ምህናጽ ስምዒታዊ ብልሒ

ምዒት ሓደ ክፋል ማንነትና ‘ዩ። እዚ ኸኣ ንህይወትናን ናብራንና ውቑብ ይገብሮ። ህይወት ብዘይ ስምዒት እንታይ ምዀነ፧ ፈጣሪ ስለ ዘፍቕረና ካብ ውቑብ ዝዀነ ማንነቱ ኣማቒሉና። ስምዒት ድማ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ንሰብ ዝተዓደለ በረኸታት ‘ዩ። ስለዚ ብዝግባእ ክንፈልጦ፡ ውሽጡ ጎልጒልና ፍሪኡ ክንበልዕ ጥበብ’ዩ።

ዝበዝሕ ጊዜ ንስምዒታት እንህቦ ኣቓልቦ፡ ዘለና ርድኢት ጥምዓዊ ‘ዩ። ከም ኩሉ ክፋል እንታይነትና፡ ንስምዒታት ብዝግባእ ክንኩስኩሶን ክንከናኸኖን ከም ዘለና ንዝንግዕ ኢና። ከም ውጽኢቱ ድማ ስምዒታውዊ ጥዕናና ማህሚኑ፡ ብዙሕ ተበኪሉ ንረኽቦ። ካብኡ ዝተላዕለ ኸኣ ሰማያት ስምዒታትና ተደባኒው፡ ምስ ካልኦት ዘለና ርክብን ዝምድናን ይሕርፍፍ።

ስምዒታትና ክንድቲ ዝበርትዖ፡ ክንድኡ ኸኣ ንተግባብሮና ክቖጻጸሮን ክዝውሮን ከም ዝኽእል ምፍላጥ ምስትውዓል ዩ። ንርትዓዊ ኣተሓሳስባና’ውን ክውሕጦ ይኽእል። ኣብ ዝዀነ ኩነት ምዕሩይ ስምዒታዊ ሃዋህው ክህልወና ክንጽዕት ኣለና። ብፍላይ ኣብ መንጎ ህይወትን ሞትን ክንጥልጠል ከለና፡ ስምዒታዊ ጭውያ ክገጥመና ንቡር ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ስምዒታትና ዘለና ኣፍልጦ ክዓቢ ኣማራጺ ዘይብሉ ግላዊ ምርጫ ‘ዩ።

“ስምዒታዊ ጭውያ” ኸኣ ካብ ፍርሕን ስምባደን ዝተላዕለ ኣእምሮናን ኣተሓሳስባናን የልምሶ። ናብ ኣተሓሳስባና ‘ተዘይተመሊስና፡ ካብ ዘንጻላልወና ሓደጋ ከነምልጥ ከቢድ ‘ዩ። ግቡእ ውሳኔ ናይ ምውሳን ዓቕምና ይቐትሎ። ርእስና ኣህዲእና መገድና ተዘይቐይስና፡ ካብ ዕንወት ከነምልጥ ኣይንኽእልን። ኣብ ኣዝዩ ኣዋጣሪ ኩነት፡ ኣተሓሳስባና ካብ ፍርሕን ራዕድን ከየውጽኣና ይኽእል ዩ። ስምዒታትና “ጅሆ” ተታሒዙ ከይለምስ ግና ይሕግዘና።

ብተፈጥሮ ስምዒታውያን መታን ክንኸውን፡ ኣእምሮና ምስ ኸምኡ ዝበለ ማንነት ተኣሊሙ። ኣብ ዝዀነ ኩነት መጀመርያ እንህቦ ምላሽ፡ ስምዒታዊ’ዩ። እንርእዮን እንጥምቶን ነገራት ናብ ኣተሓሳስባና ቅድሚ ብምጻሑ፡ ብመጀመርያ ንስምዒትና ይቕስቕስ። ግቡእ ምግታእ ርእሲ ተዘይብልና ኸኣ፡ ስምዒታትና ንተግባብሮናን ባህርያትናን ይዝውሮ።

እዚ ከምዚ ዝበለ ተፈጥሮኣዊ መስርሕ ክንቕይሮን ክንቖጻጸሮን ዝኽእል ኣይኰነን። ዋዒ ስምዒታትና ዝሒሉ፡ ብድሕሪኡ ዝኽተል  ኣተሓሳስባና ክንቆጻጸሮ ግና ንኽእል ኢና። ርእሰ ንቅሓት ምስ ዝህልወና፡ ንስምዒታትና ንእህቦ ምላሽ ብምርዳእ እናዀነ ይመጽእ።

