ቊጽጽር ስምዒት

ዛዕባ ስምዒታትና ኣቃልቦ ክህልወና ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ህይወት ክንሰርር፡ ከመይ ኢልና ክንከይድ ከም ዘለና መልእኽቲ ይህቡና። ንስምዒታትና ኣፍልጦን መልሰ-ግብሪ እንተዘይሂብናዮ፡ እናበርትዐን እናጸዓቐን ይኸይድ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ኣቃልቦና ሂብና ክሳብ ንሰምዖ መልእኽቲ ክህበና ስለ ዝጽዕር እዩ።

ስምዒታትና ዝግባእ ኣቃልቦ እንተዘይሂብናዮም ሳዕቤኑ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ። ኣቃልቦ ስምዒት ኣንፈት ዝስሕተሉ መገዲኡ እንተሃልዩ

  1. ክቕልቐሉ ከለዉ ዕሽሽ ክንብሎም ከለና
  2. ክንሓብኦምን ክንጸቕጦም ከለና
  3. ብቅኑዕ መገዲ ምፍላጦም ክሰኣነና ከሎ  እዩ። ንኣብነት፦ ፈሪሕና ክነስና ሓሪቕና ዘለና ክመስለና ከሎ፡

ንቕሓት ስምዒት ዝበሃል ከኣ ንስምዒታትና ብትኽክል ኣስማቶም ክንጽውዖም ክንፈልዮም ከለና ዝኸውን እዩ።  እዚ ኽእለት ከኣ “ምምልካት፡ ማርካ ምግባር” (labeling) ማለት ኰይኑ፡ ስምዒታትና ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ክንኣልዮም ናይ ፈለማ ስጉምቲ እዩ።

ምርዳእ ዞና ተጻዋርነት

ምዒታትና ከመይ ጌርና ከም እንኣልዮም ፍልጠት ሃልዩና ኣይተወለድናን። እዚ ክንመሃሮ ዘለና ክእለት እዩ። ካብ ኩሉ እንሓልፎ ተመክሮን ሰባት ማለት ካብ ወለድና፡ የዕሩኽቱና፡ መማሃራና፡ መሳርሕትና ካብ ሕብረተሰብን ንመሃሮ እንመሃሮ ጠቓሚ ክእለት እዩ።

ጊዜ “ቁልዕነት” ብምርዳእ ስምዒት ክንዓቢ ኣገዳሲ ጊዜ እዩ። ኣብ ቁልዕነትና ተደጋጋምን ወሓጥን ስምዒታት እናተመኰርና እንተዓቢና፡ ነገራት ክገጥመና ከሎ ስምዒታትና ንምቑጽጽራ ስለ እንሽገር “ቅልጡፍ ዝዀነ ምዕራይ” ክንደሊ ይገብረና። እዚ ከምዚ ዝበለ መገዲ ኣብ ሓጺር ግዜ ይሰርሕ ይኸውን። ንኣብነት፡ ኣብ ምጽቓጥ ስምዒት፡ ርእሰ-ጉድኣት፡ ምጉሳይ/ምውጋድ ከም ኣብነት ክንጠቕስ ንኽእል። ኣብ ሓጺር ግዜ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ግዜ ግና ሃሳይን ዘይሰርሕን እናዀነ ይኸይድ።

ብፍላይ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ህይወት፡ ቆልዑ ስምዒታቶም ክኣልዩን ከመሓድሩን ወለዶም ወይ’ውን መዕበይቶም ክሕግዝዎም ኣለዎም። ዋላ ኳ ፍጽሙነት እንተዘይተጸበና፡ እኹል ዝኰነ ሓገዝ እንተዘይረኺቦም ናብ ዝገደደ ስምዒታዊ ጸገም ይመርሖም።

ኣብ ገለ ኩነታት ወይውን ማሕበራዊ ምትእኽኻብ፡ ገለ ስምዒታት ቅቡላት ኣይኰኑን። እዚ ኸኣ ክንሓብኦም/ክንሽፍኖምን ንግደድ። ኣብ ገለ ቤተሰብ፡ ግቡእ ኣተኣላልያ ዘይግበረሎም፡ ፍኑው ዝዀነ ምግላጽ ስምዒት ኣሎ። እዚ ከኣ ሰባት ገዛእ ርእሶም ክገትኡን ከህድኡን ክሽገሩ ይገብሮም። ኣብ ቁልዕነቶም ዝተዓመጹ ወይውን ብስድራኦም ሸለል እናተባህሉ ዝዓበዩ፡ ዘይግቡእ ጥዕና ዝጎደሎ ኣተኣላልያ ስምዒት ከማዕብሉ ይቐስቦም። ንኣብነት፡ ውሽጣዊ ረብሻ ንምህዳእ ተባሂሉ መስተ ምዝውታር

