ንብጻይካ ኣብ ድኻሙን ብድኻሙን ኣይተጥቅዓዮ

ምሳሌ 3:29 “ንብጻይካ፡ ኣሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ፡ ኣይትተናዀለሉ።”

ኣይትተናዀለሉ” ማለት ሕማቅ ነገር ኣይትምሃዘሉ።

ረሲእነት ኣማሌቅ

መጽሓፍ ቅዱስ እንተነቢብና ብዙሕ ሕቶ ዝፈጥር ታሪኽ ንረክብ ኢና። ሓደ ካብኡ ኸኣ ታሪኽ ኣማልቃውያን’ዩ። እ/ሔር ስለ ምንታይ ንኣማሌቅ ካብ ገጽ ምድሪ ክጠፍኡ ወሲኑ ዝብል ሕቶ ክንሓትት ናይ ግድን’ዩ።

እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ምስ ወጹ፡ ብኸረን ሲና ኣቢሎም፡ ኣብ ረፊድም ንኣምላኽ ምስ ፈተንዎ፡ ካብ ከውሒ ማይ ኣፈልፊሉ ጽምኣቶም ኣርውዩ። ኣብ ረፊዲም ከለው ኸኣ፡ ኣማሌቅ’ መጺኡ ተዋግኦም። ኣማሌቅ ብምድሩ ከሕልፎም ዘይምፍቃዱ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ንውግእ ምስላፉ፡ ኣብ የዒንቲ እ/ሔር ቅኑዕ ኣይነበረን። እዚ ድማ ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ፈልማ ዝገጠሞም ጸላኢ ነይሩ።

ንኣማሌቅ ስዒሮም፡ እ/ሔር ከም ዝተዋግኣሎም ስለ ዘስተውዓሉ፡ ሙሴ መሰውኢ ሰሪሑ፡ ‘እ/ሔር ሰንደቅ ዕላማይ” ኢሉ ሰምይዎ። ውግእ ምስ ኣማሌቅ ከኣ ኣየቋርጽን ኢሉ ኣውጁ። እ/ሔር ግና ካልእ ነገር ርእዩ። ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማይ ፈጺመ ክድምስሶ’የ ኢሉ ምሒሉ። ዘፍ17 ስለምንታይ፧

ኣማሌቅ ሕሱም ‘ዩ ነይሩ። ካብ ኩሉ እኩይ ተግባራቶም ‘ቲ ዝኸፍአ፡ እ/ሔር ከኣ ፈጺሙ ዝተጸየፎ ግብሮም፡ ከጥቅዑ ከለዉ ብድሕሪት እምበር ብቅድሚት ኣይነበረን። እ/ሔር ከይፈርሁ ነቶም ድኹማትን ብድሕሪት ዘለዉ የጥቅዑ። ብድሕሪት ከኣ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረገውቶን ቆላዑን ዝደኸሙን እምበር፡ እቶም ሓያላትን ንውግእ ዝተዓጥቁ ኣይኰኑን። ዘዳ25፡17-19

ዳዊትን ሰቡን ክዋግኡ ንሰልፊ ወጺኦም ከለዉ፡ ብድሕሪኦም መጺኦም ንኣቁሻቶም ዝዘረፉ፡ ንደቆምን ኣንስቶምን ዝነበሮም ጥሪት ዝማረኹ፡ እዞም ሕሱማት ኣማሊቃውያን’ዮም። 1ሳሙ30 ዝቃዎሞምን ደው ዘብሎም ከም ዘየለ ስለ ዝፈለጡ፡ ኣዳህሊሎም ከተማ ወሪሮም። ዘድልዮም ጌሮም። ቆልዑን ኣንስትን ጥራይ እምበር ካልእ ከም ዘየለ ስለ ዘስተውዓሉ፡ ንድኹማት ዝከላኸለሎም ከም ዘየለ ስለ ዝፈለጡ፡ ኣጥቂዖም። እዚ ኸኣ መለለይ ኣማሊቅ’ዩ። እዚ ኸኣ ብሓቂ ረሲእነት’ዩ።

