ኣፍካ ከፊትካ ታሪኽካ ምንጋር ዘለዎ ጥቕሚ

ኩልና ንምስካሙ ዘጸግም ከቢድ ተመክሮ ሓሊፍና ወይውን ንሓልፍ ኣለና። ‘ቲ ተመክሮ ኸኣ ኣብ ስነ-ኣእምሮና ኰነ ስምዒትና ዝገድፎ ኣሰር፡ ስምብራት፡ ኣለዎ። እዚ ከኣ “ቱራማ” ይበሃል። ኣብ ባህርይና፡ ስምዒትና፡ ስነ-ኣእምሮና ዘለዎ ሳዕቤን ድማ ከቢድ’ዩ።

ነቲ ኣባና ዝወረደ ማህሰይቲ፡ ቁስሊ፡ ከም ልማድ ምላሽ እንህቦ ከኣ ካብ ሓሳብና ሕልናና ምድምሳ’ዩ። ነዚ ከኣ “ዘይዝረበሉ” (unspeakable) ዝብል ቅጽል ተዋሂብዎ’ሎ። ከም ዘይኰነ ክንክሕዶ እንፍትነሉ ጊዜ ብዙሕ’ዩ። እንተኺኢልና ሸፊናዮን ሓቢእናዮን፡ ከም ምስጢር ሒዝና፡ ዕለታዊ ናብራና ብዘይ ጸገምን ንኽንቅጽል ድሌት ኣለና። ግን ከኣ ዝከኣል ኣይኰነን።

ስለምታይ ግን ምስጥራውነት ይስዕርር፧

ሰብ ዝሓለፎ ኣሉታዊ ተመክሮ ከም ምስጢር ጌሩ ክሕዞ ዝመርጸሉ ምኽንያት

  1. ዝርኤኒ የለን ዝብል ኣተሓሳስባ ስለ ዝስዕሮ’ዩ፥ ሰብ በቲ ዝወረዶ ኣሉታዊ ተመክሮ ካብ ሰቡ ተፈልዩ ዝተረሰዐ፡ ዘይርአ፡ ክመስሎ ከሎ፡ ነገሩ ብምስጢር ክሕዞ ይመርጽ። እዚ ከኣ እንተተዛሪበ ዘቕልበለይ፡ ዝርድኣለይ፡ የለን ብምባል ንርእሱ ስለ ዘእምና’ዩ።
  2. ንዝሓለፎ ኣሉታዊ ተመክሮ ክገልጸሉ ዘኽእሎ እኩል ቓላት ዘለዎ ስለ ዘይመስሎ፥  ሰብ ንዝሓለፎ ከቢድን ዘሰምብድን፡ ንናይ ህይወት ናይ ምውህሃድ ዓቕሙ ዝዝርግ፡ ኣሉታዊ ተመክሮ ከረድኣሉ ዘኽእሎ እኹል ቓላት የብለይን ኢሉ እንተሓሲቡ፡ ንዝገጠሞ ከፊሉ ከካፍል ስለ ዘይደሊ፡ ንታሪኹ ብምስጢር ክሕዞ ይመርጽ።
  3. ካብ ሕብረተሰብ ዝወርዶ “መጣጊ” ብምፍራሕ፥  “መጣጊ” ማለት ሰብ ብዝሓለፎን ዝወረዶን ተምክሮ፡ ኣሉታዊ ስም ክልጠፈሉ ከሎ፡ ካብ ሰቡ ከም ዝተሓተን ዝተዋረደን ክቑጸር ዝገብር ውዱቕ ኣተሓሳስባ’ዩ። ሰብ ከኣ ካብ ሰቡ ትሒቱ ክርአ ስለ ዘይደሊ፡ ሕማቕ ስም ክልጠፈሉ’ውን ስለ ዘይደሊ፡ ነገሩ ክሓብእ ይመርጽ።
  4. ሕብረተሰብ ዝገብሮ የለን ኢሉ ምስ ዝሓስብ፥  ዝሓለፎ ዘሰምብድ ተመክሮ ንኸንቱ ዝዘሩ ሰብ የለን። ቅድሚ ሕጂ ንዝተነግሩ መግደራታት፥ ገለ ተግባብሮ ከይተገብሮም ምስ ዝሓልፉ፡ ነገሩ ሸፊኑ ክኸይድ ክመርጽ እኹል ምኽንያት’ዩ።
  5. “ሕፍረት” ስለ ዝስምዖ፥  “ሕፍረት” ማለት ብቑዕ ኣይኰንኩን ዝብል ስምዒትን ሰብ ዝዀንኩዎን ዝሓለፍክዎን እንተፈሊጡ ኣትሒቱ ክርእየኒ’ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ’ዩ። ሰብ ከኣ ኣብ ቅድሚ ካልእ ክሓፍር ስለ ዘይደሊ፡ እንተተኻእሎ ዘለዎ ሸፊኑ ካልእ ኰይኑ ክርአ ይፍትን።

