ስምዒታዊ ጽንዓት

ልና ንምዝራቡ ዘሸግር ኩነታት ንሓልፍ ኢና። ንምእላዩን ንምስካሙን ዘለና ዓቕሚ ግና ይፈላለዩ። ክልተ ሰባት ሓደ ዝዓይነቱ ፈተና ሓሊፎም፡ ንዝገጠሞም ጎባጢ ዝዀነ ብድሆ ዝህብዎ ምላሽ ይፈላለዩ።

ሓደ እዋን ሓደ ጎበዝ ስፖርት እናተጻወተ ብዝገጠሞ ማህሰይቲ፡ ካብ ክሳዱ ንታሕቲ ይለምስ። ብኣእምሮኡ ይኹን ብስምዒቱ ክስከሞ ስለ ዝኸበዶ፡ ተስፋ ቆሪጹ ኣብ መጨረሽታ ርእሱ ብምሕላፍ ታሪኹ ደምዲሙ። ሓደ ካልእ ከኣ ብዝገጠሞ ሓደጋ መኪና፡ ካብ ክሳዱ ንታሕቲ ይለምስ። ብዝገጠሞ ከይተሰናበደ፡ ህይወቱ ዘማዕብለሉ ሃሰስ ብምባል፡ ኣፍራይ ክፋል ሕብረተሰብ ክኸውን ብምድላይ፡ ብዝገበሮ ጻዕሪ ንፉዕ ሰኣላይ ኰይኑ።

ኣብ ውሽጢ ጎባጢ ጸገም፡ ምንባር ንምቕጻል ንቕድሚት ንኽንግስግስ ዘለና ጽዓት’ዩ

‘ቲ ሓደ ኣንጻር ‘ቲ ዝገጠሞ ከቢድ ስንክልና፡ ከም ንስሪ ንልዓሊ ክንቆት ከሎ፡ ‘ቲ ካልእ ግና ተሰኒፉ ኣብ ጸልማት ዝገዞኦ ቅዛነት ተሸኺሉ ተሪፉ። ናይዞም ክልተ ሰባት ፍልልይ እንታይ እዩ፧ ስለምታይ ኰን ይኸውን ገሊኡ ካብ ዝገጠሞ ጎባጢ ኩነታት ነጢሩ ንኽልዓል ሓቦን ጽንዓትን ዝህልዎ፧ ገሊኡ ግና ወዲቑ ዝተርፍ፧ “ጽንዓት” ዝበሃል ምሳኻ ዝፍጠር ድዩ ወይስ ክትመሃሮን ከተማዕብሎን ትኽእል ባህርይ’ዩ፧

ንሕና ከም ህዝቢ እንሓልፎ ዘለና ከቢድ ኩነታት ስለ ዘሎ፡ ኣገዳስነት ‘ዚ ኣርእስቲ ኣዝዩ ዕዙዝ ‘ዩ። ንዘስካሕክሕ፡ ዘሰምብድ፡ ተመክሮ ብኸመይ ንስዕሮ፧ ካብ ዝገጠመና ሃሳይ ተመከሮ ወጺእና፡ ብኸመይ ፍረ ዘለዎ ህይወት ንመርሕ፧ ዝብል ሕቶ ክንምስ ኣለና።

“ስምዒታዊ ጽንዓት” ማለት ዝገጠመና ጸገምን መዐንቀፍን ብዘየገድስ፡ ዕላማ ዘለዎ ህይወት ንምንባር እንደገና “ደው” ንምባል ዘለና ዓቕሚ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ጎባጢ ጸገም፡ ምንባር ንምቕጻል ኣትኪልና ንቕድሚት ንኽንግስግስ ዘለና ጽዓት’ዩ። ኣብ ቅድሚ ጸቕጢ ዝበዝሖ ህሞት፡ ጽኑዕ ምትእምማንን ትስፉው ኣጠማምታን ምስ ዝህልወና፡ መዐንቀፊ ንምስዓር ሓቦኛን ህልኸኛን ልቢ ምስ ዝህልወና፡ “ስምዒታዊ ጽንዓት” ኣለና ንብል።

“ጽንዓት” ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ ስምዒታዊ፡ መንፈሳዊ ክፋላት ኣለዎ። ሓደ ክፋል እንተደኺሙ፡ ነቲ ካልእ ብኣሉታ ይትንክፎ። ኣብ ውሽጢ ጎበጠኒ፡ ኣጥፈአኒ፡ ሓሞኸኒ ኣብ እንብሎ ጸገም፡ ዝዓበየ ቅልስና ምስ ጸጸኒሑ ላዕልን ታሕትን ዝብል ስምዒታትና’ዩ። ስለዚ ንስምዒታትና ኣቃልቦ ክንህቦ ኣለና።

