ስምዒታዊ ምትእስሳር ምፍጣር

ስምዒታዊ ምትእስሳር እንታይ እዩ፧ ምስ ካልኦት ብቐረባ ከም ዝተኣሳሰርና ምልክቱ እንታይ እዩ፧ ኣብ ክልተ ተጻመድቲ ውሕሰነት ዘለዎ ምትእስሳር ንምህናጽ ዘጸገም ዶ ይመስለካ፧

ዝምድና/ምሕዝነት ንኽንሃንጽ ክንጽዕት ከለና፡ ስምዒታዊ ምትእስሳር እንታይ ምኻኑን ኣገዳስነቱን ክርድኣና ኣለዎ። ከመይ ጌርና ጥዕና ዘለዎ ስምዒታዊ ምትእስሳር ምህናጽ ጥራይ ዘይኰነ፡ ምስ ዘየርብሓና ነገራት ስምዒታዊ ምትእስሳር ከንፈጥር ክንጥንቀቕ’ውን ኣለና።

ስምዒታዊ ምትእስሳር እንታይ እዩ፧

ዛዕባ ስምዒታዊ ምትእስሳር ኩሉ ሰብ ዝመስሎ ነናቱ ዝዀነ ምርዳእ ኣለዎ። እንተኰነ ግና ንኹሉ ዝምልከቶ መሰረታውን ሓፈሻውን ዝዀነ ትንታነ/መግለጺ ከነቕርብ ንኽእል ኢና።

ስምዒታዊ ምትእስሳር“፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ዝፍጠር ካብ ኣካል ዝሓላፈ፡ ዓሚቕን ውሽጣውን ምቕርራብ ኰይኑ፡ ባዕላዊ ምትእስሳር እዩ። ባዕላዊ ክንብል ከለና ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝፈላለን ኣብቲ ናይቲ ሰብ ድሕረ ባይታ፡ ተመክሮ፡ ኣጠማምታ ዝተመርኰሰ ማለትና እዩ።

“ስምዒታዊ” ዝብል ኣምር ምልዕዓል ብርቱዕ ስምዒት የመልክት። እዞም ስምዒታት ከኣ ሰባት ብውሽጦም ዝምኰርዎ ከም እኒ ሓርቖት፡ ሓዘን፡ ሓጎስ፡ ፍቕሪ፡ ቁጥዓ፡ ሕነ ምፍዳይ፡ ናፍቖት፡  ነድሪ፡ ምረት፡ ቅሬታን ካልእን ክዀይኑ ይኽእሉ።

ምትእስሳር ከኣ ምስ ሓደ ሰብ/ነገር ኣብ ሓደ ብርኪ/ኣርዑት ክትከውን ከለኻ እዩ።

ክልቲአተን ቃላት ክንጠምረን ከለና ኸኣ፡ ሓደ ሰብ ምስ ካልእ ሰብ ወይ’ውን ነገር ገለ ስምዒት ብምክፋል ክጣበቕ ከሎ ስምዒታዊ ምትእስሳር ኣለዎ ንብሎ። ንምሳሌ ንዝበደለካ ሰብ ይቅረ ኢልካ ነቲ በደል ይኺድ እንተዘይሓዲካዮ፡ ምስቲ ዝበደለካ ሰብ ንኹሉ ጊዜን ኣብ ኩሉ ቦታን ስምዒታዊ ምትእስሳር ይህልወካ። ትፈትዎ መቅርብካ ብሞት ክፍለየካ ከሎ፡ ሓዘንካ ወዲእካ ህይወትካ ክቕጽል ንርእስኻ እንተዘይ ኣፍቒድካላ፡ ምስቲ ዝተፈለየካ ብስምዒት ተኣሳሲርካ፡ ኣብ ሕሉፍ ክትነብር ይቐስበካ። ገሊኡ ምስ ገንዘብ ጽኑዕ ዝዀነ ስምዒታዊ ምትእስሳር ስለ ዘለዎ፡ ንምርካቡ ረሲእነት ክገብር ይደፋፋእ። ምስ መጻምቱ፡ ቤተሰቡ፡ የዕርኽቱ ቅኑዕን ግቡእ ዝዀነ ፍቕሪ ዘለዎ ሰብ ከኣ፡ ስለ ፍቕሪ ኢሉ መስዋእቲ ክስውእ ዝድረኽን ይረአን እዩ።

