ስምዒታዊ ል ዝ ቡ ነ ት

ዙሕ ጊዜ ኣብ እዋኑ ንምከሮ ኣውታዊ ይኹን ኣሉታዊ ስምዒታት ተረዲኡ ዝሕግዘና ሰብ ኣብ ንስእነሉ እዋን፡ “ዝርድኣለይ የብለይን” ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ናብ ብሕታውነት ነንሳሕብ ኢና። ናይ ባዕሉ ስምዒታት ኣመሓዲሩ፡ ስምዒታትና ዝርድኣልና ሰብ ክንረክብ ክንደይ ትዕድልቲ እዩ። ስለዚ ድማ “ስምዒታዊ ልዝብ” ዝብል ክንዛረበሉ ኣድላይ ዝዀነ። ብፍላይ ንዓና ከም ህዝቢ ብብዙሕ መስገደል ሓሊፍና፡ ኣብ ውሽጥና ብዙሕ ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ገድሊ ስለ ዘለና፡ ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ዘለና ምርዳእ ክበዝሓልና ጠቓሚ እዩ።

“ኣነ ከምዚ ይስምዓኒ ኣሎ” ኢልና ክንዛረብ ትብዓት ምስ ዝህልወና፡ እዚ ምልክት ግሉጽ “ስምዒታዊ ልዙብነት” እዩ። ንኣብነት “ኣነ ተሓጊሰ ኣለኹ” “ኣነ ሓሪቐ ኣለኹ”፡ “ኣነ ኣይተሓጎስኩን”፡ “ኣነ ተዳናጊረ ኣለኹ”፡ “ኣነ ተሃስየ ኣለኹ” ኢና ብምቕሉልነት ክዛረብ ትብዓት ምስ ዝሓድረና፥ “ስምዒትና ነካፍል” ፍርሂ ኰነ ስግኣት ስለ ዘይብልና እዩ። እዚ ዓይነት ኣዘራርባ ቀሊል ክመስል ይኽእል እዩ። ኣብ ኣመሓዳድራ ስምዒታትና ቀሪብና እንተሪኢና ግና፥ ክሳዕ ክንደይ ከም እንሽገር ክንርዳእ ቀሊል እዩ። ገሊኣትና ርእሰ-ግትኣት ስለ ዘይብልና ስምዒትና ይስዕረና። ገሊኣትና ከኣ ትብዓት ስለ ዝጎድለና ስምዒታትና ንሓብእ።

ስምዒታዊ ልዙብነት” ብዝርድኣና ቋንቋ ክንትንትኖ ከለና፡ ሓደ ሰብ እንታይ ይስምዖ ከም ዘሎ ኣለልዩ፡ ብግሉጽ ክዛረበሉ ትብዓት ምስ ዝህልዎ፡ ስምዒት ካልኦት ንምርዳእ ምስ ምስዒታቶም ክዛመድ ዓቕሚ ምስ ዝህልዎ ዝብል ባእታታት ዝሓዘለ እዩ። ሓደ ሰብ ናይ ግሉ ስምዒታት ከካፍልን ስምዒት ካልኦት ሰባት ክርዳእን፡ ምስ ናይ ርእሱ ስምዒታት ክላገብ ኣለዎ። ብፍላይ እኳ ደኣ ባዕላዊ ስምዒታቱ ክውንን ግላዊ ሓላፍነት ክወስድ ከሎ ብቀሊሉ ዝልለ “ስምዒታዊ ልዝብ” ይህልዎ።

ሓደ ሰብ ዘይርከብን ዘይግለጽን ስምዒት ምስ ዝህልዎ፡ ከመይ ጌሩ ደኣ ስምዒታቱ ማለት ዘፍርሆ፡ ኣብ ዝምድና ክርእዮ ዝሓልሞ ከካፍል ይኽእል፧ ሓደ ሰብ “ዘይልዙብ ስምዒታት” ክህልዎ ከሎ ዘርእዮ ባህርያት ምስ ዝህሉ፡ ክጉዳእ ከሎ ኣብ ክንዲ ኣብ ግዚኡ ስምዒታቱ ዝገልጽ፡ ናብ ናይ በይኑ ዓለም የንሳሕብ። ኣብ መንጎ ብዙሓት ብምህላዉ ጸቕጢ ክስምዖ ከሎ፡ ተሌፎኑ ብምጥውዋቕ ከስግል ይፍትን። እዚ ዝገብረሉ ምኽንያት ድማ ስምዒታዊ ዘይውሕስነት ስለ ዝስምዖ እዩ። ስምዒታቱ ብትብዓት ምግላጽ ስለ ዘሸግሮ፡ ካብ የዕርኽቱ ተገሊሉ ኣብ ናይ በይኑ ዓለም ይነብር።

ስምዒታቱ ዝቑልፈሉ ካልእ ምኽንያት ከኣ፡ ሰብ ብትዕዝብቱ ተቀላጢፉ ከም ዝወቕሶን ዝፈርዶን፡ ኣብ ክንዲ ዝርድእሉ ስምዒታቱ ከዕርይ ዝፍትን ኰይኑ ስለ ዝድምዖ እዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ኣጠማምት ባዕሉ ዝፈጠሮ ናይ ግሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና ክሳዕ ክንደይ ዘይምቹኡነት ከም ዝስምዖ ግሉጽ መርኣይ እዩ።

ሓደ ሰብ ዝርከብ ስምዒታት ሃልይዎ ስምዒታቱ ብዘይ ስክፍታ ከካፍል እንተዀይኑ፡ ነቲ ካልእ ሰብ “ክኣምኖ” ኣለዎ። እዚ ቀዳማይን ቀንዲ ረቛሕን እዩ። ንመጻምድትና፡ የዕሩኹትና፡ መሳርሕትና፡ ሓኪምና’ውን እንተዀነ፡ ርእስና ቀሊዕና ክነርእዩ ከነፍቕድ እንተዀይኑ፡ ምትእምማን ክሓድረና ኣለዎ። እዚ ከኣ ብኸምኡ፡ ሕድር ኢልካ ዝበቁል ዘይዀነ፡ ምስ ግዜ ዝረጋገጽ እዩ።

ምስ ካልእ ሰብ ስምዒታትና ከነካፍ ከለና፡ እዚ ቕኑዕ መግለጺ “ስምዒታዊ ልዙብነት” እዩ። እንተዀነ ግና ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ንኸምዚ ዝበለ ብጽሕናን ርእሰ-ተኣማንነትን ዝጠልብ ስምዒታዊ ልዙብነት ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ዓቕሚ የብሉን።

እንመሃሮ   ክ እ ለ ት

ምዒታዊ ልዙብነት” ምስ ጊዜ እንመሃሮን እነማዕብሎን ክእለት ክኸውን ይኽእል እዩ። ስምዒታትና ንምድህሳስ ነጻነት ኣብ ዘለዎ፡ ከይፈራህናን ከይሰጋእናን ስምዒታት ኣብ እንገልጸሉ ቤት እንተዓቢና፡ ምስ ዓበና ስምዒታትና ንምግላጽ ቀሊል ይኸውን። ሓጎስ፡ ሓዘን፡ ርእሰ-ጥርጣራ፡ ፍርሒ፡ ሓርቖት፡ ከይፈራህናን ከይተደረትናን ክንገልጽን ከነካፍልን ትብዓት ይህልወና። ስምዒታትና ምግላጽ ጥራይ ግን ዘይኰነ፡ ስምዒታት ካልኦት ንምርዳእ ዓቕሚ ይበዝሓልና። እዚ ኸኣ ጥዕና ዘለዎ ዓሚቕ ዝምድና ክንፈጥር የኽእለና።

በቲ ካልእ ገጽ፡ ስምዒታትና ክንገልጽ ኣብ ዘይንተባብዓሉን ግቡእ ዋጋ ኣብ ዘይወሃበሉ፡ በቀጻሊ ኣብ እንግንሓሉን እንዝብሓሉን ቤት እንተዓቢና፡ ስምዒታትና ከነለልን ክንገልጽን ዓቐበት ይዀነና። ኣእምሮኣዊ ብልሒ፡ ፍጹምነት (perfection)፣ ምስጢር፡ ኣካላዊ ጽባቐ ዝለዓለ ቦታ ኣብ ዝወሃበሉ ሃዋህው ምስ እንዓቢ፡ ምስ ዓበና ግሉጽነት ስምዒት ክህልወና ገድሊ ይዀነና። እዚ ኸኣ ዘይምቹእነት ክህልወና ስለ ዝገብር፥ ዘይዓሚቕን ጥምዓዊ ዝምድና ክህልወና ንግደድ።

