ምልክታ ጥርዝያ

ሕራይ ታሪኸይ ከካፍለኩም
እታ ሓቒ ክነግረኩም

ስመይ ምሉብርሃን ገብረሂወይ ይበሃል። ካብ ኤርትራ ‘የ መጺአ። ብምኽንያት ሓቐኛ ዝዀነ ኣሸጋሪ ኩነታት፡ ብ 2008 ሃገረይ ገዲፈ ወጺአ። ኣብ 2011 ከኣ ዕቑባ ደልየ ናብ እስራኤል ኣትየ። ኣብ መገዲና ኸኣ ብዙሓት ደቐንስትዮ፡ ኣቆልዑት፡ መንእሰያት ከሲርና ኢና። ብኣዕራብ ኰንትሮባንድ ኣቢልና ናብ ሲናይ ምስ መጻእና፡ ሽዑ ንሽዑ ከሳቅዩና ጀሚሮም። ብኸቢድ መቒሖም ዝደለይዎ ገበሩና። ንገለ ካብ ምሳና ዝነበሩ’ውን ኰላሊቶም ኣውጺኦም፡ ንገንዘብ ሸይጠሞ’ዮም።

ኣገዲዶም ገንዘብ ምስ ኣኽፈሉና ከኣ ኣብ ዶብ እስራኤልን ግብጽን ደርብዮምና ከይዶም። እዚ ዝረኣዮ ግብጻውያን ከኣ ኣባና ገጾም ብምቱካስ ንገለ ካብ የዕርኹተይ ቐቲሎም። ኣነ’ውን ኣብ ሕቖይ ተሃሪመ። ኣዝየ ተሃስየን ቖሲለን ከለኹ ከኣ ኣብ እስራኤል በጺሐ። ወተሃደራት እስራኤል ከኣ ኣብ ዶቦም ሒዞም ናብ “ሻሮኒም” ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ወሲዶምኒ። ኣብኡ ኸኣ ሰለስተ ወርሒ ብዘይ ገለ ዕድል ስራሕን ትምህርትን ጸኒሐ። መባእታ እብራይጢ ክመሃር ከማን ዕድል ኣይረኸብኩን። 4ተ ጊዜ ኣብ መዓልቲ ህላውነተይ እናረጋገጽኩ ነቢረ። ድሕሪኡ ክሰርሓሉ ዘየኽእለኒ ጊዝያዊ “ቪዛ”ን ናይ ኣውተቡስ ቲኬት ምስ ሃቡኒ፡ ናብ “ተልኣቪቭ” ኣትየ።

ናብ “ተልኣቪቭ” እኳ እንተመጻኹ፡ ዘድልየኒ መሰረታዊ ነገራት ኣይነበረንን። ዝፈልጦ ሰብ’ውን ኣይነበረን። ኣምር ቋንቋ ‘ቲ ዓድውን ፍጹም ኣይነበረንን። ኣዝዩ ዝተጠናነገ ከቢድ ህሞት’ዩ ነይሩ። ክልተ ሰሙን ዝኣክል ከኣ፡ ግዳም ሓደር ኰይነ ኣብ ጽርግያ ደቒሰ። ብኣጋጣሚ ኸኣ ከምዚ ከማይ ዝበለ ስደተኛ ኣብ ጽርግያ ተደርብየ ምስ ረኣየኒ፡ ናብ ገዝኡ ሒዙኒ ብምኻድ፡ ዘድልየኒ መሰረታዊ ነገራት ኣማሊኡለይ። ጸኒሐ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ዝኰነ ስራሕ ህንጻ፡ ምሕጻብ ብያትታት፡ ካልእን፥ ብኣዝዩ ሕሱር ዋጋ ስራሕ ጀሚረ።

ኣብ 2017 ከኣ መንግስቲ እስራኤል ኣዝዩ ከቢድ ዝኰነ ሕጊ ሓጊጉ፡- ሃገሮም ክንገድፈሎም ወይ ከኣ ንዘይተወሰነ ጊዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክንጸንሕ ክንመርጽ ቀሲቡና። ኣዝዩ ከቢድ ውሳኔ’ዩ። ብድሕሪኡ ኣብ ክፍሊ ስደተኛታት ብዝሰርሕ ፐርሰነል ተታሒዘ ናብ ቤት ማእሰርቲ “ሻሮኒም” እንደገና ን 4 ወርሒ ተኣሲረ። ካብኡ ሓሊፈ ኸኣ ን12 ኣዋርሕ ክእሰር ናብ ቤት ማእሰርቲ “ሆሎት” ተሰጋጊረ። ን 14 ኣዋርሕ ዝኸውን ከኣ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ኣለኹ።

