ንሓዉ ኣጆኻ በለ

ኢሰ 41:6 ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ደገፈ፡ ንሓው ኸኣ፡ ኣጆኻ፡ በለ።

ምሳ 27:17 ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።

ምትብባዕ” ብቋንቋ ግሪኽ እንታይ ምኻኑ ትፈልጥዎ’ዶ፧ “ፓራካሎያ” (parakaleo) ይበሃል። እዚ ምስ ሰማዕኩም ኣብ ሓሳብኩም እንታይ ይዝከረኩም ይኸውን፧ እዚ ቃል ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብዙሕ ጊዜ ተጠቒሱ ንረኽቦ። ኣብዛ ውድቅቲ ዓለም፡ ብዙሕ ፈተናን ዕንቅፋትን ዝበዝሓ፡ ሰብ ድኹምን ውሱንን ምኻኑ ተሓዊስዎ፡ “ምትብባዕ” ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ይገብሮ። ምናልባት መብዛሕትና ‘ቲ ትኽክል ትርጉሙ ይርድኣናዶ ይኸውን ዝብል ስክፍታ ኣለኒ።

“ምትብባዕ” ምስ “ናእዳ” ወይውን “ምምጉጓስ” ክንሓዋውሶ የብልናን። “ምምጓስ” “ናእዳ”፡ ገለ ክፋል ናይ ምትብባዕ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ምሉእ ትርጉሙ ግና ኣሽፍንን’ዩ። ብዙሕ ጊዜ “ምትብባዕ”፡ ካልኦት ጽቡቕ መታን ክስምዖም፡ ጸጽቡቑ ምዝራብ ክመስለና ይኽእል’ዩ። ከምኡ ዓይነት ዘረባ ናብ “ምንኣድ፡ ምውዳስ” ዝቐረበ ትርጉም ኣለዎ። “ምትብባዕ” ማለት ሓገዝ፡ ምትእምማን ንኻልኦት ምሃብ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ካብኡ ሓሊፍ ግና ኣብ ውሽጦም ገለ ነገር ክምዕብልን ክህነጽን ምሕጋዝ ማለት’ዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ምትብባዕ” ክዛረብ ከሎ፡ ሓደ ንኻልእ መታን ክምህር፡ ከጸናንዕ፡ ከበርትዕ፡ ተግባብሮ ክወስድ ክደፋፍኦ፡ ኣብ ጎኑ ክኸውን ምጽዋዕ ዝብል ትሕዝቶ ይህቦ። ዝቐራረብ ትርጉም ዘለዎም ቃላት ክንረክብ ንኽእል። ንሳቶም ድማ፡ “መዓደ” “ኣጠንቐቐ” “ገሰጸ፡ ገንሐ” ዝብሉ’ዮም። እዚ ምትብባዕ ዝብል ቃል ብዙሕ ጊዜ ብምምዕዓድ ዝብል ቃል ተተኪኡ ንረኽቦ። መብዛሕትኦም ድማ ኣብ መልእኽታት ሃዋርያ ጳውሎስ ተጠቒምሶም ኣለው። ንካልኦት ንምውቓስን ንምድሃልን ዘይኰን፡ ንምትብባዕ ዝተሰለፉ ሰባት፡ ‘ቲ ሰብ ኣብ ጊዚኡ ክሰምዖ ዘለዎ ብፍቅሪ ክዛረቡ ትብዓት ኣለዎም። ‘ቲ ዝሰምዕ ሰብ ክሰምዖ ዘይደሊ’ውን እንተዀነ፡ ዘድልዮ እንተዀይኑ ብፍቅርን ብህድኣትን ይነግርዎ።

መልእኽቲ ንሰብ ኤፌሶን ከም ምሳሌ እንተወሲድና፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንማሕበር ኤፌሶን ክምስርታ ከሎ፡ ‘ታ ኸተማ ማእኸል ናይ ጣኦታት ከም ዝነበረት ኣብ ታሪኽ ነንብብ። ብዘይካ ካልኦት ጣኦታት፡ “ኣርጠሜስ” እትበሃል ግሪኻውያን ዘምልኽዋ ዝነበሩ ጣኦት፡ ነታ ከተማ ቀንዲ ሰሓቢት ይገብራ። ንሰዓብቲ ጎይታ ድማ ጸልማት ከተማ ነይራ። ስለ ዝዀነ ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ኣመንቲ፡ በይኖም ኰይኖም ከይቃለሱ እሞ ቀልጢፎም ከይሕለሉ፡ ሓድነቶም ክዕቅቡ ኣገዳስነቱ ወሰን ኣይነበሮን። በዚ ምኽንያት ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ሓድነቶም ክዕቅቡ ይመኽሮምን የተባብዖምን። ኤፌ4:1-3

“ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም ኣሎኹ።”

