ጠንቂ ሕፍረት (shame)

“ሕፍረት (shame)” ዝብል ኣምር ካብ ርእሰ-ማንነት (self identity) ዝሰፍሐ ዀይኑ፡ ምስ ዘለና ዝምድና ዝተኣሳሰረ እዩ። እዚ ማለት ዝምድናዊ ቃና፡ መንፈስ ዝሓዘለ’ዩ ። ከምቲ ዝሓለፈ ዝጠቐስናዮ፡ “ገበነኛነት” ስለቲ ዝፈጸምካዮ ጌጋ ኣብ መጋባኣያ ኣብ ቅድሚ ፈራዲ ከም ምቕራብ ክኸውን ከሎ፡ “ሕፍረት” ዝበሃል ግና ኣብ ቅድሚ ሕበረተሰብ ከም ምቕራብ የስምዕ። እዚ ማለት ከኣ “ነውሪ፡ ሕፍረት” ማለት ውድቀትናን ነገርናን ኣብ ቅድሚ የዒንቱ ካልኦት ቀሪቡ፡ ናይ ዘይብቁዕነት፡ ዘይምሉእነት ፍርዲ ክህብሉ ከለው’ዩ።

 

  • ሰብ ካብታ ሓጢኣት ዝገበረላ እሞ የዒንቱ ዝተኸፍታላ ግዜ ኣትሒዙ ርእሰ ንቕሓት (self-conscious) ክህልዎ ጀሚሩ። ስለዚ’ዩ “ጥርሖም ምኻኖም ፈለጡ” ዝብለና። ዘፍጥረት ምዕራፍ 3  ንገዛእ ርእሱ በዒንቲ ኣምላኽ ምጥማት ገዲፉ፡ በዒንቲ ገዛእ ርእሱን፡ በዒንቲ ካልኦትን ክጥምታ ምስ ጀመረ፡ ዘይብቁዕነት፡ ዘይምሉእነት፡ ዘይምልጋብ፡ ዋጋ ኣልቦነትን ክገዝኦ ከሎ ተሰሚዕዎ።  ሰብ ንርእሱ ብባዕሉ ክርእያ የዒንቱ ተኸፊቱ። ካልኦት ከኣ ክርእይዎ ከም ዝኽእሉ ፈሊጡ። እዚ ኸኣ ናይ ዘይምእዛዝ ሳዕቤን’ዩ።  

 

  • “ሕፍረት” እምበኣር፡ ካልኦት ይፍለጡ ኣይፍለጡ፡ ወሽጣዊ ናይ ዘይብቁዕነት፡ ጥራሕካ ምኻን፡ ዘይእኹልን ጎደሎ ከም ዝዀንካ እትስከሞ ስምዒት’ዩ። እዚ ማለት ከኣ ኩለንትናኻ ከም ዝተበላሸወ፡ ኢንታ ከም ዘለካ ኰይኑ ክስምዓካ ይገብር።
  • ክትሕባእ፡ ከንተሳሕብ ክትደሊ ይገብረካ። በዚ ውሽጦም ዝተታሕዘ ኸኣ ንዝተፈለለየ ኣመላት (addition) ይጋለጹ።

 

ሰለስተ ዓይነት ጠንቂ ሕፍረት

 

  1. ናይ ሓጢኣት ሕፍረት

 

ካብታ ኣዳም ሓጢኣት ዝገበረላ ህሞት ኣትሒዙ ኣብ ሰብ ዝኣተወ ውሽጣዊ ስምዒትዩ። ሰብ ሓጢኣት ምስ ገበረጥርሑ ምኻኑ ምፍላጡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ፈሪሑ ክሕባእ ጀሚሩ። እዚ ኸኣ ካብ እግዚኣብሔርን ካብ ከምኡ ዝበለ ፍጡርንዩ። እዚ ውሽጣዊ ባዶነትን ስምዒት ጥራሕካ ከም ዝዀንካን ኣብ ኩሉ ሰብ ኣሎ። ካብዚ ኸኣ ማንም ፍጡር ክሕባእ ኣይክእልንዩ። ዘፍ 3:10