ምሉእ ብምሉእ ምሳኻ ዝፍጠር ዘይኰነ፡ ኣብ ጉዕዞ ህይወት እተማዕብሎ ክእለት’ዩ

ስምዒታዊ መኸተ ወይ’ውን ጽንዓት፡ ብትምህርትን ብቀጻሊ ልምምድን ከተማዕብሎ እትኽእል ኣገዳሲ ናይ ህይወት ክእለት እዩ። እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣብ ህይወትካ ክጥጥዑ እንተጽዒርካ፡ ስምዒታዊ ጽንዓት ኣባኻ ክህነጽ’ዩ። ብብድሆ ጉዕዞ እዛ ህይወት ከኣ ኣይክትስዓርን ኢኻ።

  1. ማንም ከነቃንቆ ዘይክእል ሕመረት እምነት ኣማዕብል

ከም ክቡር ዕንቂ ጌርካ እትርእዮ፡ ዋጋ ዘለዎ ሕመረታዊ እምነት ኣለሊኻ ፍለጥ። ኣብ ጽንኩር ኩነታት ከም መልህቅ ነፍሲ ጌሩ ኣጽኒዑ ዝሕዘካ፡ ከምቲ ንፋስ ንማዕበል ባሕሪ ናብዝን ናብትን ዝደፎኦ፡ ስምዒታትካ ከይናወጽ ክትሃድእ ዝገብረካ ዝሃነጽካዮ “እምነት” ‘ዩ። ከምቲ መርክበ ማዕበል ስለ ዝበርትዓ ስዲ ትኸይድ፡ ህይወት ትርጉም ዘጥፍአ ክመስለካ ከሎ፡ ሓሳብካን ስምዒትካን ስዲ ከይከይድ ክትእደብ ዝገብረካ “እምነትካ” ‘ዩ።

ትኣምኖ ምህላውካ ጥራይ ዘይኰነ፡ ርእስኻ እናመርመርካ ትነብሮ ምህላውካ ከኣ ኣረጋግጽ። ናብ ዝለዓለ ዓቐን ክትዓቢ ተጋደል።

  1. ኣብ ኣጨናቕን ሃሳይን ኩነታት ውሽጢ፡ “ትርጉም” ክትረክብ ጸዓር

“ኣብ ህይወት ዝኸውን ዘበለ ንዕላማ’ዩ ዝኸውን”፡ ክበሃል ሰሚዕካ ትኸውን። በዚ ሓሳብ እሰማማዕ’የ። ዝሓለፍካዮ ይኹን ትሓልፎ ዘለኻ ቱራማቲክ ኩነታት፡ የዒንትኻ እንተኸፊትካ ዝምህሩኻ ነገራት ኣሎ። ገሊኣቶም ድኻምና ክንፈልጥ እሞ ክንዓቢ ይገብሩና። ገሊኣቶም ከኣ ዘለና ዓቕምን ጽቡቕ ጎኒን ክንርኢ ይገብሩና።

ብዙሕ ጊዜ ገለ ክገጥመና ከሎ፡ ዝገበርናዮ ጌጋ ወይ’ውን ክንገብሮ ዝግብኣና እሞ ዘይገበርናዮ እናሓሰብና ንርእስና ካብ ምውቃስ፡ ዝዓበየ ስእሊ ክንርዳእ ክንፍትን ኣለና።

ብፍላይ ምስቲ ቀዳማይ ነጥቢ ኣተሓሒዝና ክንርእዮ እንተፈቲና፡ ንሓልፎ ፈተናን መከራን “ተስፋ” ን “ትዕግስትን” ክነጥሪ ይሕግዙና። ትስፍውነት እንተሃልዩና፡ ዝገጥሙና ወሓጥቲ ኩነታት ክንዓቢ ይሕግዙና። እንተዘይተጠንቂቕና ግና ኣብ ተስፋ ምቕራጽ ክሸሙና፡ ናይ ህይወት ትርጉም ከነጥፍእ ክገብሩና ይኽእሉ’ዮም።

  1. ኣውንታዊ ኣረኣእያ ክትዕቅብ ፈትን

ኣብ መንጎ ኣብ እንሓልፎም ፈተናታትን መከራን ትርጉም ይህይልዎም ይኽእል ‘ዩ ዝብል ኣጠማምታን፡ ኣብ ስምዒታዊ ጽንዓትን ዓቢ ምትእስሳር ኣሎ። ንዝርአ ኣሉታዊ ፍጻሜታት ምኽሓድ ዘይኰነ፡ ልዕሊኡ ሓሊፍካ ኣውንታዊ ኣጠማምታ ክህልወካ ዓቕሚ ክበዝሓልካ ከሎ፡ ጽንዓትካን መኸተኻን ይጥጥዕ።

