ስምዒታዊ ጭውያ:- ስምዒታዊ ታህዲድ ክንፈልጠሉ ንኽእል መገድታት

ስ ዓርኻ ብዝዀነ ምኽንያት ኣይተሰማማዕካን ንበል። ስለ ዘሕረቐካን ዘጉሃየካን ከኣ፡ ዝገበረካ ብምንጋር፡ በይንኻ ክትከውን ከም እትደሊ፡ ንገለ ጊዜያት ክትርእዮ ከም ዘይትደሊ ምቅልል ኢልካ ክትነገሮ ትፍትን። ክሳዕ ተፍልጦ ከኣ ናብ ገዛኻ ክመጽእ ከም ዘይትደልዮ ብትሕትና ልቢ ትነግሮ። ከምዚ ምስ በልካዮ ግና ስምዒቱ ገንፊሉ እናበኸየ ክመጽእ ‘ተዘይኣፍቂድካሉ ርእሱ  ክሃሲ ከም ዝዀነ ብምንጋር ሓሳብካ ክትቅይር ይቐስበካ። በዚ ከምዚ ከኣ ክትፈርህ ክገብረካ ይፍትን። ወይ’ውን ካልእ ሓሳብ ብምምጻእ ገበንነት ተሰሚዕካ ክገብር ብምፍታን ሓሳብካ ከቐየሩኻ ብምፍታን ንስምዒትካ ክዝውር ይፍትን። ንስኻ’ውን ብወገንካ ብዝገበሮ ተጣዒሱ ስምዒቱ ዝገልጸካ ዘሎ መሲሉካ፡ ናይቲ ክገብሮ ዝደሊ ምኽንያት ከይትከውን ኢልካ ገዛኻ ክመጽእ ከተፍቅደሉ እንተወሲንካ፡ “ስምዒታዊ ጭውያ” ገጢሙካ ኣሎ። እዚ ናብ ሓደ ጫፍ ዝኸደ ምሳሌ ክኸውን እኳ ዝኽእል እንተዀነ፡ ምሳሌ “ስምዒታዊ ጭውያ” ‘ዩ።

ካልእ ምሳሌ ኸኣ ሓደ ሰብ፡ ብዝገብሮ ዘበለ ከይሓተትካ ክትሰማምዖ፡ ዝበለካ ክትገብር ይደልየካ። ምስ ሓሳቡ ኳ ዘይትሰማማዕ ክነስኻ፡ ካብኡ ዝሕባእ ከም ዘየለ፡ እንተፈሊጡ ኸኣ ካብኡ ትረኽቦ ሓገዝን መኽሰብን ከም ዘይትረክብ፡ ብኣንጻሩ ኣንጻርካ ክልዓል ምዃኑ፡ ካብኡ ሓሊፉውን ክንጽለካን ክነጽገካን ምዃኑ ብምንጋር፡ ኣፈራሪሁ ኣብ ናቱ መስመር ከእትወካ ክፍትን ከሎ፡ “ስምዒታዊ ጭውያ” ይበሃል።

ሓደ ሓደ ጊዜ’ውን “ንስምዒታዊ ጭውያ” ዝብል ኣምር፡ “ስምዒታዊ ታህዲድ” ክንብሎ ንኽእል። እዚ ኸኣ ብባዕሉ “ዓመጽ” እዩ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ስስዐን ጥበራን ዝሓዘለ ዘይሰብኣዊን ርኹስን ኣቐራርባ ከመይ ጌርና ክንኣልዮ ከም ዘለና ክንፈልጥ ኣለና።

  1. ስምዒታዊ ታህዲድ እንታይ ምኻኑ ምፍላጥ

“ስምዒታዊ ታህዲድ”፡ ዓመጽቲ ንዝደለይዎ ክረኽቡ ዝጥቀምሩ ስልቲ; ሜላ፡ ብልሓት’ዩ። ‘ቲ ዕላማ ኸኣ “ክትፈርህ”፡ “ክትሓርቅ”፡ “ገበንነት” ክስምዓካ ዝገብር ናርሲሳዊ ባህሪ ‘ዩ። ከምዚ ብምግባር ከኣ ነገራት በቲ ንሳቶም ዝደለይዎ ክግበርዎ ይደልዩ። ብዛዕባ ስምዒታዊ ጥዕናኻን ሰላምካን ግዲ ዘይብሎም “ኢጎነት” ዝገዝኦም ሰባት ስለ ዝዀኑ ክንጥንቐቅ ኣለና።

ኣብ ውሽጥኻ ፍርሒ፡ ሕርቃን፡ ገበንነት ዘሕድር ክሳዕ ዝዀነ፡ ነዚ ድማ ብዝተፈላለየ መገዲ ክገብርዎ ይፍትኑ። ሓንሳእ ንስምዒታካ ጅሆ እንተሒዘሞ፡ ብድሕሪኡ ዝደለይዎ ክትገብር ከም ዝገብሩኻ ይፈልጡ’ዮም።

ገሊኦም ብዕሙኽ ኢድ ጌሮም ብምዝባጥ ከገድዱኻ ይፍትኑ። ገሊኣቶም ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ መርዛም ቃላቶም ጌሮም ብምቕላልን ብምውራድን ክትፈርሆም ይገብሩኻ። ሰብ ክፈልጠልካ ዘይትደልዮ ምስጢር ምስ ዝሑዝልካ፡ ንዕኡ ከም መፈራርሂ መሳርሒ ክጥቐምሉ ይኽእሉ። ሓላፍነት ገዛእ ርእሶም ክወስዱ ስለ ዘይደልዩ፡ ዝዀነ ጌጋ ናትካ ከም ዝዀነ ጌሮም ክወቅሱኻ ብምፍታን ገበንነት ክስምዓካ ይገብሩ።

ዝደለይዎ እንተዘይረኺቦም ክፉእ ውሳኔ ክወስዱ ምዃኖም ብምንጋር፡ ‘ቲ ምኽንያት ንስኻ ምኻኑ ከፈራርሁኻ ይፍትኑ። ክትፍለዮምን ካብ ዓንኬል ዕርክነቶም ክትወጽእ ምስ እትሓስብ፡ ጠላም ወይ’ውን ጨካን ሰብ ምዃንካ ከእምኑኻ ብምፍታን ኣብ ከርፋሕ ዓንኬል ዕርክነት ክትነብር የገድዱኻ። እዚ ኩሉ ምልክት “ስምዒታዊ ጭውያ” ‘ዩ።

  1. ስምዒታዊ ጭውያ እንታይ ከም ዘካትት ምፍላጥ

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ፡ ስምዒታዊ ታህዲድ ስለስተ ነገራት ዘካተተ እዩ፥-

  • ፍርሒ፡
  • ምግዳድ፡
  • ገበንነት

እዚ ከምዚ ዝበለ ስምዒታዊ ታህዲድ ዘይትቅበሎ፡ ዘይትሰማምዓሉ፡ ዘይሰብኣዊ፡ ዘይሕጋዊ፡ ውጉዝ፡ ንኻልኦት ዘድሚ ተግባብሮ ክትወስድ ከገድደካ ይኽእል። ንርእስኻ ውሑስ ክትገብር ኢልካ፡ ካልኦት ክትሃስን ክትብድልን ይቐስበካ። ኣንጻር ትኣምነሉ መትከልን እምነትን ክትጥምዘዝ’ውን ይገብር። ንኸምዚ ዝበለ ታህዲድ ኢድካ እንተሂብካ፡ ንስምዒታትካ ጅሆ ክሕዝ ዝፍትን ሰብ ተበርትዖን ተትብዖን ምህላውካ ፍለጥ።

  1. ስምዒታዊ ዶባትካ ምፍላጥ

ስምዒታዊ ዶባትካ ክትፈልጥ ከለኻ፡ ካልኦት ንስምዒታትካ ክጥርሩ ክፍትኑ ከለዉ ብቐሊሉ ከተለልዮም ትኽእል። ስምዒታትካ ካብ ናይ ካልኦት ስምዒታት ክትፈልዮ ከለኻ፡ “ስምዒታዊ ዶብ” ይበሃል። ስምዒታትካ ካልኦት ክዝውርዎ ከተፍቅድ ከለኻ፡ ንኻልኦት ከተሕጉስ ኢልካ ንስምዒትካ ዝዝርግ ክትገብር ሕራይ ክትብል ከለኻ፡ ዝገበርካዮ ሓላፍነት ክትወስድ ክትኣቢ ከለኻ፡ ምልክት ዶብ ዘይምህላው’ዩ።

