ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣእምሮኣዊ ጥዕናን

እሽቶ ዘመደይ እያ። ዕድሚኣ ኣብ ከባቢ 20 ኣቢሉ ይኸውን። ምስ ተሌፎና ዘለዋ ጥብቖ ርኡይ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከኣ ከምዚ ክብል ሓቲተያ፦

“ንምንታይ ኢኺ ንግሆ ትስእ ምስ በልኪ ናብ ተሌፎንኪ ትቀዳደሚ፧”

ክትምልሰለይ ጊዜ ኣይወሰደላን። “ኣብ ዓለም እንታይ ይኸውን ኣሎ ክሓልፈኒ ኣይደልይ’የ። የዕርኹተይ እንታይ ይገብሩ ኣለው ክፈልጥ እደሊ እየ” ኢላትኒ። ዋላ ‘ኳ ብዕድመ ንእሽቶ እንተዀነት፡ እዚ ኣተሓሳስባ ናይ ኩሉ ሰብ መልሲ ምኻኑ ርዱእ እዩ።

እታ ኻልኣይቲ ከኣ ጓል 23 ዓመት ኣዝያ ጽብቕቲ ጎርዞ እያ። ኣብቲ ዝሰርሓሉ ናይ ኣእምሮ ሕክምና፥ ክንክን ክግበረላ ስድራኣ ሒዞማ መጺኦም። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ፥ ዕርቓና ወጺኣ ምርኢት ከተቕርብ ስድራኣ ስለ ዝረኸብዋ ኣዝዮም ተሻቒሎም፡ ዝገብርዎ ጠፊእዎም፡ ንሓገዝ ሒዞማ መጺኦም። ንሳ እንተዀነ ኩሉ ዕላላ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘለውዋ ብዝሒ ተኸተልቲ እዩ። ተኸተልቲ “followers” ንምብዛሕ ዝዀነ ክትገብር ፍቃደኛ እያ። ካብ ቅቡልን ግቡእን ማሕበራዊ ስነ-ምግባር ከኣ ኣውጺእዋ።

ማሕበራዊ መራኸቢታት

ማሕበራዊ መራኸቢ ሰብ ንሓድሕዱ ክራኸብን ክተኣሳሰርን ጽቡቕ ባይታ ፈጢሩ’ዩ። ንዓለምና ናብ ንእሽቶ ቁሸት ቀይርዋ ኣሎ። ሓበሬታ ካብ ሓደ ክፋል ዓለም ናብ ካልእ ክበጽሕ ሒደት ካልኢታት ጥራይ’ዩ ዘድልዮ። ዝተፈለላዩ ቤተሰብን የዕርኹን ብጽሑፍ ጥራይ ዘይኰነ፡ ገጽ ንገጽ እናተራእዩ ካብ ርሑቕ ክዘራረቡ ጽቡቕ ዕድልን ባይታን ፈጢሩ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ሰብ፡ ጉጅለታት፡ ውሑዳን/ንኡሳን ክፋል ሕብረተሰብ፡ ውጹዓት፡ ሓሳቦምን ተቓውሞኦምን ከስምዑ ሓድሽ መድረኽ ከፊቱ። እዚ ኸኣ ዓቢ በረኸት እዩ።

ኣብዛ ሕጂ ንነብረላ ዘለና ዓለም፤ ማሕበረዊ መራኸቢታት ከም እኒ facebook፣ twitter፣ snapchat፣ Youtube፣ instagram፤ ካልኦትን፥ ከም መራኸብን መተኣሳሰርን መሳርሕታት ንጥቀመሎም ኣለና። ፈይስቡክ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ኣብ ወርሒ ኣስታት 1.2 ቢልዮን ህዝቢ ይጥቐም። 42 ሚኢታዊት ከኣ ካብ ሓደ ንልዓሊ ማሕበራዊ መረኸቢ ከም ዘለዎም ይንገር። ዕድሚኦም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዀነ ከኣ፡  ኣስታት 45 ሚኢታዊት ፈይስቡክ ይጥቐሙ።

ማሕበራዊ መራኸቢታት ነታቶም ዝዀነ ጥቅሚ ‘ኳ እንተሃለዎም፤ ነቲ በኣካል ተራኺብካ ገጽ ንገጽ ምዕላል ግና ክትክኦ ኣይክእልን’ዩ። ጭንቀት ዘቓልሉ ሆርሞናት ኣካላትና ክለቅቅ፤ ሕጉሳትን ጥዑያትን ኣውታዊ ኣተሓሳስባ ክህልወና፤ ብኣካል ተራኺብና ክንተናኸፍ ተፈጥሮኣዊ ትዕድልቲ ምኻኑ ክንዝንግዖ የብልናን። ንማሕበራዊ መራኸቢ ኸኣ ብግቡእ ክንጥቐመሉ ክንሕልን ኣለና።

