ሓደ ሓደ ጊዜ ስቕ ምባል ጥበብ‘ዩ

ብሓው ሮቤል ነጸረኣብ

ኢሳይያስ 50 (Isaiah)
4፤ ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሀበኒ። ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ።

መክብብ 3 (Ecclesiastes)
7፤ …… ስቕ ምባል ጊዜ አለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ ኣለዎ።

ትሕዝቶ
=====
መብዛሕትኡ እዋናት፣ ንኣብ ሓዘን ወይ ሕማም፣ ወይ እዉን ካልእ ክብድ ዝበሉ ኩነታት ዘለዉ ኣሕዋትና፣ እንተ ብኣካል ከይድና ወይ ብቴሌፎን ደዊልና፣ ዝመስሉና ናይ ምጽንናዕ ቃላት፣ ርእይቶታት ወይ ምኽርታት ንልግሰሎም ኢና። እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡልን ጽቡቕን እዩ፣ ከምኡ`ውን ክርስትያናዊ ናይ ፍቕሪ ዕዳና ድማ እዩ። ከምዚ ኣብ ነንሓድሕድና ደሃይን ሃለዋትን ምፍልላጥ ድማ መመሊሱ ይብዝሓልና።

ሓደ ሓደ ጊዜ ግና፣ ኹነታት እቶም ሰባት ብዕምቈት ስኣን ምፍላጥናን ምግንዛብናን፣ በቃ ዝመስለና ኣፍና ዝሃበና ምዝራብ፣ ርእይቶታት ምሃብ ንህወኽ እሞ፣ ነቶም ኣሕዋትና ቁስሎም ኣብ ክንዲ ምፍዋስ፣ ንዝተጎድኤ ስምዒቶም መሊስና እንጎድእን እነጋድድን መጸናንዓቲ ንኸዉን። እቲ ካብ ኣፍና ዝወጽእ ቃላት፣ ነቲ ተጎዲኡን ደኺሙን ዘሎ ልቦም፣ ዘይጠቅም ሓኪም ይኾኖም። ኤረ ገሊኡ ቃላትሲ፣ ነቶም ኣብ ኸቢድ ኩነታት ዘለዉ ሰባት ከም ሰይፊ እዩ ዝቆርጾም። ናብ ከምዚኣቶም ዝተጎድኡ ሰባት ክንበጽሖም ወይ ደሃዮም ክንፈልጥ እንተኸድናኳ፣ ኬድና ኣፍና ከፊትና ክንዛረብ ግና ብግዲ ዘይኮነሉ ጊዜታት ከምዘሎ ክንፈልጥ ይግባእ። ነዚ ዝምልከት፣ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ንጉስ ሰሎሞን ባርያኡ እዮብን ሓደ ጊዜ ከምዚ ኢሉ ኣሎ:–

እዮብ 13:5
5፤ ኤረ ስቕ ምባል እንተ ትኽእሉ፡ እዚ ኸኣ ኸም ጥበብ ምተቘጽረልኩም ነይሩ።

ምሳሌ 12፣18
“ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ ኣሎ፡…… እዩ።”

እቲ ንሳቶምን ኣምላኾምን ጥራይ ዝፈልጥዎ ኩነታት ልቦም፣ ምስቲ ኣፍና ዝሃበና እንዛረቦም ዘረባታት ይኹን እንጠቅሰሎም ጥቕስታት፣ ሰማይን ምድርን ዝኾኖሉ ጊዜ ከምዘሎ ምፍላጥ ልቦና ኾይኑ ይስምዓኒ። ምእንቲ ደዉ ኢልና ክንሓስብ፣ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ሓደ ዉዑይ ሓዘን ዝርኣኽዎን ዝሰማዕኽዎን ኣጋጣሚ ከዕልለኩም ፍቐዱለይ። እቲ ሓዘን ከምቲ ጠቂሰዮ ዘሎኹ ዉዑይ ሓዘን እዩ ነይሩ፣ ደሓር ብሓደ ሓዉ ቃል ኣምላኽ ምስ ተኻፈልና፣ ሓደ ሓዉ መዝሙር ክንዝምር ምእንቲ ደዉ ክንብል ሓቲቱ “ኣዊጄ ሓርነተይ በቃ ኣብቂዑ ኣሎ ጉስቁልናይ” እትብል መዝሙር ነቲ ህዝቢ ኣዘሚርዎም እብለኩም። እቲ መዝሙርን እቲ ኩነታትን ሰሜንን ደቡብን ክኸዉን የብሉን። ኣብታ መዝሙር ዋላሓደ ጌጋ የልቦን፣ ምስቲ ዝነበረ ዉዑይ ሓዘን ግና እትዝመረሉ ጊዜ ኣይነበረን።

