ሽዱሽተ ባህርያት “ተባዓት” ሰባት

“በቲ ዝፈርሃሉ ጊዜ ኣባኻ እውከል”

“ትብዓት፡” ዋጋ ስለ ዘኽፍለካ ክትሃድመሉ ዝግብኣካ ክነሱ፡ ካብ ርእስኻ ዝዓቢ ዕላማ ንምጭባጥ ናብኡ ገጽካ ክትግስግስ ከለኻ’ዩ። ትብዓት – ዘኽፍለካ ዋጋ ብዘየገድስ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩነታት ‘ቲ ቁኑዕ ንኽትገብር ክትስለፍ ከለኻ’ዩ። ፈጺምካ ኣይትፈርህን፡ ኣይትርህጽን፡ ኣይትበክን ማለት ኣይኰነን። ‘ቲ ሓቂ ብኣንጻሩ’ዩ። ንዘፍርሃካ ምኽሓድ፡ ካብ ዘፍረሓካ ንድሕሪት ገጽካ ምንስሓብ ዘይኰነ፡ ዘፍርሃካ ኣፍልጦ ሂብካ፡ ካብ ግላዊ ምቾት ወጺኻ፡ ዝዓበየ ዕላማ መታን ክትጭብጥ ንቅድሚት ምድፋእ’ዩ። ክትገብሮ ዘይትደሊ ክነስኻ፡ ንንጹር ዕላማ ክትገብሮ ፍቓደኛ ክትከውን ከለኻ’ዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ “ትብዓት” ክንገልጽ ዕድሎ ይገጥመና’ዩ።

ኩሉ ሰብ ኣብ ኩሉ ህሞት ትብዓት ክህልዎ ይደሊ።

ዝተዓመጸ እናራኣኻ ስቅ ኢልካ ክትከይድን፡ ንምርዳኡ እጃምካ ክትገብር ምርጫ ኣሎ። ‘ቲ ካልኣይ ንምግባር “ትብዓት” ይሓትት።  ኩሉ ሰብ ኣብ ኩሉ ህሞት ትብዓት ክህልዎ ይደሊ።  ምእንቲ ጥቅሚ ካልኦት ኢሎም ብትብዓት ህይወቶም ዘቐደሙ፡ ዘሕለፉ፡ ተበዓት ሰባት ኣብ ዘመን ኩሉ ተተሪዀም ኣለዉ። ናይ ታሪኽ መጽሓፍቲ ብውቑብ ዛንታታት፡ ንመሰል ካልኦት ከውሕሱ፡ ናይቲ ዘይዛረብ ድምጺ ክዀኑ፡ ደው ዝበሉ “ተባዓት” ሰባት ይነግር። እነ በዓል ማርቲን ሉተር፡ ነልሰን ማንዴላ፡ ማህተማ ጋንዲ፡ ካልኦትን፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝተቐጀለ መከራን ፈተናን ዕሽሽ ከይበሎም፡ ስለ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ብትብዓት ደው ኢሎም። እዚ ኸኣ ንዓና ዓቢ ምሳሌ’ዩ።

“ትብዓት” ናብ ፍጻሜ ንምብጻሕ

“ትብዓት” ዝብል ኣምር ልዕሊ ኩሉ ኣብ መጽሓፍ እያሱ ተጻሒፉ ንረኽቦ። መጽሓፍ እያሱ ብጥቅልል ዝበለ፡ ናብ ፍጻሜ ገጾም ክበጽሑ፡ ዝገጠሞም ጸላእን ተጻብኦን ብዝርዝር ይገልጽ። “ህይወት ከኣ ሰልፊ” ስለ ዝዀነ፡ መጽሓፍ እያሱ ኣብዚ ጉዕዞ ህይወት ንዘልና ተሳለምቲ፡ ዘሕልፎ ዓቢ መልእኽቲኣ ኣለዎ። ብፍላይ ከኣ ንመራሕቲ፡ ንዝመርሕዎ ህዝቢ ናብ መፈጸምታ ዕላማ ከብጽሕዎ ክህልዎም ዘለዎ ኣነባብራ ይምህር።

እያሱ ንዝተዋህቦ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ቅድሚ ምጅማሩ፡ 3 ጊዜ “ጽናዕ፡ ትባዕ” ተባሂልዎ። እያ 1 እያሱ’ውን ‘ዚ ቃል ኣብ ህይወቱ ዘስለጦ ስራሕ ዝተረድአ ክመስል፡ ን3ተ ንገስታት ስዒሩ ምስ ማረዀም፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ መራሕቲ ኣእጋሮም ኣብ ኣራእስ ጸላእቶም ክረግጹ ብምግባር፡ “ኣይትፍርሁን ኣይትሰምብዱን፡ ጽንዑን ትብዑን” ብምባል የተባብዖም።

