ስምዒታዊ ዶብ ኣብ ዝምድና

ላዊ ዶባታት ምግባር፡ ጥዕና ዘለዎ ርክብ ኣብ ምምስራት፡ ጥዑይ ዝዀነ ርእሰ ጠመተ ኣብ ምህላው፡ ጭንቀትን ቅዛነትን ኣብ ምጉዳል ዓቢ ተራ ይጻወት። ንጹር ዶብ ምግባር፡ ኣብ መንጎ ንስኻን ንስኻ ዘይኰንካዮን ብምፍላይ፡ ርእስኻ ክትሕሉ ይሕግዘካ። ብኣንጻሩ ዶብ ዘይምህላው፡ ስምዒታትካን ድሌታትካን ሓሳባትካ ካልኦት ክሕንጽጽዎ ዕዳል ምሃብ’ዩ።

“ዶብ” ክንብል ከለና ኣካላውን ስምዒታውን የጠቃልል። “ኣካላዊ ዶብ” – ኣካላትካ፡ ግላዊ ርሕቐት፡ ስትረት የጠቓልል። ኣካላዊ ዶባትካ ምጥራር (ምጥሓስ) ማለት ከኣ ካብ ንቡር ወጻኢ ቀሪቡካ ደው ምባል፡ ዘይግባእ ምትንካፍ፡ ብዘይፍቓድ ተሌፎንካ ወይ’ውን ፋይልካ ምፍታሽን ካልእን የስምዕ።

“ስምዒታዊ ዶብ” ዝበሃል ከኣ ስምዒታትካ ካብ ካልኦት ምፍላይ ማለት’ዩ። ተጣሒሱ ክበሃል ከሎ ኸኣ ካልእ ብዝስምዖ ንስኻ ሓላፍነት ክትወስድ ከለኻ፡ ናይ ካልእ ስምዒት ንናትካ ክዝውሮ ከሎ፡ ንሰባት ኸተሕጉስ ኢልካ ሰላም ገዛእ ርእስኻ ክትስውእ ከለኻ፡ ብዛዕባ ጸገምካ ንኻልኦት ክትወቅስ ክትፍትን ከለኻ።

“ጽኑዕ ዶብ” ዝበሃል ከም ግለሰብ ቅኑዕ ዝዀነ ናይ ምምራጽ መሰል ስለ ዘለካ፡ ማንነትካን ክብሪ ርእስኻ ክትከላኸል ደው ክትብል ከለኻ’ዩ።

መብዛሕትና ግና ቀጻሊ ዝዀነ ጥዑይ ዶብ ክንሃንጽ ንሽገር ኢና። ዶባትና ክጠሓስ ከሎ’ውን ነስተውዕለሉን ንፈልጠሉን ጊዜያት ሒደት’ዩ። ዘለና ዝምድና ከይፈርስ’ውን ስለ ንፈርህ፡ ዶብ ከነቅውም ንጽገም ኢና።

ስምዒታዊ ዶባትካ ክጠሓስ ከሎ ክትፈጥ እንተደሊኻ፡ ምስ ስምዒታትካ ዝተቓነኻ ኩን። ከም ምልክት “ቀይሕ” ባንዴራ ክትወስዶም ዘለካ ክውንነት ኸኣ፡ ዘይምቹእነት፡ ቅሬታ፡ ምረት፡ ጸቕጢ፡ ገበንነት፡ ፍርሒ ክስምዓካ ተጀሚሩ’ዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ስምዒት ዝምንጩ፡ ሰብ ክብለጸልካ ተጀሚሩ፡ ወይ’ውን ከም ዘለኻ’ዩ እንተዘይተቐቢልካ’ዩ።