ስለዚ እቲ ብስቕታ ግናኸ ብግብሪ ምሳታቶም ብህልዉናካ ምህላዉ፣ ንገሊኦም ብዝያዳ ነቲ ኹነታት ኣገናዚብካ፣ ኣብቲ ጫማኦም ክትኣቱ ትፍትን ከምዘሎኻ እዩ ዘርእዮም። ኣብ ከምዚ ኩነታት እምበር፣ ነቲ ስቅታኻ ዝመርጹሉ ጊዜ ኣሎ። በቃ ስቕ! ምስዚ ዝመሳሰል ኩነታት፣ እዮብ ነቶም ከጸናንዕዎ ዝመጹ መጸናናዕቲ ከምዚ ዝስዕብ ይብሎም፣

እዮብ 13፣4–5
4፣ንስኻትኩም ግና ሓሶት እትኣልሙ ሰባት ኢኹም፡ #ኲላትኩም_ዘይትጠቕሙ_ሓኪማትኢኹም። 5፤ ኤረ ስቕ ምባል እንተ ትኽእሉ፡ እዚ ኸኣ ኸም ጥበብ ምተቘጽረልኩም ነይሩ።

እዮብ 34 (Job)
3፤ ትንሓግ ንብልዒ ኸም ዜስተማቕሮ፡ #እዝኒ_ንዘረባ_ይዕዘቦ

ግናኸ ኣኺልና ኩላ ጊዜ ዲና ስቕ ክንብል ዘሎና? ያእ ኣይፋልን!!! እምብኣር ሎሚ፣ ሓንቲ ንኹላትና ክትጠቅመና ትኽእል እያ ዝበልክዋ ምኽሪ እየ ክልግስ ደልየ። ከም ለባማት ኣመንቲ መጠን፣ እቲ መዓሙቕ ኣምላኽን ሰብን ዝፈልጥ ብሩኽ መንፈስ ቅዱስ፣ ኣብ መንፈስና ንምዝራብ ይኹን እንታይ ኢልና እዉን ከምእንዛረብን እንተዘይደሪኹና ወይ እንተዘይሂቡና ፣ ሓደራ ስቕ ምባል ይበልጸና።

እዚ ጥበብ እዩ እሞ፣ ከምቲ ኣብ ምሳሌ 12:18 “……መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ።” ዝብሎ፣ ጠቢባን ንኹን! መልሓስና ማለት ቃላት ኣፍና ንጥዕና እቲ ዝሰምዓና ሰማዒ ይኹን! እዝኒ እቲ ሰማዒ ኣይተዓዘበና። ካብ ዘይጠቕሙ ሓካይምሲ ፣ እንጠቅም ሓካይም ደአ ንኹን!!! ዎ ‘ጎይታ ንምጽንናዕ ዝኸዉን ናይ ተመሃራይ እዝንን፣ ናይ ምሁራት ልሳንን ሃበና!” ኣሜን

እዮብ 32 (Job)
8፤ ግናኸ እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈስን እስትንፋስ እቲ ዂሉ ዚኽእልን እዩ ምስትውዓል ዚህብ።

ብልቡ ዘፍቅረኩም ሓዉኹም ሮቤል ነጸርኣብ።