“ርእሱ በጃ የዕርኽቱ ከሕልፍ፡ ካብዚ ዝዓቢ ፍቕሪ የልቦን”

ስምዒታዊ ምትእስሳር ዝጎደሎ ዝምድና

ምድናታትን ርክባትና ክህነጽን ክድልድልን ስምዒታዊ ምትእስሳር ክህልዎ ኣለዎ።

ምስ ኣዚኻ እተፍቕሮ ሰብ ዝምድና ይህልወካ ይኸውን። እቲ መቋርንትኻ ግና ብሓሳቡ እናኣንስሓበ ዝርሓቕ እንተዀይኑ፡ ዝምድናታትኩም ክልተኣውን ምዕሩይን ስለ ዘይከውን ከም ዝግባእ ኣይጥጥዕን። ሓደ ካብ መጻምድቲ ገዛእ ርእሱን ስምዒታቱን ብግቡእን ኣብ ግዚኡን ከካፍለካ ፍቃደኛ እንተዘይኰኑ፡ ዳብ መንጉኦም ዘሎ ዝምድና ይሳቐን ምስ ጊዜ ኸኣ ይቅምስል።

እዚ ከምዚ ዝበለ ዝምድና/ርክብ ምስ የዕርኩትኻ፡ ምስ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ትውክልቲ ትገብረሉ ሰብ፡ ቤተሰብካ፡ መሳርሕትኻ፡ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ክኸውን ይኽእል።

ጽኑዑን ምዕሩይን ስምዒታዊ ምትእስሳር ዘይብሉ ርክብ፡ ኣንጸርጽሮ ዝመልኦ፡ ኣብ መጨረሽታ ኸኣ ዝፈሽል ዝምድና እዩ። እዚ ኣገዳሲ መቐወም (ingredient) ዝጎደሎ ዝምድና ኣዝዩ ደረቕ፡ መቐረት ዘጥፍአ፡ ኣድካሚ፡ ኣሰልቻዊ፡ ነዊሕ ዘይጎዓዝ እዩ። ስለዚ ከም ጌርና ስምዒታዊ ምትእስሳርና ኩሉ ጊዜ ሃልሃል ክብል ከም ዘለዎ ክንጣበብ ኣለና።

ኣጽኒዑ ዝሕዝ/ዝሓቑፍ ኣርዑት

ዛዕባ ሓድሕዶም ክመሃሩ ዝደልዩ መጻምድቲ፡ ጽኑዕ ስምዒታዊ ምትእስሳር ክፈጥሩ ተኽእሎ ኣሎ። ምስትውዓልን ሓልዮት ዘለዎ ዝርርብን፡ ኣዝዩ ዝተወሳሰብ ሰብኣውነት መጻምትና፡ መሳርሕትና፡ ቤተሰብና፡ ክንርዳእ የኽእለና። ዘሕጉሶ፡ ዘጉህዮ፡ ዘሕርቖ፡ ዘዝልሎ፡ ብሓጎስ ክምብርከኽ ዝገብሮ እንታይ ምኻኑ ክንፈልጥ የኽእለና። ክነብዕ፡ ብምስጢር ፍሽኽ ክብል፡ ክበሳጮ ዝገብሮ እንታይ ምኻኑ ክንመሃር ከለና፡ ዝምድናታትና እስትንፋስ ይውስኽ።

ናይ ብጻይና እንታይነት ተረዲእና ክድንግጽን ድሕሪ ዘረባኡ ዘሎ ስምዒታት ክንርዳእ ክንፍትን ከለና፡ መጻምትና ገዛእ ርእሱ ከፊቱ ስምዒታቱ ከካፍለና ትብዓት ይህልዎ።

