ማሕበራዊ-ብልሒ እንታይ እዩ፧

 ለስተ ኣጓብዝ ተመሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ይጎዓዙ ነይሮም። እቶም ክልተ ብስነ-ህይወት ንፉዓት ስለ ዝነበሩ፡ ሕክምና ክጽንዑ ውጥን ነበሮም። ሓደ ቀቅድሚኦም ዝኸይድ ዝነበረ ጎበዝ መማህርቶም፡ ኣብ ስነ-ህይወት ክፍሊ ምሳቶም ይቋደስ ነበረ። ኣብ ስነ-ህይወት ብዙሕ ንፉዕ ስለ ዘይነበረ ብዙሕ ኣቛሽሽዎ። ክድህልዎን ከላግጽሉን ከኣ ጀመሩ።

ከምዚ ክብሉ ኸኣ ኣካፍእዎ፦ “ኣስኪ ስምዓና ንስኻ፡ ዓቕምኻ ዘይትፈልጥ። ኣብ ዘይትኽእሎ ክፍሊ ኣቲካ ጠንቐምቐም ትብል፡ ብምባል ሰሓቕዎ። ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ስለ ዘዋረድዎ፡ ድኻሙ ስለ ዝፈሽሕዎ ከኣ ኣዝዩ ተቆጥዐ። እንተዀነ ናባታቶም ገጹ ግልጽ ከይበለ፡ ንቑሩብ ደቃይቕ ኣዕሚቑ ብምትንፋስ፡ ቅሩብ ደቃይቕ ስቕ በለ።

ገዛእ ርእሱ ምስ መለኸ ከኣ፡ ናባታቶም ግልጽ ኢሉ ከምዚ ክብል መለሰሎም፦ “እቲ ዝበልክምዎ ሓቒ እዩ። ኣነ ብስነ-ህይወት ንፉዕ ኣይኰንኩን። ንስኻትኩም ካባይ ኣዚኹም ትበልጹ። የግዳስ ኣብ ሒሳብ ኣዝየ ንፉዕ እየ። ዝዀነ ሕተቱኒ ክምልሰልኩም ይእኽል እየ። ከማቲ ናታትኩም ዘይኰነ፡ “ኢንጅነር” ክኸውን ከኣ ሕልሚ ኣለኒ። የግዳስ ነዛ ክፍሊ ክሓልፋ ካባኹም ሓገዝ የድልየኒ እዩ። ብሓቒ ካብ ፍልጠትኩም እንተኣካፊልኩምኒ፡ እንተሓጊዝኩምኒ፡ ክመሓየሽ ይእኽእል እየ። ብዘይ ገለ ጸገም ከኣ ነዛ ክፍሊ ክሓልፋ ይኽእል እየ።”

እዚ ምስ በሎም፡ ንዕቐቶም ስለ ዝተሳዕረ ዝገብርዎ ጠፍኦም። ቃና ድምጾም ብምቕያር፡ ብምሕዝነታዊ ኣገባብ፡ “ንስኻውን እኰ ክሳዕ ክንድቲ ሕማቕ ኣይኰንካን። ዘይተረደኣካ እንተሃልዩ ክንሕግዘካ ንኽእል ኢና” በልዎ። ብኸምዚ ኸኣ እቲ ብቐሊሉ ናብ ምትህልላኽን ባእስን ገጹ ክቐንዕ ዝኽእል ዝነበረ ሃዋህው፡ ናብ ምሕዝነትን ምቁሉልነት ተቐይሩ። ብሰለማ ከኣ ናብ ትምህርቲ ቤቶም በጺሖም።

እዛ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናያ ኣብነት፡ ብውቑብ “ማሕበራዊ-ብልሒ” ኣብ ተግባብሮ የረድኣና። ብቐሊሉ ኽበኣሱ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ፡ ናብ ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን ተለዊጡ። እቲ ካልኣይ መንእሰይ ናብ ዓንኬል ተጻብኦ ክኣቱ ፍቓደኛ ስለ ዘይኰነ፡ ዝዝንቢ ዝነበረ ዘይርአ ቅርሕትን ተጻብኦን ክስዕሮ ክኢሉ።

ስምዒቱ ብምግታእ፡ ናብ ሕርቓን ዝስሕቦ ዝነበረ ናይቶም ተላጋጽቲ ስሕበት ብምቕዋም፡  ነቶም ካልኦት ናብ ዓንኬል ምሕዝነት ክማርዀም ዓቕሚ ነይርዎ። እዚ ከኣ ውቑብ ጽባቐ “ማሕበራዊ-ብልሒ” እዩ።

ማሕበራዊ-ብልሒ” ኣብ ቤት-ምርምር ክትፍትኖ ዘይትኽእል፡ ግን ከኣ ምስ ቆልዑ፡ ኣብ ሜዳ መጻወቲ፡ ፡ ኣብ ባራካ፡ ፋብሪካ፡ መሸጣ፡ ስራሕ፡ ሓዳር፡ ዝድለ ኣገዳሲ ባዕላዊ ክእለት እዩ። ኣብ ኩሉ ባእታ ህይወት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቦታ መሪሕነት ኣገዳሲ ዝዀነ ክእለት እዩ።