ብዘይካ ብቀዳማይ ኣዳም ዝኣተወ ሓጢኣት፡ ሰብ ብባዕሉ ዝገብሮ ሓጢኣት ኣሎ። እቲ ዝገብሮ ሓጢኣት ከኣ ንገሊኡ ኣብ ገበንኛነት፡ ንገሊኡ ኸኣ ናብዚ ንብሎ ዘለና “ሕፍረት (shame)” ከስጥሞ ይኽእል። ቃኤል ከም ምሳሌ እንተወሲድና፡ ንሓዉ ምስ ቀተሎ እሞ ኣብ የዒንቲ እግዚኣብሔር ከም ዝተጋህደ ምስ ፈለጠ፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሔር ክሕባእ ከም ዝወጸ፡ ኰብላልን መቅባሕባሕን ከም ዝዀነን ይነግረና። ብፍላይ ከኣ “ዝረኸበኒ ዘበለ ክቐትለኒ’ዩ” ዝበሎ ነዚ ንብሎ ዘለና የረድኣና። ብዛዕባ ክርእዮ ዝኽእል ዘበለ ሰብ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ስቅቕታን ፍርሕን ከኣ “ሕፍረት” ንብሎ (ዘፍ 4፥14) ። ተግባራዊ ምሳሌ ክንርድኦ ምስ እንፍትን፡ ሓንቲ ሓፍቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ውሽጣ ዘሎ ድቂ ምስ እትንጽሎ፡ ካብዚ ጌጋ ዝዀነ ተግባር ዝተላዕለ “ገበንኛነትን ሕፍረትን ተሰኪማ ንዓመታት ክትነብር ትኽእል እያ።


ዳኒ 9፥ 8 “እወ፣ ጐይታየ፣ በዲልናካ ኢና እሞ፣ ንኣና፣ ንነገስታትና፣ ንመሳፍንትና፣ ነቦታትናውን ሕፍረት ገጽ እዩ።”

 

  1. ግዳያዊ ነውሪ።

 

እዚ ነውሪ እዚ ኸኣ ሰብ ኣብ ህይወቱ ካብ ዝገጥሞ፡ ግዳይ ካብ ዝዀነሉ ነገራት ዝብገስዩ። ገሊኡ ንዓመጽ (abuse) ግዳይ ኰይኑ ኣሎ። ገሊኡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምስ ከም ዝተዋረደ፡ ዝተገፍዐ፡ ዝተነጽገ፡ ዝቐለለ፡ ዝሓሰረ ዝስምዖ ዘይክሓድ ስምዒት ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዙሕ መገዲ ተዘጊቡ ኣሎ። ገለ ምሳሌታት ንምጥቃስ፥

 

ወዲ ንጉስ ሓሞር ምስ ጓል ያእቆብ ምስ ደቀሰ፡ ግብረ መልሲ ስድራኣ ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ፡
ዘፍ 34፡7 – “ደቂ ያእቆብ ድማ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ካብ መሮር አተዉ። እቶም ሰባት ከኣ ምስ ጓል ያእቆብ ብምድቃሱ ኺግበር ዘይግባእ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረ፡ ጕህዮም ኣዝዮም ተናደዱ። “ምግባሩ ዘይግባእ ነውሪ” ኣብ ሓፍቶም ስለ ዝተፈጸመ፡ ኣዝዮም ጉህዮምን ተናዲዶምን። እዚ ከኣ ናይቲ ኣብኦም ዝወረደ “ሕፍረት (shame) ግብረ መልሲ’ዩ።

ካልእ’ውን ኣምኖን ኣብ ሓፍቲ ኣቤሰሎም ታማር ዝገበሮ ነውሪ ዓቢ ምሳሌ ክኹነና ይኽእል። ምስኣ ክድቅስ ኢሉ ኢዳ ኣጽኒዑ ምስ ሓዛ፡ ታማር ከምዚ ክትብል ልመናኣ ኣቅሪባ፥

2 ሳሚ 13: 12-13“ንሳ ኸኣ፡ ኣይፋልካን ሓወየ፡ ኣይተነውረኒ፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ እሞ፡ ነዚ ዕሽነት እዝስ ኣይትግበሮ። ነዚ ነውረይ ተሰኪመኸ ኣነ ናበይ ክኸይድ እየ፡ ንስኻውን ከም ሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ዓያሱ ኽትከውን ኢኻ። ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ንጉስ ንኣይ ኣይኸልኣካን እዩ እሞ፡ ንእኡ ንገሮ፡ በለቶ።”