መጻምቲ ካብ ሕጉስ ስምዒታትዊ ምትእስሳር መታን ክኸስቡ፡ ገዛእ ርእሶም ክቀልዑ፡ ብጻዮም ብደምቢ ክርእዮም ክኽፈቱ ፍቓደኛታት ክዀኑ ኣለዎም። እዚ ኸኣ ቅሉዕነት (vulnerability) ይበሃል። ንሓቐኛን ቅኑዕ ዝምድና ቁልፊ ዝኰነ ቅዲ ህይወት ከኣ እዩ።

ግላዊ ምስጢራትካ፡ ቃንዛኻ፡ ሓጎስካ ከተርኢ ክተፍቕድ ከለካ ሓደገኛ ክመስል ይኽእል እዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ሓደገኛ ዝመስል ስጉምቲ፥ “ምትእምማን” (trust) ጥራይ ይሓትት። እምነት እንተተጠሊሙ ግና ሕውየት ኣዝዩ ነዊሕን ኣህላኽን ይኸውን።

ኣብ ፍቕሪ እንወድቕ፡ ጽኑዕ ዝዀነ ምትእስሳር ክፍጠር ከሎ እዩ። ኣብ ፍቕሪ እንጸንዕ ከኣ ክንሕልዎን ክንከናኸኖን ከለና እዩ። ብዘይ ጽንኩር ስምዒታዊ ምትእስሳር ግና መገዲ ፍቕሪ ዕጹው እዩ። ምትእስሳር ክብተኽ ከሎ ወይውን ሸለል ክንብሎ ከለና፡ ፍቕሪ ኣብ መገዲ ይወድቕ።

ምልክታት ጽኑዕ ስምዒታዊ ምትእሳስር

 ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስምዒት ዝፈላለ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ክልተ ሰባት ዝህሉ ስምዒታዊ ምትእስሳር ግና ሓፈሻዊ ዝዀነ ምልክት ኣለዎ።

ናይ ሓዊ ምልክት ከኣ ክልቲኦም መጻምቲ ኣብ ስምዒት ሓድሕዶም ይተዓዳደሙ። ኣብ ስርሖም ዝዀነ ዘስሕቕን ዘቆጥዕን ፍጻሜ ከዕልሉ ፍቃደኛታት ይዀኑ። ኣብ መዓልቶም ዝገጠሞም ሕማቕ ነገር ክነግሩ ሓርነት ኣለዎም።

ክልቲኣቶም ካብ ቁልዕነትኩም ኣትሒዞም ዝሓልምዎን ዝብህግዎን ዝነበሩ ብዘይስክፍታ ብድሙቕ ጩራ ክገልጹ ፍቃደኛታት ይዀኑ።

ካብ ሓደ ናብቲ ሓደ ዘይዕገት ዋሕዚ ዘረባን ዕላልን ኣሎ። እዚ ኸኣ ንዝምድናታቶም ተወሳኺ መቐረት ይውስኸሉ።

ጽኑዕ ስምዒታዊ ምትእስሳር ዘለዎም መጻምቲ፡ ስቕ ኣብ ዝበልሉ ጊዜ እንተዀነ፡ መጻምቶም እንታይ ይብለኒ ከይበሉ ቅሳነትን ናጽነትን ይስምዖም። መጻምተይ ክርሕቐኒ፡ ክሃድመኒ እዩ ከይበሉ፡ ኩሉ ነገሮም ከካፍሉ ትብዓት ኣለዎም።

ኣምር ስምዒታዊ ምትእስሳር ክንብል ከለና፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናቱ ዝዀነ ባዕላዊ ስምዒታውን ኣካልውን መገለጺ ከም ዘለዎ ክንዝንግዕ የብልናን። መጻምትና ከምቲ ናትና ዝበለ መግለጺ ክህልዎ እንተተጸቢና፡ ክንበሳጮ ኢና። ስለዚ መግለጺ ስምዒታቱ ክንመሃር ሓላፍነት ከም ዘለና ክንዝንግዕ የብልናን።