ኣብ ገለ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ናይ ግሪኽ ቃል፡ “ምምላድ፡ ምምሕጻን” ዝብል ትርጉም ይህብዎ። ስለዚ ሃዋርያ ጳውሎስ “ብቑዓት ኬንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም ኣለኹ” ክብል ከሎ፡ ከምኡ ኰይኖም ክመላለሱ ከም ዘለዎም የተባብዖምን ይምሕጸኖም ነይሩ። ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ኣመንቲ ኣብ መንጉኦም “ምክፍፋል” ፍሑኽ እናበለ ክኣቱ ስለ ዘፍቐዱ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ጊዚኡ ክሰምዕዎ ዘለዎም ዘረባ ይዛረቦም።

ሓደ ሰብ ካብ መገዲ ክወጽእ ከሎ፡ ብፍቅሪ ንኽምለስ ክትልምኖን ክትምዕዶን ካብኡ ሓሊፉውን ክትግስጾን ከለኻ፡ “ተተባብዖ” ኣለኻ ማለት’ዩ። ምናልባት ‘ቲ ሰብ ክሰምዖ ዘይደሊ ዘረባ፡ ምኽሪ ክኸውን ይኽእል’ዩ። መታን ክጥቐም ኢልካ ብፍቅሪ ተደሪኽካ፡ ብጥበብ ክትዛረቦ ከለኻ ግና ኣብቲ ሰብ ትጻወቶ ተራ ዓቢ’ዩ። ናይ “ምትብባዕ” ትርጉም ከኣ ኣብዛ ትስዕብ ጥቅሲ ተጠቅሊሉ ንረኽቦ፡

1ተሰ5:14 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ብዙይ ስርዓት ዚመላለሱ ግንሕዎም፡ ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ኣፋጥንዎም፡ ነቶም ድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅላቶም ተዓገስዎም ኢልና ንምዕደኩም አሎና።

ወዲ ምጽንናዕ

ኣብታ መጀመርያ ማሕበር፡ ብባርናባስ ዝጽዋዕ ሰብኣይ ነይሩ። ትርጉም ሽሙ ኸኣ “ወዲ ምጽንናዕ” parakaleo ማለት’ዩ። ግብ4:36 ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣመንቲ ክሳዕ ክንደይ ንበረኸት ይዀኖም ከም ዝነበረ ንምግማቱ ኣጸጋሚ ኣይኰነን። ብምብርታዕ ባርናባስ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ድሕሪ ምልዋጡ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበረት ማሕበር ቅቡል ኰይኑ። ግብ9:27 ብምትብባዕ ባርናባስ፡ ማሪቆስ ድሕሪ ውድቐቱ፡ ንኸገልግል ካልኣይ ዕድል ረኺቡ። ግብ13:13፡ 15፡39 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባዊት ማሕበር፡ ከም ባርናባስ ዝበለ ኣገልግሎት ዘለዎ ሓው/ሓፍቲ እንዝርከብ፡ ብዙሓት ካብ ምግላልን ምንጻልን ምደሓኑ።

ኣብዛ ውድቅቲ ዓለም ብቅድስና ንኽንነብር “ምትብባዕ” ዓቢ ተራ ይጻወት። ከምቲ የሱስ ዘፍቀረና፡ ብፍቅሪ ንኽንመላለስ ምትብባዕ ንመገድና የቅልሎ። ዮሃ13:34-35 ምትብባዕ ተስፋ የስንቅ። ሮሜ15፡4 ምትብባዕ ኣብ ጊዜ መከራን ፈተናን ክንስዕር ይድግፈና። እብ12፡5 ብምትብባዕ፡ ትዕግስትን ርሕራሔን ንሰንቅ። 1 ቆሮ13፡4-7 ገላ5:22-26 መንግስቲ ኣምላኽ መታን ክሰፍሕ፡ ድሌትና ክንስውእ፡ “ምትብባዕ” ዓቢ ተራ ይጻወት። ብሕጽር ዝበለ ናይ ክርስቶስ ህይወት ንኽንነብር፡ ምትብባዕ ንልብና የበርትዕ።

ካብ ሓደ ምኻን ክልተ ምዃን ይሓይሽ

ኣብ ሕብረትን ሓድነትን ዘሎ ሓይሊ ንኹልና መንቛሕቛሕታ ስለ ዘለና ብዙሕ ኣይዛረበሉን’የ። ነቶም በይኖም ተፈልዮም፡ ሓደ ደሴት ንምብጻሕ ክጉዓዙ ዝፍትኑ ክብሎም ዝደሊ፡ መገዲ ምስ ካልኣይካ፡ ንጉዕዘኻ ዝቐለለ ይገብሮ። ኣብ መገዲ ምድካም፡ ምዕንቓፍ፡ ምሕላል፡ ተስፋ ምቑራጽ ስለ ዘሎ፡ ነገርካ ገዲፍካ ንድሕሪት ምጥማት ከም ኣማራጺ እንወስዶ እዋናት ብዙሕ’ዩ።