ተመክሮታትና ዝፈጥርዎ ስምዒታት ብዙሕ’ዩ።፡ ንገለ ካብኣቶም ዓቢ ንቅሓት ኣለና። ኣብ ገለ እዋናት ግና ስለ ዘይነቕልበሉ፡ ገለ ስምዒታት ፈጺሞም ዘየለው ይመስሉና። ገለ ኩነታት ንንውሕ ጊዜ ዝጸንሕ ስምዒታት ዝፈጥሩ ‘ዮም። ነዚኦም ከምዚ ዝበሉ ኩነታት ከኣ፡ “ወላዕቲ/ቃታዊ ፍጻሜ” (trigger event) ንብሎም።

“ንወላዕቲ” (triggers) እንህቦም ምላሽ ከኣ ብግላዊ ታሪኽናን ተመክሮናን ዝተቀርጹ ‘ዮም። ስምዒታዊ ብልሕና እናዓበየ ምስ ዝኸይድ፡ ምስ ጊዜ ኸኣ “ወላዕቲ (triggers)” እናላለናዮም ንኸይድ። ምልምማድና ኸኣ ፍረ ዘለዎ ምላሽ ክህልወና የኽእለና።

ንምሳሌ፡ ሓርቖት ምግታኡ ስኢና ብዙሕ ንሽገር ኢና። “ስምዒታዊ ብልሕና” እናዓበየ ክኸይድ ከሎ፡ ንሕርቓና ዝትኹስ፡ ዘለዓዕል ቓታታት እናለለናዮም ንመጽእ። እዚ ልምምድ ከኣ ኣብ ሕርቓን ላዕለዋይ ኢድ እናሃበና ይመጽእ። ስለዚ እዚ ወላዕቲ (triggers) ዝብል ኣምር ብዝግባእ ክንርድኦ ይግባእ።

ስምዒታዊ ምስ ኣእሮኣዊ ንቕሓት

ስምዒትዊ ንቅሓት ዝበሃል ስምዒታትካን ስምዒት ካልኦትን ኣፍልጦ ክትህብን ክትርዳእ ከለኻ፡ ነፍሳዊ ንቕሓት (awareness) ተጠቒምካ ከኣ ባህርያትካን ዝምድናታትካን ብዝግባእ ክትኣሊ ከለኻ ማለት’ዩ።  ንባህርያትና ብኸመይ ንኣልዮ፡ ማሕበራዊ ሕልኽላኽ ብኸምይ ‘ነመሓድሮ፡ ግላዊ ውሳኔ ብምግባር ኣውንታዊ ውጽኢት ንክንጭብጥ ዝጸሉ ብጽሕና ‘ዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዘሎ ስምዒታዊ ንቕሓት ብዝግባእ ክንጭብጦን ክንርድኦን ዘሸግር ነገር ‘ዩ።

ስምዒታዊ ንቅሓት መሰረታዊ ባእታ ሰብኣዊ ባህርይ ዝትንኪ፡ ካብ ኣእምሮ (intellect) ዝተፈለ ‘ዩ። ተመራመርቲ ከም ዝገልጽዎ፡ ኣብ መንጎ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ብልሓት (IQ and EQ) ዝተፈልጠ ምትእስሳር የልቦን። ኣተሓሳስባና ካብ ስምዒትና፡ ስምዒታትና ኸኣ ካብ ኣተሓሳስባና ተፈልዮ ክቐውም ከም ዘክእል ምርዳእ ግና፡ ንኽልቲኣቶም ሚዛን ክንህቦም ይድግፈና።

ናይ ሓደ ሰብ ስምዒታዊ ብልሒ (EQ)፡ ብኣእምሮኣዊ መንፋዕቲ ክንግምቶ ዝከኣል ኣይኰነን። ኣእምሮኣዊ ብልሒ (ኣ.ብ.) (IQ) ተዓጻጻፊ ኣይኰነን። ኣ.ብ. ውሉድ ምስ በልና ኣትሒዙ ሓደ ዓይነት ምኻኑ ፈላጣት ይዛረቡ። ገለ ሓበሬታ ስለ ዝቐሰምካ ኣእምሮኻ (ፍህመትካ) በሊሑ ማለት ኣይኰነን።

“ኣእምሮኣዊ ብልሒ” ክንብል ከለና ንምምሃርን ምስትውዓልን ዘለና ብቅዓት ማለት’ዩ። ከምቲ ወዲ 15 ዓመት ከለና ከምኡ ወዲ 50 ምስ ኰንና፡ ናይ ምምሃር ዓቕምና ሓደ ከም ዝዀነ ይዛረቡ። ንኽንመሃል፡ ክንርዳእ፡ ዝተረዳእናዮ ኣብ ምትግባር ዝሕግዘና “ኣእምሮኣዊ ብልሒ” (IQ) ‘ዩ። ኣብ ትምህርቲ ክንዕወት ከኣ የኽእለና።