ኣብ ዝደወለሉ ጊዜ ከብዳ ሓቦጭቦጭ ይብላ ይኸውን። ንሱ ኸኣ ዝጀመረቶ ዘረባ ይውድኣላ ይኸውን። ሓደ ምሉእ ሓሳብ ብሓደ ጊዜ ይዛረቡ ይዀኑ። እዚ ኸምዚ ዝበለ ተርእዮ ዓሚቕ ምትእስሳር ዶ ወይስ ኣጋጣሚ ጥርይ፧

ከነስተውዕለሉ ዘለና ሓደ ነገር እንተሃልዩ ኣካላዊ ስሕበትን ስምዒታዊ ምትእስሳርን ፍልልይ ኣለዎ። ሓደ ወዲ ብሓንቲ ጓል ሃነይነይ ኢሉ ማለት ስምዒታዊ ምትእስሳር ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ካብ ስጋዊ ህርፋን (lust) ዝተበገሰ ክኸውን ይኽእል እዩ። ጽኑዕ ስምዒታዊ ምትእስሳር ግና ምስ ጊዜ ዘይሃስስ፡ ዘይጎድል፡ መዋጥር ዘይዓግቶ፡ ቀጻልነት ዘለዎ እዩ።

ሓዳርን ስምዒታዊ ምትእስሳርን

ንዓት መጻምድቲ መሪር ፈተና ሓሊፉ ክሰርር እንተኰይኑ፡ ስምዒታዊ ምትእስሳር ኣገዳሲ መቐወም (ingridient) እዩ። ሓደ ካብ መጻምቲ ስምዒቱ ርሑቕ እንተዀይኑ፡ ሓዳሮም ይሳቐ። ቅሬታ ይውህለል። ዘይምስምማዕ ይጥጥዕ። ማህሰይቲ ይበዝሕ። ዘይምትእምማን ከኣ ኣብ ሓድሕዶም ሕንፍሽፍሽ የእትወሎም።

ምስ መጻምትኻ ስምዒታዊ ምትእስሳር ዝጠፍአ እንተመሲሉካ፡ ቀልጢፍካ ጠንቑ ክትርዳእ ፈትን። ኣብ መንጎኹም ጋግ ዝፈጠረ ይቅረ ዘይተበሃህልኩምሉ ነገር እንተሃልዩ ፈትሹ።

ስምዒታውን ኣካላውን ማህሰይቲ ዝስዓበ፡ ካብ ሕርቃንን ቅሬታን ዝነቀለ ዝበልክምዎን ዝገበርክምዎን ክኸውን ይኽእል። ወይ’ውን ሓደ ካብ መንጎኩም ካብ ጊዜ ምስኣን ምፍታን ደው ኣቢሉ ይኸውን። ጊዜ ዝወሰደ ዘይተፈትሐ ጸገም ንምትእስሳር የላሕልሖ እዩ። ብሰሪ ዘይምትእምማን ዝፈርስ ዝተሃንጸ ምትእስሳር ብዙሕ እዩ። ጽኑዕ ዝዀነ ስምዒታዊ ምትእስሳር ክንገብር ይዓግትና ይኸውን። ምጥርጣር እንተሃልዩ ንሓደ ካብ መጻምቲ ንድሕሪት ስለ ዝስሕቦ፥ ኣብ መንጎ ጋግ እናዓበይ ይኸይድ።

ከመይ ጌርካ ስምዒታዊ ምትእስሳር ትሃንጽ

ዕና ዘለዎ ዝምድና ክህልወካ እንተደሊካ፡ ምስ ብጻይካ ከመይ ጌርካ ጽኑዕ ስምዒታዊ ምትእስሳር ከም እትስርት ክትመሃር ኣለካ። እዚ ምስ እትገብር፡ ካልእ ኩሉ ይስዕብ እዩ። ኣብዚ ስምዒታዊ ምትእስሳር ንኽንሃምጽ ዝሕጉዙና 7ተ ባእታታት ከኣ