ስምዒታዊ ዶባትካ ክትፈልጥ ከለኻ፡ ካልኦት ንስምዒታትካ ክጥርሩ
ክፍትኑ ከለዉ ብቐሊሉ ከተለልዮም ትኽእል።

ኣብ መጀመርታ ከምዚ ዝበለ ስምዒታዊ ዓመጽ፡ ገለ ነገር ተባላሽዩ ምህላዉ ክትግምት ትኽእል። ‘ቲ ካልእ ሰብ ብተመስጦ ተደሪኹ ዝገብሮ ዘሎ ክመስለካ ይኽእል’ዩ። ምስ ጊዜ ግና ‘ቲ ካልእ ሰብ ኣብ መንቐራቅሮ፡ ኣብ ገምገም ጸድፊ፡ ከም ዘቐመጠካ ክትርዳእ ትጅምር። ካብ ጽቡቅ ልቢ ተበጊስካ ግና፡ ናይቲ ሰብ ሕማቅ ሓሳብ ዘይኰነ፡ ‘ቲ ጽቡቅ ኢልካ እትግምቶ ክኸውን ከም ዝኽእል ክትኣምን ትፍትን። ‘ቲ መሰረታዊ ሓቒ ግና፡ ንስኻ እንታይ ትደልን ይመስለካን ዘይኰነ፡ ‘ቲ ካልእ ሰብ፡ ዝደለዮ ንክገብር፡ ኣብ ኣባኻ ከሕድሮ ዝደሊ ስምዒታዊ ተጽዕኖ’ዩ። ስለዚ ሓራ ኰንካ ህይወትካ ክትመርሕ፡ ውሳኔኻ ክትውስ እንተዀይኑ፡ ንኸምዚ ዝበለ ጽልዋ እምቢ ክትብሎ ኣለካ።

  1. ስምዒቶም ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣለኻ

ስምዒታዊ ጅሆ ዝሓዘካ ሰብ፡ ንዝስምዖ ስምዒታት ሓላፍነት ከሰክመካ ይፍትን። ናይ ዝገብሮ ውድቐትን ፍሽለትን፡ ናትካ ጌጋ ከም ዝዀነ ከእምነካ ኣይሽገርን። ምሳኻ ከም ዝጠበቐ ኣምሲሉ ርእሱ ብምግላጽ፡ ብዘይ ብኣኻ ዝዀኖን ዝገብሮ ኩሉ ውዱቑን ከንቱ ምዃኑ ከእምነካ ብምፍታን፡ ኣንጻር ድሌትካ ኩሉ ጊዜ ኣብ ጎኑ ደው ክትብል ይገብረካ። እዚ ድማ ዝደለዮ ክረኽብ ይጥብሩካ ስለ ዘሎ ደኣ እምበር፡ ሓቅነት ስለ ዘለዎም ኣይኰነን።

ስምዒታዊ ጭውያን ታህዲድን፡ ነቲ ሰብ ጸዓቱ መጽዩ ከም ዝደክም ናይ ምግባር ሓይሊ ኣለዎ። ምሕዝነቱ፡ ዝምድናኡ፡ ስምዒታዊ ጥዕናኡ ተበላሽዩ፡ ከርፋሕን ዘይሕጉስ ህይወት ክመርሕ ይገብሮ።

እዚ ነገር እዚ ፍሑኽ ኢሉ ክኣትወና ከሎ ከይንርእዮ ንኽእል ኢና። ዘዕነዎ ክንጽግን ግና ብዙሕ ጊዜን ጉልበትን ከነጥፍእ ይገብረና። ስለዚ ስምዒታዊ ጭውያን ታህዲድን እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ ከለና፡ ጽቡቅ ቀዳማይ ስጉምቲ’ዩ። ካብኡ ሓሊፍና ኸኣ ‘ቲ ሰብ ውሳኔናን ድሌትናን ከኽብር ፍቓደኛ እንተዘይኰይኑ፡ ካብኡ ክንርሕቕን ገዛእ ርእስና ሓራ ክንገብርን ኣለና።

ብምፍርራሕ፡ ገበንነት ክስምዓና ብምግባርን ከይደለናዮ ከገድደና ዝደሊ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰልና ይገፈና ስለ ዘሎ፡ ክንኣብዮን ካብ ዓንኬል ህይወትና ከነውጽኦ ይግብኣና።