About us

ላማ ቤተ-ፈውሲ መርበብ ሓበሬታ፡ ንኤርትራውያን ንምግልጋልን ምዕጣቕን ዝተዳለወ ኣገልግሎት እዩ። ኣብ ህይወት ዝገጥመና ማህሰይቲ፡ መስበርቲ፡ ኣብ መንፈሳዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ ስምዒታዊ ጥዕናና ዘለዎ ኣሉታዊ ጽልዋ ክንርድኦ ብምግባር፡ መገዲ ሕውየት፡ ፈውሲ፡ ክንጎዓዝ ብምሕጋዝ፡ ዝተለወጠ ህይወት ንምንባር ዘኽእነና ትምህርቲ ንምምሃር እዩ። ቤተ-ፈውሲ፡ ካብ ሓቀኛ ተመክሮ፡ መስበርትን መከራን ዝመልኦ መገዲ፡ ካብኡ ሓሊፉውን ፈውሲ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ተመክሮ ዝተወልደ ኣገልግሎት እዩ። ኣብ ህይወትና ዘለው ውሽጣዊ መስበርትን ኣቁሳልን ብግቡእ እንተዘይተኣልዮም፡ ብመስርሕ ሕውየት እንተዘይሓሊፎም፡ ካብ እግዚኣብሔር ከኣ ፈውሲ እንተዘይተቀቢልና፡ ኩሉ ክፋል ህይወትና፡ መንፈስና፡ ኣእምሮና፡ ቀልብና፡ ስምዒታናን ኣካልናን፡ ብኣሉታ ክጽለዉን ንህይወትና ከበላሽዎን ተኽእሎ ኣለዎ። ክንእመን፡ ክንክፈት፡ እግዚኣብሔር ውሽጥና ክፍውስ ብትብዓት እንተዘይ ኣፍቂድናሉ፡ ምስ ኣምላኽ ኰነ ምስ ኣብ ከባቢና ዘለው ሰባት ዝህልወና ርክብን ዝምድናን፥ ክበላሸወናን ክፈሽለናን ግድነት ይኸውን። ቤተ-ፈውሲ፡ ኩሉ ምንጪ ፍልጠታ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኰይኑ፡ ንሰብ ናብ ኣምላኽ መጺኡ ክፍወስን ክልወጥን፡ ዕረፍቲ፡ ሰላም፡ ህድኣት፡ በረኸት ንኽወርስ ናብ ኣምላኽ ንኽቀርብ ዝሕግዝን ኣነጺሩ ዘረድእን ኣገልግሎት እዩ።

Share this SITE

SIGN UP FOR NEWSLETTER

[x_subscribe form=”1746″]

STAY CONNECTED
BETE-FEWSI INSPIRATIONS
6163 N Kenmore Ave.
Chicago, IL 60660
(606) 264-9111

       BETE-FEWSI’S PROMISE
Bete-Fewsi helps you take the next step in your journey with Jesus Christ by creating and delivering practical and life-changing content both in our Radio and our site. We proclaim the Word to all cultures and generations by addressing today’s issues from a biblical worldview.