ስነ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ማህሰይቲ (Trauma)

ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። ሉቃ10:30

 ኣብ ዓለምና ዝረአን ዝስማዕን ግፍዒ፡ ጭካነ፡ ክፍኣት፡ ታእላው የብሉን። ብዙሕ ሰብ ብብዙሕ ይሓልፍ። ጻዕዳ ጸሊም፡ ሃብታም ድኻ፡ ዝተማህረ ዘይተማህረ፡ ኩሉ በብዓቅሙ ዝሓልፎ ፍጻሜ ኣለዎ። ‘ቲ ዝበዝሕ፡ ብፍላይ ውሽጣዊ ኣሰርን ስምብራትን ዝገድፍ፡ ክትነግሮን ከተውርዮን ከተውስኦን ከቢድ’ዩ።

ከምቲ ኣካላዊ መቁሰልትን መስበርትን፡ ከምኡ’ውን ስምዒታውን ስነ ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ከም ዘሎ ንኩልና ርዱእ ይመስልኒ። ክንክሕዶን ክንሓብኦን ‘ተዘይፈቲና፡ ንስምዒታትና ዝዘብሕ፡ ንኣተሓሳስባና ዘናዕብ ተመክሮ ንሓልፍ ኢና።

ኣብ ህዝብና ሃገርና እንተተመልኪትና፡ ‘ዚ ዝስዕብ ጥቅሲ ብዝግባእ ዝገልጸና ይመስለኒ;

ኢሰ1:5-6  “ምዕላው እናወሰኽኩም ካብ እትኸዱስ፡ ንምንታይ ደኣ እትውቅዑ፡ ኲሉ እቲ ርእሲ ሕሙም፡ ኲሉ እቲ ልቢ ሕሉል እዩ። ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳዕ ርእሲ ገለ ጥዑይ የብሉን። ዘይተጠወቐን ዘይተዘነነን ብቕብኢ ዘይለስለሰን፡ ኣቚሳልን ስምብራትን ሓድሽ መውቃዕትን ጥራይ እዩ።

                    ካብ ከብዲ እግሩ ==> ካብዚ ኣብቲ ታሕቲ ዘሎ ዝነኣሸ፡ ገባር፡

                    ርእሲ ==> ኣብቲ ዝለዓለ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኩሉ

ናብ ርእስናን ህዝብናን እንተጠሚትና፡ ዘይተወቅዐን፡ ዘይቆሰለን ዳርጋ የብልናን። ኩሉ ቁስልን ስምብራትን ኣለዎ። እዚ ካብ ኩሉ ዝሕባእ ኣይኰነን።

“መቁሰልቲ” Trauma እንታይ እዩ፧

“ትራውማ” ዝብል ቃል ካብ ትራማቲኰስ “tramaticos” ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸ ኰይኑ “ቁስሊ” (wound) ማለት’ዩ።

ሰብ ኣብ ሕሉፍ ዝሓለፎ ዘቀንዙ፡ ኣደናጋሪ፡ ስግንጢር፡ ዘሰምብድ፡ ዘጨንቅ፡ ረባሺ፡ ሃዋኺ ተመክሮ፡ ኣብ ሕጂ ዝነበሮ ዘሎ ህይወት ኣሉታዊ ጽልዋ ዝገብረሉ እንተዀይኑ፡ ዘይተፈወሰ ቁስሊ፡ ማህሰይቲ ስለ ዘለዎ’ዩ። ነዚ ድማ ኢና “ቁስሊ Trauma” እንብሎ።

መበገሲ ናይዚ ቁስሊ ከኣ ብዙሕ ዝርጋሔ ኣለዎ።

        ልሙድ ዝዀነ ግጥመት => ምፍታሕ፡ ሕማም፡ ሓደጋ፡ ምፍልላይ፡ ሞት ወይ’ውን

        ኣእምሮና ከዕቅሮ ዝኸብዶ  ግጥመት=> ውግእ፡ ስቃይ፡ ምግሳስ፡ ዓመጽ፡ ህልቂት ተመክሮ ክኸውን ይኽእል

እዚ ኣሉታዊ ተምክሮ ከኣ ናይ ህይወትና ናይ “ምውህሃድ” ዓቅሚ ዘሪጉ፡ ካብ ምዕሩይ ዝዀነ ኣነባብራ የውጽኣና። ኣብ ውሽጥና ኸኣ “ጎባጢ” ስምዒት ይፈጥር። እዚ ኸኣ ሰባት ክጾርዎ ክሳብ ዘይክእሉ ኣዝዩ ከቢድ፡ ስምዒት ሓጋዚ-ኣልቦነት (powerlessness)፡ ስምዒተ ስዑር (feeling of defeat): ካብኡ ሓሊፉ’ውን ጠፋእኩ፡ በረስኩ፡ ተወረርኩ ዝብል ስምዒት ክስምዕና ይገብር።

