ናይ ሕሉፍ ኣብ ሕጂ፡

ሓሳብ ርእሰ-ቅትለትን ቅትለተ-ሰብን

ድሚኡ ኣብ 50ታት እዩ። ቆማትን ምልክዑን ሰብኣይ ከኣ እዩ። ርእሰ ቅትለትን ቅትለተ-ሰብ ከሸግሮ ስለ ዝጀመረ፡ ብወለንተናኡ ናብ ሕክምና ኣኣምሮ ሓገዝ ንምሕታት መጺኡ። ኣዚ ከምዚ ዝበለ ረባሺ ኣተሓሳስባ ገና ንኡስ ከሎ ይሓስቦ እኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግና ኣዝዩ እናገደደን ውጡን ኣተገባብርኡን ክዝግቦ ስለ ዝጀመረን፡ ኩሉ ኣካውናኡ ስለ ዘሕሰቦን ዘጨነቖን፡ ኣተኣላልያ ክግበረለሉ ብምድላይ ብወለንተናኡ መጺኡ። ሽግሩ ተረዲኡ ሓገዝ ክደሊ ምምጻኡ ከኣ ኣዝዩ ዝነበኣድ እዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ተበግሶ ኣብ ብዙሕ ሰብ ዝርአ ኣይኰነን።

ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ክዛረብ ከሎ፡ ንሰብ ኰነ ኢሉ ሕማቕ ክገብር ተበጊሱ ከም ዘይፈልጥ ኣስሚሩ ይዛረብ። ስኽራን፡ ዘሕጋዊ መድሃኒት ምጥቓምን፡ ካልእን ልምድታት ከም ዝነበሮ ኣይሓብአን። ብዛዕባ ሕሉፉ ክዛረብ ከሎ፡ ብጉብዝናኡ ሓንቲ ኣቕሓ ክሰርቕ ኢሉ፡ ኢድ ሓደ ሰብ ከም ዝሃሰየ እናተጣዕሰ ይዛረብ። ኣካል ሰብ ምትንካይን ምጉዳእ ከም ነውሪ’ዩ ዝቖጽሮ። እንተ ሕጂ ግና ካብ ቤተሰቡ ጀሚሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሖ ተኪሱ ክቖትሎም ውሽጡ ሓሳብ ክወሮ ጀሚሩ። እዚ ኸኣ ሓድሽ ተርእዮ ስለ ዝዀነ ኣዝዩ ኣሻቐሎ።

ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ተመክሩኡን ከዕልል ከሎ ግና፡ ኣስታት 5 ጊዜ ዝኸውን ርእሰ-ቕትለት ከም ዝፈተነን ከም ዘይተዓወተን ከይሓብአ ይዛረብ። ዝበዝሕ ጊዜ ዝፈተኖ ነፍሰ-ቅትለት ሃንደፍታ ከም ዝነበረ ይእምት። ክነብር ድሌት እኳ እንተለዎ፡ ኣብ ውሽጡ ኰይኑ ዝደፍኦ፡ ክርድኦ ዘይክእል ውሽጣዊ ሃንደፍታ ከም ዘሎ ገጹ ኣሲሩ የዕልል። ብዙሕ ሕቶ ከም ዘለዎ ከኣ ኣብ ኣካውና ገጹ ይንበብ።

ዕላል ንዕላል ምስ ወለደ፡ እቲ ውቑብ ሰብኣይ ብዛዕባ ቁልዕነቱ ክዛረብ ኣፉ ከፊቱ። ካብ ቃላት ከነፍሩ ከኣ፡ “ኣብ ከርፋሕን ኣደብ ዝጎደሎ ቤተሰብ ከም ዝዓበየ የዘንቱ። ገና ቆልዓ ከሎ ንስእለ ጽሑፍ ቪድያውን ጽዩፍ ጾታዊ ስነ-ምግባርን፡ ንመስተ፡ ዘይሕጋዊ መድሃኒታት፡ ጎነጻዊን ናዕቢ ዝመልኦ ኣጋጣምታት፡ ንዓመጽ፡ ጠበንጃ ከም ዝተጋለጸ ከይሓብአ ይነግር። ገና ብንእሱ ወላዲቱ ባዕላ መስተ ከም ዝሃበቶን ምስ መንእሰያት የዕርኽቱ ይሰክር ከም ዝነበረን ይእመን።