ነፍሰይ ኣብ ምኽሮም ኣይትእቶ

ደቂ ያእቆብ ብዙሕ ሕማቅ ነገር ገይሮም’ዮም። ንሓዎም ንባርነት ሸይጦም። ነብኦም ኣታሊሎም። ካብ መንጉኦም ምስ ሰይቲ ኣብኡ ደቂሱ። ነቡኦም ብዙሕ ኣጉህዮም። ካብ ኩሉ ነቡኦም ዘጉሃዮ ግና ስምኦንን ሌዊን ዝገበርዎ ረሲእነት’ዩ። ዝገበርዎ ክገልጾ ከሎ፡ “ኣስያፎም ኣጽዋር ዓመጻ” እዩ ብምባል ዘረባኡ ጀሚሩ። እዚ ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ ንሴኬምን ንጉባዝ ‘ታ ከተማ ዝገብርዎም ረሲእነት ስለ ዝዘከረ’ዩ። ዘፍ 34

ሴኰም ወዲ ሓሞር፡ ምስ ዲና ጓል ያእቆብ ምስ ደቀሰ እሞ ምስ ፈተዋ፡ ሰበይቱ ክትከውን ከእትዋ ደልዩ። ዝሓተትዎ ክገብር ድማ ልቡ ከፊቱ ተዛሪቡ። ደቂ ያእቆብ፡ ብፍላይ ስምኦንን ሌዊን ግና ንሓፍቶም ብዘይ ፍቓዳ ዝዓመጻ ስለ ዝመሰሎም፡ ጉህዮም ኣዝዮም ተናደዱ። ቁጥዓን ሓርቆትን ንሓሳቦም ስለ ዘደበነ ኸኣ፡ ኣብ ሴኬምን ኣጉባዝ ‘ታ ከተማ ሕሱም ነገር መኺሮም። ሓፍቶም ክህብዎም እንተዀይኖም፡ ኩሎም ኣጉባዝ ‘ታ ኸተማ ክግዘሩ ሕራይ እንተኢሎም ጥራይ ምኻኖም መኺሮም። ሴኬም ከኣ ንዲና ኣዝዩ ስለ ዝፈተዋ፡ ነፍሱ ምስ ነፍሳ ስለ ዝተጣበቐ፡ ዋጋ ዝሓትት መስዋእቲ ክገብር ሕራይ ኢሉ።

ምኽሪ ስምኦንን ሌዊን ኣዝዩ ሕሱምን ጨካንን ዝገብሮ ግና፡ ንሕጊ ኣምላኽ ንኽፍኣቶም ስለ ዝተጠቀምሉ ‘ዮም። ክገብርዎ ዝደለዩ ጽቡቅ ከም ዝኰነ ኣምሲሎም ብተንኬል ተዛረብዎም። ሓሞርን ህዝቡን ከኣ ስለ ዝኣመንዎም፡ ‘ቲ ኣዝዩ ዝሓሰረ ክፍሊ ኣካሎም ቀሊዖም። ተገዚሮም ከኣ።

ኰነ ኸኣ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ፡ ኣዝዮም ኪቅንዘዉ ከለው፡ ርእሶም ክሕግዙን ክከላኸሉም ከም ዘይክእሉ ምስ ፈለጡ፡ ከይሓሰብዎ ብስሕለት ሰይፊ ሓደጋ ወዲቆም፡ ተባዕታይ ዘበለ ቐተሉ። ብኸምዚ ኸኣ ጽያፍ ጌሮም። ኣብ ድኻሞም ስለ ዘጥቅዕዎም ከኣ፡ ኣብኦም ያእቆብ፡ ኣብ መጨረሽታ ዕድሚኡ፡ “ነፍስይ ናብ ምኽሮም ኣይትእቶ፡ ክብረይ ከኣ ኣብ ኣኼባኦም ኣይትሕበር” ብምባል ከም ዘስካሕከሖ ኣስሚሩ ተዛሪቡ። ነዚ ጨካን ተግባር ረሲእነት እንተዘይተባሂሉ፡ እንታይ ንበሎ፧ ንዝኣመነካ ኣይትተናዀለሉ፡ ክፉእ ኣይትምሃዘሉ፡ ዝተባህለ ንኸምዚ’ዶ ይኸውን፧

ግብሪ ፈርሳውይያን

ፈርሳውያን ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር ቅንኣት ኣምላኽ ነይርዎም’ዩ። ሮሜ10፡1,2 ልቦም ጸልሚቱ ስለ ዝነበረ፡ ንኣምላኽ ዘሕጉሱ እናመሰሎም፡ ብዙሕ ይስሕቱ ነይሮም። ግብዝና ርእሶም ጥራይ ዘይኰነ፡ ንየሱስ ከጥቅዕዎ ኣብ ኩሉ መገዱ ይጸናተውዎ ፡ ይጸናጸንዎ፡ ነይሮም። ዝዛረቦን፡ ዝገብሮን፡ ዝኸዶን፡ ዝትንክፎን፡ ዝውዕሎን፡ ብደቂቅ ብምጽናዕ፡ ኣብ መዝገቦም ብምስፋር፡ ክኸስዎን ከጥፍእዎን ለይትን መዓልትን ድቃስ ዘይብሎም ይሓድሩ ነይሮም። ሉቃ6:7 ሉቃ14:1