ናይ 16 ኣዋርሕ ማእሰርቲ፡ ማለት 4 ኣዋርሕ ኣብ ሻሮኒም፡ 12 ኣዋርሕ ከኣ ኣብ ሆሎት፡ ወዲአ ክወጽእ እናተጸበኹ ከለኹ፡ ኣብዚ ሕጂ ጊዜ ብመንግስቲ እስራኤል፡ ናይ “ጥርዝያ ምልክታ” ተዋሂቡኒ ኣሎ። ናብ ዕጹው ቤት ማእሰርቲ ክሰጋገር ከኣ 5 መዓልቲ ጥራይ ኣለኒ።

መንግስቲ እስራኤል ከኣ “ጠረርቲ” “ደለይቲ ስራሕ” ካልእን ቅጽል ሰም ለጢፉልና። ‘ቲ ሓቂ ግና ደለይቲ ዕቑባ ኢና። ኣብ መላእ ዓለም ደለይቲ ዕቑባ ኤርትራውያን 80% ተቐባልነት ኣለዎም። መንግሲት እስራኤል ግና 0.5% ጥራይ’ዩ ተቐቢሉ።

ለወባይ እምበኣር መንግስቲ እስራኤል መሰል ዕቑባ ክህበና ብትሕትና ምሕታት’ዩ።

ብመጀመርያ ነቶም ከይበቐቑ ቤቶምን ልቦምን ዝኸፈቱልና ለጋሳት ከመስግኖም እፈቱ። ነቶም ንናይ ሞት ፈተና ኣሕሊፎም ዝህቡና ዘለው መንግስትን ህዝብን እስራኤል መልእኽተይ እዚ’ዩ፡- ቅድሚ ነዚ ተግባብሮ ምውሳድኩም፡ በጃኹም ነቲ ኣብ ግብጺ ስደተኛታት ዝነበርክምሉ ታሪኽ ዘክሩ። ልቢ ስደተኛ ስለ ትፈልጥዎ፡ ምብስባስን ብሕማቕ ምሓዝን ግደፉ። ብግቡእ እለዩና።

ካልእ ክፋል ዓለም ከኣ ኣውያትን ብኽያትን ስደተኛታት ክቕልብሉ እላቦ። ንሕና ዕቑባ ሓተቲ ኢና። ነቲ ድምጹ ከስምዕ ዘይኽእል፡ ምንም ገበን ዘይብሉ ስደተኛ ድምጺ ክንዎ።

ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝበሎ ዘክሩ፡ “ኣብ ታሪኽ ዘስካሕክሕ ነገር ዝተፈጸመ፡ ክፉኣት ሰባት ሕማቕ ስለ ዝገበሩ ኣይኰነን። እቶም ቅኑዓት ሰባት ክፉእ ክኸውን ከሎ ስቕ ስለ ዝበሉ’ዩ”።

ንኣሕዋተን ኣሓተይን ከኣ፡ መንግስቲ እስራኤል ዝፈጠሮ ስነ ኣእምሮኣዊ ኩናት፡ ኣዝዩ በዳሂ ኩነታት ይርደኣኒ’ዩ። ተስፋ ክትቖርጹ ክትደልዩ ከለኹም፡ ሓይሊ ኣምላኽን ኣብ ተስፋ ዘሎ ሓይልን ከዘክረኩም እደሊ። ነቲ ዘይከኣል ዝኽእል ኣምላኽ እዩ። ፍልልይና ኣወጊድና፡ ኩልና ብሓደ ደው ኢልና እንተ ሰሪሕናን ተሓጋጊዝናን፡ ኣዝኒና ሓያላት ምኻና እኣምን እየ። እቲ ዝበለጸ መዓልትታና ኣብ ቅድሜና ኣሎ።

ካልኦት እንታይ ኢሎም ይጽውዕና፡ እንታይ ስም ይልጥፉልና ኣግድሰንን ‘ዩ። ነቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ለጋሳትን ሕያዎት ሰባት ግና ምስጋናይ ብዙሕ’ዩ። ኣብ ቅድሜና ዘሎ በዳሂ ኩነታት ብዘየገድስ፡ ግንባርና ከም ዓረ ጌርና ንቅድሚት ክንግስግስ ኢና። ክሳዕ መጨረሽታ ኣውንታውን ትስፍውነት ዝሓዘለ ኣተሓሳስባን ክህልወኒ እመርጽ።

የቐንየለይ! ንመጻኢ ኸኣ ንኹሉ ሰናይ እምነ።
በጃኩም ንኻልኦት ንገርዎም!
ነቶም ንጹሃት ስደተኛታት ኣምላኽ ይባርኽ!