ብተወሳኺ ሰባት ምስ ብዙሕ ጠባያት (Temperament) እዮም ዝውለዱ። እዚ ኸኣ ንስምዒታት ዘለና ተኣፋፍነት (sensitivity) ክፈላለ ይገብሮ። እንህቦ መልሰ-ግበሪ ከኣ ከምኡ መጠን ይፈላለ። ንኣብነት፡ ገለ ሓፍር እዩ። ገሊኡ ኸኣ ሕዉስ። ምዕሩይነት ምሳና ዝተፈጥረ ጠባያትን ከባቢና ኣባና ዘለዎ ጽልዋን ከኣ፡ ንስምዒታትን ከመይ ጌርና ከም እንኣልዮ ዓቢ ጽልዋ ይህልዎ።

ሓደ ሓደ ጊዜ ብምኽንያት ናይቲ ሰብ ጠባይ፡ ኣብ መንጎ እቲ ሰብ ዝዀኖን ምስ ካልኦት ዝህልዎ ንኣሽቱ ፍልልያት፡ ዝተጋነነ ጸገም ክፈጥር ይርአ። ንኣብነት፡ ሓደ ተኣፋፊ ስምዒት ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ብዙሕ ተነካእቲ ዘይኰነ ቤተሰብ ክዓቢ ከሎ፡ ቤተሰቡ ክሳዕ ዝሻቐሉ ነውጽን ምፍልላይ ይፍጠር።

ዓላቚ (bullying)፡ ምግፋዕ፡ ሕማማ፡ ጸቕጢ ስራሕ፡ ሓደ ሰብ ስምዒታቱ ኣብ ምእላይ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። እዚ ከኣ ናብ ጥዕና ዝጎደሎም ኣተኣላልያ ስምዒት ክወስዱና ዘለዎም ተኽእሎ ዓቢ እዩ።

ዞና ተጻዋርነትካ ምፍላጥ

ምዒታትና ኣብ ምምኳርን ምእላይ ክሕግዘና ዝኽእል ሓጋዚ መገዲ እንተሃልዩ፡ “ዞና ተጻዋርነት” ምፍላጥ ዝብል እዩ። “ዞና ተጻዋርነት” ዝብል ኣምር፡ ጻዕቒ ስምዒታት ኣብ ግምት ኣእቲና፡ መገዲ ስምዒታትና ብግቡእ እንኣልየሉ ምቹእ ዞና (comfort zone) ከም ዘለና ክንፈልጥ ከለና እዩ።

ጻዕቒ ስምዒት ኣብ ግምት ብምእታዊ፡ ስምዒታትና ኣብ 3ተ ንኸፍሎም

  1. ወሓጢ ስምዒት

ኣመና ረስኒ (hyperarousal) ዘለዎ፡ ግቡእ ምሕሳብ ዝጎደሎ፡ ስምዒት ከም ጭቡጥ ዝውሰደሉ፡ ሃንደፍታን (impulsive) ተጻየግብርኣውን (reactive) ዝዓብለሎ፡ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ስምዒት ዝረኣየሉ ደረጃ እዩ። መጠኑ ዝሓለፈ ምቁራን ምስ ስምዒት ይረአ። ስምዒት ከኣ መዘወር ህይወትና ይቆጸጻር። እዚ ኸኣ ሓደገኛ እዩ።

  1. ቅቡልን ዝጽወርን ስምዒት

እዚ እቲ ዞና” ኢልና ንጽውዖ ምዕሩይ ደረጃ እዩ። ምልጋብ ምስ ስምዒት ህሉው ኰይኑ፡ ወሓጢ ግና ኣይኰነን። ሰብ ብዛዕባ ስምዒታትና ክንሓስብ ዕድል ይህልወና። እንታይ ዓይነት መልሰ-ግብሪ ከም ዝህልወና ክንመርጽ ዓቕሚ ይህልወና። ክንሓስብ፡ ክንዝክር፡ ክንውስንን ክንምሕብር (socialize) ዓቢ ተኽእሎ ይህልወና።

