። እዚ ማለት ማሕበራዊ ምትእስሳር/ዝምድና ዝጎደሎም ወይ’ውን ስምዒት-ጽምዋ ዘለዎም ግለ-ሰባት፡ ንኣዝዩ ምጣነ-ሕማምን ምጣነ-ሞትን፡ ልበዳ፡ ቅዛነት፡ ምንቁልቋል ልብወታዊ (cognitive) ዓቕሚ ዝተጋለጹ ምዃኖም ክኢላታት ይሕብሩ።

ማሕበራዊ ብትከት

 ሕበራዊ ብትከት” (social disconnection) ብዋሕዲ ማሕበራዊ ዝምድና፡ ሒደት ተሳትፎ ማሕበራዊ ንጥፈት፡ ተገንዝብኣዊ ጽምዋ፡ ይግለጽን ብሩህ ይኸውን። እዚ ማለት ከኣ ማሕበራዊ-ብትከት ክልተ ቀንዲ መለለይ አለውዎ፦

  1. ጽምዋ
  2. ሕጽረት ማሕበራዊ ደገፍን።

“ማሕበራዊ ግለላ/ተነጽሎ” ኣብ ብዙሕ ዓውደ-ፍልጠት ብብዙሕ መገዲ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ገሊኡ በይንኻ ምንባርን ዘይምምርዓውን ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዘልዎ ጽልዋ ክገልጹ ይፍትኑ። ብዓውደ-ፍልጠት ማሕበራዊ መርበብ (social network) ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ሒደት ማሕበራዊ መርበብ፡ ሒደት ርክብ ምስ ኣብ መርበብ ዘልዉ ኣባላት፡ ሕጽረት ብዙሕነት (diversity) ኣብ ማሕበራዊ መርበብ ዓቢ ጽልዋ ከም ዘልዎም የረድኡ።

ስነ-ማሕበርነት ዘጽንዑ ከኣ፡ ሒደት ተሳትፎ ኣብ ማሕበርዊ ንጥፈታት ብፍላይ ከም እኒ ወለንተኛነትን ሃይመናታዊ ተሳትፎን ከም ቀንዲ ጸለውቲ ጌሮም ይጠቕስዎም። ናትና ሕብረተሰብ ሃይማኖታዊ ተሳትፎ ከም ቀንዲ ምትእኽኻብን ምምሕባርን ክጥቀመሉ ከሎ፡ ኣብ ዕዮ ወለንትነት (Volunteering) ዘለና ፍልጠትን ግና ሒደት እዩ።

ብሓፈሻ ግና “ተገንዘባዊ ማሕበራዊ ሓገዝ” (percieved social support) ምስ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ቀጥታዊ ምትእስሳር ከም ዘልዎ ይነግሩ። ቤተ-ሰባውን ምሕዝነታውን ኰማውን ሓገዝ ዘለዎም ሰባት ኰነ ሕብረተሰብ ዝሓሸ ስነ-ኣእምሮኣዊ ርግኣትን ቀዋምነትን ከም ዘለዎም ይግለጽ።

ብዛዕባ ምግላል/ምንጻል ንምዕቃንን ኣብ ሓደ ንምጥማርን፡ ብዙሓት ጸሓፍቲ ማእከሎት ክፍለ-ኣካል (component) ዝብልዎም ኣብ ሓደ ክጠምሩ ፈቲኖም እዮም። ንምሳሌ፦

“ማሕበራዊ ጽምዋ” (social loneliness) – ብሕጽረት ምውህሃድን ምሕዝነትን (integration and companionship) ክገልጽዎ ከለው፡ “ስምዒታዊ ጽምዋ” (emotional loneliness) ከኣ ጥብቖኣዊ ስእሊ (attachment figure) ዘይምህላው ጌሮም ፈላልየሞ ኣለዉ። “ጥብቖኣዊ ስእሊ” ክንብል ከለና ሓደ ሰብ ኣብ ጊዜ ጸገም ዝጉዝጎዞ ውሑስ-መዕቆብ ክህልዎ ከሎ ማለትና እዩ። እዚኦም ብምትእምማን ዝድገፍዎ ውሑስ-መዕቆቢ ከኣ እኒ ቤተሰብ፡ መሓዙት፡ ጉጅለ፡ ቤተ-እምነትን ካልእ ክዀኑ ይኽእሉ።