ስምዒታውን ስነ ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ፡ ኣባና ስለ ዝበጽሐ ወይውን ኣብ ካልእ ክኸውን ስለ ዝተዓዘብና፡ ክኸውን በዒንቱ ስለ ዝረኣየ ንምኰሮ፡ ኣተሓሳብናን ስምዒታትና ዝዝርግ፡ ዝብትን ተመክሮ’ዩ።

እዚ ቁስሊ (Trauma) ንብሎ ብሰለስተ ነጥብታት ጌርና ክንጥቅልሎ ንኽእል። ናይቲ ርሕሩሕ ሳምዕራዊ ታሪኽ (ሉቃ10፡30-) ጌረ ከረድኣኩም ክፍትን፡

  1. ፍጻሜ (event)- እዚ ኣብ ህይወትና ዝወርድ ኩነታት እዩ። ኣብ ታሪኽ ‘ቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ እንተሪኢና፡ ‘ቲ ፍጻሜ

“ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ” ዝብልዩ።

ንገሊኣትና ዝረኸበና ፍጻሜ ዓመጽ፡ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ፡ ንጽገት፡ ማህረምቲ፡ ማእሰርቲ፡ ቀጻሊ ጸርፍን ምቑሻሽን፡ ምፍርራህን ምህዳድን፡ ምፍታሕ፡ ሓደጋ መኪና፡ ሓደጋ ሓዊ፡ ማህሰይቲ ኣብ ስፖርት፡ ከትሪ፡ ካልእን ክኸውን ይኽእል።

  1. ተመክሮ (experience) – ‘ቲ ኩነታት ምስ ገጠመና ኣብና ዝወርድ ማህሰይቲ’ዩ። ኣብቲ ታሪኽ ርሕሩሕ ሳምራዊ፡ ‘ቲ ፍጻሜ ኣብቲ ጉዳይ ዝዀነ ሰብኣይ ከምዚ ዓይነት ተመክሮ ገዲፉ

“ከትከትዎ፡ ገፈፍዎ፡ ከም ምውት ጌሮም ድማ ገዲፈምዎ ከዱ”

‘ቲ ዝገጠመና ፍጻሜ “ኣካላዊ” እንተዀይኑ፡ ናቱ ተመክሮ ክንርድኦ ቀሊል’ዩ። ስምዒታውን ስነ ኣእምሮኣውን ተመክሮ ክንጭብጦ ንሽገር ኢና። ኩሉ ጊዜ ግና “ቋንዛ” ኣለዎ። ኣብ ዕላማ ህይወትን ዋጋ ህይወትን ዘለና ኣጠማምታ ኣዛቢዑ፡ ኣብ ውሕስነት ዘለና ኣጠማምታ ኣበላሽዩ፡ ማንነትና ክንስሕትን ስምዒታትና ከኣ ይብክል።

  1. ሳዕቤን፡ ጽልዋ (effect) – ካብቲ ተመክሮ ዝተላዕለ፡ ኣባና ዝገድፎ ስብራትን ቁስልን ከኣ ሳዕቤን ንብሎ። ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐ ሰብኣይ፡ ስለ ዝኸትከትዎን ዝገፈፍዎን፡ ከም ሳዕቤኑ ኣካላዊ መድመይቲን መቑሰልትን ከም ዝወረዶ ንርዳእ። ስለዚ’ዩ “ኣቁሳሉ ዘፈፈሉ፡ ወይንን ዘይትን ኣፍሰሰሉ” ዝብለና።

