ግዳይን ሳዕቤኑን (ሉቃ 10: 25-37)

ብዚ ታሪኽ፡ ሓደ ፈላጥ ሕጊ ንየሱስ ከምዚ ኢሉ ምስ ሓተቶ ብምስላ ዝተዛረቦ እዩ።

ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ ምስ በለ፡ እቲ ፈላጥ ሕጊ ርእሱ ከጽድቅ ደልዩ፡ ብጻየይ’ከ መን እዩ፧ ኢሉ ምስ ሓተተ ዝተዋህቦ ምሳሌኣዊ መልሲ’ዩ።

ኣብዚ ታሪኽ እንተወሓደ ክልተ ዓበይቲ ነጥብታት ክንምልከት ንኽእል፥

1. ኩነታት ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቀ ሰብኣይ
2. እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ ዝገበሮ ለውሃት

በቲ ቀዳማይ ሓሳብ እንተጀሚርና

ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኰ ዝኸይድ ዝጎዓዝ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ከይሓሰቦን ከይደለየን፡ ኣብ ኢድ ኸተርቲ ምስ ወደቀ፡

እቶም ከተርቲ ነቲ ሰብኣይ፥

A.ዝነበሮ ንብረት ገፊፎሞ

B.ከትኪቶም

C. ዳርጋ ከም ምዉት ጌሮም ከኣ ከም ዝገደፍዎ ይነግረና።

ናይዚ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቀ ሰብኣይ፡ ዝወረዶ ኣካላዊ ማህሰይቲ ክንርድኦ ብዙሕ ዘሸግር ኣይኰነ። ኣብዚ ታሪኽ ሕቡእ ሓሳብ እንተሃልዩ፡ ዝወረዶ ማህሰይቲ ኣካላዊ ጥራይ ክኸውን ከም ዘይክእል ክንርድኦ ኣገዳሲ እዩ። ካብ ኣካላዊ ግህሰት ዝተላዕለ ክወርዶ ዝኽእል፡

ኣእምሮኣዊ፡- ስለምታይ ዝብል ኣዋጣሪ ሕቶ፡ ምድንጋር፡

ስምዒታዊ፡- ፍርሒ፡ ሓርቆት፡ ስምባደ፡ ምረት

መንፈሳዊ፦ እ/ሔር ኣበይ ነይሩ፧ ስለምታይ እዚ ኣባይ ክወርድ ኣፍቂዱ፧ ኣይሓልየለይን ዲዩ፧ ዝብልን ካልእ ሕቶታትን፡ ዘይተገልጸ ግን ከኣ ኣብዚ ሰብኣይ ከም ኩሉ ሰብ ዝወረደ መስበርቲ ክህሉ ይኽእል’ዩ።

ከም ዝመስለኒ ኸኣ ካብ ኣካላዊ ፈውስን ምሕዋይን፡ እቲ ውሽጣዊ ማለት ኣእምሮኣዊ፡ ስምዒታዊ፡ ከምኡ’ውን መንፈሳዊ መስበርትን ማህሰይትን፡ ንኽፍወስ ዝያዳ ክኸብድን ጊዜ ዝወስድ ምኻኑ’ዩ።

ስለዚ’ዩ ድማ ‘ቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ፡ ነቲ ኣብ ኢደ ከተርቲ ዝወደቀ ሰብኣይ፡ ናብ’ቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ፡ “ተኸናኸኖ” ክብል ዝተማሕጸኖ።

Author

Samson Mesghena