ምዕሩይ ዝዀነ ስምዒታዊ ዶብ

ገልኣቶም “ዶብ” ምግባር ከም ስስዐ ወይ’ውን ቀረባ ሰብ ክትከውን ዘይምድላይ ጌሮም ይወስድዎ። ‘ቲ ሓቂ ግና ከምኡ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ኣካላዊ ኰነ ስምዒታዊ ዶብ ዘይምግባር፡ ጥዕና ዘለዎ ርክብ ከይትሃንጽ ምኽንያት ይኸውን። ዝተሃንጸ ዝምድና ኸኣ ንሓደጋ ምቅላዕ’ዩ። ትርጉም “ዶብ” ስለ ዝተጠምዘዘ፡ ንምጥቓሙ ክንፈርህ ንኽእል። ልዕሊ ኩሉ ምግታእ ርእስኻ ክትመሃር ስለ ዝሕግዝ፡ ኣብ ምጥቓሙ ክንሰንፍን ክንፈርህን የብልናን።

እዞም ዝስዕቡ ስምዒታት ተመኪርካዮም ትፈልጥ’ዶ፧

  • ናይ ባዕለይ ውሳኔ ክገብር ኣይክእልን
  • ዘድልየኒ ክሓትት ኣይክእልን
  • “ኣይፋል” ክብል ዓቕሚ ይስእን
  • ዝተወቐስኩ ይመስለኒ
  • ካልኦት ብዝስምዖም ዘሎ ስምዒት ሓላፍነት ይስምዓኒ
  • ኣብ ከባቢኦም ክኸውን ከለኹ ይጭነቕ፡ ቅሬታ ይስምዓኒ
  • ኣገዳሲ ዝኰነ ማንነት ርእሰይ ዝሰኣንኩ ይመስለኒ
  • ብዙሕ ዝዓይነቱ ፍርሒ ይስምዓኒ

ድኹም ዝዀነ ማንነታዊ ቀልብን ብዛዕባ ህይወትካ ባዕላዊ ውሳኔ ክትገብር ዘይምኽኣልን ምልክት ጥዑይ ዘይኰነ ዶብ’ዩ። ብዛዕባ ሓጎስካን ናይ ምውሳን ሓላፍነትካን ካብ ብጻይካ ክትደልዮ ይቐስበካ። እዚ ኸኣ ገለ ካብ ማንነትካ ምስኣን’ዩ።

ንጹር ዝዀነ ዶብ ከተቕውም ዘይምኽኣል፡ ካብ ፍርሒ ይነቅል። ንሱ ኸኣ ከይትርጥረጥ ምፍራህ፡ ዝምድናኻ ከይፈርስ ምፍራህ፡ ካልኦት ከይክዕቡኻን ከይፈርዱኻ ምፍራህ፡ ወይ’ውን ስምዒት ካልኦት ከይትሃሲ ምፍራህ ክኸውን ይኽእል።

ትምህርቲ ብዛዕባ “ስምዒታዊ ዶብ”፡ ብመጀምርያ ኣብ ገዛና፡ ቀጺሉ ኸኣ ምስ የዕርኹትና ዝጅምር ልምምድ’ዩ። ንገዛእ ርእስና ደው ክንብል ዝስምዓና ምቹእነት፡ ድሌትናን ስምዒታትና ምዝራብ፡ ካብ ቁልዕነትና ይጅምር። ዶባትካ ምውሓስ ዝግበር ስጉምቲ፡ ካብ ገደብ፡ ውስንነት፡ ገዛእ ርእስኻ ምፍላጥ ይጅምር።

ከመይ ጌርና ውሑስ ዝዀነ ስምዒታዊ ዶብ ንሃንጽ

ሓደ መሰረታዊ ሓቂ እንተሃልዩ፡ ርእስኻ ከይሃነጽካ ካልኦት ክትጠቅም ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ ናይ ገዛእ ርእስኻ ማንነት፡ ድሌት፡ ስምዒት፡ ዕላማ ንጹር ክትገብር፡ ገዛእ ርእስኻ ወፊ። ጥዕና ዘለዎ ስምዒታዊ ዶብ፡ ርእስኻ ከም ዘለታ ክትቅበል ትብዓት እንተሃልዩካ ዝምንጩ’ዩ። ካልኦት ከተዕርን ክትእርምን ኩሉ ጊዜ ምፍታን፡ ካብ ምርጮኦም ዝተላዕለ ዝረኸቦም ከም ናትካ ሓላፍነት ካብ ምውሳድ፡ መድሓኒ ክትከውን ካብ ምፍታን፡ ካልኦት መታን ክቅበሉኻ ገዛእ ርእስኻ ክትልውጥ ካብ ምፍታን፡ ካልኦት ክምጉስኻን ክሕጎስልካን ካብ ምድላይ ደው ኣብል።