በቲ ሓደ ሽነኽ፡ “ስምዒታዊ ብልሒ” (EQ) ክንመሃሮ ንኽእል ተዓጻጻፊ ክእለት ‘ዩ። ስምዒታዊ ብልሒ ገለ ሰባት ካብ ናይ ካልኦት ብተፈጥሮ ክበልጽ ዝኽእል ኳ ተዀነ፡ ክዓቢ ዝኽእል ክእለት ምኻኑ ምፍላጥ ከኣ ኣገዳስነት ኣለዎ። ስምዒታትናን ስምዒት ካልኦትን ክንርዳእ የኽእለና። ብሓፈሻ ኣብ ትምህርቲ ዘይኰነ፡ ኣብ ህይወት ብፍላይ ከኣ ኣብ ዝምድና ዕውታት ክንከውን የኽእለና።

ሰብኣዊ ማንነት፡ ውልቓዊ ባህርይ

ሰብኣዊ ማንነት ካልእ ክፋል ናይቲ ግድል (puzzle) ‘ዩ። ንነፍሲ ወከፍና ዝገልጸና ቀዋሚ ዝዀነ “ቅዲ” (style) ህይወትና ዩ። ማንነትና ውጽኢት ግላዊ ምርጫና ኣይኰነን። ንምሳሌ፡ “ርእሰ-ጥሑል” (introvert) ዝዀነ ሰብኣውነት ዘለዎ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ-ርእሱ ብዙሕ ዘስተንትን ሰብ’ዩ። ካብ ኣብ ነብሱ ንልዓሊ ብዝያዳ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ከባቢኡ ዝግበር ዝግደስ ሰብ ከኣ “ሕውስ” (extrovert) ንብሎ። ከምቲ ዝበልክዎ እዚ ኸኣ ምሳና ዝውለድ፡ ብምርጫ ዘይነምጽኦ፡ ምስ ጊዜ ኣዝዩ ሒደት ብዝዀነ መገዲ ክቕይር ዝኽእል ግላዊ ማንነት’ዩ።

ከም ኣእምሮኣዊ ብልሒ (IQ) ፡ ሰብኣዊ ማንነት ሰብ ንምግማት፡ ናይቲ ሰብ ስምዒታዊ ብልሒ ክንጥቀም ኣይንኽእልን ኢና። ፐርሰናሊትይ (personality) ኣብ ኩሉ ዘመን ህይወትና ዳርጋ ሓደ ዓይነት’ዩ። ገና ዕሸላት ከለና ባህርያቱ ይግለጽ። ሰብኣዊ ባህርያት ምስ ልዑል ኣእምሮኣዊ ብልሒ ከተሓሕዝዎ ዝፍትኑ ብዙሓት ኣለው። በይኖም ብዙሕ ከሕልፉ ዝደልዩ ልዑል ስምዒታዊ ብልሒ (EQ) ከም ዘለዎም ጌርና ክንቆጽሮም ልማድ ኣሎ። እዚ ግና ትኽኽል ኣይኰነን። ስምዒታዊ ብልሒ (EQ) ማንነትና ንፍላጥን ንምርዳእን ክንጥቀመሉ ዝከኣል’ዩ። የግዳስ ስምዒታዊ ብልሕና (EQ) ኣብ ሰብኣዊ ማንነትና (personality) ዝተሞርኰሰ ኣይኰነን።

ስምዒታዊ ብልሒ (EQ) ተዓጻጻፊ እዩ። personality ግና ብዙሕ ዝቅየር ኣይኰነን። ናይ ሓደ ሰብ ምሉእ ምርዳእ ክህልወና ተዀይኑ፡ ኣእምሮኣዊ ብልሒ (IQ), ስምዒታዊ ብልሒ (EQ), and ሰብኣውነት (personality) በብሓደ ጌርና ክንመምዮን ክንምርምሮን (assess) ሓጋዚ ‘ዩ። እዚ ሰለስተ ክፋላት ሰባት ንሓድሕዶም ዝተመሳቐሉ ኣይኰኑን። ነናቶም ዝኰነ ዝሽፍንዎ ባይታ ኣለዎም።

ክፋላት ስምዒታዊ ብልሒ

ስምዒታዊ ብልሒ ሓደ ክፋል ማንነትና ‘ዩ። ስምዒታትና ስምዒት ካልኦት ክንርዳእ የኽእለና። ዝርጋሐኡ ከኣ ካብ ርእሰ ንቕሓት ዝጅምር ኰይኑ ክሳዕ ጥዑይ ዝዀነ ማሕበራዊ ዝምድና ምህናጽ ከኣ ይዝርጋሕ። ኣርባዕተ ክፋላት ስምዒታዊ ብልሒ ኸኣ

  1. ርእሰ ንቕሓት
  2. ርእሰ ምሕደራ
  3. ማሕበራዊ ንቕሓት
  4. ዝምድናዊ ምሕደራ

ነዚ ኣርባዕተ ነጥብታት ኸኣ ኣብ ዝቕጽል በብሓደ ጌርና ክንርእየን ኢና።