የሱስ ንምብጃው ፍጥረት፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ቅዱስ ዕላማን ሓጎስን ኢሉ መከራን ስቓይን ጭከናን መስቐልን ተዓጊሱ። እዚ ኸኣ ምእንቲ ርእሱ ዘይኰነ ምእንቲ ካልኦት’ዩ ነይሩ። ንሕና’ውን ምእንቲ ካልኦት ምቾት ርእስና ገዲፍና፡ ንሞት’ውን እንተዀነ ርእስና ኣሕሊፍና ክንህብ “ትብዓት” ክልወና ኣለዎ።

6 ባህርያት “ትብዓት” እምበኣር
  1. ፍርሒ እናተሰምዖም ክነሱ ተግባብሮ ይወስዱ

ትብዓትን ፍርሕን ኣሕዋት’የን። ሰብ ክተብዕ ዝኽእል “ፍርሃት” ክብድሆ ከሎ ጥራይ’ዩ። ፍርሃት እንተዘይሃልዩ፡ ትብዓት ዝብል ኣምር ትርጉም የብሉን። ዘፍርሃካ ሓደጋን መከራን እናሃለወ፡ ብፍርሒ ሓሊፍካ፡ ኣብቲ ትደልዮ ክትበጽሕ ተግባብሮ ክትወስድ ከለኻ ኸኣ ‘ዩ “ትብዓት” ዝበሃል።

ነልሰን ማዴላ ሓደ ጊዜ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ፡  “”ትብዓት” ዝበሃል ብዘይ ፍርሒ ማለት ኣይኰነን። ንፍርሒ ምስዓር’ዩ። ተባዕ ሰብ ዝበሃል ከኣ ፍርሂ ዘይስምዖ ዘይኰነ፡ ንፍርሒ ዝስዕር’ዩ።”

ፈሪህካ እናሃለኻ፡ ናይ ግድን ክትገብሮ ዘለካ ክትገብር ኢልካ ንቅድሚት ክትሓልፍ ከለኻ፡ ተቢዕካ ይበሃል።

  1. ካብቲ ብወጻኢ ኰይኑ ዘፈራርሆም ንልዓሊ፡ ኣብ ልቦም ዝተቐመጠ ይስዕቡ

ሓቀኛ ትብዓት ዝበሃል ኣብ ልብኻ ዝተቐመጠ ሓቀኛ ተመስጦ ንምግባር ኢልካ ክትለዓል ከለኻ’ዩ። ብደገ ዝመጽእ ድምጽታት፡ ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዝተሰመረ ክትጠራጠሮ ክገብረካ ይኽእል’ዩ። ነቲ ብደገ ዝመጽእ ድምጽታት ስዒርካ፡ ኣብ ልብኻ ዝተቐመጠ ንምግባር ስጉምቲ ክትወስድ ከለኻ፡ ሓቀኛ ትብዓት ሰኒቅካ ስለ ዘለኻ’ዩ።

“ውድቐት” ዝብል ሰሌዳ ምፍርራህ ኣብ ቅድሜኻ እናረኣኻ፡ ካብቲ ብደገ እትርእዮ፡ ‘ቲ ኣብ ልብኻ ዝተቐመጠ ሓይሉ፡ ተግባብሮ ክትወስድ ከለኻ፡ “ተቢዕኻ” ኣለኻ።

  1. ኣብ ቅድሚ መከራ ኣይሕለሉን

‘ቲ ዝዓበየ ትብዓት ዝበሃል፡ ኣብ ቅድሚ መከራ ዘይምምካኽ፡ ዘይምፍሳስ’ዩ። ኣዝዩ ዘሰምብድን ዘፍርህን ክነሱ፡ ኣብራኹ ዘይጠልሞ፡ ቀኒዑ ደው ዝብል “ተባዕ” ‘ዚ ልቡ ኣሎ። ሞት’ውን እንተዀነ ኣብ ቅድሚኡ ተቐጂሉ ከሎ፡ ንዝኣመነሉን ዝተረድኦን ክመውት ልቡ ዝጸንዐ፡ ግንባሩ ኸኣ ከም ዓረ ዝገበረ፡ ብዓል ራእይ ክርከብ ከሎ፡ ብርታዔን ረስንን ፈተናን መከራን ኣየምበርክዀን’ዩ።

ኣብ ክንዲ ፈሪህና፡ ከምቲ ጎማ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ዝቅርምም፡ ነንሳሕብ፡ ብልብና ሓሊና ብትብዓት ክንምርሽ እንተወሲናን፡ ኣብ ቅድሜና ዝተገተሩ መዐንቀፍታት ክመኩ’ዮም።

“ዓቐን ከልቢ ኣብ ቃልሲ ዘይኰነ፡ ዓቐን ቃልሲ ኣብ ከልቢ ‘ዩ” ንዓወት ዝትምኖ።

  1. ንሓቒ ቀኒዖም ደው ይብሉ

ኣብ ዘመን ኩሉ ዝተገልጹ ተበዓትን ጀጋኑን፡ ንዝኣምንሉ ሓቂ ርእሶም ሂቦም ደው ስለ ዝበሉ’ዮም። ደው ብምባሎም ክንድሕን ኢና፡ ብህይወት ክንነብር ኢና ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ ኣይዀነን። ‘ቲ ሓቂ ኳ ደኣ ብኣንጻሩ’ዩ። ንሓቒ ደው ምባል፡ ቅኑዕ ቅዲ ህይወት ጌሮም ስለ ዝቆጸርዎ’ዩ። ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዘይብል ትብዓት፡ ብብዓሉ ዓወት ‘ዩ።