  1. ዕጹው ስምዒት

ኣብዚ ደረጃ ስምዒት ሒደት እዩ። ምስ ስምዒት እኹል ዝዀነ ምትእስሳር ኰነ ምልጋብ ዝበሃል የልቦን። ኣቃልቦ ሒደት እዩ። ግብረ-መልሲ ኣዝዩ ደንጓዩ፡ ባዶ፡ ብቱኽ፡ ድንዙዝ፡ ዘይተቀስቀሰ ይኸውን።

ጻዕቒ ስምዒት ግቡእን ምዕሩይን ክኸውን ከሎ፡ እንብዛ ከይበዝሐን እምብዛ ከይወሓደ፡ መለትና እዩ። እዚ ከኣ ኣብ “ዞና” ኣሎና ንብል። ኣብ “ዞና” ክንህሉ ከለና፡ እኹል ኣቃልቦ ስምዒት ይህልወና። እንታይ ግብረ-ምላሽ ከም እንህብ ከኣ ምስትውዓል ዝመልኦ ውሳኔ ንገብር። ኣነጺርና ክንሓስብ፡ ክንውስን፡ ክንዝክር፡ ምስ ካልኦት ክንዋሳእ ንኽእል። ኣብዚ ኸኣ እቲ ናይ ሓቒ ዝኰናዮ ክንከውን ዓቕሚ ይህልወና።

ናብ ገምገም “ዞና” ክንዞዙ ከለና ግና፡ ዝተቃልዐ ስምዒት ሃልዩና ተኣፈፍቲ ንኸውን። ንእሽቶ ነገር ከኣ ካብ መስመር ከውጽኣና ይኽእል። ኣብ “ዞና” ክንህሉ ክንሽገር ከለና፡ ንኣሽቱ ነገራት ንምእላይ ንሽገር።

ስምዒታትና ጽዕቑን ወሓጥን ክኸውን ከሎ፡ ጭንቐት፡ ራዕዲ፡ ዝኑባት፡ ህሙላት፡ ኣመና ስምዒታውን ንኸውን። ጻዕቒ ስምዒት ምስ ዝህልወና፡ ክንሃድእ፡ ስምዒታትና ክንቖጻጸር፡ ጥዕና ብዘለዎ መገዲ ስምዒታትና ክንኣሊ ንሽገር። ብዙሕ ከይሓሰብና፡ ሃንደፈታዊ ድፍኢታዊ መልሰ-ግብሪ ንህብ።

እኩል ጻዕቒ ስምዒታት ምስ ዘይህልወና ከኣ፡ ናብ ቅዛነት፡ ድንዛዜ፡ ዝተበትከ ወይውን ባዶ ዝዀነ ስምዒት ይወስደና። ኣብ ዕንኪላሎ ዝመስል ሓሳብ ንሽከል። ዝዀነ ነገር ንኽንሓስብ ንሽገር። ድኻም ኣእምሮ ስለ ዝስምዓና፡ ካብ ኩሉ ኣንሳሒብና በይንና ክንኸውን ንመርጽ። ሓሳብና እናኣስገለ ንሽገር። ጻዕቒ ስምዒትና ባይታ ክዘብጥ ከሎ፡ ገዛ ርእስና ከነተባብዕ ንሽገር። ናብ ጫፍ ገጽና ክንከይድ ከለና’ውን፡ ክስምዓና ክሳዕ ዘይንደሊ ክንከውን ንኽእል።

ተጸዋርነት ስምዒታትና ከም ባህርያትና ይፈላለ እዩ። ኩሉ ግና ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ካብ “ምቹእ ዞና” ንወጽእ ኢና። ገሊኣቶም ዓቐኑ ዝሓለፈ ስምዒታት ከይስምዖም ወይ’ውን ብዋሕዲ ስምዒት ከይሽገሩ፡ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ከመይ ጌሮም ኣብ “ዞና” ክህልዉ ከም ዘለዎም ዝተማህሩ እዮም። ካልኦት ግና ካብ “ዞና” እናወጹ፡ ጥዕና ብዝጎደሎ ውጥን ስምዒታቶም ዝኣልዩ ኣለው። ብምዕሩይ መገዲ ንስምዒታትና ክንኣሊ፡ መልሰ-ግብሪ ስምዒታት ክንመሃር የድልየና።

ይቕጽል