ቅዱስ መጽሓፍ ግና እንታይ ይመኽረና፧ ምስ እትወድቅ ዘልዕለካ፡ ምስ ‘ትደክምን ‘ትሕለልን ዘበራትዓካ፡ ተስፋ ምስ ‘ትቆርጽ ዘፋጥነካ ብጻይ ክህልወካ ጥበብ’ዩ። ስለዚ ሓይልናን ጸዓትናን ዝመጺ ዘይኰነ፡ ከምቲ ሙሴ ክደክም ከሎ ኣሮንን ሁርን ብጎኑ ኰይኖም ኣእዳው ዝድግፉ ዝነበሩ፡ ዝድግፈና እንተወሓደ ሓደ ሰብ ክንመርጽ፡ ኣምላኽ ከገባግበልና ክንጽሊ ይግብኣና።

ከምቲ ወረጦ ንእሾኽ፡ ኩሉ ጊዜ ነቐፋን ስንፍናን ጥራይ ከውጽእ ዝፍን፡ ዘይትስፉው ሓው ኣሎ። ንኸምዚ ዝበለ ሰብ ብዙሕ ኣቓልቦ እንተዘይሃብናዮ ንጥዕናና ሕሉው ይገብሮ።

1ተሰ5:11 ስለዚ፡ ከምቲ እትገብርዎውን ዘሎኹም፡ ንሓድሕኩም ተማዓዓዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ

ዘተባብዕ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ መንፈስ

ምትብባዕ” ማለት “ትብዓት፡ ድፍረት፡ ቈራጽነት” ኣብ ውሽጢ ልቢ ካልእ ምንባር ማለት’ዩ። ኣብዛ ዓለም ንኸምዚ ከማና ዝበለ ሰብ ኣብ ልቡ ትብዓት ከነስንቅ ከለና፡ ነተባብዖ ኣለና። እዚ ኸኣ ኣብ ዘመናት ኩሉ ዝተገልጸ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ ባህሪ ‘ዩ።

ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን “ምትብባዕ” ካብ ናይ ግሪኽ ቃል፡ “ፐራኰላቶስ” ዝብል ዝተወስደ’ዩ። እዚ ስም ከኣ የሱስ ድሕሪ ምዕራጉ፡ ንዕኡ ተኪኡ ናብዚ ምድሪ ኣብ በዓል ሓምሳ ዝወረደ “መንፈስ ቅዱስ” ተዋቢሁ ኣሎ። ትርጉሙ ኸኣ መታን ክሃንጸካ ኣብ ጎንኻ ዝቐውም ናይ ቐረባ ዓርኪ ማለት’ዩ። ገለ ትርጉም ነቲ “ምጽንናዕ” ዝብል ቃል ብ”ምትብባዕ” ይገልጽዎ። ኣብ ዮሃ 14:16, 26

“ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘል ኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ”

“ፐራኰላቶስ” ዝብል ቃል 109 ጊዜ ተጠቒሱ ኣሎ። መብዛሕትኡ ጊዜ ብ “መተባብዒ”፡ ኣብ ገሊኡ ኸኣ “መኻሪ፡ መዓዲ፡ መጸናንዒ፡ ገሳጺ” ዝብል ቃል ተገሊጹ ኣሎ። ኩሉ ብሓደ እንተተጠሚሩ ኸኣ “ኩነታት ክሕርፍፍ ከሎ፡ ህይወት ኣማኒ መታን ክጽብቅ፡ ኣብ ጎኒ ኰይኑ ዝሕግዝን ዘበራትዕን ዓርኪ” ማለት’ዩ። እዚ ኸኣ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ‘ዩ። ብሓቒ ቀረባ መንፈስ ቅዱስ ምኻን ኣገዳስነቱ ኸኣ ይምህረና።

ሓይሉን ጸዓቱን ዘይውዳእ፡ ንዘልኣለም ምሳና ዝነብር፡ ፍቓድ ኣምላኽ ዝምህረናን ኣጆኩም ዝብለና፡ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ኣብ ልብና ሓዲሩ ኣሎ። ስለዚ ንድለዮ፡ ነቅልበሉ፡ ንስምዓዮ። ህይወትና ክጥዕም’ዩ።

ሮሜ 15፡13 ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም።

ናይ መጨረሽታ ለበዋይ እምበኣር፡ መወዳእታ ኩሉ ነገር ይቐርብ ስለ ዘሎ፡ እናነቓሕና ንሓድሕድና ክንነቓቓሕን ክንበራታዕን ልቢ ክህልወና ኣለዎ። ንኹልና ድኻም ይጠብቐና’ዩ። ሓደ’ኳ ንድሕሪት ዝተርፍ መታን ከይህልወና፡ ንሓውና ኣጆኻ ንበል።

እብ10:25  እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ።