ስሉስነት ስምዒት፡ ምርዳእ ስምዒት

ምዒት ዓቢ ክፋል እንታይነትና እዩ። ኣብ መዓልትና ላዕልን ታሕትን ዝብል ዝተፈላለየ ስምዒት ንምኰር ኢና። ንገሊኣትና ንምእላዮም ቀሊል ክዀኑ ከለው፡ ንገሊኣትና ግና በዳህትን ኣጸገምትን ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ከም ኩሉ ሰብ ስምዒታትና ገድሊ ክዀኑና ተኽእሎ ኣሎ። እንተዀነ ግና፡ ገድላዊ ስምዒታትና ንነዊሕ ግዜ ክምጠጥ ከሎ፡ ጉድለት ጥዕና ኣእምሮ ከስዕበልና ይኽእል።

ሓደ ሰብ ኣብ ምቁጽጻር ስምዒታቱ ጸገም ምስ ዝህልዎ፡ “ስምዒታዊ ዘይልዙብነት ወይ’ውን ዘይምቁጽጻር ስምዒት” ቢልና ንሰምዮ። እዚ ኸኣ ዓቢ ክፋል ስነ-እምሮኣዊ ጸገም እዩ።  እዚ ስምዒታዊ ዘይልዙብነት ከኣ ናብ ከም እኒ ጭንቐት፡ ቅዛነት፡ መንነታዊ ስርዓት-ኣልቦነት (personality disorder)፡ ጭቡጥነት ምጥፋእ (psychosis)፡ ጸቕጢ ድሕረ ማህሰይቲ (PTSD) ዝኣመሰሉ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ክወስደና ይኽእል። ኣብ ዝዀነ ደረጃ ህይወት ንሃሉ፡ ንስምዒታትና ጥዕና ብዘለዎ መገዲ ከነመሓድሮ ክንመሃር ንኽእል ምኻና ምፍላጥ ተስፋ የስንቕ። ነዚ ጉዕዞ ኸኣ “ስምዒት እንታይ እዩ” ብምባል ክንፍልሞ ኣለና።

መልእኽቲ ስምዒትን

ዛዕባ ስምዒት ክንርድኦ ዘለና ኣገዳሲ ፍልጠት እንተሃልዮ፡ ኩሎም ስምዒታት ዕላማ (purpose) ኣለዎም። ሓበሬታ (message) ክህቡና ከኣ ‘ዮም ተሃንዲሶም። ንኣብነት፡ ቃንዛ (pain) ከብዲ ክስምዓና ከሎ፡ እንታይ ከም ዝዀና፡ ከም ዝበላዕና፡ ካልእን ክንሓትትን ክንሓስብን መልእኽቲ ይህበና።

እዚ ከምዚ ዝበለ መልእኽቲ ስምዒታት ከኣ፡ ኣብ ህይወት ዝከናወኑ ነገራት ኣቃልቦ ክንህቦም ይቐስበና። እዞም መልእኽታት ስምዒታትና ከኣ፡ ኣብ ዓቢ ጉዳይ ህይወትና ከም እኒ መዓልቲ መርዓና፡ ወይ’ውን ንእሽቶ መዓልታዊ ንጥፈታት ከም እኒ ምርሳሕ መኪናና ፡ ኣቃልቦ ክንህቦም ይደፋፍኣና። ን ኣብነት፡ ጽዑቕ ድርኺት ስምዒት ፍቕሪ፡ ንደቕና ክንኣልዮምን ክንከናኸኖም ይገብረና። ሓርቖት ብዛዕባ መቅጻዕቲ መኪናና ኣብ ግቡእ ቤታ ደው ዘይምባልና፡ ነቲ ጌጋ መሊስና ከይንደግሞ የጠንቕቐና።

ብዘይ እዞም መልእኽታት ስምዒታት፡ ህይወት ከመይ ምዀነ ኢልካ ሓሲብካ ትፈልጥ ዶ፧ ኣዝዩ ደረቕ፡ መሰልቸው፡ ሕብሪ ዘይብሉ ምዀነ። መብዛሕትኡ ሰብ ንስምዒት ኣብ ሕማቕን ጽቡቕን፡ ኣውታውን ኣሉታውን ኢሉ ይኸፋፍሎ እዩ። እዚ ግና ቕኑዕ ኣይኰነን። ኩሎም ስምዒታት ዝጻወትዎ ሓጋዚ ዝዀነ ተራ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ወዲቕካ ኣብ ብርክኻ ቃንዛ ክስምዓካ ከሎ፡ እቲ ቃንዛ ንብርኽኻ ኣቃልቦ ሂብካ ክትኣልዮ ስለ ዘገድደካ፡ ቃንዛ ብባዕሉ ሕማቕ ኣይኰነን።