  1.  መጻምትኻ ምፍላጥ

ናይ ህይወት መጻምትኻ እንታይ ከም ዝደሊ ኣጽንዓዮ። እዚ ማለት ክዛረብ ከሎ ቃላት ሓሊፍካ ስምዒቱ ተረዳእ። ቀሪብካ ስምዓዮ። ከካፍለካ ዝደልዮ ኣብ ልቡ ዝዓቖሮ ምስጢር ኣቶኪርካ ጠምት። ሰፊሕ ልብን ሃዋህውን ፍጠረሉ።

  1. ምትእምማን (Trust)

ኣብ መንጎ መጻምቲ ስምዒታዊ ምትእምማን ምስ ዝህሉ፡ እዚ ስምዒታዊ ምትእስሳር ዝጥጥዓሉ መሰረታውን ጥጡሕን ባይታ እዩ። እዚ ኸኣ ብምምናይ ብኸምኡ ዝኸውን ኣይኰነን። ኣብ መንጎ ስምዒታዊ ምትእስሳር ክህነጽ ጊዜ ዝጠልብ ምኻኑ ምርዳእ።

  1. ምጻምትኻ ክደልየካ ከሎ ስምዒትካ ብምክፋል ተረኸበሉ

ክልቲኣቶም መጻምቲ ንሓድሕዶም ክደላለዩ ከለዉ ስምዒታዊ ህላወ የርእዩ። ውሽጦም ከርሕዉ ሰጋ መጋእ እንተኢሎም፡ ንሓያል ስምዒታዊ ምትእስሳር ርሑቓት ይዀኑ። ስምዒታዊ ህላወ እንታይ ማለት እዩ፧

ስምዒታዊ ህላወ ማለት እንታይ ይስምዓካ ከም ዘሎ ክትርዳእ ከለኻ፥ ተኸፊትካ ከተዕልለኩ ሓርነት ክስምዓካ ከሎን፥ ናይ ካልኦት ስምዒት ክትርዳእን ምትዛመድን ከለኻ ዝኸውን እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ክልተ ሰባት ምቅርራብ ይፈጥር።

4. ፍቕሪ ይገልጹ/የርእዩ

ተጻመቲ ኣብ ፈለማ ዝምድና ክሃንጹ ከለው ፍቅሮም ክገልጹ ኣይሽገሩን እዮም። ዝተመርዓው ብኣጻሩ ርክቦም መታን ከይልሕልሕ ፍቕሮም ኣብ ምግላጽ ክዓዙ ኣለዎም። ከመይ ሓዲርኪ፡ ደሓን ሕደር ምባል፡ ክኣትዊዉ ክወጹ ከለው ምስዕዓም፡ ኢድ ን ኢድ ምትሕሓ፡ ህያባት ምልውዋጥ፡ vacation ምውጻእ፡ ኣካላዊ ፍቕሪ ብምግላጽ ፍቕሮም ክጎሃሃር ክገብሩ ኣለዎም።

  1. ግርጭትኩም ርትዓውን ቅብዕና ዘለዎ ይኹን

ኣብ መንጎ ርሱን ባእሲ፡ ዘይግቡእ ዘረባን ወቐሳን ዘይተደለየ ዕላማ ክሃርም ይርአ። ርትዓዊ ዝዀነ ባእሲ ክህልወና ክንመሃር ኣለና። ኣብ መንጎ መጻምቲ ሓደ ሓይሉ ነቲ ሓደ ክዕምጽጾን ክዕምጾን የብሉን። ናተይ ጥራይ እዩ ቕኑዕ ዘስምዕ ኣቀራርባ ክህልወና ቅኑዕ ኣይኰነን።