ብፍላይ እኳ ኣብ ፈለማ ኣፍላ መንእሰይ (teenage) እንኰሎ፡ ዘይሕጋዊ መድሃኒት ወሲዱ፡ ንመጀመርያ ጊዜ ሓሳብ ርእሰ ቕትለት ከም ዝኣተዎ፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኸኣ ብዙሕ ኣኣምሮኣዊ ጸገም ከም ዝሓለፈ የዘንቱ። ብንእስነቱ ዝረኣዮን ዝተመኰሮን፡ ንስምዒታውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕናኡን ከም ዝበረዞ ዝተገልሃሉ ይመስል።

ህሩግታዊ መርዛም ሕሉፍ ዝክሪ

ሉ ኣብ ሕሉፍ፡ ዝዀኖን ዝወርዶን ተመክሮ ኣለዎ። እዚ ተመክሮ ከኣ ኣሉታውን እወታውን ኰይኑ፡ ዓቐኑ ይፈላለ። ኣብ ሕሉፍ ዝዀነ እንተዘይ መስሪሕናዮን ኣተዓሪቕናዮን ከኣ፡ ኣብ ስምዒታዊ ከረጺትና ይዋህለል። ከይተረድኣና ከኣ ንኣተሓሳስባና ስምዒታትና ይብርዞን የበላሽዎን። ዝተበረዘ ሕሉፍ ዝኽሪ ከኣ፡ ምንዋጽን ምምዝባልን ይጭጭሕ።

“መርዛም ሕሉፍ ዝኽሪ” እምበኣር፡ ናይ ሕቡእ ስምዒት፡ ኣተሓሳስባ፡ ኣረኣእያ፡ ምርዳእ፡ ተቐርጾ፡ ድሌት፥ ናይ ዝተፈላለየ ዕድመ ሕውስዋስ እዩ። እዞም ዘይተፈትሑ ሕሉፍ ፈተነታት ከኣ፡ ነዚ ናይ ሕጂ ህይወት ክገልጽዎን ቅርጺ ከትሕዝዎን ይፍትኑ። እዞም “መርዛማት ሕሉፍ ዝኽርታት” ከኣ፡ ገዛእ ርእስኻ ከይትኸውን፡ ጽቡቕ ኢልካ እትኣምኖ ከይትነብር፡ ብግሉጽ ገዛእ ርእስኻ ከይትገልጽ፡ ንግላዊ ሓርነትካ ይዓግትዎ።

እዚ “ምሩዝ ሕሉፍ ዝክሪ/ትዝታ”፥ ኣገላልጻ ቅዲ ህይወትና የንጸባርቕ። ገሊኡ ጸቕጣም፡ ሰላሕታ እዩ። ገሊኡ ከኣ ከም ነታጒ ዝበለ ባህርይ ዘለዎ ኰይኑ ኣብ ቀረባ እዩ። ብቀሊሉ ኸኣ ይለዓዓልን ይቑጣዕን። ገሊኡ ንእሽቶ ምኽንያት ጥራይ ይርከብ እምበር “ኣጥቓዒ” ዝዀነ ሰብኣዊ ነጸብራቕ ኣለዎ።

እዚ “ምሩዝ ሕሉፍ ዝኽሪ/ትዝታ”፡ ዓይነት ባህርያትና የንጸባርቖ። ገሊኡ ጽግዕተኛ፡ ብተደጋጋሚ ንመጉዳእቲ ዘቓልዖ፡ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ትጽቢት ኣለዎ። ገሊኡ ከኣ ኩሉ ኩቖጻጸር ዝደሊ፡ ውድድራዊ ዝንባለ ኣለዎ። ኩሉ ክንእዶን ከጠቓዓሉ ህርድግ ዝብል’ውን ኣሎ። ገሊኡ ከኣ ንእሽቶ ነቐፌታ ምስ ትገጥሞ፡ ክዕምጽ (abuse) ዝጓየይ ብዙሕ እዩ። ድሌቱ እንተዘይተማሊእሉ፡ ዝዓሉን ህውከት ዝፈጥር ከኣ ብዙሕ እዩ።

እዚ “ሕሉፍ መርዛም ዝኽሪ/ትዝታ” ከኣ ብርእሰ-ምክልኻል ይለዋወጥ። ገሊኡ ዝዀነ ክርስዖ ብምድላይ፡ ኣብ ምኽሓድ፡ ነጸጌታ ይነብር። ገሊኡ ብሰላሕታ ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ቁጽጹሩ ከእቱ ይጋደል። ገሊኡ ኩሉ ከም ዝሰለጠሉ፡ ኩሉ ምሉእ ከም ዝዀነ ከምስል ይፍትን። ድኻሙን ጎደሉኡን ከኣ ንኻልእ ከላግበሉ ይቕሰብ።

“ሕሉፍ መርዛም ዝክሪ/ትዝታ”፡ ስምዒታዊ ዕዳ ብኸመይ ከም እነመሓድሮ፡ ዘለና ዕቑር ዓቕሚ የንጸባርቕ። ዘይተገልጸ ኣረጊት ስምዒታት ከረጺታቱ ዝመልአ ብዙሕ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ሓርቆት ቅዲ ህይወቱ ዝዀነ ኣሎ። ብምኽንያት ኣብ ውሽጡ ዝተኸዘነ ስምዒታዊ ዕዳ፡ ገሊኡ ኣብ ህይወቱ ዘሎ ጽቡቕ ነገር ይጠራጠሮ። ገሊኡ ድኻሙ ክገልጽ ይፈርህ። ብሓቒ ገዛእ ርእሱ ዝዀነሉ ኣጋጣሚ፡ ክሓርቕን ክሰክርን ከሎ ጥራይ ይኸውን። ገሊኡ ናይ ምጽማም ዓቕሙ ሒደት እዩ። ብምኽንያት ስምዒታዊ ዕዳ፡ ቅሬታ ኣብ ልቡ ዘዕቖበ ሒደት ኣይኰነን። ገዛእ ስምዒቱ ክቆጻጸር ስለ ዘይከኣለ፡ ስምዒታቱ እናገንፈሉ ኣብ ህይወቱ ዕግርግር እናተፈጥረ ዝሽገር ከኣ ኣሎ።

“ሕሉፍ መርዛም ዝኽሪ/ትዝታ”፡ ኣብዛ ዓለም ዘለና ኣጠማምታ፡ ተቐርጻኣዊ (perspective) ቀልብና ይሓናፍጾ። ገሊኡ ካብቲ ዝወረዶ ማህሰይቲ ኣብ ድሕንነት (safety) ዘለዎ ኣጠማምታ ሰንዀፍ እዩ። ካብ ዓቐን ንልዓሊ ከኣ ተነቃፊ ይኸውን። ገሊኡ ዓቢ ሓይሊ ከም ዘለዎ፡ ኩሉ ከም ዝስዕር ኰይኑ ይቐርብ። ገዛእ ርእሱ ምሉእ ብምሉእ ኣይኣምናን። ሓገዝ ንምሕታት ግና እፈርህ። ዘይምትእምማን ዘይንጽሩነትን ስለ ዝውሕጦ፡ ገዛእ ርእሱ ከም ትፍቐር ጌሩ ንምቕራብ ብዙሕ ጸዓት የጥፍእ። ዝተጠመተን ዝተሰምዐን ዝተራእየን ጌሩ ንገዛእ ርእሱ ስለ ዘይሓስባ፡ ብቅሬታ ንውሽጡ ይወሮ። ብዙሕ ረባሺ ድምጽታት ከኣ የብዝሕ።

“ሕሉፍ መርዛም ዝኽሪ/ትዝታ”፡ ኣብ ህይወት ዝጠፍኣና ግን ከኣ ዘይሓዘናሉ ነገራት ብምትሕውዋስ፡ ምድንጋራት ይፈጥር። ገሊኡ ብቆልዕነቱ ከሎ ዝተሃሰዮ ኣብ ውሽጡ ብምሓዝ፡ ኣብ ናይ ሕጂ ዘለዎ ዝምድና ክደግሞ ይቕሰብ። ገሊኡ ብዝገብሮ ጌጋ፡ ወለዱ ይቀጽዖዎ ከም ዝነበሩ ብምዝካር፡ ይቅሬታ ኣብ ልቡ ይስእን። ስለ ዝዀነ ስልጣን ኣለዎም ኣብ ዝብሎም ሓርቖቱ ክኽዕዎ ይፍትን። ገሊኡ ዘይሕጉስ ኣካውና ቤተሰቡ ብምዝካር፡ ኣብ ናይ ሕጂ ቤተሰቡ በጨቕ እናበለ የሸግሮ።