 

ብፍላይ ኣብዚ ሓሳብ ሓዋ ኣብ ልዕሊኣ ብዝገብሮ፡ ንዘመን ህይወታ “እትሰከሞ” ነውሪ፡ ሕፍረት፡ ከም ዘሎ ብኣጋኡ ተረዲእዋ። ሓዋ ምስ ዓመጻ ኸኣ ተኸዲናቶ ዝነበረት ቀምሽ ድንግልናኣ ቀዲዳ፡ ኣብ ርእሳ ሓኹምሽቲ ነስኒሳ እናእወየት ናብ ሓዋ ኣቤሰሎም ከይዳ። ሓኹምሽቲ ኣብ ርእሳ ምንስናሳ፡ ከም በሊሕ ፍላጻ ኣብ ነፍሳ ሰንጢቑ ዝኣተወ ጓሂ ከም ዝነበረ የረድና። ቀጺሉ’ውን ነዚ ንብሎ ዘለና ብግልጺ ዘረድኣና ተጻሒፉ ኣሎ። “ታማር ድማ ብጉህይታ ኣብ ቤት ኣቤሰሎም ሓዋ ተቐመጠት”።  እዚ ታሪኽ ኸኣ “ሕፍረት” ዝበሃል ክሳዕ ክንደይ ጥራሕናን ቃልዕን ከም ዝዀና ክስምዕና ዝገብር ዓቢ ሓይሊ ምኻኑ ይምህረና። ኣብ ሕብረተሰብና’ውን ዝተዓመጸ፡ ሰብኣውነቱን መሰሉን ዝተጋህሰ ታእላው የብሉን። ስለ ዝዀነ “ሕፍረት” ገጹ ዘገልበቦ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ።

 

እቲ ዘገርም ሓዋ ኣቤሰሎም ክትገብሮ ዝነገራ ዘረባ ናይ መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ ዘሕዝን ግብረ መልሲ’ዩ። ከምዚ ድማ በላ፡ “… ስቕ በሊ፡ ነዚ ነገር ኣብ ልብኺ ኣይተንብርዮ”። ተደፊራን ተጋሂሳን ክነሳ፡ ከመይ ኣብ ልባ ኣይተንብሮን፧ ከምቲ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ግና፡ “ሕፍረት” ሓይሉ ካብ ስቕታ ከም ዝሰንቕ ዝርዳእ ሰብ ሒደት’ዩ።

 

ካልእ ምሳሌ’ውን ሙሴ ስለ ምርያም ሓፍቱ ምሕረት ምስ ለመነ፡ እግዚኣብሔር ዝሃቦ ምላሽ’ዩ። ከምዚ ድማ ይብል፥

ዘሁ 12: 14-15 – እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ኣቦኣ ኣብ ገጻ ጡፍ እንተ ዚብለላስ፡ ሾብዓተ መዓልቲዶ ኣይምሐፈረትን፧ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ሾብዓተ መዓልቲ ትተዐጾ፡ ደሓር ከኣ ትእቶ፡ በሎ። ሚርያም ድማ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ሾብዓተ መዓልቲ ተዐጽወት። እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ሚርያም ክሳዕ እትምለስ፡ ኣይነቐለን።

 