መልሓሶም ምእዛዝ ኣቢዎም ቃላቶም እናተዀላለፈ ክነሱ፡ ሓቒ ይዛረቡ።

  1. ዝለመድዎ ይኺድ ሓዲጎም፡ ደረት ተመክሮኦም የስፍሑ

ህይወት ዝጭበጥን ዝዝርጋሕን ብመጠን ዝሰነቅናዮ “ትብዓት” ‘ዩ። ዝለመዶ፡ ጥጡሕን ዕቁብን ዝበሎ ሓቒፉ፡ ከምታ ዘለዋ ከነብር ዝመርጽ ኣሎ። ‘ቲ ክገብራ ዝኽእል ዓቅሙ ንሳ ስለ ዝዀነት ዘይኰነ፡ ካብታ ዝለመዳ ወጺኡ እንተተዘርጊሑ ክገጥመኒ’ዩ ዝብሎ ዘፍርሖ ስለ ዘለዎ’ዩ።

ከምቲ ንስሪ ንደቓ ምንፋር ከተላምድ ከላ፡ ንመስፈሪኣ ዘይምቹእ እትገብሮ፡ ካብ ላዕሊ ኸኣ እትርድብዮም፡ ከምኡ ኸኣ “ትብዓት” ዝሰነቐ ሰብ፡ ናብ ዘይበጽሖ ናብ ላዕሊ ክንቖት፡ ዝለመዶ ክገድፍ ልቡ ብትብዓት ዝተኣስረ’ዩ።

  1. ብእምነት መከራ ይጸግቡ

“ትብዓት” ኣብ ጊዜ መከራ ዝበቑል፡ እምነት ክህልወና ከሎ’ዩ። ካብቲ ዝገጥመና ኣብ ቅድሜና ዝተቐጀለ ዝዓቢ ኣብ ውሽጥና ከም ዘሎ ምትእምማን ክህልወና ከሎ፡ ኣብ ቅድሚ ከፍርሃና፡ ኢድና ክንህብ ዝቐስበና፡ ብትብዓት ደው ንብል። እምነት ብዛዕባ ዝጽበየና ዘሎ “ዓስቢ”፡ “ብልጫ”፡ “ዋጋ ውዕለት” ክርድኣና ከሎ፡ ኣብ ውሽጥና ዝቦቑል ተኣማንነት’ዩ።

ንኹልና ፍሉጥ ዝዀነ ታሪኽ ኣሎ – ቲ ውቁብ ዝነበረ መንእሰይ ዳዊትን ኣዝዩ ገዚፍን ዘፍርህ ጎልያድን።

ዳዊት ኣብ ቅድሚ ጎልያድ ብኹሉ ሽነኽ ቁላዕ ነይሩ። ብልጫ ዳዊት ግና ካብ ጉልያድ ሓሊፉ ምስኡ ዝነበረ፡ ካብ ጎልያድ ዝሕይልን ዘፍርህ ልዑል ኣምላኽ ስለ ዝረኣየ፡ ኣብ ቅድሚ ንብዙሓት ዘፍርህ ዝነበረ ደው ኢሉ፡ ንገዚፍ ገጢሙ፡ ዓወት ተጎናጺፉ።

መን’ዩ ኣብ ቅድሜና ከም ዓቢ ከረን ተገቲሩ፡ ንንኣምኖ ከይንዛረብን ከይንገብርን ዘፈራርሃና ዘሎ፧ እምነት ከም ዘየለ ምኽሓድ፡ ሕቆኻ ኢብካዮ ኣንፈትካ ምቅያር ኣይኰነን። ምሳኻ ዘሎ ዓቅሚ፡ ሓይሊ፡ ተረዲእኻ፡ ብዘለካ ሓሙሽተ ኣእማን ክትገጥሞ ከለኻ’ዩ። እዚ ኸኣ ትብዓት ይሓትት።

እያ 1:5-7 ” ምሉእ ዕድሜኻ ዚቃወመካ ሰብ የልቦን። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፡ ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ። ኣይሐድገካን ኣይጥንጥነካንውን። እታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሐልኩሎም ምድሪ፡ ንስኻ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸተረስትዮም ኢኻ እሞ፡ ጽናዕ፡ ትባዕ። ከምቲ ሙሴ ባርያይ ዝኣዘዘካ ዅሉ ሕጊ ንምግባሩ ኽትሕልዎ ጥራይ ደኣ፡ ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን። ናብ እትኸዶ ዅሉ ምእንቲ ኪቐንዓካስ፡ ካብኡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣይተግልስ። ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይተፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ። ጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።