‘ቲ ሳዕቤን እምበኣር ኣካላዊ ስንክልና፡ ንኽሓዊ ብዙሕ ጊዜ ዝወስድ ቁስሊ፡ መስበርቲ ዓጻጽምቲ፡ ካልእን ክኸውን ይኽእል።

ካብ ኣካላዊ ማህሰይቲ ሓሊፉ ግና፡ ‘ቲ ሳዕቤን “ስምዒታዊ” ማለት ሕርቃን፡ ብቀሊሉ ዝቑጣዕ፡ ብስጭት፡ ሕነ ክፈዲ ምድላይ፡ ጭንቀት፡ ፍርሒ፡ ቅሬታ፡ ቅዛነት፡ “ስነ ኣምሮኣዊ” ማለት ትሑት ርእሰ ጠመተ፡ ኣትኩሮ ምስኣን፡ ዘይትስፍውነት ዝዓብለሎ ኣረኣእያ፡ ዓቃባዊ ኣጠማምታ፡ ንለውጢ ዕጹው ዝዀነ ኣእምሮ፡ ጸልማት መጻእ፡ “ባህርያዊ” ማለት ድቃስ ምስኣን፡ ምብህራር፡ ውሕስነት ዘይስምዖ፡ ክኣምንን ጥዑይ ዝምድና ክሃንጽ ዝሽገር፡ ደላይ ኣቃልቦ፡ ሰብ ክትንክዮን ክቐርቦን ዘይደሊ፡ ሕማቅ ኣመላትን ልምድታትን፡ ካልእን ክኸውን ይኽእል።

ሱር ነገር

ብዛዕባ ስነ ኣእምሮኣዊን ስምዒታውን ማህሰይትን መቁሰልትን ክንዛረብ እንተዀይና፡ ምስ ክልተ ነገራት ገጽ ንገጽ ክንጋጠም ኢና

  1. ኣብዚ ተፈጥሮኣዊ ዓለም ናይ ሰብ ተኣፋፍነት፥ ቅልዑነት፥
  2. ኣብ ተፈጥሮ ሰብ ዘሎ ረሲእነት፡ ጭካነ።
  3. ተፈጥሮ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝተዛብዔን ዝተበላሸወን

እዚ ሰለስቲ ኸኣ ናይ “ሓጢኣት” ውጽኢት’ዩ። ሓጢኣት ብዘይ ምእዛዝ ኣቢሉ ናብ ዓለም ምስ ኣተወ፡ ንሰብ ብዘይ መከላኸሊ ቅሉዕ ክኸውን ጌርዎ። ሰብ ገዛእ ርእሱ ከዕቑብን ክከላኸልን ዘይክእል፡ ንናይ ጸልማትን ናይ ሰብ ጭካነን ቅሉዕ ኰይኑ።

ሰብ’ውን ብምስሊ ኣምላኽ ዝተደኰነ፡ ንሰናይ ዝተፈጥረ ፍጥረት ክነሱ፡ ሓጢኣት ስለ ዘበላሸዎ፡ ብልቡ ዝሓስቦን ዝሕልኖን ኩሉ ጊዜ ክፉእ ኰይኑ። ንሓዉ ክዕምጽ፡ ተላዒሉ ክወቅዖን ክቐትሎን ፍጹም ዘይዓጅቦ ኰይኑ። እዚ ድማ መዓልታዊ ኣብ ቅድሚ የዒንትና ግቡድ ፍጻሜ’ዩ።

ፍጥረት’ውን እንተዀነ ፍጹምን ምልኩዕን ኰይኑ ተፈጢሩ ክነሱ፡ ሓጢኣት ኣበላሽይዎ። ስለ ዝዀነ ኸኣ መሬት ምንቅጥቓጥ፡ ዕልቅልዕ፡ ማዕበልን ዓቀኑ ዝሓለፈ ዝናብን፡ ካልእ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት ዝገጥመና’ዩ።

እዚ ስለስተ ነጥቢ እንተበሪሁልና፡ ናይ “ወንጌል” ኣድላይነትን ኣገዳስነትን ክርደኣና ዘሸግር ኣይኰነን። የሱስ ዝተገልጸ ሓጢኣት ዘበላሸዎ እንደገና ንብምብጃው፡ ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ክመልስን’ዩ። ብፍላይ ብወንጌል ዝርከብ ሓርነትን ፈውስን ለውጥን እንተተረዲእና፡ ነቲ ብሓጢኣት ዝተበላሸ መንነት ሰብ ፍጥረትን ክሳዕ ክንደይ ኣድላይ ምኻኑ ብዙሕ ምግላጽ ዘየድልዮ ሓቒ’ዩ። ብፍላይ ንሰብ ናብ ዝተፈጥረሉ ናይ መጀመርያ ዕላማ፡ ማለት “ምትእስሳር” “ዝምድና” ስለ ዝመልሶን ግቡእ ቦታኡን ስለ ዝተሕዞን፡ “ወንጌል” ንፍጥረት ኣገዳስነቱ ዕዙዝ’ዩ። ንዝተቐበሎ ኸኣ ኩለንትናዊ ፈውሲ ይህቦ።