ኣብ ፍቕራዊ ዝምድና፡ ስምዒታዊ ልዝቡነት ብኽልቲኦም ተዋሳእቲ ሚዛናውነት ክህልዎ ኣለዎ። እዚ ኣብ ፈለማ መድረኽ ዝምድናኦም፡ ስምዒታቶም ውዑይን ጽዑቕን ኣብ ዝዀነሉ ደረጃ፡ ክልቲኣቶም ብምልኣት ንኽዋሳኡ ቀሊል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ምዉቕ ስምዒት፡ እቲ ዓቓባዊ ዝበሃል ሰብ እንተዀነ ገዛእ ስምዒታቱ ክገልጽ ኣይሽገርን እዩ።

ዝምድናኦም ናብ ዕቱብ መብጽዓ ክሰጋገር ከሎ፡ ብንቡር ህይወት ኣብ ዝትክኣሉ መድረኽ ምስ በጽሐ ግና፡ ውዕዉዕ ስምዒት ዝሒሉ፡ ናይ ሓድሕዶም ስምዒታዊ ባህርይ ብትኽኽል ክፈልጡ ዕድል ይህልዎም። ናብ ንቡር ህይወት ምስ ተመልሱ፡ ኣድህብኦም ኣብ ሓድሕዶምን ዝምድናኦም ብምግባር ኣብ ክንዲ ዝቕጽሉ፡ ኣብ ስርሖም፡ ቤተ-ሰብ፡ ደጋዊ ንጥፈታቱ ይኸውን እሞ፡ ከምቲ ፈለማ ዝነበሮም ስምዒታዊ ልዙብነት ይጎድል።

ምስቲ ፈለማ ዝነበረ ሃዋህው ኣወዳዲርካ፡ ሓደ ካብ መጻምድቲ ዓቓባዊ፡ ስምዒታቱ ቆጢቡ ዘካፍል ክኸውን ይእኽል። እቲ ካልኣይ ግና ከምቲ ኣብቲ ኣብ ፈለማ ዝምኰርዎ ዝነበሩ ቁሉዕነትን ቅርርብን ይሃርፍን ይጠምን። ገለ ነገር ከይተቐረ ከምዚ እንተቐጺሉ፡ ፍልልዮም ጾር እናዀኖም፡ ሓደ ስምዒታቱ እናጎደለ፡ እቲ ካልእ ከኣ ጾር እናተሰምዖ፡ ዝምድናኦም ዘይምዕሩይ ይኸውን። እዚ ኸኣ ናብ ዝዓበየ ፍልልይ ከምርሖም ይኽእል።

ኣብ ዕዉት ዝምድና፡ ኩልቲኣቶም ተዋሳእቲ ምስ ንጹር ግላዊ ደረት (personal boundary)፡ ሓያል ማንነት፡ ንያት (self-esteem)፡ ስምዒታዊ ዕጋበት ይህልዎም። ክንድቲ ብግሎም ባዕላዊ-ደረቶም፡ ማንነትቶም፡ ንያቶም፡ ዕጋበቶም፡ ዝዳህሰስሉን ዝፈተሽሉን ከኣ፡ ብጽሕና ብዝመልኦ መገዲ ግላዊ ፍልጠቶምን ክእለቶምን ክከፋፈሉ ናጽነት ይህልዎም።

እዚ ከምዚ ዝበለ ድህሳሰ ዝጅምረሉ ቅድሚ ዝምድና ምጅማሮም እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣብቲ ምዕሩይ “ስምዒታዊ ልዝብ” ዝገደሎ ዝምድና ገዛእ ርእስና እንተረኺብናያ ግና፡ ክፉት ዝዀነ ዝርርብን ግሉጽነትን እናኣናደና፡ ዝምድና ናብ ዝድግፉ/ዘሰልጥኑ ምኻድ ሓጋዚ ይኸውን።