ብተመሳሳሊ “ምግላል(isolation)” (ኣንጻር ምውህሃድ) ምስ ጽምዋ (loneliness) (ኣንጻር ሰረ’ተ) ከወዳድርዎ ይፍትኑ። ሰብ ካብ ካልኦት ሰባትን ከባቢኡን ብፍቃዱ ክፍለ ከሎ “ምግላል” ንብሎ። “ጽምዋ” በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ምሰ ከባቢካ ዘለካ ርክብ ዝተበትከ መሲሉካ ዝስምዓካ ስሚት ሓዘንን ጭንቐትን እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ማእከል እኩባት ሰባት እናሃለኻ ክስምዓ ዝኽእል ውሽጣዊ ገድሊ እዩ።

እዚ መሰረት ብምግባር ከኣ ክልተ ዓይነት “ማሕበራዊ ግለላ/ተነጽሎ” ከም ዘሎ ይሕብሩ

  1. ማሕበራዊ ብትከት (social disconnectedness)
  2. ተገንዘባዊ ግለላ (perceived isolation)

“ማሕበራዊ ብትከት” ክንብል ከለና ቀንዲ ገጸ-ባህርያኡ ምስ ካልኦት ዘለና ሕጽረተ-ርክብ ይግለጽ። ኩነታዊ ረቋሒኡ ከኣ ንእሽቶ ማሕበራዊ ምርበብ፡ ዘይዝውቱር ማሕበራዊ ክልተኣዊ ተግባብሮ፡ ሕጽረት ምውሳእ ኣብ ማሕበራዊ ተሳቶፎን ጉጅለታትን ክዀኑ ይኽእሉ።

“ተንገዘባዊ ግለላ” በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ግላዊ/ባዕላዊ ተመክሮ ኣብ ሕጽረት ማሕበራዊ ቀረብ፡ ከም እኒ እኹል ብጻይነት/ምሕዝነት፡ ሓገዝ፡ ዘይምህላው ክግለጽ ይኽእል። ኣመልከቲ “ስምዒታዊ ጽምዋን ኣባልነት/ምትእስሳር ዘይምህላው ከኣ፡ ተገንዘባዊ ዘይብቁዕነት ንሓድሕዳዊ ምቅርራብ (intimacy) ወይ’ውን ምሕዝነት ከመልክቱ ይኽእሉ።

ኣብ መንጎ “ማሕበራዊ ብትከት” ን “ተገንዘባዊ ግለላ” ዘሎ ፍልልይ ክንፈልጦ ከለና ሰባት ንማሕበራዊ ህይወቶም ብኸመይ ከም ዝኣልይዎ/ዘመሓድርዎ ጽቡቕ ምርዳእ ክህበና ይኽእል እዩ። ንገለ ሰባት፡ ብግሎም ዘሕልፍዎ ጊዜ ምስ ማሕበራዊ ቀረብ (social resources) ከየተኣሳስርዎ ይኽእሉ ‘ዮም።

ጽምዋ ምስ ዓቐንን ድግግም ማሕበራዊ መርበብን ኣዝዩ ሃሳስ ዝኰነ ዝምድና ኣለዎ። እዚ ማለት ገሊኣቶም ኣብ መንጎ ብዙሓት ከለው ስምዒት ግለላን ጽምዋን ዝወሓጦም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ክንስሕቶ የብልናን።

እዚ እቲ ሓፈሻ ምርዳእ ማሕበራዊ ህይወት ኰይኑ፡ ኣብ ዝመጽእ ጽሑፈይ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ዘለዎ ጽልዋ ከብርህ እየ።