ኣብ ሕክምና ቆልዑ፡ ኣልየቲ እንታይ ክገብራ ከም ዘለወን ክይሓሰባ፡ ንዝበኪ ቆልዓ ብህዱእን ልዙብን ቃላትን ብዘጸናንዕ ምትንካፍ ንዝበሕክዩ ቆልዑ ብቀሊሉ ስቕ ዘብልኦም ንምርዳእ፡ ዕምቖት “ማሕበራዊ-ስልቲ” ክንርዳእ የድልየና።

መቐወም ማሕበራዊ-ብልሕታት

ኣብ መንጎ “ማሕበራው” ን “ስምዒታውን” ዘሎ ፍልልይ ክንርድኦ ንሽገር ንኸውን። እዚ ኸኣ ምኽኑይ እዩ። እዞም ክልተ ባእታት ንሓድሕዶም ተሓዋዊሶም ዝኸዱ፡ ክፈላለዩ ዘይክእሉ ባዕላዊ-ክእለታት እዮም። ኩሎም ስምዒታትና ማሕበራዊ እዮም። ንስምዒታትና ዝኽብክብዎን ዝዝውርዎን ማሕበራዊ ኣምራትን ተግባራትን እዮም። ማሕበራዊ ርክባትናን ዝምድናታትና ስምዒታዊ መላግቦ ኣለዎም። ብዘይ መቐወም ስምዒት ዝስረትን ዝህነጽን ማሕበራዊ ርክብን ተግባብሮን የልቦን። ከምቲ ስምዒታዊ ብልሒ፡ ከምኡ ከኣ ማሕበራዊ ክእለት ክህልወና ከኣ ግድን እዩ።

መቐወም (ingredient) ማሕበራዊ-ብልሒ ኣብ ክልተ ገፋሕቲ ክፍልታት ክንከፍሎም ንኽእል

  1. ማሕበራዊ ንቕሓት – ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ዘለና ስምዒታት የመልክት
  2. ማሕበራዊ መሳለጥያ – ነቲ ዝረኸብናዮ ንቕሓት ንምስርሓሉ መገዲ እዩ

 ሕበራዊ-ንቕሓት ክንብል ከለና ብቕጽበት ስምዒት ካልኦት ንምልላይ ዘለና ብጽሕና ዝጅምር ኰይኑ፡ ስምዒትን ኣተሓሳስባ ካልኦት ምርዳእ፡ ዝተሓላለኸ ማሕበራዊ ኩነታት ምፍታሕ ዘሎ ዝርጋሐ የጠቓልል።  እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከኣ ይሓቑፍ

መበቖላዊ ድንጋጸ – ኣብ ስምዒት ካልኦት ምጽንባር፡ ዘይቃላታዊ/ዘይዘረባዊ ስምዒታዊ  ምልክታት ምቁላብ

ቅንይት – ብምሉእን ንጥፉን ተቐባልነት ምስማዕ፡ ካልእ ሰብ ዝብሎ ንምርዳእ ገዛእ ርእስኻ ምቕናይ

ድንጋጻዊ ጭሙትነት/ልክዕነት – ናይቲ ካልእ ሰብ ስምዒት፡ ኣተሓሳስባ፡ ውጡን ብዝግባእ ምርዳእ

ማሕበራዊ ልበታውነት – ማሕበራዊ ዓለም ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ምፍላጥ

 ሕበራዊ መሳለጥያ” ክንብል ከለና ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ንቕሓት ዝተሰረተ ኰይኑ፡ ወሓዝን ውጽኢታዊ ክልትኣዊ ርክባት ክህልወና ይገብር። ናይ ሓደ ሰብ ስምዒትን ሓሳብን ተረዲእካ ማለት ፍረ ዘለዎ ርክብ ይህልወካ ማለት ኣይኰነን። ነቲ ዝረኸበካዮ ንቅሓት ብኸመይ ተመስርሖን ኣብ ግብሪ ተውዕሎን ከኣ ነዚ ንብሎ ዘለና ይገልጾ።

ናይዚ ባዕላዊ ማሕበራዊ ክእለት ዝርጋሔ ከኣ

ምውህሃድ – ብዘይቃላት/ብዘይዘረባ ብልሙጽ ክልተኣዊ ርክብ/ተግባብሮ ምፍጻም

ባዕላዊ-ኣቀራርባ – ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ገዛእ ርእስኻ ምቕራብ

ጽልዋ – ማሕበራዊ ርክባት ቅርጺ ክሕዝ ምግባር

ተገዳስነት – ብዛዕባ ድሌት ካልኦት ምሕላይን ኣብ ጉዳዮም ምውሳእ።

ሓደ ሰብ እዚ ምስ ዝህልዎ፡ እናማዕበለን እናዓበይን ምስ ዝኸይድ ከኣ ጥዕና ዘለዎ ኣፍራይ ማሕበራዊ ዓንኬል ክህልዎ ግድን እዩ። ክትዛረበሎም ቀለልትን ሰሓብትን ይመስሉ። ኣብ ተግባር ግና ተወፋይነትን ትዕግስትን ዝሓቱ ስለ ዝዀኑ፡ ንገዛእ ርእስና ከነዳልዋ፡ ነዚ ነገር ከኣ ገዛእ ርእስና ክንህብ፡ ብትዕግስቲ ከኣ ናብ ዕቤት ጌጽና ክንምርሽ ይግባእ።