ክንዝክሮ ዘለና ኣገዳሲ ነጥቢ እንተሃልዩ፡ እዚ ኣብ መስርሕ ዝህነጽ ስለ ዝዀነ ትዕግስቲ ክህልወና ከም ዘለዎ’ዩ። ብንእሽቶ እሞ ኸኣ ቀሊል ብእትብሎ “ዶብ” ጀምር። ንርእኻ ኣይተኽብደላ። ቅድሚ ናብ ካልእ ምስጋርካ፡ ብዝሃነጽካዮ ንእሽቶ ዶብ ጽንብል ግበር።

ብኸምዚኦም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘበለ “ዶባት” ክትጅምር ትኽእል፦

  1. ክትገብሮም ዘይትደሊ ወይውን ክትገብሮም ጊዜ ዘይብላክ ዕዮታት “ኣይፋል” በል
  2. ንምሕጋዝ “ሕራይ” በል
  3. ይቅሬታ ዘየድልዮ ይቅሬታ ክትሓትት ከይፈተንካ፡ “የቐንየለይ” ጥራይ በል
  4. ሓገዝ ሕተት
  5. ሓላፍነት ዕዮ ንኻልእ ሃብ
  6. ዘለካ ጊዜ ሓልዎ። ልዕሊ ዓቅምኻ ኣይትመባጻዕ
  7. ኩልና ናይ በይንና ጊዜ ክህልወና ስለ ንደሊ፡ ቦታ ክወሃበካ ሕተት
  8. ብዘይ ፍቃድካ ድሌትካ ክጠሓስ ከሎ፡ ምችኡነት ከም ዘይስምዓካ ምቅልል ኢልካ ሓሳብካ ግለጽ
  9. ካልኦት ብዝገበርዎ ሓላፍነት ክትወስድ ወይውን ገበንነት ክስምዓካ ኣይተፍቅድ
  10. ግላዊ ሓበሬታ ቀስ እናበልካን ብምስምማዕን ኣካፍል

ናይ ዘለካ ዝምድናዊ ዳይናሚክ ክትቅይር ከለኻ፡ ካብቲ ካልእ ሰብ ተቓውሞ ክገጥመካ ይኽእል’ዩ። እዚ ኸኣ ንቡር ‘ዩ። የግዳስ ኣብ ዝጀመርካዮ ጽናዕ። ድሌትካ ብግቡእ ተዛረብ። ጥዕና ዘለዎ ዝምድና፡ ምዕሩይ ዝዀነ ምሃብን ምቕባልን ይጠልብ። ኣብ ጥዕና ዘለዎ ዝምድና፡ ህድኣት፡ ዕቑባ፡ ደገፍ፡ ክበረት፡ ክንክን፡ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ተቐባልነት ዝዓሰሎ’ዩ። ናይ ዝሓለፈ በደልካ ከይተዘከረ፡ ይቕረ ትበሃል። ገዛእ ርእስኻ ክትከውን ሓርነት ይህልወካን ትተባባዕን።

ጥዑይ ዶብ፡ ምልክት ስምዒታዊ ጥዕና፡ ርእሰ ክብረትን፥ ጽንዓትን’ዩ። ሰባት ከመይ ጌሮም ከም ዝሕዙና እንምህሮን ንሕና ኢና። ልዕል ዝበለ ሰንደቅ ዕላማ ክንተክል ይግብኣና።