ኣውታዊ መልክዕ/ገጽ ማሕበራዊ መርበባት

ማሕበራዊ መራኸቢታት ብግቡእን ብዕላማን እንተተጠቒምናሉ፡ ብዙሕ መኽሰብ ክህበና ይኽእል እዩ። ገለ ንምጥቓስ

  1. ንምዝርራብን እዋናዊ ንምዃን ባይታ ይፈጥር።
  2. ተመሳሳሊ ተገዳስነትን ትሕልንትን ምስ ዘለዎም ሰባት መርበብ ክንፈጥር የኽእለና።
  3. ዘየጣዕስ ዕላማ ዘለዎም ስራሓት ክንጉስጉስ መድረኽ ይህበና
  4. ኣብ ጽንኩር ጊዜ ምጽንናዕ ክንልግስን ክንቅበልን የኽእለና
  5. ኣብ ርሑቅ ቦታ ንዝነብሩ፤ ማሕበራዊ ጭንቀት (social anxiety) ንዘለዎም፤ ኣብ ሓሳብ ሕብረተሰብ ዝተደረቱን ዝተነጸሉን (marginalize)፤ ማሕበራዊ ርክብ ክፈጥሩ የኽእሎም
  6. ንምህዞናን ቅብኣናን ንኻልኦት ከነቕርብን ከነላልን ባይታ ይህበና
  7. ዋጋ ዘለዎ ሓበሬታን ትምህርትን ክንረክብ የኽእለና
ኣሉታዊ ጽልዋ ማሕበራዊ መራኸቢታት

በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ፥ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብዙሕ ጊዜ ስለ እነጥፍእ፡ ንዝተፈላለየ ስነ-ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጸገማት የቓልዓና። ኣብ ዓለምና ዝወርድ ዘሰክሕ ሕሰምን ንነፍሲ ዘሰቕቕ ኩነታትን ብዙሕ እዩ። እዚ መግደራ ናብ ኣእዛናን የዒንትናን ክበጽሕ ጊዜ ኣይወስደሉን እዩ። ከይተረድኣና ንመዓልታዊ ደብዳብ ዝተቃላዕና ኢና። ስለ ዝዀነ ከይተረድኣና ሒደት ዘይኰኑ ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ጸገማት የሸክመና።

ንኣብነት፦ ኣብ መንጎ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ፡ ጭንቐት፡ ቅዛነት፡ ጸቕጢ፡ እቶም 3ተ ዝለዓለ ቦታ ሒዞም ዘለዉ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ተባሂሎም ይፍለጡ። ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብዝተገብረ መጽናዕቲ ከኣ፡ እዚ ጸገማት ምስ ደረቱ ዝሓለፈ ምጥቓም ማሕበራዊ መራኸብታት ብቐጥታ የተኣሳስርዎ። እቲ ኣዝዩ ዘሻቕል ሓቒ ከኣ፡ እዚ ጸገም ኣብ ተመሃሮ ጥራይ ዘይምኻኑ’ዩ።

ዕድሚኦም ካብ 18-29 ዘለዉ፡ 90 ሚእታዊት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታታ ከም ዝነጥፉ ይንገር። ኣብ መዓልቲ ከኣ ኣስታት 2 ሰዓታት ዝኸውን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ነጥፍእ። ክንበልዕ ከማን ክንድኡ ኣየጥፋእናን። ናይዚ ጽልዋ ኸኣ ዘይከሓድ እዩ።

ንሰምዖን ንምስክሮን ዓላቊ (bullying)፡ ምስትሕፋር (shamming)፡ ታህዲድ፡ ምትፍናን፡ ምፍልላይ፡ ክትዕ፡ ዓመጽ፡ ካልእን የዕለቕሊቕና ኣለና። ዳርጋ ጽቡቕ ወረን ዜናን ዘይዝረበሉ መድረኽ ኰይኑ ኣሎ። ሰባት ንጽቡቕ ወረ ኣእዛኖም ዘሳሐዮም ክመስል፡ ንከክፍኡ ዝህብዎ ኣቃልቦ ብዙሕ እዩ።

ብንሰምዖን ብንርእዮን ሓዘንና በዚሑ፡ ድቓስና ዝዝረገሉ እዋን ሒደት ኣይኰነን። ዓበይቲ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታ፥ 40 ሚኢታዊት ዓላቊ(bullying) የጋጥሞም። 73 ሚኢታዊት ከኣ ካልእ ክገጥሞ ተዓዚቦም ኣለው።  እዚ ኸኣ ንጭንቐት፡ ቅዛነት፡ ጽቕጠት፡ ካልኣዊ ማህሰይቲ ክንቃላዕ ይገብረና። ብዓቢኡ ኸኣ ውሽጣዊ ጸዓትናን ተምሳጥናን ደሪቑ፡ ኣብ ህይወት ዘለና ተገዳስነትን ንጥፈታትን ክድስግል ይገብሮ። ዝኸፍኣ ከኣ ንገሊኣቶም ክሳዕ ርእሶም ዘጥፍኡ ንውሽጦም ዘናወጾም’ውን ኣይተሳእኑን።