ምስጥራውነት እንተ ሳዕሪሩ ግና ሳዕቤኑ ከቢድ’ዩ። ሰብ ናብ ዝገደደ ስምዒታውን ስነ ኣእምሮኣውን ምግሊ ይሽከል። ንዝሓብኦ ቓንዛ ከህድእ ናብ ዘይደልዮ ኣመላትን ልምድታትን ክጥሕል ይስሕቦ። ዝሓለፎ እንደገና ኣብ ሓሳቡ እናቃጨለ፡ ድቃስ ይኸልኦን ሰላሙ ይዝርግን።

ታሪኽካ ምንጋር ቀዳማይ ስጉምቲ ንሕውየት፥

ብማህሰይቲ ዝሓለፈ ሰብ መገዲ ሕውየት ክጉዓዝ ፍቓደኛ ክኸውን ግድነት’ዩ። ህይወቱ ብዝግባእ ክመርሕ፡ ጥዕና ዘለዎ ዝምድና ክሃንጽ፡ ንገዛእ ርእሱ ዕድል ክህባ ኣለዎ።

መሳልል ሕውየት፥ ንዝሓሸ ስነ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕና ኸኣ ታሪኽካ ብምንጋር “ ይጅመር። ታሪኽ ንምንጋር  ብምሉእ ልብና ክንልዓል ክንውስን ከለና፡ “ትብዓት” ስለ ዝሰነቕና ‘ዩ። ታሪኽና ክንነግር ንምንታይ ኣድልዩ ንዝብል ሕቶ ክንሓትት ናይ ግድን’ዩ፧

ዝወረደካን ዝሓለፍካዮን ኣሉታዊ ተመክሮ፡ ክትሓብእን ክትሽፍንን ኢልካ እተጥፍኦ ጸዓት፡ ካብ ክትዛረቦ ኢልካ ተጥፍኦ ብተዓጻጻፊ ይበዝሕ። እዚ ኸኣ ከም ትደክምን ከም ትቕሕቱን ይገብረካ። ኣብ ህይወትና ዝወረደ ምንጋር ተፈጥሮኣዊ ስለ ዝዀነ፡ ዝጠልቦ ጸዓት ሒደት’ዩ።

‘ቲ ኣብ ህይወት ዝገጠመና ኣሉታዊ ተመክሮ፡ ኣብ ሓሳብና ስምዒታትና ተመቓቒሉን ተበታቲኑን ይቕመጥ። እንታይ ከም ዝዀነ፡ ንምንታይ ከም ዝዀነንን ክንርድኦ፡ ምሉእ ስእሊ ክህልወና ኸኣ ንጽገም። ስለዚ ድማ ኢና ናይቲ ዝዀነ ትርጉም ክንፈልጥ እንናወጽ። በብቕሩብ ታሪኽና ክንነግር ኣፍና ክንከፍት ከለና ግና፡ ዝተበታተነ ግድል (puzzle) ንሓድሕዱ እናተላገበ፡ ምሉእ ስእሊ ክህልወና ይሕግዘና።

ኣብ ውሽጥና ዝተዓቑረ ኣሉታዊ ተመክሮታት፡ ንሓድሕዱ እናተበላልዐ ዝፈጥሮ መርዛም ዝዀነ ስምዒታት ኣሎ። ታሪኽና ክንነግር ኢልና ብትብዓት ክንትስእ ከለና ግና፥ ኣብ ውሽጥና ዝተዋህለለ መርዛም ስምዒታት ይልቀቕ። ዝተዓቑረ ኣሉታዊ ተመኩረታት ዝፈጥሮ ጭንቀት፡ ሓዘን፡ ቅዛነት፡ ቅሬታ ኣሎ። ክንዛረብ ኢልና ኣፍና ክንከፍት ከለና፡ ዝተዓብሰ ስምዒታትና ከተንፍስ ስለ እነፍቕደሉ፡ ዝተበከለ ኣየር ካብ ውሽጥና ክወጽእ ንገብሮ።

ሰብ ክዕመጽን ክድፈርን ከሎ ድምጹን ክብረቱን ፈጺሙ ዝሰኣነ ይመስሎ። ስለ ዝዀነ ንርእሱ ከም ዘይትጠቅም ይቖጽራ። ክዛረብ ኢሉ ኣፉ ክኸፍት ከሎ ግና ዝተወስዶን ዝጠፍኦን “ድምጺ” ን “ክብረት” ን ይመልስ። እዚ ኸኣ ዓቢ ነገር’ዩ።