ክቱር ጽልኢ ነዒንቶም ስለ ዘዖረ፡ ዝገብሮ ዝነበረ ባህ ዘብል ግብሪ ኣምላኽ ምርኣይ ተሳኢንዎም ጥራይ ዘይኰነ፡ ናብ ክፉእ ብምልዋጥ ክጥቅዕዎ ፈቲኖም። እዚ ኸኣ ብሓቂ ስጋዊ፡ ምድራዊ፡ ሰይጣናዊ ጥበብ’ዩ። ያእ3:14-16 ከብርስዎ፡ ካብ ቦታኡ ከልግስዎ፡ ኣብ የዒንቲ ሰባት ከቃልልዎን ከዋርድዎን ለይትን መዓልትን ይጸናተውዎ ምንባሮም፡ ልቢ ሰብ ንእኸይ እንተሓንጊዱ ሕሱም ምኻኑ የረድኣና። ብሓቒ ሰብ ልቡ ሕሉው ክኸውን፡ ኣብ ጸጽባሕ ንኣምላኽ ትሕጃ ክህብ ኣለዎ።

የሱስ ብመገዱ ፍጹም ስለ ዝነበረ፡ ሓንቲ ኣይረኸብሉን። ብዙሕ እኳ እንተፈተኑ፡ መኽሰሲ ክረኽብሉ ኣይከኣሉን። ንኸምዚ ከማና ዝበለ ሰብ ግና፡ ተጸናጺናዮ ኣይኰነን፡ መኽሰስን መፋረድን ብኸምኡ ክንረኽበሉ ቀሊል’ዩ። ክንፍንጥሮ እንተደሊና፡ ብቓላት ኣፉን መገዱን እንተኣቋሚትና ክንሕዞ ንኽእል ኢና። ልቢ ክርስቶስ ፍሉይ ዝገብሮ ግና፡ ድኻምን ጉድለትን ዝሽፍን ምኻኑ’ዩ። “ኣነ’ውን ኣይፈርደክን’የ። መሊስኪ ደኣ ኣይትበድሊ” ብምባል፡ ናብ ሕብረተሰብ ዝጽምብር እምበር፡ ልቢ ሰብ ኣጽቢቡ ዝግልል ኣይኰነን። ልቢ ክርስቶስ ይሃልወና።

ሓሳብ ሰይጣን ዝዘወሮ ልቢ ይሁዳ

ይሁዳ ምስ የሱስ ሰለስተ ዓመትን ፈረቃን ተጓዒዙ’ዩ። ምስ የሱስ ኣብ ሓደ ጻሕሊ በሊዑን ሰትዩን። የሱስ ልቡ ከፊቱ ኩሉ ምስ ነገሮም፡ “የዕሩኽተይ” ክብሎም ከሎ፡ ይሁዳ ሓደ ካባታቶም’ ነይሩ። ዮሃ15፡15 ይሁዳ ግና ዝበልዓሉ ጻሕሊ ሰቢሩ፡ ሸዀና እግሪ የሱስ ነኺሱ። ገንዘብ ነዒንቱ ስለ ዘዖረ፡ ንየሱስ ንመከራ፡ ንሕስራን፡ ንሞት ኣሕሊፉ ክህብ ደፊሩ።

መገዲ ይሁዳ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ዝገብሮ፡ ንኸጥቅዖ “ምቹእ” ጊዜ ይጽበ ምንባሩ’ዩ። ዝኸዶን ዝውዕሎን ኣበይ ምኻኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ በቲ ዝፈለጦ ከጥቅዖ ልቡ ብሓሳብ ሰይጣን ተቀሲቡ። ንውርደት ኣሕሊፉ ክህቦ ከለው’ውን እንተዀነ፡ ቀሪቡ ስዒምዎ። የሱስ’ውን ከም ዘይተደናገረ ከፍልጦ ስለ ዝደለየ፡ “ዓርከይ” ብምንታይ መጻኻ፧ ብምባል፡ ክሳዕ ክንደይ ክጥብሮ ከም ዝፈተነ ክረድኦ ፈቲኑ። ማቴ26:50 ዓርከይ፡ መቅርበይ፡ መገላግልተይ፡ ሓወይ፡ መጓዕዝተይ ዝበልካዮ፡ ልብኻ ዝኸፈትካሉ፡ በቲ ዝፈለጦ ተመሊሱ ከጥቅዓካ ከሎ፡ ካብዚ ዝገድድ ጭካነን ረሲእነት ይህሉ’ዶ ይኸውን፧

ስልጣን፡ ዝና፡ ኣንነት፡ ንልቢ ሰብ ስለ ዝዘወሮን ዘዐሮን፡ ሰብ ኣብ ብጻዩ ክለዓል ዳርጋ መዓልታዊ ንሰምዖን ንርእዮን ተግባብሮ ኰይኑ ኣሎ። ብፍላይ ከምዚ ዝበለ ኣብቶም ናይ የሱስ ዘበሉ፡ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ዝተቐበሉ፡ ክርአን ክስማዕን ከሎ ኣዝዩ ዘስደምም’ዩ። ክንምለስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ክንሳሕ ይግብኣና።

ንሓውኻ ኣብ ድኻሙን ብድኻሙን ምጥቃዕ ረሲእነት’ዩ

ኩልና ድኻም ከም ዝጠብቐና ርዱእ’ዩ። ኣብዚ ስጋ ሰፊርና ከለና ኸኣ ክንዕንቐፍ፡ ክንወድቕ፡ ግድን’ዩ። መጽሓፍ ቅዱስና’ውን “ጻድቅ ሸውዓተ ጊዜ ይወድቅ ይትስእ ከኣ” ብምባል፡ ጻድቅ ፈጺሙ ከም ዝወድቅ የረድኣና። እቲ ምስጢር እምበኣር ኣብ ምውዳቅ ዘይኰነ፡ ኣብ ምትንሳእ’ዩ። ሰብ ሓጢኣት ክገብር ዝከኣል’ዩ። ኣብ ሓጢኣቱ ክነብር እንተጸኒዑ ግና ጥዕና የብሉን። ልቡ ስለ ዘትረረ ኸኣ ኣብ ኣብ ሓደጋን ጥቓ ውርደትን ኣሎ።

ንሰብ ኣብ ድኻሙ ክትልዓሎ፡ ድኻሙ ፈሊጥካ በቲ ዝፈለጥዮካ ከተጥቅዖ ግና፡ ኣምላኽ ይጽየፎ’ዩ። ሓደ ብገለ በደል እንተተታሕዘ፡ ንሕና መንፈሳውያን ዝዀና ብ”ህድእ” ዝበለ መንፈስ ከነቅንዖ ይግብኣና። እታ ቀንዲ ኣገዳሲት ሓረግ ከኣ “ህድእ ዝበለ መንፈስ” እትብል’ያ ምኽንያቱ ሓደ ብዝገበሮ እቲ ኻልእ ክንድር፡ ክሓርቅ፡ ኣብ ፍርዲ ክኣቱ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን በቲ ዝደለዮ ጊዜ ስለ ዘይተለወጠ ‘ቲ ሰብ ተስፋ ክቆርጽ ስለ ዝኽእል።

ሰብ ብሕማቅ ኣመል ተሳዒሩ ምስ እንዕዘብ፡ ክንድንግጸሉ ካብኡ ሓሊፍና ኸኣ ክንሕግዞ ክንዕጠቅ ‘ዩ ዘለና። እዚ ኸኣ ገዛእ ርእስና ብምርኣይ ይጅምር። ገዛእ ርእስና እንተጠሚትና፡ ድኻም ዝጠብቀና ፍጡራት ምዃና ክንዝክር ይገብረና። ብሓቂ ርእስና እንተጠሚትና፡ ንኻልእ ክንድንግጽ ዓቅሚ ንረክብ። ገላ6፡1-3

ነቲ ዝረስሐ ክዳኖም እናፈንፈና፡ ክንድግጸሎም፡ ክንድግፎም፡ ንገሊኣቶም ከኣ ካብ ሓዊ መንጢልና ከነውጾም ሓላፍነት ኣለና። ይሁ1:23 ርግጹ’ዩ፡ ኣብ ግብሮም ክንሓብር የብልናን። ግላዊ ሓላፍነትን ክነሰክሞም፡ ዘድሊ እንተዀይኑ’ውን መታን ክእረሙ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ክንግስጾም ግቡእ’ዩ። ድኻሞምን ሓጢኣቶም ዘይእመኑ ምስ ዝዀኑ፡ ክቅጽዑ ክንገብር ፈጺሙ ጌጋ ኣይኰነን። እዚ ኹሉ ግና ብትዕግስትን ብፍቅርን፡ ንምህናጽን ንምቅናዕን ደኣ እምበር፡ ንምፍራስን ንምውራድን ክኸውን የብሉን። ኣምላኽ ኰላሊት ይምርምር’ዩ።

ንሓቂ ብፍቅሪ

ጌጋ ርኢና ስቅ እንተኢልና፡ ስቅ ብምባልና ኣብቲ ጌጋ ንሓብር ኣለና። በዚ ኸምዚ ኸኣ ንሕና’ውን በደለኛታት ኢና። ሰብ ተጋግዩ ምስ ዝኸውን እሞ ምስ ዝእመን፡ ንምሕዳጉ ልብና ክፉት ክኸውን ኣለዎ። ኩሉ ንገብሮ ንምህናጽ ክኸውን ትእዛዝ ኣምላኽ’ዩ።

ፈትዩ ምስ ዝገብሮ ግና፡ ብፍላይ ምስ ዝደጋግሞ፡ ምእማን ምስ ዝሽገር፡ ብፍቅሪ ከነቅንዖ ሓላፍነትና’ዩ። ኣብ መግናሕቲ ‘ቲ ዝዓበየ ብድሆና እምበኣር “ትዕስቲ” ዩ። ሰብ ዝበልናዮ እንተዘይተቀቢልዎ፡ ብሽዓ ምምሕያሽ እንተዘይ ኣርእዩ፡ ዓቅልና ቀልጢፉ ይጽንቐቅ። 2ጢሞ2:25

ንሕና ዝረኣናዮ ‘ቲ ካልእ ሰብ ክርእዮ ጊዜ ክወስደሉ ይኽእል። ዋላ’ውን እንተረኣዮን እንተተቀበሎን፡ ለውጢ ብሽዓ ኣይመጽእን። ለውጢ ጊዜ ይወስድ’ዩ። ንሓደ ሓው ዝበሃል ክንገንሖ ከለና፡ ዝዓበየ ብድሆና ቀልጢፉ ዘይምልዋጡ ዘይኰነ፡ ዘለና ዓቅልን ትዕግስትን’ዩ። በብግዚኡ ክንገንሖን ከነቅንዖን፡ ንምዕራዩ ክንተግህ፡ “ትዕግስቲ” ይጥለበና።

ዝረኣናዮ ኣብ ልብና ነዋህልሎ፡ ኣይንዛረቦ ማለት ኣይኰነን። ዘይተረድኣና ኣይንሕተት፡ ደስ ዘይበለና ኣይነመልክት ማለትና ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ብዝተገትአ ስምዒትን ኣኽብሮትን ክንሓትት እኳ ደኣ ኣለና። መብዛሕትኡ ጊዜ ኣብ ልብና ስለ እንኽዝኖ፡ ክይተረድና “ምረት” ከነብቁል ይገብረና። ካብ “ምረት” ከኣ ኩራ፡ ቁጥዓ፡ ታዕታዕ፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ክፍኣት ይቦቅል። ኤፌ4:31

ኣካል ሓድሕድ ስለ ዝዀና፡ ተደጋጊፍናን ተኣሳሲርናን ናብ ክርስቶስ ስለ እንዓቢ፡ ብፍቅሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ንሓድሕድና ክንመዓዓድ ሓላፍነት ኣለና። ኤፌ4:15,16 ኣብ መንጎና ሓጢኣት እናዐሸዎ ድሕሪት ከይተርፍ፡ ልቡ ናብ ረሲእነት ከይዘብል መታን፡ ምምዕዓድ ክዀነልና መዐቀኒ መንፈሳዊ ብጽሕናና’ዩ። እብ3:12,13

ሮሜ 15፡14 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባኻትኩምሲ ብጽቡቕ ነገር ምሉኣት ምዃንኩም ብልጠት ዘበለ ዂሉ ኸም ዝመላእኩም፡ ንሓድሕድኩም ምምዕዓድ’ውን ከም ዚዀነልኩም፡ ኣነ ባዕለይ ተረዲኤዮ ኣሎኹ።

ስለዚ ንፍቅርን ንሰናይ ግብርን ንምንቅቃሕን ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እብ10:24 ካብዚ ዝወጸ ግና ስጋውነትን ዓለማውነት ጥራይ’ዩ። ንማሕበር ኣምላኽ ከኣ የፍርሳ። ፈጺሙ ብክርስቶስ ዘለዋ ስእሊ የደብዝዝ።  ንጠንቐቕ ደኣ!