“ሕሉፍ መርዛም ዝኽሪ/ትዝታ” እምበኣር፡ ኣብ ሕሉፍ ምንባር እዩ። ሕሉፍ ንናይ ሕጂ ህይወትካ ክዝውሮ ምፍቓድ። ገሊኡ ምስቲ ተቐቢልዎ ዘይፈልጥ ኣብኡ፡ ሰላም ክገብር ይሽገር። ገሊኡ እናተዓመጸ ከሎ ኣዲኡ ሱቕ ስለ ዝበለት፡ ቅሬታ ቀሓር ነፍሲ ይዀኖ። ገሊኡ ምስሉይነት ወለዱ እናዘከረ ይሓርቕ እኳ እንተዀነ፡ ብውሽጡ ግና ንሱ’ውን ካባታቶም ከም ዘይሓይሽ ርእሱ ብምርኣይ፡ ውሽጣዊ ገድሊ ይበዝሖ። ገሊኡ ዝወረዶ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሓዛ እናዘከረ ቁጥዓ ስለ ዝግንፍሎ፡ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለው ለውሃትን ድንጋጸን ከርኢ ይሽገር።

ዓቕሚ ንምግላጽ ስምዒታትካ

ዕሊ ዝኰነ ነገር ቃንዛ ህይወትና ዝቕንስ፡ ብምትእምማን ስምዒታትና ኣብ ግዚኡ ምግላጽናን፡ ነቲ ዝጎድኣና ሰብ ከምዝጎድኣና ክንነግሮን ከለና እዩ። ዋላ’ኳ ርዱእ እንተዀነ፡ ከነጋንኖ ወይውን ከነቓልሎ ግና የብልናን። ክንድቲ ክፉታት ዝዀናዮ መጠን፡ ኣብ ሕሉፍ ዝዀነ ህሩግ እናበለ ኣይከሸግረናን እዩ። ንቅዲ ኣካይድና ከኣ ብዙሕ ኣይክጸልዎን እዩ። ህይወትናን ልብናን ኩሉ ጊዜ ሕሉው ይኸውን።

“ቁልዓት” ክንከውን፡ ከይንሓፍር፡ ከይንንጸግ ስለ እንፈርህ፡ ስምዒታትና ክንቁልፎ ከለና፡ ንቃንዛና ህያው ክኸውን ንሓድጎ ከም ዘለና ንፍለጥ። ሕሉፍ ዝኽሪ/ትዝታ ናብ መርዚ እናፈለሰ ከኣ ከሳቕየና እዩ። ሕጉስ ንምኻን ዘለና ተኽእሎ እምበኣር፡ ሕሉፍ ስምዒታትና ንምግላጽ ዘለና ዓቕሚ ይውስኖ።፡

ምስ ኣሸጋሪ እንብሎ ኣቦና ዝነበረና ጉዳይ እንተትኣልዮ፡ ይቕረ ከኣ እንተኢልናሉ፡ ብዝወሰድናዮ ስጉምቲ ባህ እንተዝብለና፡ ኣብ ሓላፊና ዘለና ግብረ መልሲ ምጠዓየ። ዝገበርካ እንተገበርካ ነቦኻ ከተሕጉሶ ዘይምኽኣልካ እናዘከርካ፡ ንኣብ ኢድካ ዘሎ ስራሕ እትህቦ ጸዓት ሒደት ጌርካዮ ትኸውን። ምስ ነቐፌታ ዘብዝሕ ሓላፊ ክትሰርሕ ዘይምድላይካ፡ ሕሉፍ ስለ ዘዘክረካ ክኸውን ይኽቕል እዩ።

“ይቅረ” ምባል፡ ገዛእ-ርእስኻ ክትቕበል ሃዋህው ይፈጥር። ድኻም ከም ዘለካ ክትእመን ትብዓት ይህልወካ። ክትሓብኦ ኣይትጋደልን። ብዛዕባ ጉድለትካ ንቕሓትካ ዓብዩ፡ ብሉጽ እትብሎ ክትገርብ ትጽዕር። ክትወድቕ ትኽእል ኢኻ። ውድቐትካ ግና ነቲ ዘገርም ማንነትካን ንዋጋ ርእስኻ ክትምኖ ኣይተፍቕድን።

ኣብዛ ህይወት ዝዓበየ ጸላኢኻ፡ “ኣሉታዊ ናይ ሓሶት እምነትካ” እዩ። ምስ ገዛእ ርእስኻ ሰላም ክህልወካ ከሎ፡ ገዛእ ርእስኻ ከይኰነንካ፡ ድሩት ምኻንካ ትቕበላ። ናይ ሕሉፍ ተመኩሮኻን ናይ ሕጂ ህይወትካ በበይኑ ጌርካ ትጥምቶን ምርዳእ ይበዝሓልካ። ኣብ ገለ ዕዮታትካ ክትጋገ ከለኻ፡ ኣብ ክንዲ ምዱጓዕ፡ ካብኡ ክትመሃር ገዛእ ርእኻ ተቓኒ። እዚ ከኣ ብሓቒ ስምዒታዊ ጥዕና’ዩ።