ንኻልኦት ጦብላሕታ ንምሕዳር፡ ናይ ምፍታው ምልክት “like” ንምርካብ፡ ክንደይ ከም ዝስዕቡና “follow” ከም ዝገብሩና ንምፋልጥ፡ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ብዘይ ኣገባብ ክንጥቐመሉ ተቀሲብና ኣለና። ገሌኣትና ምስ ማንነትናን ዋጋ ገዛእ ርእስና ከነተኣሳስሮ ንፍትን። እዚ ማለት ብዙሕ “like”፡ ሰዓብቲ “followers”፡ ርእይቶ “comment” እንተረኺብና፡ ብዙሕ ተቀባልነት ዘለና ኰይኑ ስለ ዝስምዓና፡ ዋጋና ዝወሰኸ ይመስለና።

ብኣንጻሩ ከምኡ ምስ ዘይከውን፡ ኣብ ርእስና ዘለና ኣጠማምታ ብኣሉታ ይትንከፍ። ናብ ትሑት ርእሰ-ጠመተ፡ ጭንቐት፡ ቅዛነት፡ ጸቕጢ ከኣ ይኸተና። ኣብ ርእስና ነምጽኦ ብርሰት ንምግማቱ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ።

ገሊኣቶም “ኣቓልቦ” (attention) ንምርካብ ዝኸድዎ መገድን ዘይርእይዎ ባህርይ ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ። ዋጋ ገዛእ ርእስና ካልኦት ምስ ዝህብዎ ርእይቶ ከነተኣሳስሮ እንተፈቲና፡ ኣብ መንደልሃጽ ደው ኢልና ከም ዘለና ክንፈልጥ ኣለና።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ስለ እንስበን (ብዙሕ ጊዜ ስለ እነጥፍእ)፡ ጸጸኒሕና ቸክ (check) ኣብ ምግባር ሓሳብና ስለ ዝውሰድ፡ ኣብ ከባቢና ዘሎ ውቑብ ነገር ከየቕለብናሉ ይሓልፍ። ገሊኣትና ዝሓለፍናዮ መገዲ ተመሊስና ከነለልዮ ንሽገር። ምስ ቤተሰብና፡ የዕርኹትና፡ መሳርሕትና ዕላል ከይነስተማቕሮ፡ ጽን ኢልና ከይነቕልብ፡ ኣቃልቦና የላግስን የስግልን። ኣብ ከባቢና ዘሎ ተፈጥሮ ከይንሕጎሰሉን ከይነስተማቕሮን ንኽልከል። እዚ ኸኣ ናብ ጽምዋን ተነጽሎን ይደፍኣና።

ማሕበራዊ መራኸብታት ዝፈጥርዎ ጸቅጥታት ዘይከሓድ እዩ። ‘ተዘይተጠንቒቕናሎም ከኣ፡ መብረሲ ናብ ዝዀነ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጸገም ክገዱ ይኽእሉ እዮም። ገለ ኣሉታዊ ገጻት ንምጥቓስ

  1. ብዛዕባ መነባብሮኻ ወይውን ትርኢትካ ዘይብቑዕነት ክስምዓካ ይገብር። ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝልጥፍዎም፥ ዝበለጸ ዝበልዎን ዘብለጭልጭን እዩ። እንርእዮ ኣሳእልን ቪዲዮታትን ዝተሰንዐ፡ ካብ ሓቕነት ዝረሓቀ ነገር ከም ዘለዎ ንፈልጥ ‘ኳ እንተኰንና፡ ካባና ንልዓሊ ከም ዝውቕቡን ሕጉስ ህይወት ከም ዘለዎም መሲሉና፡ ንናትና ኣቃሊልና ኣትሒትና ክንርእዮ ይቐስበና።
  2. ካብ ብጾትካ ድሕሪት ከይትተርፍ ወይውን ከይትድሕር ክትፈርህ ይገብር። ካልኦት ኣብ ማሕበራዊ ርክባት ክንርእዮም ከለናን፡ ካባና ንልዓሊ ዝሓሸ ናብራ ዝነብሩ ዘለው መሲሉና፡ ድሕሪት ዝተረፍና ይመስለና። ገለ ኣጋጣሚ ከየምልጠና ፍርሓት ስለ ዘለና ከኣ፡ ክሳዕ ንቀልብና ዝገዝእ ተተመሊስና ክንርእዮ ንግደድ።
  3. ምግላል። ብኣካል ምርካብ ገዲፍና፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ተጸሚድና ክንውዕል ከለና፡ ንጽምዋ ህይወትና የጋድዶ እዩ።
  4. ቅዛነትን ጭንቀት። በቲ ንርእዮን ንሰምዖን ኣዝዩ ዘጨንቕ ዘረባታትን ዜናታትን፡ ንቅዛነትን ጭንቐትን ንቃላዕ። ስምዒት ሓገዝ-ኣልቦነትን ተስፋ-ኣልቦነትን ክወረና ይገብር።
  5. ኣብ ሓልዮት-ርእስኻ ክትጥሓል (self-absorbed) ይፍንጥረካ። መጠኑ ዝሓለፍ ግላዊ ስእልታትካን ውሽጣዊ ሓሳብናን ከነካፍል ከለና፡ ዘይጥዑይ ርእሰ ፍትወት ብምምዕባል፡ ካብ ሓቐኛ ምትእስሳር ክንርሕቕ ይደፍኣና።

