ግዳይን ሳዕቤኑን (3ይ ክፋል)

እቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቀ መንገደኛ፡ ድሕሪ ‘ቲ ዝገጠሞ ዘይተጸበዮ ሓደጋን ማህሰይትን፡ ኣብ መንጎ ህይወትን ሞትን ተንጠልጢሉ ከሎ፡ በቲ መገዲ ዝሓልፍ ዝነበረ ርሕሩሕ ሳምራዊ ናብኡ “መጺኡ ርእይዎ”። ሉቃ10:33 እዛ “መጸ” እትብል ሓረግ ኣዝያ ዓሚቅ ትሕዝቶ ኣለዋ። ምስቲ ጎይታ የሱስ ከድሕነና ኢሉ፡ ክብረቱ ገዲፉ ምምጻኡ ተመልክተና። ከምቶም ክልተ ግቡዛት ሃይማነታውያን ሰባት፡ ብጎቦ የዒንቱ ርእይዎ ክሓልፎ ኣይደለየን። ንርእሱ እናማጻደቀ፡ ዝገበሮ ሓጢኣት ስለ ዘሎ እዚ ረኸቦ ብምባል ክፈርዶ ኣይደለየን። “ርሕሩሕ” ስለ ዝዀነ ከብዱ ኣይገበረሉን። ናብኡ መጺኡ፡ ናብ ዝወደቆ ደረጃ ወሪዱ፡ “ርእይዎ” ሃለዋቱ ገይሩ። እዚ ኸኣ ውነኻ ዝምስጥ ርሕራሔ እዩ። ክንመሃረሉ ኸኣ ኣለና። ቀጺሉ ኸኣ ከምዚ ድማ ይብለና፡

  1. ደንገጸሉ፡
  2. ኣቁሳሉ ሰፈፈሉ፡
  3. ወይንን ዘይትን ኸኣ ኣፍሰሰሉ፡
  4. ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ከኣ ወሰዶ፡
  5. ንሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ከኣ ተኸናኸኖ በሎ፡ ይብል።

እዚ ሓሙሽተ ነጥቢ ድማ ዓቢ መንፈሳዊ ትሕዝቶ ኣለዎ። ሰብ ኣብ ጸላኢ ወዲቁ ከም ዝተገፍዐን፡ ዝተጸቅጠን፡ ዝተሳዕረን፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ካብ ፈጣሪኡ ተፈልዩ ኣብ ሞት ይነብር ከም ዝነበረን ምስ ረኣየ፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ክብረቱ ገዲፉ፡ ማዕረ ኣምላኽ ምኻኑ ከም ምምንዛዕ ከይረኣየ፡ ገዛእ ርእሱ ባዶ ጌሩ፡ ናብ ዝወደቅናዮ ደረጃ ወሪዱ፡ ሃለዋትና ክገብር ብስጋ መጺኡ። ከም ባርያ ተኣዚዙ፡ ክሳዕ ሞት ተዋሪዱ፡ ምድሓና መታን ክፍጽም ኣብ መስቀል ሞይቱ። ፊሊ 2:5-10

ግብ10:38 – “ማለት ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ፡ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ፡ ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኲሎም ከኣ ከም ዘሕወየ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

ንየሱስ ጽቡቅ ምግባር ልማዱ’ዩ። ንሱ ዝሕጎስ ጽቡቅ ክገብረልና ከሎ ጥራይ’ዩ። ሰናይ ዝዀነ ባህርይ ስለ ዘለዎ፡ ሰናይ ይገብረልና። እናዞረ ንኹሉ ጽቡቅ ይገብር ከም ዝነበረ፡ ወንጌላት እንተነቢብና ብቀሊሉ ክንርድኦ ንኽእል። የሱስ ጓሳ ከም ዘይብልና፡ ኣደዳ ጸላኢና ሰይጣን ኬንና፡ ፋሕ ኢልና ምስ ረኣየና፡ ደንጊጹልና

“ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ ደንገጸሎም።” ማቴ9:36 -

እታ “ግፉዓት” እትብል ሓረግ፡ ከም ኣብ ኢሰ9:4 ኣብዚ’ውን ተጠቂሳ ኣላ። እዚ ዘመልክተና ከኣ ብመናፍስቲ እከይ ዝተጸቅጡ፡ ዝጭነቁ፡ ዓቅሎም ዝጸበቦም፡ ውሽጦም ዝደመየ፡ ትንፋስ ሓጺርዎም ትልኽ ዝብሉ፡ ቀሪቡ ዝድንግጸሎም ዝጽበዩ፡ ከም ዘለዉ የረድኣና። ነዚ ኸኣ ብዙሕ መረጋገጺ ዘይንደልየሉ፡ ሰይጣን ኣብ ሰብ ጸምጽኦ መግደራ’ዩ። እዚ ስለ ዝረኣየ ኸኣ የሱስ “ደንጊጹልና”። ከድሕነና፡ ከናግፈና፡ ኸኣ ብስጋ ተገሊጹ። እዚ ከኣ ንሰብ ክንገር ዘለዎ ዝዓበየ ብስራት’ዩ።