ደቂ ሰባት ዝተፈላለየ ዝርጋሐ ዘለዎም ስምዒታት ንምኰር ኢና። ነፍሲ ወከፍ ስምዒት ዝተፈለየ መልእኽቲ ኣለዎ። ብፍሉይ መገዲ መልእኽቲ ክህቡና ተነዲፎም። ገሊኣቶም ቅጽበታዊ ዝዀነ ዝርድኣና መልእክቲ የሕልፉ። ገሊኣቶም ከኣ ከይተረደኣና እንህቦ ግብረ መልሲ ኣለዎም። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ሽዓ ዝኸውን ኩነታት ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ክንህቦ ስለ ዝደልዩና እዮም።

ፍርሒ ግሉጽ ኣብነት እዩ። ሓደጋ ክገጥመና ከሎ ብቕልጡፍ ንፈርህ። ብቅልጡፍ ከነምልጥ ወይ’ውን ዘለና ሓይሊ ኣኻኺብና ክንገጥሞ የተባብዓና። ንኣብነት፡ ኣብ ከውታ ለይቲ እናመረሽካ ከለኻ ገለ ድምጺ ክትሰምዕ ከለኻ፡ ኣብ ሓደጋ ክትህሉ ትኽእል ኢልኻ ዝብል መልእኽቲ ይመጸና። ፍርሒ ከኣ ይስምዓና። ኣትኩረናን ጥንቓቐና ይውስኽ። እዚ ከምዚ ዝበለ ፍርሒ ሕማቕ ክንብሎ ኣይንኽእል ኢና።

ካልእ ኣብነት፡ ሪጋ ሓሊና ክንጽበ ከለና። ድሕሬና ዝመጸ ሰብ መስመር ጥሒሱ ኣብ መንጎ ክኣቱ ከሎ፡ የሕርቐና እዩ። እዚ ኸኣ እቲ ሰብ ዘይግቡእ ስለ ዝገብረ ዝህበና መልእኽቲ እዩ።

ኣብ ስራሕ ሓሪቕና መጺና ንደቕና ብዓውታ/ብምጭዳር ክንዛረቦም ከለና፡ ገበንነት ይስምዓና። እዚ ኸኣ ዘይቕኑዕ ከም ዝገበርና ዘመልክተና መልእኽቲ እዩ።

ዝተጸገመ ዓቢ ሽማግለ ሰብኣይ ርኢና ስለ ዝሓገዝናዮ፡ ሓጎስን ዕጋበትን ይስምዓና። እዚ ኸኣ ቕቡልን ግቡእን ስለ ዝፈጸምና ዘመልክተና መልእኽቲ እዩ። እዚ ዘረደኣና ከኣ ኩሎም ስምዒታት መልእኽቲ ምህላዎም እዩ።

ሱልሱነት ስምዒት

እዚ መልእኽታት ስምዒት ከኣ ብሰለስተ መገዲ ኣባና ይሓልፉ

  1. ኣካላትና (ኣካላዊ ህዋሳትና፡ ንሳቶም ከኣ ምርኣይ፡ ምስማዕ፡ ምሽታት፡ ምድህሳስ፡ ምጥዓም)
  2. ኣእምሮና (ሓሳባትና፡ ዝኽርታት፡ ስእለ-ኣእምሮ (imagination)
  3. ባህርያ (ድፍኢት፡ ተግባራትና)

ናብዞም ሰለስተ ባእታታት ገዛእ ርእስና እንተኣቓኒና፡ ንስምዒታትና ክንርዳእ የኽእለና። ዝተፈላለዩ ስምዒታት ብዝተፈላለዩ መገዲ ንኣካላትና፡ ኣእምሮና፡ ባህርያትና ይጸልውዎ። ንኣብነት ክንሓርቕ ከለና

  • ሓሳባትና ኣብቲ ሰብ ዝገብሮ ይሽከል (ኣእምሮ)
  • ህርመት ልብና ይውስኽ (ኣካላትና)
  • ንኹነታትና ክንገጥሞ ውሽጥና ይለዓዓል (ባህርያትና)

ወይ’ውን መሓዛና ካባና ስለ ዝረሓቐ ክንሓዝን ከለና

  • ዝኸሰርናዮ/ዝጠፍኣና ክንሓስብ ንቕሰብ (ኣእምሮ)
  • ኣካላትና ይዝሕትል (ኣካላት)
  • ከነንሳሕብ ውሽጥና ይደፋፋእ (ባህርያት)

እዚ ግብረ መልሲ ጠቓሚ እዩ ምኽንያቱ ኣብዞም 3ተ ባእታታት ብምቱካር፡ ምስ ስምዒታትና ከመይ ጌርና ከም እንቓኒ ይምህረና። እዚ ኸኣ ከም ሓደ ሰላዪ ጌርና ክንወስዶ ንኽእል። ስምዒታትና ንምልላይ፡ ገለ ኣመት፡ ኣምር፡ ኣፋፍኖት ይህቡና። ምስ ስምዒታትና ንምቕናይን ንምልላዮም ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። መዓልቲ ልምምድ ምስ ዝህልወና ግና እናዓበና ከም እንኸይድ ጥርጥር የብለይን።