መገዲ ዓማጺ ኩሉ ጊዜ፡ ነቲ ዝገበሮ ክፉእ ተግባራቱ ብ”ምስጢር” ክተሓዝ፡ ዝዓመጾ ሰብ “ስቕ” ብምባል፡ ወይ’ውን ነቲ ዝተገብረ ናይቲ ዝተዓመጸ ሰብ “ጌጋ ምኻኑ” ብምእማን፡ ንዝተዓመጸ ከም ዘይዛረብ ክገብር ምፍታን’ዩ። እዚ ኸኣ ብምፍርራህ ይገብሮ። ‘ቲ ዝተዓመጸ ሰብ ዝዀኖን ዝወረዶን ክዛረብ ኣፉ ክኸፍት ከሎ፡ ካብ ቦታ ውርደትን፡ ሕፍረትን፡ ፍርሕን ናብ ርሒብ ቦታ ሓይልን ብርታዔን ተስፋን ይፈልቕ። እዚ ኸኣ ናይ መጀመርያ ስጉምቲ መሳልል ሕውየት’ዩ።

ንመንን፡ ኣበይን

ዝሓለፍካዮ ኣሉታዊ ይኹን ኣውንታዊ ተመክሮታት፡ ናይ በይንኻ ታሪኽ’ዩ። ወናኒ ናይቲ ታሪኽ ንስኻ ኢኻ። ኣኽቢርካ ከኣ ክትሕዞ ይግብኣካ። ንዝደለዮ ዘይኰነ፡ ንስኻ ንዝደለኻዮ ናይ ምንጋር መሰልን ስልጣንን ኣለካ።

መገዲ ፈውሲ፥ ዝሓለፍካዮ ተመክሮ “እንታይ ምኻኑ ምግንዛብ፡ ምርዳእ” “ምልክታቱ ምፍላጥ” “ምላሽ፡ ግብረ መልሲ ምሃብ” ጥራይ ዘይኰነ፡ እንደገና ከይትጉዳእ ርእስኻ ምክልኻልን ምቅዋምን” የጠቓልል። እዚ ኸኣ ልብኻ ከፊትካ ንመን ታሪኽ ትነግር ዓቢ ቦታ ኣለዎ።

ዝሓለፍካዮ ተመክሮ ብሓደ ጊዜ፡ ካብ ፈለማ ክሳዕ መጨረሽታ፡ ክትትርዀ ትኽእል ኣይኰነን። ስለዚ ከይተሃወኽካ፡ ኣብ ርእስኻ ጸቕጢ ከይገብርካ፡ ብንእሽቶ ክትጅምር ጽቡቕ ምኽሪ’ዩ። ዝሓለፍካዮ ተመክሮ ወሓጢ ዝዀነ ስምዒት ክህልዎ ስለ ዝኽእል፡ ከም ዓቕምኻ በብንእሽቶ ጌርካ ተዛረበሉ።

ኣብ ኣደባባይ ወጺኻ ንኹሉ ክትዛረብን ከተስምዕን ዓቕምን ትብዓትን ከይህልወካ ይኽእል ‘ዩ። እዚ ከኣ ንቡር’ዩ። ከም ዝፈራህካ ጌርካ ንርእስኻ ኣይትቑጸራ። ዋላ’ውን እንተፈራህካን እንተሰጋእካን ጌጋ ኣይኰነን። ኩሉ ሰብ ዝሓልፎ ስምዒት ስለ ዝዀነ ምስ ርእስኻ ተዓገስ። ታሪኽካ ክትነግር ስለ ዘለካ ግና፡ ምስቲ ትኣምኖ ቀረባኻ ዝዀነ ሰብ ብምዝራብ ጀምር። ናብ ዝዓበየ መድረኽ ንኽትፈልቕ ክሕግዘካዮ።

ታሪኽካ ናትካ ስለ ዝዀነ፡ ንኽትዛረብ ማንም ከገድደካ፡ ንኸይትዛረብ ማንም ከፈራርሃካ ኣይተፍቅድ። ንስኻ ኣብ ዝሓለንካዮ ናትካ ጊዜን ቦታን ታሪኽ ክትነገር ወስን። ንኽትነግር ጸቕጢ ኰነ ፍርሂ ክስምዓካ የብሉን።

ጥራሕ ንኽትዛረብ ሓልን እምበር፡ ትዛረበሉ መድረኽ ክትረክብ ኢኻ። ታሪኽካ ንምስማዕ ሃንቀው ዝብሉ፡ ብእኡ ከኣ ትብዓት ክሰንቁ ዝደልዩ ብዙሓት ምኻኖም ፍለጥ። ታሪኽካ ኣዘንቲኻ ብዙሓት’ውን ደው ንኽብሉ ከተነቓቕሕ ተኽእሎ ከም ዘሎ ኣይትዘንግዕ። ስለዚ ተዛረብ ደኣ፡ ስቕ ኣይትበል።

ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን፡ ክሰምዓካ ኩሉ ጊዜ ድሉው ዝዀነ፡ ፍቑር ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣትረስዕ። ልብኻ ከፊትካ ተዛረቦ። በቲ ቅኑዕ መገዲ ክመርሓካ፡ ናብ ዕረፍቲ ኣቢሉ ከሳልየካ’ዩ። ኣብኡ  ተስፋ ግበር።