የሱስ ደንጋጽ ኣምላኽ’ዩ። ስብራትና፡ ስምብራትና፡ ስቃይና፡ ቃንዛና፡ ዝስምዖ ርሕሩሕ ጓሳ’ዩ። ህይወት ምስ ተረፉ ክህበና፡ ዕዳና ክኸፍል ኣብ መስቀል መከራ ጸጊቡ

ዮሃ 10: 10-11ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ።

“ደንጊጹልና” ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብ ስላዕን መግረፍቲ ሓጢኣት ከናግፈና፡ ዕዳና ኣብ መስቀል ከፊሉ። ውርደትናን መግረፍትናን ኣብ ርእሱ ወሲዱ፡ ስራሕና ኣብ መስቀል ሰሪሑ። ከምቲ ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑያት ዘየድልይዎ፡ ከምኡ የሱስ ብሓጢኣት ንዝተሳዕሩ፡ ስላዕ ገፋዒ ዝኸትከቶምን ዘቁሰሎም፡ ዓጻጽምቶም ዘዳቀቀ፡ ክደሊ እምበር ብጽድቂ ርእሶም ዝእመኑ ክደሊ ኣይመጸን። ሉቃ 5:31 “ንድኻታት ብስራት ከበስር፡ ንልቦም ዝተሰብሩ ክድብስ፡ ንዕውራት ምርኣይ ክህብ፡ ንግፉዓትን ኣብ ናይ ጸልማይ ማእሰርቲ ንዘለው ሓራ ክገብር፡ ሕርይቲ መዓልቲ እ/ሔር፡ ማለት መዓልቲ ሓርነት፡ ካብ ዕዳ ሓጢኣት ነጻ ንዀነሉ፡ ክሰብኽን ከበስርን ኢሉ ተገሊጹ። ሉቃ 4:18

ብኣምላኽ ዝተበጽሐን ደበስ ዝረኸበን፡ “ድንጋጸ” ክልግስ ከም ዘለዎ ዓቢ ምሳሌ’ዩ። የሱስ’ውን ኣሰሩ ክንስዕብ ምሳሌ ሓዲጉልና ስለ ዝኸደ፡ ንሰብ ኣብ ጊዜ ድኻሙ ከይፈረድናን ከየቋሸሽናን፡ “ድንጋጸ” ክንልገስሉ ክንመሃር ኣለና። “ድንጋጸ” ብኸመይ ነማዕብል ዝብል ኣቀዲመ ኣብ ጽሑፋተይ ተዛሪቡ ስለ ዘለኹ፡ ክትነብዎ ይሓተኩም። ኣሕጽር ኣቢለ ክጠቅሶ ዝለድሊ ነጥቡ እንተሃልዩ፡ ግዳይ ጸላእን ስላዕ ሓጢኣትን ንዝዀነ ሰብ ክንጥምቶን ክንረድኦን እንተኰይንና፡ መጀመርያ “ድንጋጸ” ዝብሃል ኣብ ውሽጥና ክጥጥዕ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ኻበይ ከም ዝወጻእ ብምርዳእ፡ ኣብ ተመኩረና ብምጥማዕ ይጅምር።

“ድንጋጸ” ኣብ ውሽጥና እንተዘይሃልዩ፡ ግዳይ ጸላኢ ንዝዀነ ሰብ፡ ርኢናዮ ከም ዘይረኣናዮ ኰይንና ክንሓልፍ ንኽእል ኢና። ካብኡ ሓሊፉውን ጽድቂ ርእስና ብምርኣይ፡ ንሰብ ኣብ ድኻሙ፡ ጊዜ መስበርቱ፡ ክንፈርዶ ክንርከብ ኢና። ኩሉ ጊዜ “ድንጋጸ” ረዲኤት ቅድሚ ምልጋስ ይቅድም። “ድንጋጸ” ኣብ ውሽጥና ኰይኑ፡ ኽውረድ ከቢድ ንዝመስል ደረጃ ንኽንወርድ ሓይሊ ይዀነና። ሕብረተሰብ ዝተጸየፎም፡ ዝነጸጎም፡ ዝገለሎም፡ ናይ ምብጻሕ ሓላፍነት ኣለና። እዚ ዝኸውን ከኣ “ድንጋጸ” ምስ ዝህልወና  ጥራይ’ ዩ።

“ሓደ ለምጻም ናብኡ መጸ፡ ተምበርኪኹ ድማ እንተ ትፈቱስ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢና እናበለ ለመኖ። የሱስ ከኣ ደንገጸሉ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፡ ፈትየ ኣለኹ ንጻህ በሎ። ” ማር 1:40.41

Author

Samson Mesghena