ከምቲ ካልእ ዘይሕጋግዊ መድሃኒታት፡ ከምኡ ኣመል (addiction) ማሕበራዊ መራኸቢ ኣዝዩ ዘሰክፍ ኰይኑ ኣሎ። 63 ሚኢታዊት ተጠቐምቲ ፋይስቡክ ህዝቢ ኣሜሪካ፡ ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ይኸፍቱ። 40 ሚኢታዊት ከኣ ልዕሊ ክልተ ጊዜ ኸፊቶም ይርእዩ። ሰባት ተተመሊሶም ክመጹ ዝገብሮም ከኣ፡ “like” ከም መተባብዒ ስለ ዝጥቐሙ እዮም። ብመጽናዕቲ ከም ዝተረጋገጸ ከኣ፡ ዝጭነቑን ርእሰ ምትእምማን ዝጎደሎም፡ ብብዝሒ ማሕበራዊ መራኸቢ ከም ዝጥቐሙ ይንገር።  ስለዚ ክንነቕክን ኣተሓሕዛ ከነጸብቐሉ ኣለና። ምስ ካልእ ሰብ ምውድዳር ከነቋርጽን፡ ኣብ “like” ዘለና ተገዳስነት ክጎድልን፡ ብዕላማ ክንጥቐመሉ ክንሕልን ኣለና።

እንታይ ንግበር፧

ማሕበራዊ መራኸብታት ናብ ዝኸድዎ የብሎምን። ኣቋርጾ፡ ዕጸዎ፡ ምባል ከኣ ፍትሓዊ ጥራይ ዘይኰነ፡ ግዜኻ ምጥፋእ’ውን እዩ። ዛህዲ (abstinence) ዝከኣል ስለ ዘይኰነ፡ ውሕስ ዝዀነ ኣጠቓቕማ ክንፈልጥን ከነማዕብልን ኣለና።

ብዛዕባ ጸልማት ጎኒ ማሕበራዊ መራኸቢ ክንዛረብ ከለና፡ ናይ ሰባት ውሽጣዊ ጸልማት ንዛረብ ምህላውና ከነስተውዕል ኣለና። ስለዚ ምስ መን ንዋሳእ፡ ንዘራረብን ንተኣሳሰርን ክንሓሪ መሰልና እዩ።

ኩሉ ብንቕሓት ዝጅመር ኰይኑ፡ እዞም ዝስዕቡ “ማሕበራዊ መራኸቢ ጥዕና (wellness) ከኣ ከነተግብር ሓጋዚ ክኸኑ ይኽእሉ’ዮም።

  1. ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነጥፍኦ ጊዜ ንከታተሎ።
  2. ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዕረፍቲ ንውሰድ።
  3. ካብ ክልተ ንልዓሊ ማሕበራዊ መራኸቢ ክህልወና ተመራጺ ኣይኰነን
  4. ምልክት ወሃቢ (notification) ነጥፍኣዮ
  5. ገዛእ ርእስና ኣብ ካልእ ዕዮ ንጽመዳ
  6. ተኺኢልና ኣብ ሰሙን 1-2 መዓልቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዘይንርእየሉ ውጥን ይሃልወና
  7. ናይ ተሌፎንና ገጽ ናብ ጸሊምን ጻዕዳን ክንቕይሮ መኽሰብ ኣለዎ። እዚ ድማ ከምቲ ካልእ ዘብለጭልጭ ሕብሪ ንውሽጥና ክስሓብ ዝምስጦ፡ ኣይከለዓዕሎን እዩ።
  8. ጭንቐትን ብዙሕ ታህዋኽ ዝፈጥሩልና፡ ካብ ዕርክነት ማሕበራዊ መራኸቢታት ንእለዮም። “unfollow” ንግበሮም።