ኣብ ጊዜ ከውታ ለይቲ ኰይኑ፡ ብዛዕባ ዝርእዮ ጸልማትን ክገጥሞ ዝኽእል ጉድኣትን እናሓሰበ ኣብ ጭንቐት ዝወሓጥ ኣሎ። ገለ ዓቅሚ ዝበዝሓሉ ኸኣ፡ ብዛዕባ ‘ቲ ጊዜ ሓልዩ ዝግለጽ ወጋሕታ እናሓሰብ፡ ጸሓይ ምስ በረቐት ክገብሮ ዝኽእል ፍረ ዘለዎ ስራሕ እናወጠነ፡ ሃዲኡ ዝጽበ ኣሎ። ናይዞም ክልተ ሰባት ፍልልይ “ትስፍውነት” ‘ዩ። እዚ ኸኣ ምልክት ስምዒታዊ ጽንዓት’ዩ።

  1. ካብ ጽኑዕ እትብሎ ሰብ ክትመሃር ፈትን

ኣብ ስምዒታዊ ጽንዓት ድልዱል ሰረት ኣለዎም ካብ እትብሎም ሰባት፡ ገለ ተመክሮ ክትወስድ ፈትን። ካብ ዝተዓወትዎ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብ ውድቐቶም ክትመሃር ጽዓር። ብቐሊሉ ኩነታት ዘይስዕሮ ሰብ እንተር ኢኻ፡ ከይተሰናኸለን ከይወደቐን ከም ዘይበጽሐ ፍለጥ። ንሰብ ካብ ብዓወት ዝሰገሮም ኩነታት ንልዓሊ ምስ ወደቐ ዝተማህሮ ዝያዳ ጽኑዕ ይገብሮ። ስለዚ ጸኒዑ ስለ ዝርአኻዮ ርእስኻ ከተቓልል ከይፈተንካ፡ ቀሪብካ ካብ ተመክርኡን ኣረኣእያዮን ክትመሃር ክፉት ልቢ ይሃሉኻ።

ኣብ ዝተሓንጸጸልና ናይ ህይወት መስመር ክንጎይይ ከለና፡ ብኽለተ ጎኒ ኰይኖም ዝዕዘቡና፡ ንምሳሌ ዝዀኑና ተዓዘብቲ ኣለዉ። ስለዚ ክትወድቅ፡ ክትደክም፡ ክትሕለል ከለኻ፡ ንትምህርትኻ ክዀኑኻ ስለ ዝኽእሉ፡ ኣእዛንካ ከፊትካ ቒሉሕ ምባል ኣይትሕደግ።

  1. ነገራት ቀይዲ በተኽ ኰይኑ ክብተነካ ከሎ፡ ሓገዝ ንምሕታት ኣይትዶንጊ

ሰብ “ደሴት” ኣይኰነን። በይኑ ኣይኰነን ክዓብን ክጥጥዕን፡ ክሰርር (survive) ኣይክእልን’ዩ። ዝተነጽገ፡ ዝተነጸለ፡ ክመስሎ ኸሎ ሓይሊ የጥፍእ። ብሓገዝ ክኽበብ ከሎ ከኣ ብኣንጻሩ ዝስምዖ ጸዓት ብዙሕ’ዩ። እዚ ሓገዝ ግና ከይተጸበናዮን ከይሓተትናን ኩሉ ጊዜ ብኸምኡ ንረኽቦ ከይከውን ይክእል’ዩ። ስለዚ ሓገዝ ንምርካብ ናይ ምሕታት ባህርይ ከነማዕብል ኣለና።

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ክልተኣዊ ናይ ሓገዝ ስርዓት ሰሪዕልና ኣሎ። ‘ቲ ቀዳማይ ብቐጥታ፡ ብጸሎት ኣቢልና፡ ካብኡ ንረኽቦ ሓገዝ’ዩ። ‘ቲ ካልኣይ ከኣ በቶም ኣብ ከባቢና ዝህበና ቤትሰብና፡ የዕርኹትና፡ መሳርሕትና’ዩ። ሓገዝ ንምሕታት ዓቕሚ ክህልወና ከሎ፡ ጽንዓትና እናተደገፈ ስለ ዝኸይድ፡ ንናይ ህይወት ጸቕጢ ሃዲእና ክንገጥሞ ንኽእል። ኣብ ህድኣት ከኣ ሓይሊ ኣሎ።