ሓደ ገዛእ ርእሱ ምቑጽጻር ዘጸግሞ እንተዀኑ፡ ድኻሙ ብምእማን ጉድለቱ ከዕሪ ክጽዕት ኣለዎ። ዘይከኣል ኰይኑ ኣብ ዝስምዓና ከኣ፡ መጻሕፍቲ ብምንባብ፡ ኣማኸርቲ ብምድላይ ድኻምና ከነዕሪ ክንጽዕት ኣለና። ክትዕ ክለዓል ከሎ ናብ ሕሉፍ ዘይምምላስ። ኣብ ሕጂ ኬንካ ስምዒታትካ ክትገልጽ ምፍታን። ብሓይሊ ከተእምን ከይፈተንካ፡ ረዚን መርትዖ ከተቕርብ ምኽኣል ንስምዒታዊ ምትእስሳር የሰስኖ።

  1. ንህይወት ብዓይኒ መጻምትኻ ክትርኢ ፈትን

ሰብ ንህይወት ዝጥምተሉ ነናቱ ዝዀነ መስኰት ኣጠማምታ ኣለዎ። ንኹሉ ብናትካ መስኰት ጥራይ ክትርእዮ እንተፈቲንካ፡ ንብጻይካ ክትፈልጦን ጽኑዕ ምትእስሳር ክትገብር ክትጽገም ኢኻ።

ንነገራት ዝህቦ ግብረ መልሲ ንምርዳእ፡ ሓደ ስጉም ንድሕሪት ተመሊስካ ክትጥምቶ ምፍታን። ኣእጋርካ ኣብ ጫምኡ ብምእታው፡ ኣጠማምትኡ ክትርዳእ ፈትን። እዚ ከምዚ ዝበለ ቅዲ ህይወት ከኣ ብኽልቲኦም መጻምቲ ክፍጸም ኣለዎ። ሓደ ንሓደ ከግድዖ የብሉን።

  1. ኣብ መገዲ ዝቖሙ ዕንቅፋታት ምስዓር

ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ዘለዉ መጻምቲ፡ ስምዒታዊ ምትእስሳር ቅድሚ ምህናጾም፡ ክፈትሕዎ ዘለዎም ጸገም እንተሃልዩ ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሕሉ ኣለዎም። ዓቢ ጸገም ምስ ተሳዕረ ከኣ፡ ዝፈረሰ ስምዒታዊ ምትእስሳር እንደገና ኣብ ምህናጽ ምጽዓት።

ስምዒታዊ ምትእስሳር ኣብ ዝምድና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መቐወም፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ዝተወሳሰበን ባዕላውን እዩ። ብዘይ ብእኡ፥ ቀሊል ዕርከነት ናብ ዕቱብ ዝምድና ክዓቢ ኣይክእልን እዩ።

ዝምድና ስምዒታዊ ምትእስሳር ዘይብሉ ምስ ዝኸውን፡ ሓደ ካብ መጻምቲ ኩሉ ጊዜ ገለ ነገር ከም ዝጎደለ ስኽፍክፍ ይብሎ። እዚ ከኣ ሓቒ እዩ። ንኽልተ መጻምቲ ዘላግቦም ጽኑዕ ሰንሰለት ጎዲሉ ኣሎ። ብዘይ ብእኡ ከኣ ዓሚቕን ዝሕጎስን ጽኑቕ ፍቕሪ ስለ ዘይጥጥዕ፡ ኣዝዮም ክነቕሑ ይግብኦም።

ኣዚና ክንጥንቐቐሉ ዝግብኣና ነገር እንተሃልዩ ከኣ፥ ምስ ዘይጠቕመናን ዘይርብሓናን ንርክባትና ዘቀምስል ዘይግቡእ ስምዒታዊ ምትእስ ሳር ክንገብር የብልናን። ንምዳሌ ምስ ኢንተርነት፥ ቲቪ፥ ፊልምታት፥ ካልእ ልምድታት ስምዒታዊ ምትእስሳር እንተኣለና፥ ምስ መጻምትና ዘሎና ስምዒታዊ ምትእስሳር ስለ ዝቋጸጾ፥ ዝምድናና ብኣሉታ ክትንከ ይኽእል።