እዚ ሓሳብ ከኣ ወለዲ ኣብ ልዕሊ ወለዶም ዝገብርዎን ዝዛረብዎን ዘረባ ክሳዕ ክንደይ ሃሳይ ክከውን ከም ዝኽእል ግሉጽ ጌሩ የረድና። ዘይግባእ ጸርፊ ማለት በዓለገ፣ ደንቆሮ፡ ድቃላ፡ ክፉእ ባርያ፡ ካልእን ከቢድ ቃላት ክንጠቅስ ንኽእል። ከም መስሓቅ ኣምሲልካ’ውን እንተዀነ ዝዝረብ ዘረባ ንሰብ ኣብ ውሽጡ ኣትዩ ዕንወት ከምጽኣሉ ይኽእል’ዩ። ዝተነጸግካ፡ ዝተነጸልካ፡ ዘይትድለ ኰይኑ ክስምዓካ ከሎ፡ ዘይሕጋውነት ዝበሃል ሓሳባት ንሰብ ኣብ ሕፍረት ክሸሞ ይኽእል። ሓርቆትን ቁጥዓን ዝተሓወሶ መቅጻዕቲ፡ ክትጽፋዕን ገደብ ዘይብሉ ማህረምትን፡ ስምዒታው ማህሰይቲ፡ ዘይግባእ ማእሰርትን ካልእን ንሰብ ግዳይ “ሕፍረት” ክገብሮ ይኽእል። ንሕና ከም ሕብረተሰብ ከኣ ነዚ ክንድርኦ ቀሊል’ዩ።

 

  1. ሕብረተሰብኣዊ ነውሪ።

 

እዚ ካብቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ኣተሓሳስባ ዝተላዕለ ዝብገስ ስምዒታዊ ጾርዩ። ሃና ውሉድ ስለ ዘይነበርዋ፡ መጣጊ፡ ኢንታ (stigma) ሕብረተሰብ ስለ ዝኸበዳ፡ ክሳዕ ሸውሃታ ዝጠፍእ፡ ልባ ኸኣ ብጓሂ ተዘቢሑ፡ ከም ዝኸበዳ ይነግረና። ኣብቲ ሕብረተሰብ ከም ኢንታ ይርአ ከም ዝነበረ ካብ ቃላት ጵኒና ክንርድኦ ንኽእል። “ተላግጸላ ኸኣ ነበረት” ይብል። (1 ሳሙ 1፡6) ዘይወለደት መርዓት ኢንታ ከም ዘለዋ፡ ከም ዝተረግመት ጌርካ ከም ዝርአ፡ ካብ ሕብረተሰብና’ውን ክንመሃሮ ንኽእል ኢና።

ኣብ ዮሃ 9 እንተነቢብና’ውን ኣብቲ ብዕውሩ ዝተወልደን ኣብ ስድራኡን ዝነበረ ኣጠማምታ፡ ናይቲ ዝነበርዎ ሕብረተሰብ ኣተሓሳስባ ነጸብራቅ’ዩ።  “ዕዉር ኰይኑ ዝውለድሲ መን’ዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ ኢሎም ሓተትዎ”። ዮሃ 9፡2 እቲ ኩሉ ዝኽእል ዝረኣዮን ዝቆጸሮን በደል ዘይነበረ ክነሱ፡ ንምግሃድ ክብሪ ኣምላኽ ዝዀነ ክነሱ፡ እቲ ሕብረተሰብ ግና ባዕሉ ዝሃነጾ ኢንታ ከም ዝነበረ የረድኣና። ንዓመታት ዝኣክል ከኣ እቲ ጎበዝ ኰነ ስድራኡ ተሸኪሞሞ፡ ተጎልቢቦሞ ዝኸዱ ዝነበሩ “ሕፍረት” ነይሩ።

ኣብ ሕብረተሰብና’ውን ንዘይወልደት፡ ዘይተመርዓወት፡ ስንክልና ንዘለዎ፡ ብሓዳሪ ሕማም ንዝሳቐዩ፡ መስተን ካልእ ነገራት ንዝመለኮምን፡ ንዝተፋትሑ ስድራቤት ወዘተ. ዘለዎ ኣጠማምታ ብዙሕ ሕቡእ ኣይኰነን። ብፍላይ ኣብ ዘመንና ሓጺር ነዊሕ፡ ጸሊም ቀይሕ፡ ቀጢን ሮጊድ፡ እናተባህለ ዝግበር ኣፋላላይ ንብዙሕ ሰብ ኣብ “ሕፍረት” “ሕንኪ” ቆሊፍዎ ምህላዉ፡ ናይ መዓልታዊ ትዕዝብታትና’ዩ።

ስለዚ ሓወይ/ሓፍተይ ዝተሰከምካዮ/ዝተሰከምክዮ “ሕፍረት” ኣሎ’ዶ፧ መንቀሊኡ ካበይ እዩ፧

Author

Samson Mesghena