  1. ኣብ ሕሉፍ ኣብ ዝዀነ ተቐሚጥካ ንርእስኻ ኣይትቐጥቅጥ

ገሊኡ ጸገም ኣብ ሕጂ ንሓልፎ ዘለና’ዩ። ገሊኡ ኸኣ ኣብ ሕሉፍ ዝሓልፍናዮ ኰይኑ፡ ነዚ ናይ ሕጂ ህይወትና ብኣሉታ ዝጸልዎን ዝዝውሮን ዘሎ’ዩ። ኣብ ሕሉፍ ብዝዀነ ተኣሲርና እንተሃሊና፡ ኣብ ሕጂ ንምንባር ኰነ ናብ ቅድሚት ንምድፋእ ዘለና ዓቕሚ ልሕሉሕ’ዩ። ሰላምናን ሓጎስናን ተዘሪጉ፡ ከርፋሕ ናብራ ክንነብር ይገብረና። ስለዚ ኣብ ሕሉፍ ዝዀነ ይኺድ ክንሓድጎ ይግብኣና።

ብፍላይ ስምዒት ገበንነትን ጣዕሳን፡ ናይ ህይወት መፈንጥራ ምኻኖም ክንፈልጥ ኣለና። ንሓይልና መጽዩ፡ ንጽንዓት ስምዒትና የላሕልሖ። ስለዚ “ርእሰ ይቕሬታ” ከንመሃር ኣለና። ዝበዝሕ ጊዜ ዝዓበየ ጸገምና፡ ካብ ኣምላኽ ይቕሬታ ምቕባል ዘይኰነ፡ ንገዛእ ርእስና ይቕረ ምባል’ዩ። ብፍላይ ግዳያዊ ኣተሓሳስባ ንሓሳብና ኣሲሩ እንተዀይኑ፡ ኣብ ሕጂ ንነብሮ ህይወት ዝህልወና ጽንዓት ኣዝዩ ሒደት’ዩ።

  1. ብቐጻሊ እትገብሮ ኣካላዊ ልምምድ “exercise” ይሃሉኻ

ንጸቕጥን ጭንቀትን ዘለና ግብረ መልሲ፡ ብኣካላዊ ልምምድ ክነማሓይሾ ንኽእል። ኣካላዊ ልምምድ ኣብዛ ምድሪ ኣብ እንነብሮ ህይወት ረብሓ ኣለዎ። ንብስጭትን ንጸቕጢን ብኣካላዊ ልምምድ ኣቢሉ ካብ ህይወትና ይልቀቕ። ኣብ ውሽጥና ዝሓደረ ጸቕጢ፡ ቀስ ብቀስ ሓይልና መጽዩ፡ ዘለና ናይ ምቅዋም ሓይሊ የላሕልሖ። ኣካላዊ ልምምድ ብባዕሉ እኹል እዃ እንተዘይኰነ፡ ምስቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ነጥብታት ተደሚሩ ግና ረብሓኡ ዓቢ ‘ዩ።

ኣብ መዓልቲ እንተወሓደ “30 ደቃይቅ’ ኣካልዊ ልምምድ እንተኣዘውቲርና፡ ስምዒታዊ ጽንዓትና ከምኡ እናጠጠዐ ይኸይድ። ስለዚ ኢድና ኣጣሚርና፡ ንልውጦ ዘየለ ክነሱ ብሓሳብ ካብ እንህውትት፡ ኣብ ስምዒታትና ገለ ለውጢ ዝገብር ዝኽእል፡ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ንምግባር ንለዓል።

ጸቕጢ መናብርትና

ኣብዚ ምድራዊ ጉዕዘና፡ ጸቕጢ ዘይብሉ ህይወት ክንነብር ዝከኣል ኣይኰነን። ዓቐኑ ይፈላለ ደኣ እምበር፡ ጸቕጢ ሓፍቲ ምድራዊ ህይወት’ያ።
ገለ ሰብ ኣሎ ብኹሉ ዝጽቀጥ ግና ኸኣ ዘይጸቦ። ዝገብሮ ዝጠፍኦ ግና ከኣ ተስፋ ዘይቆርጽ። ብኹሉ ዝስጎግ ግን ከኣ ዘይተደርበየ። ዝድፋእ ግና ከኣ ዘይጠፍአ ሰብ ኣሎ። እዚ ሰብ እምነቱ ንስምዒታቱ ከም መህለቕ ነፍሲ ኣጽኒዑ ዘደልደለ ጽኑዕ ሰብ’ዩ። ኣማዕድዩ ዝርእዪ ተስፋ ስለ ዘለዎ፡ ዝጽበዮ ክቡር ነገር ኣብ ልቡ ስለ ዝዓቖረ፡ ኣይሕለልን’ዩ። ስለዚ ብጽእና ይኸቦ።